ዕጡቓት ናብ ቤተ ክርስትያን ብምእታው ንምእመናን ዘሚቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዕጡቓት ናብ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ብምእታው፡ ካብ ኣመንቲ ከም ዝዘመቱ ተገሊፁ።
እቶም ናብ ኤስ-ዲ-ኤ ትበሃል ቤተ-ክርስትያን ዝኣተዉ ዕጡቓት ይካየድ ዝነበረ ጸሎት ክቋረፅ ብምግባር፡ ናይ ኣመንቲ ገንዘብን ንብረትን ሰሪቖም።
እቶም ዕጡቓት ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ኣትዮም ነቲ ስነ-ስርዓት ጸሎት ብምቁራፅ እንትዘምቱ ዘርኢ ምስሊ፡ በቲ ቤተ-ክርስትያን ብቐጥታ ፈነወ ተመሓላሊፉ እዩ።
እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ቤተ-ክርስትያን ሓደ ንኽትከውንን፡ ብሞራልን ምትሕግጋዝን ንክንነብርን ክንጽልይ ኢና” ክትብል፡ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።
ፖሊስ እቲ ከባቢ ነዚ ተግባር ብምኹናን፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጡ።
ኒውስ24 እቶም ዕጡቓት ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ዝነበሩ ኣመንቲ ናይ ውልቀ ንብረቶም ከም ዝዘመቱ ንፖሊስ ፀሪሑ ፀብፂቡ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣውራጃ ኻውቴንግ፡ ካብ ምዝማት ንብረት ወፃኢ፡ ኣብ ኣመንቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ከም ዘየለ ኣፍሊጡ።
መራኸብቲ ሓፋሽ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣገልጋሊ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መድረኽ ኰይኑ እናሰበኸ እንከሎ፡ ሽድሽተ ዕጡቓት ናብታ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝኣተዉ ፀብፂበን።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መድረኽ ኰይኑ ዝሰብኽ ዝነበረ ኣገልጋሊ፡ ብስምባደ ስብከት ኣቋሪፁ ናብ ወንበሩ እንተመርሕ ተራእዩ።
ቅድሚ ሒደት መዓልቲ፡ ኣብ ካልእ ቤተ-ክርስትያን ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ፓስተር ተቐቲሉ፡ ክልተ ኣመንቲ ድማ ከም ዝቖሰሉ ተገሊፁ ነይሩ።
ከም ፀብፃብ 'ዘ ስቲዝን'፡ ኣብ ከባቢ ዲፕስሎት ናብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን ኣትዮም ተኹሲ ከፊቶም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ገበን ንትካላት ሃይማኖት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ንብዙሓት ኣሻቒሉ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ብዕጥቂ ዝተደገፈ ዝምታ፣ ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን ብስፍሓት ዘጋጥም እንትኾን፡ መንግስቲ ነዚ ንምውጋእ ይገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ክንድቲ ፍረ ኣይርኣየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







