ወጥሪ ትግራይ ናበይ ከምርሕ ይኸውን?

ጌታቸው ረዳ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ካብ ፀጋም ናብ የማን)

ምንጪ ስእሊ, TTV/PM Office

ምምቕቓል መሪሕነት ህወሓት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ዝምራሕ ክንፊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓገዝ ዕጡቓት ሓይልታት ምምሕዳራዊ፡ ኣብያተ ፅሕፈት ከምዝተቖፃፀረ ይግለፅ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድማ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርርብ ዝገበረ ዀይኑ፡ ምስ "ማሕተም ዝምንጥል ኣካል" ከይደራደር ከምዝሓተተ ኣፍሊጡ ኣሎ።

"እቲ ሕጂ ማሕተም ወረዳ፣ ማህተም ቀበሌ፣ ማሕተም ከንቲባ ከተማታት እናኣረየ ዝውዕል ዘሎ ሓይሊ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ 'ክደራደር'የ' ኢሉ ክመጽእ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ።

ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ወገን ድማ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ ትግራይ ሕግን ስርዓትን ናይ ምኽባር ስራሕ . . . ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ዝያዳ ዘጠናኽር እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

እቲ ኩነታት ናበይ እዩ ዘምርሕ ዘሎ?

ካልእ ቅልውላው ?

ውሽጣዊ ቅልውላው ህወሓት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ፍሒዅ እናበለ ዝመፅአ ዀይኑ፡ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም [ግእዝ] ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብስንፍናን ጥልመትን ብምኽሳስ፡ 'ምምዕርራይ ክግበረሉ ኣለዎ' ካብ ዝብሉ ጀሚሮም ግን፡ እቲ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉ።

ብፀጋታት ወርቅን ካልኦት ማዕድናት ዝሃብተመ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ቁፅፅር ግዝያዊ መንግስቲ ካብ ዝኸውን ኣዋርሕ ኣቑፂሩ እዩ።

ኣብ ዞበታት ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ምምሕዳራት ወረዳ ከፍርሱ ዝተራእዩ ዕጡቓት፡ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ኤፍኤም መቐለን ተቘፃፂሮም ይርከቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት መንግስታዊ ኣገልግሎት ዳርጋ ጠጠው ኢሉ፤ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ነበርቲ እቲ ክልል ድማ፡ 'ሎሚኸ 'ታይ ዀን ይፍጠር ይኸውን?' ኣብ ዝብል ሓያል ስግኣት ጥሒሎም ይርከቡ።

ገለ ድማ ኣባላት ስድረኦም፡ ናብ ኣዲስ አባበ ከውፅኡን ከግዕዙን ተራእዮም።

ካልኦት፡ ነቲ ዝሐለፈ ኲናት ዘዝክሩ ነበርቲ ድማ፡ ገንዘቦም ካብ ባንኪ ከውፅኡ ዝተራእዩ ዀይኖም፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ነዋሕቲ ሪጋታት ተዓዚቡ ኣሎ።

"ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሕን ፈረቓን፡ ሎሚ ድዩ ፅባሕ ኦፕሬሽን ክካየድ ብዝብል፡ ልዑል ወጥሪ ኣሎ፤ ሰብ ድቃስ ስኢኑ እዩ ሓግዩ። ኣብ ገፅ ብዙሕ ሰብ ስግኣት ኢኻ ትርኢ" ይብል ኣብ መቐለ ዝርከብ ተንታኒ ፖለቲካን ምሁር ሕግን ዳንኤል ብርሃነ።

እቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ክንፊ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ከምዝተዘራረበ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ፤ ዝተገብረ ስምምዕ ግን ኣይተፈልጠን።

"ዛጊድ ኣብ መቐለ ዘጋጠመ ርኡይ ነገር የለን፡ 'ዞም ሰባት እንታይ ከምዝገብሩ ኣይፈልጡን፤ ወይ ድማ ምናልባት ዋዒ ህዝቢ እናለክዑ፡ ዝኸዱ ዘለዉ እዮም ዝመስሉ" ይብል ዳንኤል፡ ትዕዝብቱ እንተቅምጥ።

ቢሮ ፀጥታን ሰላምን ግን፡ እቲ 'ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ' ዝበሎ ስጉምቲ፡ ከባብያዊ ምምሕዳራት ናይ ምፍራስን ብሓደሽቲ ሹመኛታት ናይ ምትካእን ተግባርት፡ ድሌት ህዝብን ሰራዊትን ከምዝዀነ ብምግላፅ፡ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣብ ዓዲጉደምን፡ ኣብ ካልእ ከባብታትን ዝተፈጸሙ ክስታቱ 'ተኹሲን መጉዳእትን' ድማ፡ 'ሓሶት' ክብል ይነፅጐም።

ኣቶ ጌታቸውን ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ ዝህብ ንደሓር፡ ዛጊት ናብ ቦትኡ ኣይተመልሰን።

ምስ ቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሐትት፡ "ናብ መቐለ ክምለስ እዩ፤ ስለምንታይ እየ ኣብዚ ዝተርፍ?" ኢሉ እንተነበረ'ኳ፡ ንሱ ዛጊድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

ትማሊ ምስ 'ርእዮት' ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መሐትት ድማ፡ ካብ መቐለ ኣብ ዘወፅአሉ ኣጋጣሚ፡ ካብ ኬላ ንከይሓልፍ ፈተነታት ከምዝተገብረን፡ ኣብ ነፋሪት ምስተሰቕለ ንክምለስ ካብ ሓይልታት ፀጥታ ሕቶ ቀሪቡ ከምዝነበረን ተዛሪቡ።

እንተዀነ፡ እቲ ማህተም ኣብ ኢዱ ከምዝርከብን፡ ኣብ ልዕሊኡ እዚ ዝበሃል ናይ ፀጥታ ስግኣት ከምዘየሎን ተዛሪቡ።

ኣብ ከተማ መቐለ

'ዘገምተኛ ዕልዋ'

ኣቶ ጌታቸው፡ በቲ ካልእ ክንፊ ህወሓት 'ከሓዲ፡ ጠላም' ፣ 'ንፌዴራል መንግስቲ ዝሓደረ'፡ 'ንረብሓታት ትግራይ ዘሀገረ' ተባሂሉ ይኽሰስ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ፡ ንኲናት ትግራይ ስዒቡ፡ ዕጡቓት ብጉልበት ዝጐበጡዎ ሰፊሕ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ ናብ ንቡር ዘይመለሰ ተባሂሉ ይንቀፍ፤ ዛጊድ ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ኣብ ሕሰምን መከረና ይርከቡ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ምምሕዳሩ እዚ ክገብር ዘይካአለ፡ በቲ ብበዓል ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕንቅፋት ከምዝበዝበዝሖ እዩ ዘመኻኒ። ተዓዘብቲ ግን፡ ኣቶ ጌታቸው ከም ፕረዚደንት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ባይታ እዚ ዝበሃል መሓውርን ቁፅፅርን ከምዘይዘርገሐ ይዛረቡ።

ዳንኤል ብርሃነ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ልዕልና ክህልዎ ነይሩዎ ይብል።

እንተዘይኰነ፡ ኣብ ከም ሃገራት ኣፍሪቃ ዓይነት፡ ከምዚ ዓይንት ፖለቲካዊ ወጥሪ ከይዱ ከይዱ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ምኻዱ ዘይተርፍ እዩ ይብል።

እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ዝገብሮ፡ ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ምእታዎም ጥራይ ዘይኰነ፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ንተቓውሞ ዝወፅኡ ሰባት ዘርእዩዎ ጭካነ ይመስል።

እዙይ ዝንባለ ኣብ ከም ጣብያ ሰሓርትን ከተማ ዓዲ ጉዶምን ተራእዩ እዩ።

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ንጉስ ኣረፈ፡ ነዚ ስዒቡ፡ እቶም ከም መድሕንን ዋሕስን ህዝቢ ተገይሮም ዝረአዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብህዝቢ ተፀሊኦም፡ እቲ ክልል ብዘይ ሓላዊ ደጐል ከይተርፍ- ንቢቢሲ ትግርኛ ስግኣቱ ይገልፅ።

ንሱ ወሲኹ፡ በቲ ዘሎ ኩነታት ብዝተኣሳሰር ተፀልዮም፡ ገለ ሰራዊት ትግራይ፡ ምስ ዕጥቆም ካልኦት ድማ ብረቶም ደርብዮም፡ ነናብ ገዘኦም ይኸዱ ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣለኒ ይብል።

ኣብርሃ [ስሙ ዝተቐየረ]፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ከባብታት ሽዋ ተወቒዑ፡ ሕክምና ገይሩ፡ ካብቲ ሰራዊት ብኽብሪ ዝተሰናበተ እዩ።

"እቲ ዝኸውን ዘሎ ዘሕፍር እዩ፤ እዚ ናይቲ ሰራዊት ማንዴት ኣይኰነን፤ ነዚ ኣይተቓለስናን" ብምባል ርእይቶኡ ይጅምር።

"ሓደ ሓደ ሰራዊት ብፆትና፡ 'ትማሊ ኣብሊዑ፣ ኣስትዩን ኣሐኪሙን ዘውፀአና ህዝቢ ጥይት ኣይንፈድዮን' ኢሎም፤ ዕጥቆም ራሕሪሖም ናብ ገዘኦም ዝተመልሱ ኣለዉ" ኢሉ።

[ቢቢሲ ነዚ ፀብፃብ ብነፃ ከፃርዮ ዘይከኣለ ዀይኑ፡ ንገለ ካብቶም ዝወፅኡ ኣባለት ንምዝራብ ዝገበሮ ፃዕሪ፡ ኣይሰመረን]።

ኣብርሃ ወሲኹ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ውሽጢ እቲ ሰራዊት'ውን ክፍፍል ከምዝፈጠረን፡ ብርክት ዝበሉ ነቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከምዘይተቐበሉዎን ይዛረብ።

እንተዀነ፡ ብበዓል ደብረፅዮን ዝወፅአ መግለፂ፡ እቲ ከባብያዊ ምምሕዳረትን ቤት ፅሕፈት ከንቲባታትን፡ ምቁፅፃር ምኽንያታዊ ምዃኑ ብምምጓት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ 'ደገፍ ፌዴራል ምንግስቲ' ምሕታቱ፡ ነቲ ሓይሊ መኸተ ዝብትንን ንሓደጋ ዘቃልዕን ክብል ወቒሱ ኣሎ።

ጌታቸው፡ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት ከምዘይሓተተ እንተገለፀ'ኳ፡ ደግፈቱ ከይተረፉብዙሓት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፡ ኣሉታዊ ርእይቶታት ከንፀባርቑ ተስተውዒሎም።

ዝተኣገዱ ሰለስተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ትግራየዕ

ምንጪ ስእሊ, SM

'ኣይገብሩዎን-ዝብል ግምት ነይሩዎ'

ክልቲኦም ክንፊታት ህወሓት፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነንባዕሎም ኣፍልጦ ካብ ዝከላልኡ ጀሚሩ፡ ውግንና ሓይልታት ትግራይ ከዘራርብ ፀኒሑ እዩ።

ላዕለዋይ ኣዘዚ እቶም ሓይልታት ጀነራል ታደሰ [ወዲ ወረደ]፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣብቲ "ፖለቲካዊ ቁርቁስ ኢዶም ከምዘይመልሱን ዘይሻራዊ ኰይኖም ከምዝቕፅሉን" ደጋጊሙ ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቶም ኣዘዝቲ ጥሪ 5 [ግእዝ] ዘውፅእዎ መግለፂ፡ ነቲ ብደ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ህወሓት ከምዝድግፉ ድሕሪ ምግላጾም፡ እቲ ወጥሪ እናወሰኸ ምምፅኡ ዝዝከር እዩ።

ነዚ ኣዘዝቲ ዘሕለፉዎ ውሳነ ዝተቓወሙ ገለ ካብ መንጐኦም ድማ፡ ካብ ወተደራዊ ሓላፍነት ተገሊሎም፡ ብኮሚሳራት [ምክትላቶም] ክመዝተተክኡ እሙናት ምንጭታት ቢቢሲ የመልክቱ።

ዳንኤል ብርሃነ፡ ብበርኪ መትከል'ውን እንተዀነ፡ ሓይልታት ፀጥታ፡ ዘይሻራዊ ክኸውን ዝግበኦ ካብቲ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ውድብ ህወሓት 'ምበር፡ ካብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቁፅፅር ወፃኢ ክኸውን ግቡእ ኣይነበረን ይብል።

ንፖሊስን ሚሊሻን ሓዊሱ፡ ኩሎም ሓይልታት ፀጥታ፡ ብቐጥታ ኰነ ብተዘዋዋሪ፡ ተፃዋዕነቶም ነቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክኸውን ከምዝነበሮ ዳንኤል ብርሃነ ይዛረብ።

"ክልቲኦም [ክንፍታት ህወሓት] ገለ ሕቡእ ፀዋታታት ዝፃወቱ ዝነበሩ እዩ ዝመስለኒ" ዝብል ዳንኤል፡ ኣቶ ጌታቸው፡ እቶም ኣዘዝቲ ምሳይ ሓቢሮም ክሰርሑ እዮም ዝብል ግመት ከምዝነበሮ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ኣፋን ዕርበታን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባራት ናይ እግድ ደብዳበ እንተፀሓፈ'ኳ፡ ተፈጻምነት ከይረኸበ ምምሕዳሩ ዘብቅዕ ዘሎ ይመስል።

ካብቶም ዝተኣገዱ ሓደ ዝዀነ- ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ ዝመርሖ- ቢሮ ፀጥታን ሰላምን፡ ነቲ ውሳነ-እግድ ከምዘይቅበሎ ምፍላጡ ዝዝከር እዩ።

"ርግፅ እዩ [ጌታቸው] ቀዲሙ ስጉምቲ እንተዝወስድ፡ ንኣብነት ከምዚ ናይ ሕዚ እግድ እንተዝገብር፡ 'ኣይተኣገድናን፤ ኣይንቕበለካን' ኢሎም፡ ካልእ መንግስቲ ከይምስርቱ ስግኣት ዝነበሮ ይመስለኒ"።

"ብሓፈሻ እንትረአ፡ ከምዚ ዓይነት 'ዘይግቡኣ ተግባራት ኣይውዕሉዎን' ዝብል፡ ባዶ እምነት እዩ ነይሮዎ"።

ኣብ መንጐ ላዕለዎት ኣዘዝትን፡ ካብ ክፍለ ጦር ጀሚርካ ንታሕትን ዘሎ ኣመራርሓን፡ ግልፂ ዝዀነ ኣፈላላይ ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ።

እቲ ላዕለዋይ ኣዘዚ፡ ዝበዝሕ ብጥሮታ ተገሊሉ ዝፀንሐ ወይ ድማ ምስ ምምፃእ ቀ/ሚ ኣብዪ ተኣሲሩ ካብ ሓላፍነት ዝተገለሉ፡ ኣብዚኣ ካብ ምፅናሕ ካልእ ኣማራፂ ዘይብሉ ከምዝዀነ፡ ተንታኒ ፀጥታን ነባር ተገዳላይ ህወሓትን፡ ኣቶ ብስራት ኣማረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

'ብካልእ ሰብ እንተዝትካእ'

ማእኸላይ መንግስቲ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ስቕታ መሪፁ ዝፀንሐ ዀይኑ፡ ንፈለማ እዋን ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ መንግስቲ፡ ህልው ኩነታት ትግራይ ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ፤ ሓደ ካብ ክንፊ ህወሓት ድማ፡ "ሓይሊ ብምጥቃም ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምዕላው ይጽዕር ኣሎ" ኢሉ።

ምስ ገለ ኣንፃር ሃገር ዘቕንዑ ሓይልታት ርክብ ይገብር ኣሎ ክብል'ውን ከሲሱ።ስም እቶም ሓይልታት ግን ኣይጠቐሰን።

ተንታኒ ፖለቲካ ዶክተር ኣደም፡ ብዛዕባ ግደ መንግስቲ ፌደራል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "መንግስቲ ፌደራል፡ ሚዛን ሓይሊ፣ ህዝባዊ ደገፍን ውደባዊ ዓቕምን ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ካልእ መራሒ እንተዝትክእ ዝሓሸ ይመስለኒ። ኣብዚ እዋን ዘሎ ኩነታት፡ ህወሓት ተመሊሳ ንኣቶ ጌታቸው ክትቅበሎ እያ ዝብል እምነት የብለይን" ኢሉ።

እቲ ተንታኒ ፖለቲካ፡ ነዚ ሓሰቡ ብምኽንያት የረድእ።

ኣብ ዓድና፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ውድብን፡ ዝተፈላለዩ ኣመራርሓ ክህሉ፡ 'ልሙድ ስለዘይኰነ እዩ' - ይብል።

"መራሕቲ ውድብን መንግስትን ዝተፈላለያሉ ግዜ ኣብ ትግራይ ጥራይ እዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ዘይምርድዳእ፣ ዘይምስምማዕ ወይ ድማ ውልቃዊ ንሕንሕ ከቢድ ፀገም ከስዕብ ይኽእል እዩ"።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ፌዴራል ምስቶም፡ 'ማህተም ዘሕድጉ ዘለዉ' ዝበሎም 'ገበነኛታት' ዝኰነ ድርድር ከይገብር ተማሕፂኑ ኣሎ። እንተዀነ ዝርርባት ይካየዱ ከምዘለዉ እዩ ዝንገር፥።

ዳንኤል ብርሃኑ፡ "መንግስቲ ፌዴራል ናይ ባዕሉ ቁማር ይፃወት ይህሉ፡ ዓቕሙ ድማ ክርኢ ክግደድ እዩ፤ 'መዓዝ ጣልቃ እንተኣቲና እዩ ዘዋፅአና' ዝብል ሒሳብ ምስርሑ ኣይተርፎን" ክብል፡ 'ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ' ምበር ዘይተርፍ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ኣብ ሓደ ክልል ዕልዋ መንግስቲ እንትፍጸም፡ ንካልኦት ክልላት [ብፍላይ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር] ዝህቦ ትርጉም ካልእ ስለዝኰነ፡ ሱቕ ኢሉ ዝርእዮ ኣይመስለንን" ይብል።

ብፍላይ ድማ፡ እቲ ምስ ኤርትራ ብዝተኣሳሰር ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪን ምትፍናን ዝቕፅል እንተዀይኑ፡ ነዚ'ውን ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነ ከምዝውስን ይኣምን።

ተንታኒ ፖለቲካ ዶ/ር ኣደም፡ እቶም ጸገማት ብዝርርብን ልዝን ብቕልጡፍ ክፍትሑ ዝመክር ኰይኑ፡ ከምኡ ከይኰነ ተሪፉ፡ እቲ ነገር እንተተደናጉዩ ወይ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዝወስድ እንተዀይኑ ግን፡ እቲ ኩነታት ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ከምዝኸውንን፡ ንኤርትራ'ውን ከምዝዕድምን ኣንፊቱ።

ነበርቲ ኣብ ከተማ መቐለ

ኣብ መወዳእታ፡ ናበይ እዩ ከምርሕ?

እቲ ውድብ፡ ፅምብል መበል 50 ዓመት ኣብ ሰፋሕቲ ከባቢታት እቲ ክልል ብሰልፍን ደገፍትን ከኽብር ተራእዩ።

ዶ/ር ኣደም፡ ህወሓት፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ድጋፍን ዓቛምን ኣለዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።

ዳንኤል ነዚ ርእይቶ ኣይቕበልን፤ እቲ ውድብ ኣብቲ ክልል ተቐባልነቱ እናንቆልቆለ ከምዝመፅአ እዩ ዝዛራብ።

"በዓል ደብረፅዮን ህዝባዊ ድጋፍ ዘለዎም ኣይመስሉን፡ ድጋፍ እንተዝህልዎም፡ ሓይሊ ምጥቃም ኣይመድለዮምን" -ይብል ።

ኣብ ዓዲ ጉዶምን ኣብ ጣብያ ሰሓርትን፡ ዕጡቓት ማህተም ከሕድጉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ካብ ህዝቢ ዝገጠሞም ተቓውሞን ዝወሰድድዎ ስጉምትን ገለ ምርሕሓቕ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ የረድእ።

ክልቲኦም ክንፊታት፡ በብወገኖም ሰልፍታት ክወድቡን ድጋፍ ከተኣኻኽቡን ዝረአዩ ዀይኖም፡ ኢድ ኣእታውነት ዕጡቓት ግን ብብዙሓት ይንቀፍ ኣሎ።

ዳንኤል ከምዝብሎ፡ ኣብ'ቲ ክልል ኰነ ኣብታ ሃገር፡ ሰለማዊ ተቓውሞ ምግባር ዝተለምደ ኣይኰነን፤ ስለዚ ኣብ ዝዀነ ከባቢ ዝውላዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘይተወደበን ናብ ናዕቢ ዝተመልኦን [ቫይሎንት] ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ።

"እቲ ዝረአ ዘሎ ተቓውሞ ዝተወደበ ኣይኰነን፤ ኩሎም ነባር ኣወዳድባታት ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዝኣተዉ እዮም። ነገር ግን፡ እቲ ተቓውሞታት ሓደገኛ ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ፡" ይብል።

ነቶም ዕጡቓት ድማ፡ "ፀላእቲ እዮም፡ በሉዎም" ዝብል ትእዛዝ ይወሃቦም ስለዘሎ፡ እዚ ኣዝዩ ሓደገኛን ናበይ ከምዘምርሕ ምግማት ከምዘይከኣልን ይዛረብ።

እቲ ወጥሪ ከይዱ ከይዱ፡ ንዝዀነ ናብ ናይ ደጋ ኣካል ዝተቓለዐ ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ ምዃኑ፡ እቶም ርእይቶ ወሃብቲ ይዛረቡ።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ ነበርትን ኣባላት ውድባት ፖለቲካን፡ ትግራይ ንካልኣይ ግዜ 'ዓውደ-ውግእ' ከይትኸውን ይሰግኡ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ መግለፂ፡ ኣብቲ ዝግበር ዘሎ 'ዕልዋ መንግስቲ' ዝበሎ ፍፃመታት፡ ናይ ኤርትራ ኢድ ከምዘለዎ ዝኸሰሰ ዀይኑ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገ/መስቀል ብወገኑ ነዚ ክስታት ነጺግዎ።

"ኤርትራ ነቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘለዉ ፖለቲካውያን ጉጅለታት ዘሎ ምግምማዕ ንምግዳድ ድሌት የብላን"።

ጀነራል ታደሰ ወረደ'ውን ብወገኑ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ምስ ኤርትራ ዝገብርዎ ርክብ ከምዘሎ ዝቐርብ ጉዳይ ጌጋ እዩ ክብል ነቲ ክስታት ነጺግዎ'ሎ።

እቲ ኵነታት ናበይ ገጹ ከምዝምዕብል፡ ግዜ ዝምልሶ ጉዳይ እዩ።