ሰብመዚ ኤርትራ ሃለዋት ናይቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተሰወሩ እሱራት ከፍልጡ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, UN Web TV
ሕማቕ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ "ናይ ምምሕያሽ ምልክት" ከምዘይብሉ ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ገሊጾም።
ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ሰባዊ መሰላት፡ ብረቡዕ ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ "ስቅያትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን" ይቕጽል ኣሎ ኢላ።
ኢልዝ ብራንድስ ከህሪስ "እናገደደ ዝመጸ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ ናይ ምምሕያሽ ምልክት ዘይብሉ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ" ክትብል ንመጋባእያ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጻ።
ንኣርባዕተ ዓመታት ፍሉይ ተኸታታሊ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ፡ መሓመድ ዓብደልሳላም ባቢከር ብወገኑ፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ምግሃስ መሰላት ይፍጸም ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ገዛኢ ውድብ ህግደፍ ንፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ በይኑ ከምዝበሓቶ ዝጠቐሰ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ (ስፐሻል ራፑተር)፡ ሃገራዊ ምርጫ ንልዕሊ 30 ዓመት ከምዘይተኻየደ ኣነጺሩ።
ጉዳይ ናይቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኩነታቶምን ሃለዋቶምን ፈጺሙ ዘይፍለጥ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዝተሰወሩ ሰባት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ።
"ስድራቤቶም ኩነታቶም ክፈልጡ ይግብኦም፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም እቲ ሓቂ ክፈልጡ መሰል ኣለዎም።
"ሰብመዚ ኤርትራ ንኹሎም እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተዳጎኑ ክፈትሕዎም፡ ኣበይ ከምዘለዉ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም፡ ከምኡ'ውን ኩነታት ጥዕንኦም ክሕብሩን ኣትሪረ እምሕጸን" ክብል'ውን ጸዊዑ።
ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ዜጋታት፡ ብፍላይ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም፡ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ'ውን ባቢከር ጠቒሱ።
እታ ላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ "ስቅያት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ሰብኣውነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ እሱራት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ምእጋድ ናጽነታት ምግላጽ ሓሳባት፡ ሰላማዊ ምትእኽኻብ ይፍጸም ከምዘሎ ዝገልጽ እሙን ጸብጻባት ናብ ቤት ጽሕፈትና ይቐርብ ኣሎ" ኢላ።
ብሰንኪ ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊን ሲቪካዊን እምነቶም፡ ጋዜጣዊ ሞያኦም ብዘይሕጋዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝተሰወሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዘለዉ'ውን እታ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኣመልኪታ። ናብ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስታፍ ዝኣበዩ'ውን ግዳይ ማእሰርቲ ኮይኖም ኣለዉ ክትብል'ውን ከሲሳ።
"ኤርትራ ብሰንኪ ብኩራት ግዝኣተ ሕጊ ብከቢድ ትሳቐ ኣላ። ተሓታትነት ዘረጋግጽ ኣካል የብላን።
"ምግሃስ ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰባዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ሕጊ ሰብኣውነትን ብዘይ ተሓታትነት ምፍጻም ልሙድ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ እንኮላይ እቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸመ"።
ሰብመዚ ኤርትራ ነቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ምትግባር ከምዝኣበዩ'ውን ኣብቲ መጋባእያ ተገሊጹ።
ብፍላይ ኩነታት ናይቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዕድመ ዝደፍኡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከምዘሻቕላ ኢልዝ ከህሪስ ተዛሪባ።
እቲ ፈለማ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ጸኒሑ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ዝነበረ ጴጥሮስ ሰለሙን ሓደ ካብቶም ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክኽበር፡ ተሓታትነት ክረጋገጽን ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረትን ብምጥላቦም ብ18 መስከረም 2001 ዝተቐየዱ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ'ዩ።
እዚ ሓደ ካብ ፍሉጣትን ላዕለዎትን መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተሰዊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ጓሎም፡ ሃና ጴጥሮስ፡ ኣብቲ መጋባእያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣነ ጓል'ቶም ንሃገሮም ብኽብሪ ዘገልገሉ ሓርበኛታት እየ" ብምባል፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ምስዋሮም ዘለዋ ጓሂ ገሊጻ።
"ንመወዳእታ ግዜ ንኣቦይ ዝራኣኹዎን ዝሰማዕኩዎን ዕለት 18 መስከረም 2001 ንጉሆ፡ ቅድሚ 22 ዓመታት'ዩ ነይሩ። ንመወዳእታ ግዜ ንወላዲተይ ዝራኹዋን ዝሰማዕኩዋን 11 ታሕሳስ 2003፡ ቅድሚ 20 ዓመት'ዩ ነይሩ"።

ምንጪ ስእሊ, Italian Government
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብቲ ብሕጊ ዝተወሰነ 18 ኣዋርሕ ክምለስ'ውን ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ'ሎ።
ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ፍታሕ ንምርካብ ሓደ ቴክኒካዊ ኮሚተ ናብ ኤርትራ ክኸይድ'ኳ ተፈቒዱሉ እንተነበረ፡ ዛጊት ምምሕያሽ ከምዘየለ እቲ ጸብጻብ የረድእ።
ኣብቲ መጋባእያ መልሲ ዝሃበ ወኪል ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ጀነቫ ሃብቶም ዘርኣይ፡ እቲ ጸብጻባት ንክውንነት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘየእቱ "ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎን ዘይሓላፍነታውን ክስታት" ክብል ነጺግዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







