ብስለያ ዝኽሰስ ስሙር ግንባር ቻይና - 'ማጂክ ዌፐን' እንታይ'ዩ?

ሪፐብሊክ ቻይና፡ "ማጂክ ዌፐን" ከም ዘለዋ መስራቲ መራሒ እታ ሃገር ዝነበረ ማኦ ጸ-ቱንግን ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንን ይገልጹ።

እዚ፡ ክፍሊ ስራሕ ስሙር ግንባር ይበሃል - ወተሃደራዊ ዓቕሚታት ቻይና ይዓቢ ብምህላዉ ክኣ ሃገራት ምዕራብ ይሻቐላ።

ምስ ኣባል ንጉሳዊ ስድራ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡል ኣንድሪው ርክብ ዝነበሮ ፍሉጥ ነጋዳይ ያንግ ቴንግቦ፡ ምስዚ ስሙር ግንባር ብዘለዎ ርክብ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ተገይርሉ እዩ።

ህላወ እዚ ክፍሊ ምስጢር ኣይኰነን።

ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐን ጽቡቕ ስነዳ ዘለዎን ቅልጽም ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ሓያል ክትዕ ኣልዒሉ ጸኒሑ'ዩ።

ካብ ኣመሪካ ክሳብ ኣውስትራልያ ዝተዘርግሑ መርመርቲ ኸኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ስለያ፡ ንስሙር ግንባር 'ማጂክ ዌፐን' (UFWD) ጠቒሶም'ዮም፤ መብዛሕትኡ ግዜ በይጂን ንናይ ወጻኢ ምትእትታው ትጥቀመሉ ኣላ ክብሉ'ውን ይኸሱ።

ቻይና፡ 'ዘይምኽንያታዊ' ብምባል ንዅሎም ክስታት ስለያ ትነጽጐም።

ስለዚ፡ እዚ ስሙር ግንባር 'ማጂክ ዌፐን' እንታይ'ዩ? ንምንታይ ዕላማ'ኸ ይውዕል?

'መልእኽቲ ቻይና ምቍጽጻር'

ፈለማ፡ ስሙር ግንባር ንሰፊሕ ዴሳዊ ኪዳን ዘመልክት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ማኦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ቻይና ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ንኽዕወት ኣኽኢሉ ተባሂሉ ይንኣድ ነይሩ።

እቲ ኲናት ኣብ 1949 [ኣ.ኤ] ተዛዚሙ።

እቲ ሰልፊ ንቻይና ክገዝእ ጀሚሩ፤ምንቅስቓሳት እቲ ስሙር ግንባር ክኣ ናብ ካልኦት ቀዳምነታት ኣድሂቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ግን፡ እቲ ግንባር ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ብገለ መልክዑ ተሃድሶ ኣርእዩ።

ሺ፡ ነዚ ስሙር ግንባር ዘትሓዞ መልክዕ "ምስ ኵሎም ኣገደስቲ ዝዀኑ ማሕበራዊ ሓይልታት ሰፊሕ ልፍንቲ ምህናጽ" ዝብል ከም ዝዀነ ኣብ ማርሻል ፈንድ ጀርመን ዝሰርሕ ማሬይከ ኦልበርግ ይገልጽ።

ስሙር ግንባር 'ማጂክ ዌፐን' ሕቡእ ኣይኰነን።

መርበብ ሓበሬታ ኣለዎ፤ ንምንቅስቓሳቱ ዝምልከት ብዙሕ ሓበሬታታት ክኣ ብኡኡ የፍልጥ።

ግን ስፍሓት ንጥፈታቱ ግን ክሳብ ክንደይ'ዩ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።

ዝበዝሐ ስርሑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን እንከሎ፡ "እዚ ስሙር ግንባር ክሰርሖ ዝተነጸረ ቀንዲ ዕማም ግን ካብ ቻይና ወጻእ እዩ" ይብል።

ኣብዚ እዋን፡ እዚ ክፍሊ ኣብ ዙርያ ተሃዋሲ ጉዳያት ታይዋን - ቻይና ከም ኣካል ግዝኣታ'ያ ትቘጽራ - ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ብሄራት ቲቤትን ዢንጂያንግን ዝበጽሕ ጭቈና ዝምልከት ህዝባዊ ጉዳያት ጽልዋ ከሕድር ይደሊ።

ብተወሳኺ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወጻኢ ብዛዕባ ቻይና ዝቐርብ ትረኻ እንታይ ክመስል ኣለዎ ዝብል ይቐርጽ፣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ነቐፍቲ መንግስቲ ቻይና ዒላማ ክገብርን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝርከቡ ጸለውቲ ቻይናውያን ክተሓባበርን ይፍትን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ሓጋዚት ፕሮፌሰር ፖለቲካ ኦድሪ ቮንግ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ስራሕ ዩናይትድ ፍሮንት ስለያ ከጠቓልል ይኽእል'ዩ፤ ግን [እዚ] ካብ ስለያ ዝሰፍሐ'ዩ። ክንዮ'ቲ ካብ መንግስታት ወጻኢ ብሕቡእ ዝእክቦ ሓበሬታ፡ ምንቅስቓሳት እዚ ክፍሊ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ቻይናውያን ምልዕዓል ማእከል ዝገበረ'ዩ" ትብል።

ወሲኹ፡ ቻይና ብኸምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ዘለዋ ጽልዋ "ብዓቐንን ስፍሓትን" ዝተፈለየ'ዩ ኢላ።

ቻይና ወትሩ ከምዚ ዓይነት ጽልዋ ክህልዋ ድሌት'ኳ እንተነበራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእየ ዕብየት ግን በይጂን ነዚ ክትጥቀመሉ ተወሳኺ ዓቕሚ ሂብዋ'ዩ።

ሺ፡ ኣብ 2012 ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንደሓር፡ ብፍሉይ ሃንዳሲ ቻይና ናብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም እተሕልፎ መልእኽቲ ኰይኑ'ዩ።

እታ ሃገር ተራጻሚ ዲፕሎማሲ ክትክተል ብምትብባዕ፡ ዲያስፖራ "ብዛዕባ ታሪኽ ቻይና ጸጽቡቑ" ክዛረብ ይምዕድ።

ክፍሊ ስሙር ግንባር፡ ዝተፈላለዩ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ትካላት ቻይናውያን ኣቢሉ ዝሰርሕ ኰይኑ፡ እዚኦም ነቲ ዴሳዊ ሰልፊ ዝከላኸሉ እዮም።

ብተወሳኺ እዚ ክፍሊ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ናይቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝስደዱ ከም ቲቤታውያንን ኡይጉርን ዝበሉ ውሑዳን ብሄራት ዝበጽሕ ምፍርራሕ ከም ዝፍጽም ይግለጽ።

መብዛሕትኡ ስራሕ እዚ ክፍሊ ግን ምስ ካልኦት ትካላት እቲ ሰልፊ ዝወሃቦም ዕማም ዝገራጮ ብምዃኑ'ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ስሙር ግንባር 'ማጂክ ዌፐን' ቻይና ሓያለ ጥርጣረታትን ስግኣትን ዝለዓል ዘሎ።

ያንግ ብክስታት ስለያ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምእጋዱ ኣብ ዘቕረቦ ይግባይ፡ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን ምስቲ ክፍሊ ዘለዎ ርክብ ኣቃሊልዎ ክብል'ዩ ወሲኑ።

ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ፡ምስ ጸለውቲ ብሪጣንያውያን ሰባት ዝነበሮ ርክብ፡ ምትእትታው መንግስቲ ቻይና ንምፍጻም ከም ዝተጠቐመሉ ይኸሱ።

ያንግ ግን ዘይሕጋዊ ነገር ከም ዘይገበረን እቲ ክስታት ስለያ "ምሉእ ብምሉእ ሓቅነት ዘይብሉ" ከም ዝዀነን ይምጕት።

ከም ናይ ያንግ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ልሙዳት እናዀኑ ይመጽኡ ኣለው።

ኣብ 2022፡ እንግሊዛዊት ቻይናዊት ጠበቓ ክርስቲን ሊ፡ ብመንገዲ ክፍሊ ስሙር ግንባር ቻይና ኣቢላ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ጸለውቲ ሰባት ርክብ ንምምዕባል ምንቅስቓስ ገይራ ብዝብል ብኤምኣይ5 (MI5) ተኸሲሳ።

ብ2023 ድማ፡ ኣብ ቦስተን ዋና ቤት መግቢ ቻይና ዝዀነ ኣመሪካዊ ዜጋ ሊያንግ ሊታንግ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝነብሩ ቻይናውያን ንሰራሕተኛታት እቲ ስሙር ግንባር ሓበሬታ የቐብል ነይሩ ብዝብል ተኸሲሱ።

ኣብ መስከረም ድማ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ሓጋዚት ዝነበረት ሊንዳ ሳን፡ ሓላፍነታ ተበሊጻ ረብሓ መንግስቲ ቻይና ንምሕላው ተጠቒማትሉ - መገሻ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ረብሓታት ተቐቢላ - ዝብል ክሲ ቀሪቡላ።

ጸብጻባት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ኣብ 2017 ምስ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እዚ ክፍሊ ተራኺባ ከም ዝነበረትን፡ ንሱ ድማ "ኣምባሳደር ምሕዝነት ቻይናን ኣመሪካን ኩኒ" ከም ዝበላን ይገልጹ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፍሉጣትን ዕዉታትን ቻይናውያን ምስ ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ዝምድናታት ኣለዎም ተባሂሉ ይሕመ እዩ።

እዚኦም ብፍላይ ኣብ ንግዲ ዝተዋፈሩ ሰባት ከም ዝዀኑ'ውን ይእመን።

ግን፡ ንጽልዋን ስለያን ዝፈላሊ መስመር ኣሎ ድዩ?

ስርሒታት በይጂን ክትርኢ እንከለኻ፡ "ኣብ መንጐ ጽልዋን ስለያን ዘሎ ዶብ/ሓጹር ንጹር ኣይኰነን" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ፕሮፌሰር ፖለቲካ ዝዀነ ሆ-ፉንግ ሁንግ።

እዚ ዘይንጹርነት ቻይና ኣብ 2017 ዜጋታትን ኩባንያታትን ቻይና ንመንግስቲ ቻይና ሓበሬታ ምሃብ ሓዊሱ ምስ መርመራታት ስለያ ክተሓባበሩ ዝእዝዝ ሕጊ ምስ ኣጽደቐት ከም ዝተጋደደ ብምግላጽ፡ "ንዅሉ ሰብ ዳርጋ ናብ ሰላይ ዝቕይር መገዲ'ዩ" ኢሉ።

ሚኒስትሪ ድሕነት እታ ሃገር፡ ሰለይቲ ሃገራት ወጻኢ ኣብ ኵሉ ቦታ ከም ዘለዉን "ተንኰለኛታትን መታለልትን" እዮም ዝብል ፕሮፖጋንዳ ብቪድዮ ኣዳልዩ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ገይሩ'ዩ።

ገለ ብፍሉይ መገሻታት ናብ ወጻኢ ዝተላእኩ ተምሃሮ፡ በተን ዝልኣኽኦም ዩኒቨርሲቲታት ኣቢሉ ምስ ወጻእተኛታት ዝህልዎም ርክብ ክድርቱ ተነጊሩዎም።

ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ድማ ጸብጻብ ንጥፈታቶም ከቕርቡ ተሓቲቶም።

እዚ ከምዚ እንከሎ ግን፡ ሺ ጂንፒን ቻይና ኣብ ዓለም ጽልዋ ክህልዋ'ዩ ዝደሊ።

ስለዚ ድማ፡ ሓደ እሙን ቅልጽም ገዛኢ ሰልፊ እታ ሃገር ነዚ ስርሓት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ክከታተል ዕማም ሂብዎ ኣሎ።

እዚ ድማ ንምዕራባውያን ሓይልታት ብድሆ ይዀኖም ኣሎ።

ከምዚ ዓይነት ስግኣት ጸጥታ እናሃለወና ከመይ ገይርና ኢና ምስታ ኣብ ዝለዓለ ቍጠባ ዘላ ሃገር ዘለና ዝምድና ሚዛን ክሕዝ ንገብር ዝብል የጨንቘም።

ምስ ነዊሕ ቅልጽም በይጂን ዝግበር ቅልስ

ቻይና ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዋ ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዝፈጥሮ ዘሎ ስግኣታት ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኰነን።

እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ መንግስታት ላንጋ ላንጋ ክዀኑ ይገብሮም ኣሎ።

ከም ኣውስትራልያ ዝበላ ሃገራት ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ኢዶም ኣእትዮም ብምባል ኣብ ልዕሊ ዝጠርጠራኦም ውልቀሰባት ብገበን ክሕተቱ ዝገብር ሓድሽ ሕጋጋት ብምትእትታው ንነብሰን ክከላኸላ ጻዕሪ ይገብራ።

ኣብ 2020 ኣመሪካ ክፍሊ ስሙር ግንባር ቻይና ኣብ ዘካይዶም ንጥፈታት ተሳትፎ ነይርዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ሰባት እገዳ ቪዛ ገይራ እያ።

በዞም ስጕምቲታት ዝተቘጥዐት ቻይና፡ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕጋጋትን ክስታትን ንክልተኣዊ ርክባት ከም ዘሰናኽል ኣጠንቂቓ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ኣብዚ ሰሙን ብሰሉስ ብዛዕባ ያንግ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ብዛዕባ ስለያ ቻይና ዝቐርብ ክስታት ትርጕም የብሉን። ኣብ መንጐ ቻይናን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሎ ዝምድና ምዕባይ ንሓባራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት'ዩ ዘገልግል" ኢሉ።

ገለ ክኢላታት፡ እቲ ነዊሕ ​​ቅልጽም ስሙር ግንባር ቻይና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ይዛረቡ።

ዶክተር ሁንግ፡ "መንግስታት ምዕራብ ሕጂ ብዛዕባ ስራሕ ስሙር ግንባር ቻይና ካብ ምግራህ ወጺኦም፡ ንሃገራዊ ድሕነት ጥራይ ዘይኰነስ ንድሕነትን ናጽነትን ብዙሓት ብሄራት ቻይና ከም ከቢድ ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ክግንዘቡ ይግባእ" ይብል።

እንተዀነ፡ "መንግስታት ኣንጻር ዓሌታውነት ጸረ-ቻይና'ውን ንቑሓት ክዀኑን ነቲ ሓደጋ ምስ ማሕበረሰብ ብሄራት ቻይና ብሓባር ብምምካት፡ ምትእምማንን ምትሕብባርን ንምህናጽ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም" ኢሉ።