ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ፡ ዊልያም ሊሰርፍ ቀዳማይ ብምውጻእ ብጫ ማልያ ተረኪቡ

ተቐዳደምቲ ኣብ መወዳእታ መስመር

ምንጪ ስእሊ, Ferwacy

ተቐዳዳማይ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ ዊልያም ጁንየር ሊሰርፍ ንራብዓይቲ መድረኽ ብቅጽበታዊ ውድድር ረቲዑ ቀዳማይ ብምውጻእ ብጫ ማልያ ተረኪቡ።

እዚ ማለት ድሮ ኣብዚ ውድድር'ዚ ብጫ ማልያ ኣብ ሰለስተ መዓልታት ናብ ሰለስተ ሰባት በጺሓ'ላ። ካብ እስራኤል ፐሪሜሪ ቴክ፡ ናብ ቶታል ኢነርጂ፡ ካብ ቶታል ኤነርጂ ናብ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ።

ካብ ሃገራዊት ጋንታ መርሃዊ ቅዱስ መበል ሻሙናይ ኣኸሊሉ ኣረፋይነ መበል ዓስራይ ወጺኦም ኣለዉ።

ብዘካ'ዚ፡ ያፌት ሙሉጌታ 30 ካልኢት ድሒሩ መበል 23፡ ዳዊት የማነ 27፡ መትከል እዮብ ከኣ 28 ድሒሮም ኣትዯም።

ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ኣብ ብጫ ማልያ ግዜ ከይከሰረ መበል ሻዱሻይ ኮይኑ ኣሎ፡ ብዘይካዚ ንዝበለጸ መንእሰይ፡ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ፡ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ንዝወሃባ ማልያታት'ውን ዓቂቡወን ኣሎ።

ዩኤል ሃብተኣብ ከኣ ትማሊ ዘውሓሳ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ሎሚ'ውን ዓቂቡዋ ወዲኡ'ሎ።

ናይ ሎሚ ቅድድም፡ ብኣቆጻጽራ ርዋንዳ ልክዕ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ፈረቓን'ዩ ጀሚሩ።

ናብዚ ጸወታ፡ ብጫ ማልያ ፡ ተቐዳዳማይ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ ፐፒጂን ረንደሪንክ ብ7 ሰዓት 4 ደቂቕን 12 ካልኢትን፡ ኣንበሳ ዓቐብ፡ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ዩኤል ሃብተኣብ ብ32 ነጥቢ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝበለጸ መንእሰይ፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ብ7 ሰዓት 4 ደቂቕን 12 ካልኢትን ሒዞም'ዮም ኣትዮም።

ናይ ሎሚ መድረኽ ካብተን ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዳ፡ ዝሓጸረትን ዝተረረትን ከምዝኾነትያ ትግለጽ። ካብ ኪሮንጊ ናብ ሩባቩ 93 ኪሎሜተር።

ተቐዳደምቲ ርዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኣማእኪለነኦ ዝርከባ ቀላይ ኬቩ ብጸጋሞም ተጎዝጊዞሞ'ዮም ወሰን ወሰኑ ብሓፈሻ ኣብ 93 ኪሎሜተር 2030 ሜትሮ ብራኸ ሓዂሮም።

ሕጽረት እቲ ቅድድም ኣብ ግምት ብምእታው ጸወታ ትንፋስ ዘይህብ ሓያል ስኳቶታት ከምዝህልዎ ርዱእ'ዩ ነይሩ።

ጸወታ ገና 2 ኪሎሜተር ከይተላዓሎ ትማሊ መውደቕቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናሆም ዘርኣይ ተሪር ስኳቶ ጌሩ ንተጻወትቲ ተር ኣበሎም።

ኣልጀርያዊ ገዲም ተቐዳዳማይ ዓዘዲን ላጋብ ሮታ ናሆም ብምስዓብ ናብ ቅድሚት ወጺኡ ንጸወታ ናህሪ ወሰኸሉ።

ወዲ 37 ዓመት ዓዘዲን ላጋብ ሎሚ ዓመት ንሻውዓይ ግዚኡ'ዩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝወዳደር ዘሎ።

ኣብ መበል ሻሙናይ ኪሎሜተር ዓንተር ዙር ፈረንሳ ክሪስ ፍሩም ኣብ ዓባይ ጉጀለ መጥቃዕቲ ፈነወ፡ ክሪስ ፍሩም ኣብ 2023 ዙር ርዋንዳ ኣብዚ ጽርግያ በይኑ ብምህዳም ንዓባይ ጉጀለ ኣብ ዙር ርዋንዳ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ናይ 13 ደቂቕ ፍልልይ ከንጽፍ ነይሩዎ'ዩ፡ ጎማ ስለዘንፈሰን ስለዝደኸመን ግን ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ቅድሚ ምብጽሑ ዓባይ ጉጅለ ክትውሕጦ ከምዝኽኣለት ዝዝከር'ዩ።

ናይ ዓሚ ጸወታ ፍሩም ዝዘከረት ዓባይ ጉጅለ ግን ኣይገደፈቶን ኣብ መበል 13 ኪሎሜተር ኣርከበቶ።

ኣብ መበል 13,5 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ናይ ነጥቢ ሕንጻጽ ቅድሚ ምብጽሖም ካብ ዓባይ ጉጅለ 8 ተቐዳደምቲ ንብዓል ናሆም ኣርከብዎም። ክሪስ ፍሩምን ዩኤል ሃብተኣብን ከኣ ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ነጥቢ ተማቐሉ።

ኣብ መበል 18 ኪሎሜተር ከኣ እንትርፎ ውሑዳት ዘርጠብጠብ ዝበሉ ኩላ ጉጀለ ኣብ ሓደ ተጠርነፈት።

ኣብ መበል 19 ኪሎሜተር እቲ ኣምበሳ ዓቐብ ንምዃን ሃዲሙ ዝውዓለ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ ዩኤል ሃብተኣብ ራብዓይ ርእሱ'ኳ እንተሃደመ ዓባይ ጉጀለ ነዊሕ ከይከዱ ኣርከበቶም፡ ኣብ ውሽጢ 20 ኪሎሜተር ልዕሊ ሓሙሽተ ናይ ማሙላቕ ፈተነ ተኻይዱ።

ኣብ መበል 20 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረ ንሓዃሮ ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ዩኤል ሃብተኣብ ቀዲሙ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ነቲ ትማሊ ሒዝዎ ዝነበረ ነጥቢ ወሰኸሉ።

ኣብ መበል 22 ኪሎሜተር ላቱር ካብ ቶታል ኢነርጂ በይንኣዊ መጥቃዕቲ ብምውሳድ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ፍልልዩ ከግፍሕ ጀመረ። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኪሎሜተር ከኣ ፍልልዩ ናብ ልዕሊ ሓደ ደቂቕን ፈረቓን ኣዕረጎ።

ኣብ 30.6 ኪሎሜተር ኣብ ዝነበረት ናይ ዓቐበት ሕንጻጽ ላቱር ቀዳማይ ክኣቱ እንከሎ ዩኤል ሳልሳይ ኣትዩ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቤንጎል ቤልጂማዊ ትጉለስ ከኣ ካልኣይ ኮይኑ ኣትዩ- ይበል ጸወታ ዩኤል ሃብተኣብ።

ዩኤል ዓሚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ተጻዊቱ ነይሩ'ዩ። ሎሚ ዓመት ግን ፍሉይ ብቕዓት ሒዙ'ዩ ናብዚ ዙር ተመሊሱ።

ዓቐበት ወዲኦም ቁልቁለት ኣብ ዝሓዝሉ ላቱር ፍጥነቱ ስለዝጎደለ ዓባይ ጉጀለ ፍልልያ ናብ ሓደ ደቂቕ ኣጉደለቶ።

ኣብ መበል 44 ኪሎሜተር ላቱር ኣብ ቅድሚት፡ ዓባይ ጉጅለ ብተደጋጋሚ ናይ ምሙላቕ ፈተነ ትሕቆን።

ኣብ ቅድሚት ዝርከብ ላቱር ኣብ ብጫ ማልያ 27 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ምህላዉ ዘሻቐላ ብጫ ማልያ ሒዛ ዘላ ቶታል ኢነርጂ ተጻወትታ ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ንጸወታ ክቕልስዎ ጀመሩ።

ኣብ መበል 47 ኪሎሜተር ኣብ ንዮቶ ኣብ ዝነበረት ናይ ዓቐበት ነጥቢ፡ ላቱር ብዘይ ተቓጻጺ ክኣትዋ እንከሎ፡ ተጉለስን ዩኤልን ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ኣትዮም። ኣብ ናይ ትማሊ ጸወታ ኣብ ኣንበሳ ዓቐበት ዩኤል 32 ተጉለስ ብ14 ነጥቢ ኣብ ራብዓይ'ዮም ነይሮም።

ጸወታ 52 ተላዒልዎ፡ ፍልልይ ላቱርን ዓባይ ጉጀለን ኣብ ሓደ ደቂቕ ነቐጸ።

ርዋንዳዊ ሙኛኔዛ ካብ ዓባይ ጉጀለ ብምውጻእ ንላቱር ክሃድኖ ጀመረ፡ ሙኛኔዛ ብነጥቢ ኣብ እትውሃብ ማልያ ምስ ዩኤል ብማዕረ 14 ነጥቢ ካልኣይ ዘሎ'ዩ።

ጸወታ ክዛዘም 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ስኳቶታት ዝበዝሓ ዓባይ ጉጅለ ክትገማማዕ ጀመረት። ካብ ዓባይ ጉጀለ ከኣ ንላቱርን ንሙኛኔዛን ብ20 ካልኢት ቀረብዎም። ኣብ መበል 75 ኪሎሜተር ከኣ ኣርከብዎም።

ጸወታ ክዛዘም 10 ኪሎሜተር ኣብ ዝተረፈሉ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ዘቖሙዋ ዓባይ ጉጀለ ንጸወታ ሓዊ ዘርእሉ።

ብሓባር ናብ ቅጽበታዊ ውድድር ከምርሑ ምዃኖም ከኣ ዳርጋ ርጉጽ ኮነ።

ኣብ መወዳኣታ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ዊልያም ጁንየር ሊሰርፍ ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚሙ።