ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንምቕታል ዝተወጠነ ውዲት ፈሺሉ- ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ንምቕንጻል ብሩስያ ዝተወጠነ ውዲት ከምዘፍሸለ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ዩክረይን ገሊጹ።
ምስቲ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ክልተ ናይ ኮሎነል መዓርግ ዘለዎም ላዕለዎት መኮንናት ሓለዋ መንግስቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን (SBU) ከምዝበሎ፡ እቶም ኮሎነላት ኣካል ናይ ሓደ ብሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሩስያ (FSB) ዝምራሕ መርበብ ዝነበሩ'ዮም።
ካብ ሓለውቲ ናይቲ ፕረዚደንት "ረሸንቲ" ንምርካብ ሃሰው ይብሉ ከምዝነበረ'ዩ እቲ ጸብጻብ ዝጠቅስ።
ካልኦት ዒላማታታት ናይቲ ናይ ቅንጸላ ውጥን፡ ሓላፊ ስለያ ዩክረይን ኪሪሎ ቡዳኖቭ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ጸጥታ ቫሲል ማሊዩክ ምዃኖም እቲ ትካል ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቅንጸላ ጉጅለ፡ ንሓላፊ ስለያ ዝኾነ ቡዳኖቭ ቅድሚ'ቲ ብሰንበት 5 ሚያዝያዊ ዝተኸበረ በዓል ትንሳኤ ንምቕታሉ'ዩ ወጢኑ ነይሩ።
እቲ ውጥን፡ ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ሓለዋ ጸጥታ እቲ ፕረዚደንት ዝልኣኽ ብምርካብ፡ ኣበይ ከምዘሎ ብዝርከብ ሓበሬታ ብሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ንምድብዳብ ዝዓለመ ምንባሩ እቲ ትካል የረድእ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ መኮንናት፡ ሰብኣልቦ ነፈርቲን ጸረ-ሰብ ነተጒቲን ገዚኡ ከምዝተረኽበ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
እቲ ፈሺሉ ዝተባህለ ውዲት፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ሎሚ ቃለማሕላ ዝፈጸመ 'ቭላድሚር ፑቲን ቅድሚ መመረቕታኡ ከም ህያብ" ዝተወጠነ'ዩ ክብሉ ሰብመዚ ዩክረይን ከሲሶም ኣለዉ።
ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ዩክረይን ማልዩክ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ስርሒት ፍሽለት ትካል ጸጥታ ሩስያ ዘርኢ'ዩ ብምባል "ግና ክንርስዖ የብልናን- ጸላኢ ሓያልን ተመክሮ ዘለዎን'ዩ፡ ኣትሒትካ ክርአ ኣይክእልን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሓለፍቲ ብክድዓትን ሽበራዊ ተግባር ንምፍጻም ምድላዋት ብምግባርን ተጠርጢሮም ተታሒዞም ኣለዉ።
ሰብመዚ ጸጥታ ዩክረይን ከምዝበልዎ፡ እቲ ስርሒት ሰለስተ ቁጹራት ትካል ጸጥታ ሩስያ ዘወሃህድዎ ዝነበሩ'ዩ።
ሓደ ካብኦም ዝኾነ ዲሚትሮ ፐርሊን ዝተባህለ ሰብ፡ ኲናት ዩክረይን ኣብ ለካቲት 2022 ቅድሚ ምውልዑ ጀሚሩ "ዋህዮ" ኣብ ምምልማል ዝነጥፍ ዝነበረ'ዩ ተባሂሉ።
እቲ ካልኣይ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ ዘሎ ኦለክሲ ኮርነቭ ብወገኑ፡ ቅድሚ ወራር ሩስያ ብ ዩክረይን ምስ ሓደ ካብቶም ሎሚ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ኮለኔላት ኣብ ስመን ዘይተጠቕሳ "ጐሮባብቲ ሃገራት ኣውሮጳ" ናይ "ውዲት" ኣኼባታት ከምዘካየደ ተጠቒሱ'ሎ።
ሓይልታት ሩስያ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዞም ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ናይ ምቕታል ዕላማ ከምዝነበሮም ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን፡ ሓደ ፖላንዳዊ ምስ ስለያ ሩስያ ብምትሕብባር ንፕረዚደንት ዘለንስኪ ንምቕታል ኣብ ዝተወጠነ ውዲት ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ተኸሲሱ ነይሩ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







