ሊቨርፑል፡ ብዘይ ኮኾብ መሓመድ ሳላሕ ዋንጫ ካራባኦ ዓቲራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ስታድዩም ወምብሊ ዝተኻየደ ጸወታ ፍጻመ ካራባኦ፡ ቨርጂል ቫን ዳይክ ብዘመዝገባ እንኮ ሸቶ፡ ሊቨርፑል ንቸልሲ ስዒራ ዋንጫ ክትዓትር በቒዓ።
ኣብ ምዱብ ግዜ ጸወታ ብርእሱ ዘመዝገባ ሸቶ ካብ ጸዋታ ወጻኢ ተባሂላ ዝተሰረዘቶ እዚ ተኸላኻላይ፡ ኣብ መበል 118 ደቒቕ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዘመዝገባ ሸቶ፡ እታ ጋንታ ንዋንጫ ኣብቂዑዋ።
ንመበል 10ይ ግዚኣ ዋንጫ ዝዓተረት ሊቨርፑል፡ ብሰንኪ ማህረምቲ በዓል መሓመድ ሳላሕ፡ ዳርዊን ኑነዝ፡ ኣሊሰን፡ ትሬንት ኣሌክሳንደር-ኣርኖልድን ዲያጐ ጆታን ዝኣመሰሉ ከዋኽብታ ኣብ ዘይተሳተፉሉ እያ ዋንጫ ዓቲራ።
ኣከፋፋሊ ራያን ግራቨንበርችን እንተዀነ እውን፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ እዩ ብመጉዳእቲ ተቐይሩ ወጺኡ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ካብዛ ጋንታ ከም ዝሰናበት ዝገለጸ ኣሰልጣኒ የርገን ክሎፕ፡ ካብተን ጋንታኡ ተማዕድወን ዘላ ኣርባዕተ ዓበይቲ ውድድራት ነቲ ሓንቲ ድሮ ኣዐዊቱ ኣሎ።
ቸልሲ ብወገና ኣብ ወምብሊ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ መዛዘሚ ጸወታታት ዝተሳዕረት ኰይና፡ እተን ሰለስተ ብሊቨርፑል እያ ስኢናተን።
ኣብዚ ጸወታ ቸልሲ ብዙሕ ዕድላት ኣባኺና እያ።
ሓላዊ ልዳት ‘ቀያሕቲ’ ቻኦሚን ኬለር፡ ንሓያለ ብሉጻት ፈተነታት ቸልሲ ብምፍሻል ነዚ ዓወት ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ።
ኣብ ቀዳማይ እብረ ንፈተነ ኮል ፓልመር ኣድሒኑ፡ ራሂም ስተርሊን ዘመዝገባ ሸቶ ድማ ካብ ጸወታ ወጻኢ ተባሂላ ተሰሪዛ።
ኮነር ጋላገር ንጋንታኡ ቸልሲ ናይ መጀመርታ ክትከውን እትኽእል ፈተነ ኣካይዱ።
ክልቲአን ጋንታታት ስሩዕ ግዜ ብኸምዚ ኣገባብ ዛዚመን ድሕሪ ተወሳኺ ግዜ ናብ ፍጹም ቅላዕ ክኸዳ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ቫንዳይክ ኣብ መበል 118 ደቒቕ ነታ ናብ ዓወት ዘብቀዐት ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ብሰንኪ ማህረምቲ ብዙሓት ከዋኽብታ ክተሰልፍ ዘይከኣለት ሊቨርፑል፡ ኣብ ክንድኦም መንእሰያት ኣሰሊፋ ዋንጫ ብምዕታራ ትነኣድ ኣላ።
ብ 'ቀያሕቲ'ተደጋጋሚ ዋናጩ ዝሰኣነት ጋንታ ፖቸቲኖ፡ ነታ ብሰንኪ ማህረምቲ ሓያለ ብሉጻት ተጻወትታ ተመናሚና ዝተሰለፈት ሊቨርፑል ብምስዓር፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ዕድላ መኺኑ።
ኣሰልጣኒ ፖቸቲኖ ድማ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ መጀመርታ ዋንጫ ናይ ምዕታር ሕልሙ ፈሺሉ።
ቸልሲ ኣብ ምዱብ ግዜ ጸወታ ዝረኸበቶ ዕድላት ኣይተጠቐመትሉን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ተወሳኺ ሰዓታት ብሊቨርፑል ተበሊጻ ተራእያ።
ቸልሲ ዋንጫ እንተዝሰምረላ፡ ኣብ መድረኽ ኣውሮጳ ሰፊሕ ናይ ምውድዳር ዕድል ምፈጠረላ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዘርእየቶ ድኹም ብቕዓት፡ ዝወርዳ ዘሎ ሓያለ ነቐፌታ መከሓሓሰት ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







