ዩናይትድ ኣብ ሜድኣ ክትሰዓር ከላ ኣርሰናልን ማን ሲቲን ተዓዊተን

ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ድማ ዋንጫ ሊግ ውድድረን ይቕፅላ ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መበል 26 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣንጻር ፉልሃም ኣብ ሜድኣ ዝተጻወተት ማንቸስተር ዩናይትድ 2ብ1 ተሳዒራ።

ክልቲአን ጋንታታት ቀዳማይ እብረ ብዘይ ሸቶ ዛዚመን።

ብተደጋጋሚ: ፈተነታት ክትገብር ዝጸንሐት ፉልሃም ብሸቶ ካልቪን ባሲ መሪሕነት ክትሕዝ ክኢላ።

ማንቸስተር 1ን0 ክትምራሕ ድሕሪ ምጽናሓ ኣብ መበል 89 ደቒቕ ተኸላኻሊ ዩናይትድ ሃሪ ማጉየር ንጋንትኡ ማዕረ ዝገበረ ሸቶ ኣመዝጊቡ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ኣሌክስ ኢዎቢ ኣብ መበል 97 ደቒቕ ብዘቑጸራ ሸቶ ፉልሃም ካብ ሜዳ ማንቸስተር 3 ነጥቢ ወሲዳ ኣላ።

ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ድማ ዋንጫ ሊግ ውድድር ንምዕዋት ዝገብርኦ ጻዕሪ ይቕጽላ ኣለዋ።

ኣብ ሜድኣ ንኒውካስል ዘአንገደት ኣርሰናል ብሰፊሕ ውጽኢት 4ን1 ተዓዊታ። እዚ ድማ ነታ ክለብ ሻድሻይ ተኸታታሊ ዓወት እዩ።

ኣብ መበል 18 ደቒቕ ስቨን ቦትማን ናብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጋንታ ብዘመዝገባ ሸቶ ኣርሰናል 1ን0 ክትመርሕ ጀሚራ።

ካይ ሃቨርትዝ ድማ ኣብ መበል 24 ደቒቕ ካልአይቲ ሸቶ ወሲኹ ቀዳማይ እብረ 2ን0 ተዛዚሙ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ቡካዮ ሳካን ጃኩብ ኪዊዮርን ብዘመዝገብወን ሸቶታት ኣርሰናል 4ን0 ድሕሪ ምምራሓ፡ ጆ ዊሎክ ንኒውካስል ካብ ስዕረት ዘየድሓነት ሸቶ ብምምዝጋቡ እቲ ጸወታ 4ን1 ተዛዚሙ።

እዚ ውጽኢት ስዒቡ ጋንታ ማይክል ኣርቴታ ካብ መራሒት ሊግ ሊቨርፑል ብኽልተ ነጥቢ ጥራይ ድሒራ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

ማንቸስተር ሲቲ እውን ኣንጻር በርንዘ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ኣከፋፋሊ ፊል ፎደን ብዘመዝገባ ሸቶ ተዓዊታ’ያ።

ኣብዚ ጸወታ ዝረኸበቶ 3 ነጥቢ ድማ ካብ ሊቨርፑል ብሓደ ነጥቢ ጥራይ ርሒቓ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ ኣሎ።

ኣብ ካልኦት ጸወታታት ናይዚ ሰሙን፡ ኣስቶን ቪላ ንኖቲንግሃም ፎረስት 4ን2፡ ክሪስታል ፓላስ ንበርንሌይ 3ን0 ረቲዐን።

ኤቨርተንን ብራይተን ሆቭ ኣልቢዮንን ድማ 1ን1 ማዕረ ተፈላልየን።

ካልኦት ፀወታታት እቲ ሊግ ሎሚ ሰንበትን ፅባሕ ሰኑይን እውን ክካየዱ እዮም።

ዎልቭስ ሎሚ ሰንበት ኣብ ሜዳኣ ንሸፊልድ ክተአንግድ ከላ ጽባሕ ሰኑይ ድማ ዌስትሃምን ብሬንትፎርድን ክራኸባ እየን።

ብተወሳኺ ሊቨርፑልን ቼልስን ሎሚ ኣጋ ምሸት ንዋንጫ ካራባኦ ካፕ ክፋለማ እየን።