ጓል 70 ዓመት ኣደ ማንታ ከም ዝወለደት ሓካይም ኣፍሊጦም

ሳፊና ናሙክዌና

ምንጪ ስእሊ, WHI&FC

መግለጺ ስእሊ, ጓል 70 ዓመት ሳፊና ናሙክዌና

ኣብ ዩጋንዳ ሓንቲ ጓል 70 ዩጋንዳዊት ማንታ ከም ዝተገላገለት ተፈሊጡ። እቲ ክስተት ኣብታ ሃገር ይኹን ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ዘጋጠመ ብምዃኑ ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።

ዓለምለኻዊ ሆስፒታል ደቂ-ኣንስትዮን ማእከል ፍሪያምነትን ከም ዝሓበሮ፡ ሳፊና ናሙክዌና ብሓገዝ ኣይ-ቪ-ኤፍ (IVF) ድሕሪ ምጥናሳ'ያ ወዲን ጓልን ክትወልድ ክኢላ ዘላ።

"እቲ ዛንታ ሕክምናዊ ዓወት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንጸዓትን ዘይተጸዓድነትን መንፈስ ሰብ ዘመስክር'ዩ" ክብል እቲ ሆስፒታል ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ወይዘሮ ናሙክዌና ትማሊ ረቡዕ'ያ ብሓገዝ መጥባሕቲ (caesarean) ኣብቲ ሆስፒታል ሓሪሳ።

ንሓደ ኤን-ቲ-ቪ ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ንካልኣይ ግዜ ከም ዝሓረሰት ተዛሪባ። ኣብ 2020 እውን ጓል ተገላጊላ ነይራ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ጥንሳ ጸገም የጋጥማ ከም ዝነበረት ዝገለጸት እታ ኣደ እቶም ማናቱ፡ ኣቦ እቶም ቆልዑ ከይተረፈ ከም ዝተሰወረ ጠቒሳ።

"ሰብኡት ካብ ሓደ ቆልዓ ንላዕሊ ከም ዘለካ ክትነግሮም ኣይደልዩን'ዮም። ናብዚ ሆስፒታል ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ሰብኣየይ ኣይተቐልቀለን"።

ዋላ'ኳ ነቶም ቆልዑ ብኸመይ ከምእተዕብዮም ኣርጊጻ እንተዘይፈለጠት፡ ድሕሪ ንዓመታት ዘጋጠማ ተነጽሎን ውርደትን ምውላዳ ከም ዘሐጎሳ ግን ብሓበን ገሊጻ።

"ሓደ ግዜ፡ ንእሽቶ ቆልዓ፡ ከይወለድኩ ክመውት ብወላዲተይ ከም ዝተረገምኩ ብምዝራብ ኣዋሪዱኒ" ብምባል ንዘሕለፈቶ መከራ ትዝክር።

ኣይ-ቪ-ኤፍ (IVF) ብኸመይ ይፍጸም?

ምስሊ ብኣይ-ቪ-ኤፍ ዝፍጠር ጥንሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣይ-ቪ-ኤፍ፡ ብንቡር ጾታዊ ርክብ ወይ ኣርቲፊሻል ኢንሰሚነሽን ምጥናስ ኣብ ዘይክኣለሉ እዋን፡ እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይቲን ዘርኢ ወዲተባዕታይን ብምውሳድ ኣብ ቤተፈተነ (ላቦራቶ) ድቂ ከም ዝፍጠር ምግባር'ዩ።

እቲ ዝተፈጥረ ድቂ ናብ ማህጸን እታ ጓልኣንስተይቲ ብምምላስ ድማ ንቡር ባህርያዊ መስርሕ ጥንሲ ሓሊፉ ግዚኡ ምስ ኣኸለ ይውለድ።

ኣይ-ቪ-ኤፍ 6 ኣገደስቲ ምዕራፋት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ብዙሓት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ክጠንሳ ዘይክኣላ ደቂ-ኣንስትዮን መጻምድትን ዝጥቀምሉ ኣገባብ ወሊድ'ዩ።

ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ መስርሕ ወርሓዊ ጽግያት ብመድሃኒት ከም ዝዕገት ይግበር።

ብድሕሪኡ ንማሕደሮ-እንቋቑሖ (ኦቫሪ) ዝያዳ እንቋቚሖ ከም ዘፍሪ ዝገብር መድሃኒት ይወሃብ።

ቀጺሉ ንዕብየትን ብጽሕናን እንቋቚሖ ንምርግጋጽ መርመራ 'ኣልትራሳውን ስካን' ይካየድ- እንቋቚሖ ብዝግባእን ቀልጢፎም ንክዓብዩ ድማ መድሃኒት ይወሃብ።

ኣብ ራባዓይ መደረኽ ክኣ፡ እቶም ዝበጽሑ እንቋቚሖ ብብልዕቲ ብዝሓልፍ መርፍእ ካብ ማሕድሮኦም ይወጽኡ።

እቶም ዝወጽኡ እንቋቚሖ ናብ ላቦራቶሪ ተወሲዶም ድማ ንሒደት መዓልታት ምስ ዝተዋህለለ ዘርኢ ወዲ-ተባዕታይ ከም ዝዋሰቡ ይግበር።

ኣብ መወዳእታ (6ይ ደረጃ) ድማ፡ እቲ ዝጸገየ ሓደ ወይ ክልተ ድቂ ናብ ማህጸን ጓልኣንስተይቲ ይሰጋገር።

እቲ ድቂ ምስ ተሰጋገረ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ጥንሲ ከም ዝሓዘ ንምርግጋጽ መርመራ ይካየድ። ሽዑ ድማ'ዩ ዓወትን ፍሽለትን ናይቲ ኣገባብ ክፍለጥ ዝክኣል።

መን'ዩ ክጥቀመሉ ዘለዎ?

ነፍሰጾር ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውጽኢታውነት ናይቲ ኣገባብ ኣብ ዕድመን ጠንቂ ዘይምጥናስን ዝምርኮስ ኰይኑ፡ ትሕቲ 42 ዝዕድሚአን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ዝዕወታሉ ምዃኑ ይግለጽ።

ትሑት ውጽኢታውነት ስለ ዝህልዎ ልዕሊ 42 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂኣንስትዩ ነቲ ኣገባብ ክፍትና ኣይምዓድን።

ንክልተ ዓመት ብዘይመከላኸሊ ጥንሲ ጾታዊ ርክብ ፈጺመን ክጠንሳ ዘይክኣለ ትሕቲ 43 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ኣገልግሎት ከም ዝህብ ሃገራዊ ገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ (NHS) ይገልጽ።

እተን 12 ዙርያ 'ኣርተፊሻል ኢንሰሚነሽን' (ኣብ ክንዲ ብጾታዊ ርክብ፡ ዘርኢ ውዲ ተባዕታይ ብቱቦ ናብ ማህጸነን ከም ዝፈስስ ምግባር) ተኻዪዱለን ጥንሲ ክሕዛ ዘይክኣላ'ውን ነቲ ኣገልግሎት ከም ዝጥቀማ እቲ ትካል ጥዕና ይጠቅስ።

ኣይ-ቪ-ኤፍ ኣብ ናይ ብሕቲ ትካላት እታ ሃገር ንሓደ ዙርያ ፈተነ ጥራይ ክሳብ 5000 ፓውንድ ከም ዝበጽሕ ይግለጽ።

ውጽኢታውነት ብክሊ ዕድመ (ኣብ 2019 ዝወጽአ ጸብጻብ)፡

  • 32% - ትሕቲ 35 ዓመት
  • 25% - ካብ 35 ክሳብ 37 ዓመት
  • 19% - ካብ 38 ክሳብ 39 ዓመት
  • 11% - ካብ 40 ክሳብ 42 ዓመት
  • 5% - ካብ 43 ክሳብ 44
  • 4% - ልዕሊ 44 ዓመት

ጐናዊ ሳዕቤን

ሰብ ሞያ፡ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ኣገባብ ኣይ-ቪ-ኤፍ ምምራጸን ብንቡር ጾታዊ ርክብ ወይ ካልኦት ሓውሲ-ንቡራት ሜላታት ክጠንሳሉ ዝኽእላ ዕድላት ንምፍታሽ ምስ ሓኪም ክማኸራ ይመኽሩ።

ምኽንያቱ፡ ኣይ-ቪ-ኤፍ ኣካላውን ስነኣእምሮኣዊን (ስምዒታዊ) ብድሆታት ዘለዎ ስለ ዝዀነ። ነቲ መስርሕ ንምሕላፍ'ውን ስነልቦናዊ ምኽርታት ይወሃብ'ዩ።

እቲ ኣብቲ መስርሕ ዝወሃብ መድሃኒታት ከም ሕማም ርእስን 'ሆትፍላሽ' ዝተባህለ ስምዒታትን ዝበሉ ጐናዊ ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል'ዩ።

ማናቱን ልዕሊኡን ቆልዑ ምውላድ'ውን ነታ ኣደን ነቶም ዕሸላትን ሓደገኛ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

እቲ ድቂ ካብ ማህጸን ወጻኢ ኣብ ዝርከብ 'ፋሎፒያን ትዩብ' ዝተባህለ ሻምብቆ እንተማዕቢሉ'ውን ካልእ ሓደጋ'ዩ።

ነድሪ ማሕድሮ እንቋቚሖ (ኦቫሪ) ከጋጥም ከም ዝኽእል'ውን ክኢለታት የረድኡ።

ስለዚ ዋላ'ኳ ንብዙሓት ተስፋ ዝህብ ምዕባለ ሕክምናዊ ቴክኖሎጂ እንተዀነ፡ ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናጻ ዘይኰነን ብድሆታት ዘለዎን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።