ዙር ርዋንዳ 2024፡ ኢታማር ኢንሆርን ቀዳማይ ወጺኡ፡ መርሃዊ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ኮይኑ

መርሃዊ ቅዱስ ንብሉጽ ኣፍሪቃ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ትውሃብ ማልያ ገይሩ'ዩ ጽባሕ ክወዳደር

ምንጪ ስእሊ, Ferwacy

መግለጺ ስእሊ, መርሃዊ ቅዱስ ንብሉጽ ኣፍሪቃ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ትውሃብ ማልያ ገይሩ'ዩ ጽባሕ ክወዳደር

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2024: እስራኤላዊ ኢታማር ኢንሆርን ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ቀዳማይ ወጺኡ።

ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ መርሃዊ ቅዱስን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን መበል 10ን 11ን ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም ኣለዉ።

ዊልያም ሊሰርፍ ካብ ኵክ ስቴፕ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ወዲ ጋንትኡ ሬንደርሊንል ድማ ሳልሳይ ኮይኑ።

ብዘይካ'ዚ፡ መርሃዊ ቅዱስ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ከኣ ንዝበለጸ መንእሰይ ንእትወሃብ ማልያ ወኒንዋ።

ጸወታ ከመይ ነበረ

ኢታማር ኢንሆርን

ምንጪ ስእሊ, Ferwacy

ካልኣይቲ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ዓቐበት ዝበዝሓ መድረኽ ኮይና፡ ተጻወትቲ ብሓፈሻ 2030 ሜትሮ'ዮም ሓኺሮም።

ኣብ መበል 21.4 ኪሎሜተር ኣብ ሩሆንጋ፡ ኣብ መበል 74.3 ኪሎሜተር ኣብ ሁየ ንተጻወትቲ ነጥቢ ዝውህብ ቅድበታዊ ውድድር ተሰሪዕሎም ነይሩ።

ኣብ መበል 97.9 ኪሜ፡ 5.5 ኬሜ፡ 4.36 ሚእታዊት ትሪ ዓቐበት ኣብ ዘለዋ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ መበል 106.3 ኪሜ፡ 2.6 ኪሜ፡ ትዝርጋሕ 8.46 ሚኢታዊት ትሪ ኣብ ዘለዋ ንኣንበሳ ዓቐብ ነጥቢ ዝዋሃባ ሕንጻጻት ተዳልየን።

ጸወታ ብኣቆጻጽራ ርዋንዳ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ'ዩ ጀሚሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 19 ጋንታታት ዝተሓቖፉ 94 ተቐዳደምቲ ኣብ መበገሲ መስመር ተረኺቦም።

ትማሊ ኣብ ዝነበረ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር፡ ንብጫ ማልያ ዘይጸሉ ስለዝነበረ ካብ ሎሚ ጀሚሩ'ዩ ንብጫ ማልያ ግዜ ክጽብጸብ ክጅምር።

ተጻወትቲ ብሓባር ን2.3 ኪሎሜተር ምስ ተጓዓዙ ናይ ተበገስ ምልክት ተዋሂብዎም።

ጸወታ ኣብ ምጅማሩ ሰለስተ ተጻወትቲ ካብ ርዋንዳ፡ ማይስታርስን ሞሪሽየስን ሃዲሞም ኣብ ሓጺር ርሕቀት ፍልልይ ከንጽፉ ጀመሩ።

ጸወታ 12 ኪሎሜተር ጥራይ ምስ ተላዕሎ ዓባይ ጉጅለ ረጊኣ ትረግጽ፡ ቀዳሞተ ሰለስተ መራሕቲ ናይ ኣሰታት 3 ደቂቕ ፍልልይ ኣንጺፎሙላ።

ኣብ መበል 21.4 ኪሜ ኣብ ሩሆንጋ ኣብ ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ሙንያንዘ ካብ ርዋንዳ፡ ማየር ካብ ሞሪሸስ ንሰንጊዩማንቫ ካብ መይስታርስ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኣትዮም። ምስ ዓባይ ጉጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ከኣ ናብ ልዕሊ ሓሙሽተ ደቂቕ ክብ ኣበልዎ።

ፍልልይ ዘሻቐላ ትመስል ዓባይ ጉጅለ ስኳቶታት ክበዝሓ ጀመረ፡ ፍልልይ ግን ክጸብብ ኣይክኣለን። ኣብ መበል 50 ኪሎሜተር ከኣ መሊሱ ናብ 7 ደቂቕን 50 ካልኢትን ገፊሑ።

ጸወታ 60 ኪሎሜተር ምስ ተለዓሎ፡ መራሒት ጉጅለ ዝሕል ስለዝበለት እቲ ፍልልይ ክጸብብ ጀሚሩ።

ኣብ መበል 62 ኪሎሜተር መትከል እዮብ ዝርከቦም ተጻወትቲ'ኳ መውደቕቲ እንተኣጋጠሞም ተሲኦም ከርክቡ ክኢሎም።

ኣብ 74.3 ኪሎሜተር ኣብ ዘተሰርዐት ቅጽበታዊ ውድድር ነስንጊዩምቫ ካብ መይስታርስ፡ ሙንያነዛ ካብ ርዋንዳን ማየርን ካብ ሞሪሽየስን ነጥቢ ተማቒሎመን።

ጸወታ 90 ኪሎሜተር ምስ ሓለፈ ኣብ ሞንጎ ቀዳሞትን ዓባይ ጉጅለን ዝነበረ ናይ ግዜ ፍልልይ ናብ 4 ደቒቕ ጸቢቡ።

ዓባይ ጉጅለ ጽቡቕ ክትረግጽ ስለዝጀመረት ኣብ መበል 94 ኪሎሜተር እቲ ፍልልይ ብቕጽበት ናብ 2 ደቒቕን 30 ካልኢትን ወሪዱ።

ኣብ መበል 97.9 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ናይ ኣምበሳ ዓቐበት ሕንጻጽ ተጻዋታይ ሞሪሽየስ መየር ቀዳማይ ብምዃን ነጥቢ ወሱዱ፡ ናህሩ ብምቕጻል ከኣ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ተፈለዮም።

ኣሌልሳንደር ማየር ነታ ኣብ መበል 106.3 ኪሎሜተር ዝነበረት ናይ ዓቕበት ነጥቢ ንምውሳድ ንመወዳድርቱ ራሕሪሑ ናብ ላዕሊ ከንቃዕርር ጀሚሩ ብዘይ ተቓጻጺ ከኣ ቀዳማይ ኮይኑ ኣትዩ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ክልተ ግን ዓባይ ጉጅለ ውሒጣቶም።

ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሙ ዝመጽአ ተጻዋታይ ሎቶ ሱዳል ሚላን ዶኒ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ንማየር ኣርኪቡዎ ሓንቲ ጉጀለ ፈጠሩ።

ኣይጸንሐትን ዓባይ ጉጅለ'ውን ንዕኦም ወሓጠቶም። ጸወታ ክዛዘም 15 ኪሎሜተር ይተርፎ።

ጸወታ ክዛዘም 4 ኪሜ ምስ ተረፎ ናሆም ዘርኣይ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተሪር መጥቃዕቲ ፈንዪ ዓባይ ጉጅለ ኣርኪባቶ ከኣ ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ኣምሪሖም።

ኣብዚ ድማ ኢታማር ኢንሆርን ካብ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ከኣ ቀዳማይ ወጺኡ።

ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣኽሊሉ ኣረፋይነን መበል 10ን 11ን ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።