እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኵሉ ሰብ ጠበንጃ ዝውንነላ ከተማ
ከተማ ግዝኣት ጆርጅያ ኣብ ዝዀነት ኬነሳው (Kennesaw)፡ ኵሉ ነገር ኣሎ።
ካብቲ ከባቢ ዝተሰርሐ ዝወጽእ ጥዑም ጨና ዝተቐልወ ባሽኰቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ድምጺ ባቡር ከየስተበሃልካሉ እትሓልፎ ነገር ኣይኰነን።
ሓደስቲ መርዑት፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሕለፉዎ ግዜ ንምምስጋን ዝጽሕፉዎም ናይ ምስጋና ካርድታት ዝገድፉሉ ድኳናት ኣሎ።
እዛ ከተማ ግን ካልእ መልክዕ'ውን ኣለዋ።
ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ዝመጽአ ሕጊ፡ ነበርቲ ብሕጋዊ መገዲ ጠበንጃን ተተኰስትን ክውንኑ ዘፍቅድ እዩ።
እዚ ማለት ግን "ከም ድላይካ ተሓንጊጥካዮ ፈቘድኡ ትዘውር ማለት ኣይኰነን" ይብል ንሰለስተ እብረ ከንቲባ እታ ከተማ ዝዀነን ንነብሱ "ጥሮታ ዝወጽአ ሓይሊ ባሕሪ" ኢሉ ዝገልጽን ዴሪክ ስተርሊን።
"ገዛ ገዛ ከይድና ማዕጾ ኳሕኲሕና 'ብረትኩም ኣርእዩኒ' ኣይንብልን።"
ሕጊ ጠበንጃ ኬነሳው ብግልጺ፡ "ሓፈሻዊ ድሕነትን ጸጥታን እታ ከተማን ነበርታን ንምምላእን ንምሕላውን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ወሰን ከተማ ዝነብር መራሒ ስድራ፡ ብረት ክሕዝ ይግደድ" ይብል።
እዚ ሕጊ ግን፡ ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ነበርቲ፡ ብገበን ዝተፈርዱ ወይ ተገራጫዊ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ነበርቲ ኣይምልከትን።
ከንቲባ ስተርሊንን ካልኦት ብዙሓት ሰበስልጣን እቲ ከባቢን፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ ኣብ 1982 ዝወጽአ ሕጊ ዓንቀጽ ክልተ ንኡስ ዓንቀጽ 34-21 ብምጥሓስ ዝቐረበ ክሲ ወይ ማእሰርቲ ከም ዘየለ ይገልጹ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ድማ፡ ነዚ ሕጊ ጥሒሱ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ብዛዕባ ዝጽበዮ መቕጻዕቲ ከም ዘይፈልጡ ጠቒሶም።
ንገሊኦም እቲ ሕጊ ምንጪ ሓበን እዩ፤ ንባህሊ ጠበንጃ እታ ከተማ ዝሓቍፍ ኣምር'ዩ።
ነገራት ካብኡ ንላዕሊ ክኸዱ ንዝምነዩ ካልኦት ነበርቲ ድማ ምንጪ ሕፍረት።
መብዛሕትኦም ነበርቲ ግን እቲ ሕጊ ንኬነሳው ውሕስቲ ክገብራ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ኣብ 2023 ዝዀነ ቅትለት ከም ዘይተፈጸመ ጸብጻብ ክፍሊ ፖሊስ ኬነሳው ይሕብር።
እንተዀነ ክልተ ጠበንጃ ዝሓወሱ ነብሰ ቅትለታት ከም ዘጋጠሙ ገሊጹ።
ሓላዊ ቤተክርስትያን ኬነሳው ዝዀነ ብሌክ ዌዘርቢ፡ ዓመጽ ዝመልኦ ገበን ትሑት ዝዀነሉ ምኽንያት ኣብ ዝምልከት ዝተፈለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ።
"ኣብ ኬነሳው ዘሎ ንጠበንጃ ዝምልከት ኣተሓሳስባ'ዩ ነቲ ብጠበንጃ ዝፍጸም ገበናት ክትሕት ዝገብሮ እምበር እቲ ጠበንጃታት ኣይኰነን። ሽጕጥ ይኹን ፋርኬታ ወይ ታኰ ዘለዎ ጫማ ፍልልይ የብሉን- ንነብስናን ንጐረባብትናን ንከላኸል ኢና።"
እቲ ሕጊ ካብ ዝጸድቕ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ 1984 ናብ ባይቶ ከተማ ኬነሳው ዝተጸንበረ ፓት ፌሪስ፡ እቲ ሕጊ፡ "ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ፖለቲካዊ" መልእኽቲ ንምሕላፍ ከም ዝተፈጥረ ገሊጹ።
ኣብ ግዝኣት ኢሊኖይ እትርከብ ከተማ ሞርተን ግሮቭ፡ ዋንነት ጠበንጃ ዝኣገደት ፈላመይቲ ከተማ ኣመሪካ ድሕሪ ምዃና፡ ኬነሳው ንፈለማ እዋን ዋንነት ጠበንጃ ዝጠለበት ከተማ ኰይና፤ በዚ ኣዘራራቢት ዜና ምዃና ይፍለጥ።
ኣብ 1982 ኣብ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ዝተሓትመ ጽሑፍ፡ ንሰበስልጣን ኬነሳው እቲ ሕጊ ብምሕላፎም "መስሓቕ" ክብል ክገልጾም እንከሎ፡ መጽሔት ፔንታሆስ ድማ፡ ምስሊ ሓንቲ ቢኪኒ ዝለበሰት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ተጠቒሙ 'ጋን ታውን ዩኤስኤ (Gun Town USA)' - ሽጉጥ ዘይምውናን ዘይሕጋዊት ዝገበረት ኣመሪካዊት ከተማ ዝብል ጽሑፍ ሓቲሙ።
ኣብ ግዝኣታት ቴክሳስን ዩታንን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ሓዊሱ ብውሑዱ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ተመሳሳሊ ሕጊ ጠበንጃ ጸዲቑ ኣሎ።
ሕጊ ሽጉጥ ኬነሳው ካብ ዝጸድቕ ንደሓር ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት፡ ህላወኡ ዳርጋ ካብ ዝኽሪ ብዙሓት ከም ዝሃሰሰ ፓት ፌሪስ ገሊጹ።
"እቲ ድንጋገ ከም ዘሎ ክንደይ ሰባት ከም ዝፈልጡ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ሓላዊ ቤተክርስትያን ብሌክ ዌዘርቢ ኣብታ ሕጊ ጠበንጃ ተግባራዊ ዝዀነላ ዓመት'ዩ ተወሊዱ።
ኣቦኡ እናተዋዘየ "ሽጕጥ ትፈቱ ዲኻ ኣይትፈቱን ኣይግድሰንን፤ ግን ሕጊ'ዩ። ሰብኣይ እንተዄንካ ድማ ሽጉጥ ክትውንን ከም ዘለካ'የ ተማሂረ" ክብል ንእዋን ንእስነቱ ይዝክር።
ሕጂ ወዲ 42 ዓመት ኰይኑ ኣሎ።
ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ክኣ ንመጀመርታ ግዜ ብረት ተኲሱ።
"ኣዝዩ ስለ ዘፍርሓኒ ዳርጋ ደርብየዮ ነይረ።"
ብሌክ ዌዘርቢ ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ 20 ጠበንጃታት ይውንን ነይሩ፤ ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ከም ዘይብሉ ተዛሪቡ።
እታ ኣቦኡ ኣብ 2005 ምስ ሞተ ዝገደፈሉ ብረት ሓዊሱ ኵሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሸይጥዎ።
"ካብ ጠበንጃ ንላዕሊ ነዳዲ የድልየኒ ነይሩ" ኢሉ።
ወዲ 36 ዓመት ጀምስ ራቡን፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ካብ ዝውድእ ኣትሒዙ ኣብታ ኣብ ኣውራ ጐደና ኬነሳው እትርከብ 'ዲርክሪክ ጋን ሾፕ' ዝተባህለት ጠበንጃ ዝሽየጠላ ድኳን ክሰርሕ ጸኒሑ።
እዚ፡ ናይ ስድራቤት ንግዲ እዩ -ኣቦኡን ኣቦሓጐኡን ዝኸፈቱዎ ንግዲ።
ክልቲኦም ክሳብ ሎሚ ኣብኡ ኣለው።
ኣቦኡ ኣብ ሕጓ እቲ ድኳን ብረት ይኽዝን፤ ኣቦሓጐኡ ድማ ብቕድሚት ይሸይጥ።
ጀምስ ንሕጊ ጠበንጃ እታ ከተማ ካብ ዝንእዱ ሰባት'ዩ፤ ንንግዲ ጽቡቕ እዩ።
"ናይዚ ሕጊ ጽቡቕ ነገር፡ ሰባት ንነብሶም ንምክልኻል ብረት ዝገዝኡ ምዃኖም'ዩ። ብዙሓት ሰባት ግን ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ወይ ቢትኮይን ክፈትዉ ይኽእሉ" ኢሉ።
ኣደ ክልተ መንእሰያት ኣዋልድ ዝዀነት ክሪስ ዌልሽ፡ ሓንቲ ካብቶም ጠበንጃ ዝውንኑ ሰባት'ያ።
ናብ ሃደን ትኸይድ፤ ምስ ክልተ ደቃ ክኣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መለማመዲ ምትኳስ ጠበንጃ ትኸይድ።
ግን ነቲ ሕጊ ኣይትፈትዎን።
"ሽጕጥ ኣለኒ" ብምባል ብዓይነቶም ዝተፈላለዩ ጠበንጃታት ከም እትውንን እኳ እንተተዛረበት፡ "ሰባት ብዛዕባ ሕጊ ጠበንጃ ክዛረቡ ክሰምዕ እንከለኹ ግን ይሓፍር። እዚ ቀደም ናይ ዝነበረት ኬነሳው'ዩ" ትብል።
ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ሰባት ብዛዕባ እታ ከተማ ክሓስቡ እንከለው ናብ ኣእምሮኦም ዝመጽእ ዝኽሪ፡ "እቲ ምቹእነት ክስምዓካ ዘይገብር" ሕጊ ክኸውን የብሉን ኢላ።
"ኣብ ኬነሳው ካልእ ብዙሕ ነገር ኣሎ" ትብል።
ኣባል ባይቶ እታ ከተማ ማዴሊን ኦሮቸና፡ እቲ ሕጊ "ሰባት ክውዓዋዕ" ከም ዘይደልዩዎ ትዛረብ።
በቲ ሕጊ፡ "ነበርቲ ሕፍረት ይስምዖም እዩ'' ትብል።