ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መሪሕነት ተረኪባ

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2024፡ ጆሴፍ ብላክሞር ቀዳማይ፡ ናሆም ዘርኣይ ራብዓይ ዳዊት የማነ ሻዱሻይ፡ መርሃዊ ቅዱስ 11 ኣኽሊሉ ኣረፋይነ 13 ዓወት 25 ያፌት ሙሉጌታ 32 መትከል እዮብ 33 ወጺኦም።
ብጋንታ ድማ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መሪሕነት እዚ ውድድር ካብ ቤልጂማዊት ጋንታ ቤንጎል ተረኪባ ኣላ።
ኣብ ብጫ ማልያ ዳዊት የማነ ብ2 ደቒቕን 21 ካልኢትን ድሒሩ ዓስራይ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብ2 ደቐዒቕን 25 ካልኢትን ድሒሩ መበል 11 ኮይኖም ኣለዉ።
ዳዊት የማነ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብምዃን ነታ ማልያ ካብ ኣኽሊሉ ክርከባ እንከሎ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ዝበለጸ መንእሰይ እዚ ውድድርን ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይን ብምዃን ክልተ ማልያታት ሒዙ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ሻዱሻይ መድረኽ ውድድር፡ ተቐዳደምቲ ካብ ከተማ ሙሳንዘ ተበጊሶም 1778 ሜትሮ ብራኸ ብምሕኳር ተሪር ዓቐበት ኣብ ዘለዎ ማውንት ኪጋሊ ጸወታኦም ክዛዝሙ'ዩ ተሰሪዕሎም።
ኣብዛ መድረኽ ክልተ ኣብ ሞንጎ ነጥቢ ዘውህባ፡ ኣርባዕተ ኸኣ ናይ ዓቐበት ሕንጻጻት'የን ተዳልየን።
ጸወታ ብኣቋጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልክዕ ፋዱስ'ዩ ጀሚሩ (ብርዋንዳ ሰዓት 11)።
ኣብ ብጫ ማልያ 10 ተጻወትቲ ብትሕቲ 55 ካልኢት ተፈላልዮም ስለዝነበሩ እዛ 93.3 ኪሎሜተር ትንፋስ ዘይህብ መጥቃዕትታት ከምዝበዝሓ ግሙት'ዩ ነይሩ።
ኣብ ልዕሊኡ፡ እተን ኣብ ብጫ ማልያ ተስፋ ዘይብለን ጋንታታት'ውን ናይ መድረኽ ዓወት ንምምዝጋብ ግዲኤን ክጻወታ ከምዝኽእላ ብዙሕ ምምርማር ዘየድልዮ'ዩ ነይሩ።
ተጻወትቲ ን3.7 ኪሎሜተር ብሓባር ምስ ተጓዓዙ ናይ ተበገስ ምልክት ምስ ተወሃቦም።
ጸወታ ከምቲ ዝተገመቶ፡ ንዮንኩሩ ካብ ርዋንዳ፡ ፓር ዶኒ ካብ ሎቶ ደስትኒ ሳልቢ ካብ ቤንጎል ከምኡ ከኣ ዶርን ካብ ባይክ አይድ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ሓጺር ርሕቀት ግዜ ክኸስቡ ጀሚሩ። ኣብ መበል 9 ኪሎሜተር ከኣ ፍልልዮም 20 ካልኢት በጽሐ። ዘዝሃደመ ተቐዳዳማይ ናይ ምህዳን ትእዛዝ ዝተወሃቦም ተጻወትቲ ናይተን ኣብ ብጫ ማልያ ተስፋ ዘለወን ጋንታታት ነቶም ዝሃድሙ ዕድል ከይሃቡ ንዓባይ ጉጅለ ሒዞም ኣርከብዎም።
ብተደጋጋሚ ናይ ሙምላቚ ፈተነታት'ኳ ይካየድ እንተነበረ ዝድመዐ ግን ኣይነበረን።
ኣብ መበል 15 ኪሎሜተር ግን 20 ተቐዳደምቲ ዝሓዘት 'ግሩፖ' ጽቡቕ ናይ ምሙላቚ ፈተነ ኣካየዱ። ምስዞም ዕስራ፡ ዓወት ኣማን፡ ዳዊት የማነን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን ይርከብዎም።
ዓባይ ጉጅለ ምህዳም ናይዛ ጉጀለ ስለዘሻቀላ ድሕሪ ክንደይ ሕጊግ ኣብ መበል 32 ኪሎሜተር ኣርከብዎም። ን10 ኪሎሜተር ከኣ ዓባይ ጉጅለ እናተሓላለወት ብሓባር ተጓዓዘት።
እዛ ሎሚ ትዛዘመላ ማውንት ኪጋሉ፡ ዓሚ ኣብ ሻውዓይ መድረኽ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብዚ ሕጂ ብጫ ማልያ ሒዙ ዘሎ ተቐዳዳማይ ኵክ ስቴፕ ዊልያም ጁንየር ለሰርፍ ተነጺፍሉ ዝነበረ ናይ 13 ካልኢት ኣሕውዩ ብጫ ማልያ ዝተረከበላ'ያ ነይራ።
ኣብ መበል 48 ኪሎሜተር ንቱር ዲ ፍራንስ ኣርባዕተ ግዜ ዝተዓወተሉ እንግሊዛዊ ክሪስ ፍሩም ተሪር መጥቃዕቲ ብምፍናው ነቲ ቅሩብ ልህምም ኢሉ ዝነበረ ጸወታ ኣበራበሮ።
ንሮታ ክሪስ ፍሩም ተኸቲሎም ኤሪክ ሙሆዛ ካብ ርዋንዳን ሮጀር ላጋነ ካብ ሞሪሽየስን ካብ ዓባይ ጉጀለ ወጺኦም ንክሪስ ፍሩም ተጸንበርዎም።
ኣብ መበል 54 ኪሎሜተር ከኣ ፍልልዮም ናብ 20 ካልኢት ኣብጽሕዎ።
ኣባል እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ክሪስ ፍሩም ንኻልኣይ ግዚኡ'ዩ ኣብዚ ውድድር ዝወዳደር ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, FERWACY
ኣብ መበል 58 ኪሎ ሜተር ትማሊ ንናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ዝተዓወተሉ ኣብ ብጫ ማልያ ብ55 ካልኢት ድሒሩ ዘሎ ላቱር ካብ ቶታል ኢነርጂ ካብ ዓባይ ጉጀለ ኣብ ዝወጽኣሉ ብጫ ማልያ ወኒኑ ዘሎ ዊልያም ጁንየር ላሰርፍ ተኸቲልዎ ወጽአ።
ኣብ መበል 58 ኪሎሜተር ንብዓል ላቱር ተኸቲሎም 13 ካብ ዓባይ ጉጅለ ተፈንጪሎም ምስ ብዓል ዊልያም ሊሰርፍ ብምጽንባር ብጉጅለ ክሪስ ፍሩም ኣርኪቦም 18 ሰባት ዝሓቖፈት ድልድልቲ ጉጅለ መስረቱ።
ፈረንሳዊ ፔር ላቱር ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ክልተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበን ክልተ ግዜ (2017 ከምኡ ከኣ 2018) ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ፈረንሳ ክኸወን ዝኸኣለ ምኩር ተቐዳዳማይ'ዩ።
ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ኣብ ቀዳመይቲ ጉጅለ ዝነበሩ መርሃዊ ቅዱስን ሞሪስ ካብ ኢሰራኤል ፕሪሜር ቴክን መጥቃዕቲ ብምፍናው ናብ ቅድሚት ወጽኡ።
ምስ መርሃዊ ዝሃደመ ሞሪስ ኣብ ብጫ ማልያ ብ26 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ስለዝነበረ ግን ዓባይ ጉጅለ ዕድል ክትህቦም ኣይትመስልን'ያ።
ዲቢ ካብ ቶታል ኢነርጂ ካብ ዓባይ ጉጀለ ነጢሩ ተሓዊስዎም፡ መርሃዊ ሳልሳይ ርእሱ ኣብ ቅድሚት። ጸወታ ብማእከል ኪጋሊ ዝሓልፍ 10 ኪሎሜተር ይተርፎም። ዓባይ ጉጀለ ግን ኣይገደፈቶምን።
ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ተጻወትቲ ናብ ማውንት ኪጋሊ ኣብ ዘንቃዕረርሉ ተደጋጋሚ ናይ ሙሙላቚ ፈተነታት ይካየድ ነይሩ። ሰለሰተ ተጻወትቲ ተፈልዮም ክሳብ ናይ 10 ካልኢት ዘንጽፉላ ግን እታ ዝሓሸት ክትብሃል ትከኣል። ጸወታ ክዛዘም 3 ኪሎሜተር ይተርፎ።
ጸወታ ክዛዘም 2 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ናሆም ዝርከቦም 5 ተቐዳደምቲ ናብ ቅድሚት ወጽኡ።
መርሃዊን ዳዊትን ምስ ሓደ ሳልሳዮም ደድሕሪኦም ይስዕብዎም።
ናሆም ዘርከቦም ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ከይተፈላ'ዩ ክሳብ መወዳእታ ብምጻሕ፤ ብሪጣንያዊ ጆሴፍ ብላክሙር ቀዳማይ፡ ኮሎምብያዊ ተቀዳዳማይ ፖልቲ ኮሜታ ጆናታን ሬስቲረፖ ካልኣይ፡ ካዛኪስታናዊ ኢልካሃን ዶስቲየቭ ካብ ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ሳልሳይ ኮይኖም ክኣትዉ እንከለዉ ናሆም ዘርኣይ ረብዓይ ኮይኑ ኣትዩ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ተቐዳዳምይ ስራኤል ብሪሜር ቴክ ጆሴፍ ብላክሞር ቀዳማይ ብምውጻእ ብጫ ማልያ ካብ ዊልያም ጁንየር ለሰርፍ ተረኪቡ። ዊልያም ጁንየር ለሰርፍ ንኻልኣይ ግዚኡ ኣብ ማወንት ኪጋሊ ብጫ ማልያ ተመንጢሉ፡ ዓሚ ብሄኖክ ሙሉብርሃን ሎሚ ብጆሴፍ ብላክሞር።
ኣብ ዙር ርዋንዳ ምስ ናይ ዩሲኣይ ጋንታ ብምዃን ናይ መወዳእታ ውድድሩ ዘካይድ ዘሎ ምኩር ኢትዮጵያዊ ተቅዳዳማይ ጽጋቡ ግርማይ ሎሚ ካብ ቀዳማይ ብ8 ደቂቕን 44 ካልኢትን ድሕሪ መበል 36፡ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጃዓፈር ጣሃ መበል 54 ሶሎሙን መኩርያ ከኣ መበል 63 ኮይኖም ኣትዮም።
ኣብ ብጫ ማልያ ጽጋቡ ግርማይ ካብ ቀዳማይ ብ15 ደቂቕን 54 ካልኢትን ድሒሩ መበል 35፡ ጃዓፈር ጣሃ መበል 54 ሶሎሙን መኩርያ ከኣ መበል 71 ተሰሪዖም ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







