‘ኣውሮጳ ወይ ሞት’ - መንእሰያት ንስደት ዝኸፍልዎ ዋጋ

ኦሽያን ቪኪንግ ኣብ ባሕሪ ጸንበለለ ዝብሉ ሰባት ከምዘለዉ ሓበሬታ ምስ በጽሓ’ያ ንምድላዮም ተዋፊራ
መግለጺ ስእሊ, ኦሽያን ቪኪን ኣብ ባሕሪ ጸንበለል ዝብሉ ሰባት ከምዘለዉ ሓበሬታ ምስ በጽሓ’ያ ንምድላዮም ተዋፊራ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣማኢት ዝጽዓት ጃልባ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኣውሮጳ እናኣምረሐት እንከላ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ማያዊ ኣካል ግሪኽ ምስ በጽሐት ስለዝተገልበጠት፡ ኣማኢት ስደተኛታት ሞይቶም። እንተዀነ እዚ ሕማቕ ዜና ነቶም ገና ዘይተበገሱ ስደተኛታት ካብ ጕዕዞኦም ሰገጥ ዘብሎም ኣይኮነን።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሊስ ኩዲ፡ ንስደተኛታት ኣብ ምድሓን እትነጥፍ መርከብ ከይዳ ንገለ ስደተኛታት ኣዛራሪባቶም ኣላ።

መፍለዪ መስመር

እዛ ቀይሕን ጻዕዳን ሕብሪ ዘለዋ ዓባይ መርከብ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ንምድሓን ዘወን ኣብ ትብለሉ ዝነበረት፡ ኣቓልቦና በታ ድሙቕ ሰመያዊ ሕብሪ ዘለዋ፡ ኣራእሶም ጥራይ ዝርኣዩ ስደተኛታት ዝተተኽተኸት ንእሽተይ ጃልባ ተሳሒቡ።

እዛ ስደተኛታት ንምድሓን ትሰርሕ ዘላ መርከብ ኤስኦኤስ መዲተራኒ’ያ ትበሃል፤ ሰራሕተኛታት እዛ መርከብ ካብ ምጥሓል ዘድሕን ጃኬት ሒዞም ብፈጣናት ጀላቡ ናብታ ጃልባ ተጓይዮም።

ነቶም ኣብታ ንእሽተይ ጃልባ ዝጸንሕዎም ስደተኛታት ከኣ ሓደ ብሓደ ከግዕዝዎም ጀሚሮም።

እዞም ስደተኛታት ትሐቲ ዕድመ ዝርከብዎም መንእሰያት’ዮም፤ መብዛሕትኦም ከኣ ጋምቢያውያን።

ካብ ሊብያ ካብ ዝብገሱ 15 ሰዓታት’ዮም ገይሮም፤ ካብታ ጥቓ ትሪቡሊ ትርከብ ከተማ ካስተርቨርደ ተበጊሶም በዛ ንእሽተይ ጃልባ 54 ኖቲካል ማይል ተጓዒዞም።

ኣብ ፍጹም ተስፋ ምቝራጽን ጭንቀትን’ዮም ጸኒሖሙና።

ቅድሚ እዛ ዘድሓነቶም ዓባይ መርከብ ምርኣዮም፡ ኣብታ ትኽትኽ ዝበለት ጃልባ ባእሲ ተላዒሉ ምንባሩ የዕሊሎሙኒ።

ገሊኦም ሰጊኦም ንመለስ ክብሉ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ ኣይንምለስን ኢና ዝረኸበ ክረኽበና ንቐጽል ስለዝበሉ’ዩ እቲ እምባጋሮ ተላዒሉ። ኣብ መንጐ ዕግርግር ከኣ ሓደ፡ ሞባይሉ ናብቲ ግብ ዝበለ ባሕሪ ጥሒላ።

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ሃሳስ ሰማያዊ ማልያ ማንቸስተር ሲቲ ገይሩ ነይሩ፣ ገለ ኣብ ኢዶም ኣይፎን ዝነበሮም’ውን ነይሮም።

ገሊኦም ማይን መግብን ዝሓዙ ነይሮም፡ ፈጺሞም ሓንቢሶም ዘይክእሉ’ውን ነይሮሞም’ዮም። መድሓኒ ነብሲ እንተዀኖም ብምባል እንተጠሓሉ ጸንበለል ከብሎም ብምሕሳብ ዘይተነፍሐ ካላማዳርያ መኪና ዝሓዙ’ውን ነይሮም’ዮም።

ገለ ካብዞም ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ተደጋጋሚ ፈተነታት ዘካየዱ’ዮም
መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብዞም ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ተደጋጋሚ ፈተነታት ዘካየዱ’ዮም

ነቶም ስደተኛታት ንምድሓን መስርሕ እናተኻየደ፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝሓዘት ጃልባ ናብቲ ከባቢ ክትመጽእ ስለዝርኣዩ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ክበኽዩ ጀሚሮም።

ገለ ካብዞም ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ማእከል ባሕሪ ናብ ሊብያ ተመሊሶም’ዮም።

ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንሊብያ ብገንዘብን ብንዋትን ብምሕጋዝ ኣብ ልዕሊኡ ስልጠናታት ብምሃብ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ከይሰግሩ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ኣእሚኖማ’ዮም።

ገለ ከኣ ናብታ ዓባይ መርከብ ምስ ደየቡ ኣብ ገጾም ምሉእ ፍሽኽታ ይንበብ ነበረ፤ ተኣኪቦም ስእሊ ዝስኣሉ’ውን ነይሮም’ዮም።

ሓደ ካብኦም ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን ኢዱ ሰዲዱ ናብታ ፈጣን ጃልባ ምስ ሰቐሎ፡ “ሕጂ ኣውሮጳ ኣትየ’የ” ከምዝበለ የዕሊሉኒ።

እዞም ስደተኛታት ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራታት ንኽግበረሎም ብቕልጡፍ’ዮም ናብ ዓባይ መርከብ ኦሽያን ቪኪን ተሰጋጊሮም።

ኣብኡ ከኣ ክዳውንትን ካልእ ከም መጽረዩ ስኒ ዝኣመሰለ ‘ብራሽን’ ተዋሂብዎም።

መራሒ እታ መርከብ ስደተኛታት ሒዙ ይመጽእ ምህላዉ ንሰብ መዚ ኢጣልያ ሓቢሩ።

ብሶላኡ ናብታ ኣብ ደቡብ ኢጣልያ እትርከብ ከተማ ባሪ ብምቕናዕ ከኣ ጕዕዞኡ ጀሚሩ።

ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ መርከብ ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ እንተረኺባ ክሳብ ትመልእ፡ ካልኦት ስደተኛታት’ውን ትደሊ ነይራ’ያ። ኣብዚ ቀረባ ዝተኣታተወ ሓድሽ ሕጊ ግን ቍጽሮም ብዘየገድስ ዝሓዘት ሒዛ ናብ ወደብ ክትጽጋዕ ኣለዋ።

እዛ መርከብ ካብዚ ዘላቶ ናብ ወደብ ባሪ ንኽትበጽሕ ሰለስተ መዓልትን ለይትን’ዩ ክወስደላ።

ናብ ባሪ እናኣምራሕና እንከለና፡ ምስ ገለ ከዕልል ጀሚረ፤ ዳርጋ ኵሎም ቋንቋ እንግሊዝ ይኽእሉ’ዮም፤ ኣብዚ ዛንታ ኣስማቶም ቀይረዮ ኣለኹ።

እዞም ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ምጥሓልን ሞትን ከጋጥሞም ከምዝኽእል ምሉእ ኣፍልጦ ከምዝነበሮም’ዮም ዝሕብሩ።

ገለ’ውን ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ፈተነ ከካይዱ እዚ ናይ መጀመርታኦም ከምዘይኮነን ካብ ሞት ንስክላ ዝድሓንሉ ኣጋጣሚታት ከምዘሎን ይዛረቡ።

እቶም ፈተነ ኣካይድና ዝበሉ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ዝተመለሱ’ዮም።

ሓደ ወዲ 17 ዓመት “ሸውዓተ ግዜ ፈተነ ኣካይደ ኣብ ሸውዓቲኡ ከኣ ኣይሰለጠንን” ኢሉኒ።

ዳርጋ ኵሎም እቶም ዘዛረብክዎም፡ ናብ ኣውሮጳ ክሰግር ፈቲኑ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ዝሞተ ዓርኪ ወይ ዘመድ ከምዘለዎም ነጊሮምኒ።

ገለ ከኣ ነቲ ኣብ ግሪኽ ዘጋጠመ ሞት ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝተኸታተልዎ ይገልጹ።

እቲ ሓደጋ ናይ ግሪኽ፡ ህይወት 750 ዝዀኑ ስደተኛታት’ዩ ቀዚፉ፤ ካብ ዘጋጥም ከኣ ክልተ ሰሙን ኣይገበረን።

እቶም ኣብ ገማግም ግሪኽ ዝጠሓሉ ካብ ሊብያ’ዮም ተበጊሶም። እዞም ዘዘራርቦም ዘለኹ ከኣ ብተመሳሳሊ ካብ ሊብያ’ዮም ተበጊሶም።

ሓደ ካብቶም ዘዛረብክዎም ስደተኛታት፡ እቶም ኣብ ግሪኽ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ሓሳቦም ከምዚ ናቱ ነይሩ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢርኒ፣ “ወይ ናብ ኣውሮጳ ትኣቱ ወይ ከኣ ኣብ ባሕሪ ትመውት፡ በቃ ክልተ ኣማራጺ ጥራይ’ዩ ዘሎ” ኢሉኒ።

ጉዕዞ ናይቶም ስደተኛታትን ናይታ መርከበን ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ጕዕዞ ናይቶም ስደተኛታትን ናይታ መርከብን ዘርኢ ካርታ

መርከብ ኤስኦኤስ መዲተራኒ ብዛዕባ እታ ነዞም ስደተኛታት ጽዒና ዝጸንሐት ጃልባ ናይ ሓደጋ ደወል ስለዝተደወላ’ያ ክትፈልጥ ክኢላ።

ካብዞም ኣብዛ ጃልባ ዝጸንሑ እቶም 80 ሚእታዊት ዋላ ሓደ ኣሰናዪ ዘይብሎም ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመኦም’ዮም።

እቶም ዝበዝሑ ከኣ ኣብ ሊብያ ዓመት ዝገበሩ’ዮም፤ ካብ ገዛኦም ናብ ስደት ከምርሑ እንከለዉ፡ ናብ ኣውሮጳ ኣትዮም ንስድራኦም ሰልዲ ንኽሰዱ’ዩ፡ በቃ!

ገለ’ውን ኣቦኦም ወይ ኣደኦም፡ ወይ’ውን ክልቲኦም ስድራኦም ዝሞትዎም’ሞ ንዘኽታማት ኣሕዋቶም ንምእላይ ነዚ ጕዕዞ ከምዝጀመርዎ ዝዛረቡ’ውን ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ካብታ ካብ ሊብያ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 2000 ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ሃገረ ጋምቢያ ዝመጽኡ’ዮም።

ጋምቢያ፡ ኣብ ዓለም ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኰይና፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ምስ ብዝሒ ህዝባ ብምንጽጻር፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሑ ዜጋታት ናብ ስደት ዘመርሑላ ሃገር ምዃና ሰነዳት ኣይኦኤም ይሕብር።

ጸብጻብ ኣይኦኤም፡ ካብ 2015 ክሳብ 2020 ልዕሊ 32 ሽሕ ጋምቢያውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ስደት ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣተዉን፡ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ ክልተ ዓመታት’ውን እቲ ቍጽሪ ተመሳሳሊ ምዃኑ የርኢ።

ማእከላይ ባሕሪ እቲ እንኮን ቀንድን ካብ ኣፍሪቃ ዝተበገሱ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ዝኣተውሉን ህይወት ብዙሓት ስደተኛታት ዝቐዘፈን ሓደገኛ መስመር'ዩ።

ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይዛ ዓመት ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ብምንጽጻር ቍጽሪ ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ሰደተኛታት ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ 2022፡ 50318 ሰደተኛታት’ዮም ናብ ኣውሮጳ ኣትዮም። እዚ ቍጽሪ’ዚ ከኣ ካብ 2017 ጀሚሩ እቲ ዝበዝሐ ኰይኑ ተመዝጊቡ ዝነበረ’ዩ።

እዞም መንእሰያት ኣብታ ዓባይ መርከብ፡ ኣብ ፍጹም ምዝናይ ኣትዮም’ዮም ዛንታኦም ዘዕልሉኒ ነይሮም።

ካብ ሃገሮም ናብ ሊብያ ንኽበጽሑ ዝተፈላለየ መንገድን ዝተፈላለዩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን’ዮም ተጠቒሞም።

ካብ ጋምቢያ ናብ ሊብያ ንኽትበጽሕ፡ ንሰኔጋል፡ ማሊ ወይ ሞሪታንያ፡ ንኒጀር ንኣልጀርያ ምናልባት’ውን ንጫድ ክትረግጽ ኣለካ።

ወዲ 18 ዓመት ሱማ ምስ ኣብ ማሊ ዝርከብ ኣስጋሪ ዘራኽቦ ሰብ ምስ ረኸበ’ዩ ጕዕዞኡ ጀሚርዎ።

ናብ ኣልጀርያን ሊብያን ኣብ ዘቋርጸሉ ዝነበረ እዋን፡ በቶም ኣሰጋገርቲ ብዙሕ ማእሰርትን ማህረምትን ብዓቢኡ ከኣ ዘይጽወር ጥሜት ከምዘጋጠሞ ይሕብር።

ዋላ ሓደ ካብቶም ካብ ጋምቢያ ምስኡ ዝተበገሱ ከኣ ኣብዛ ጃልባ የለን ሞይቶም’ዮም ይብል። ቢቢሲ ግን ነዚ ከረጋግጽ ኣይክኣለን። እንተዀነ ብዙሓት ተመሳሳሊ ዛንታ’ዮም ዘዕልሉ።

ናብ መሬት ኢጣልያ ኣብ ዝተቓረብናሉ እቶም ስደተኛታት ኣብታ ዓባይ መርከብ ዝተፈላለየ ኣዛናዪ ጸወታ ይጻወቱ ነይሮም። ኣብ ገጾም ታሕጓስን ህንጥዩነትን ይርአ።

ሳምናን ማይን ተዋሂብዎም፡ ክዳውንቶም ከሓጽቡን ኣብቲ ኣግማድ ናይታ መርከብ ክሰጥሕዎን ጀሚሮም። ኵሉ ከኣ ብታሕጓስ ዝተሰነየ’ዩ።

መብዛሕትኦም ዝውንንዎ ንብረት እተን ሰጢሖመን ዘለዋ ክዳውንቲ ጥራይ’የን። ዝተረፈ ኵሉ ነገሮም ኣብ ሃገሮም ወይ ኣብ ሊብያ’ዮም ገዲፎሞ መጺኦም።

ኣብ ሊብያ ኣብ ሓደ ዓቢ ካንሸሎ’ዮም ዝነብሩ ነይሮም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ንማእከላይ ባሕሪ ንከቋርጹ 3500 ዲናር ሊብያ [570 ፓውንድ] ከምዝኸፈሉ ይዛረቡ።

ንሱማ፡ ገለ ክፋል እቲ ገንነብ ሰብኣይ ኣደኡ’ዩ ሰዲድሉ። ገለ ከኣ ስድራኦም ተለቂሖም ከምዝሰደድሎም የዕልሉ።

ካልእ ከኣ ምስቶም ኣሰጋገርቲ ገለ ስራሕ ብምስራሕ ሰልዲ ከምዘዋህለሉ ወይ ብነጻ ከምዝመጽኡ ይገልጹ፡ “ነዚ ጕዕዞ ዋላ ሓንቲ ኣይከፈልኩን፡ ኣዝየ ዕድለኛ’የ” ይብል ሓደ፣ “ነቲ ኣስጋራይ ገለገለ ስራሓት ይሕግዞ ስለዝነበርኩ ኣየኽፈለንን።"

ብዙሓት ማይ ከምድላዮም ይወሃቦም ስለዘይነበረ ብጉድለት ጽሬት ዓቢቖም'ዮም።

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ክዳውንቱ ሓጻጺቡ ኣብታ መርከብ እናጸጠሐ
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ክዳውንቱ ሓጻጺቡ ኣብታ መርከብ እናሰጥሐ

ኣብ ሊብያ፡ ንመስገሪ ዝኸውን ገንዘብ ምስ ኣዋህለልካ ኢኻ ነቲ ኣስጋራይ ኣዋህሊለ ኣለኹ ኣስግረኒ ትብሎ። እንተዘይኰይኑ መዓልታዊ ናይ መግብኻ ንሱ ስለዝኽእለካ መዓልቲ እንተነዊሑ ዕዳኻ እናበዝሐ’ዩ ዝኸይድ፡ ይብሉ እዞም ስደተኛታት።

ሱማ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ኣስጋሪ ዝኹeነ ዓይነት እምነት ከምዘይብሉ’ዩ ዝዛረብ፡ "እቲ ዝብሉኻን እቲ ዝገብርዎን መብዛሕትኡ ግዜ ብፍጹም ዝራኸብ ኣይኮነን" ይብል።

ኣብ መጀመርታ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ካብ 55 ክሳብ 60 ጥራይ ከምዝጸዓኑ’ዩ ተነጊርዎ። እንተዀነ ኣብ ሓንቲ ኣዝያ ንእሽተይ ናይ ፕላስቲክ ጃልባ 80 ክሳብ 90 ስደተኛታት ተጸቓቒጦም ከምዝመጽኡ ይሕብር ሱማ።

“ኣማራጺ ኣይነበረናን፡ ኵሉ ነገር ናብ ኣምላኽና ሓዲግና ኵልና ናብዛ ንእሽተይ ጃልባ ተሰቒልና።”

ካልእ ኣዳማ ዝተበሃለ ስደተኛ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብታ 125 ስደተኛታት ብንእሽተይ ጃልባ ተበጊሶም፤ ንሱ ዕድለኛ ኰይኑ 94 ርእሱ ከምዝደሓነ ብሓዘን ይገልጽ።

“ዓርከይ ክመውት በዛ ዓይነይ ርእየዮ። ንብዙሓት ሓጊዘ’የ ንዅሎም ከሕግዝ ዝኽእል ዓቕሚ ግን ኣይነበረንን፤ ክሞቱ እንከለዉ ይርእዮም ነይረ፡” ይብል ኣዳማ።

ሱማ ኣብ ውሽጡ ዝተፈራረቐ ስምዒታት ከምዘለዎ ይሕብር። ናብ መሬት ኢጣልያ ምቕራብና ከሐጕሶ እንከሎ፡ ናፍቘት ስድራኡ ከኣ ክብእሶ ጀሚሩ፡ “እዚ ዅሉ ተለቂሖም ሰዲደሙለይ ሕጂ ናፊቐ ኢለ ካብዚ ክምለሶም ዘሕፍርን ውርደትን’ዩ።”

ሉስያ ኣልቤራ ኣወሃሃዲት ኤስኦኤስ መዲተራኒ’ያ
መግለጺ ስእሊ, ሉስያ ኣልቤራ ኣወሃሃዲት ኤስኦኤስ መዲተራኒ’ያ

ገለ ካብ ዓዶም ክብገሱ እንከለዉ ብዛዕባ ሓደገኛነት ናይቲ ጕዕዞ ውሑድ ኣፍልጦ’ዩ ነይርዎ። እታ ሓንቲ ዝፈልጥዋ ናብ ኣውሮጳ ምእታው’ያ።

ገለ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ክትኣቱ እንከለኻ፡ መጀመርታ ንላምፔዱሳ ትበሃል ደሴት ከምእትረክብ ሓበሬታ ነይርዎም።

ውሑዳት ከኣ እቲ ጕዕዞ ምስ ጀመርዎ ብሓገዝ ዝህባ መራኽብ ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣትዉ ተተስፍዮም ምንባሮም ይዛረቡ።

ሓደ ትሕቲ ዕድመ፡ ቅድሚ ምብጋሱ ንመርከብ ኦሽያን ቪኪን ኣብ ሞባይሉ ‘ትራክ’ ይገብራ ምንባሩ ሓቢሩኒ።

"ማሕበራዊ ሚድያ ይፈቱ’የ ሓንቲ ካብተን ዝጥቀመለን መተግበሪታት ከኣ ‘ቨዝል ፋይነደርስ’ያ’ [ኣብ ጕዕዞ ዘለዋ መራኽብ ዘርኢ መተግበሪ]፡ ኵለን እተን ኣብዚ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ መረኽብ ናይ ቀይሕ መስቀል ከኣ ይከታተለን’የ፤ ኵነታት ኣየር ከመይ ኣሎ’ውን የጽንዕ'የ፡” ኢሉኒ።

ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ኤስኦኤስ መዲተራኒ ዝኣመሰላ መራኽብ፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ኣጋዲደነኦ ከምዘለዋን ስደተኛታት ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ንኽጅምርዎ ምትብባዕ ይፈጥራ ከምዘለዋን’የን ዝኸሳ።

እንተዀነ ኤስኦኤስ መዲተራኒ፡ ቍጽሪ ናብ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ብርቱዕ ማዕበል ይሃሉ ኣይሃሉ፡ ኤስኦኤስ መዲተራኒ ትሃሉ ኣይትሃሉ ቍጽሮም ነክዩ ከምዘይፈልጥ’ዮም ዝሕብሩ።

ሓላፊት ስርሒታት እታ መርከብ ክላረ ጁካት “[ስደተኛታት] ተድሕኖም መርከብ ትሃሉ ኣይትሃሉ ስቕ ኢሎም’ዮም ዝብገሱ” ትብል።

ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ዝሓለፈ 72 ሰዓታት [ነዞም ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ምስ ኣውጽእዎም] መርከብ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣብ ዘይነበረትሉ፡ 5000 ስደተኛታት ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝበጽሑ ትሕብር።

መብዛሕትኡ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ከኣ ብመንግስታት ዝተማእከላ ከምዝዀነ ክላረ ጁካት ትጠቅስ።

ካብ ሕቡራት ሃገረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብዛ ገና ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ተላዒልዋ ዘሎ ዓመተ 2023 ልዕሊ 64 ሽሕ ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ከምዝኣተዉን ካብዚኦም ልዕሊ 1000 ጋምቢያውያን ምዃኖም የመልክት።

እቶም ስደተኛታት ናብ ባሪ ምስ ኣተዉ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ኣባላት ሓለዋ ዶብ ኢጣልያን’ዮም ተረኪቦሞም
መግለጺ ስእሊ, እቶም ስደተኛታት ናብ ባሪ ምስ ኣተዉ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ኣባላት ሓለዋ ዶብ ኢጣልያን’ዮም ተረኪቦሞም

እዞም መንእሰያት ኣውሮጳ ኣህጉር ድሕነትን ርግኣትን ከምዀነት ገይሮም ከምዝሓስብዋ ብምግላጽ ተማሂሮም ስራሕ ንኽጅምሩ መደብ ከምዘለዎም የዕሊሎሙኒ።

ኣብታ መርከብ እንከለና፡ ኣባላት እታ መርከብ ነቶም ስደተኛታት ኣኪቦም ገለ ምሉእ ሓሳባት ብቋንቋ ኢጣልያ እናምሃሩ ንኽደጋግምዎ ይሕብርዎም ነይሮም።

ገለ ካብዞም ኣብዛ መርከብ ዘለዉ ስደተኛታት ኣዕሩኽቶም ኣቐዲሞም ናብ ኣውሮጳ ኣትዮም፡ ናብራ ኣውሮጳ እንታይ ከምዝመስል ዝነገርዎም'ዮም።ንመብዛሕትኦም ግን ኣውሮጳ በተን ክለባት ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳን በቶም ኣብተን ክለባት ዘለዉ ተጻወትቲን’ዮም ዝፈልጥዋ።

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት “ኣነ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ’የ ክኸውን ዝደሊ፡ ልክዕ ከም ሮናልዶ፡” እቲ ሓደ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ “ኣነ ከኣ ከም ማርኮስ ራሽፎርድ” ምስ በለ ኵሎም ክስሕቁ ጀሚሮም።

ሕጂ ኣእጋሮም ናብታ ሎሚ ዓመት ክለብ ናፖሊ ዝተዓወተትሉ ጸወታታት ሰሪኣ ዝካየደላን ኢጣልያ ይረግጻ ኣለዋ።

መጻኢ ናይዞም መንእሰያት ግን ብሕጂ ዘርአ’ዩ ክኸውን።

ናብ ወደብ ባሪ ምስ በጻሕና፡ እቶም ኣብታ መርከብ እንከለዉ ዝስሕቁን ዝጫረቝን ዝነበሩ መንእሰያት፡ ነቲ ዝተወሃቦም ሓደ ዓይነት ክዳን፡ ጫማን ቦርሳን ገይሮም ስቕታ ዓዚምዎም ነይሩ።

ሰነዳቶም’ዮም ንሰብ መዚ እታ ሃገር ዘረክቡ ነይሮም፤ ገለ ከኣ ስሞም ክሳብ ዝጽዋዕ ኢዶም የንቀጥቕጥ ነይሩ፤ እቲ ምንቅጥቃጥ ግን ናይ ቁሪ ኣይኮነን።

ኢሚግረሽን እታ ሃገርን ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን’ዮም ዝሓትዎምን ዝምዝግብዎምን ነይሮም።

ዘዝወድአ ከኣ፡ ናብቲ ዝተዳለወሉ መጽንሒ ይኸይድ፤ እቲ ምሕታትን ምጽራይን ግን ገና ክቕጽል’ዩ።

ሳራ ማንሲነሊ ሓላፊት ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን እቲ ዞባ’ያ። ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ኣብ ኣውሮጳ ንኽነብር ፍቓድ ክወሃቦን ዘይክወሃቦን ኣብ ውልቀ ጉዳያቶም ከምዝምርኮስ ሓቢራትኒ።

“ዋላ ኣብ ሃገሮም ኲናት ኣይሃሉ፡ ካብ ሃገሮም ክስደዱ ኲናት ጥራይ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ፤ ስለዚ ኣብዚ ንኽነብሩ ዑቕባ ክወሃቦም ምኽንያት ክህሉ ይኽእል’ዩ፡” ኢላትኒ።

ችያራ ካርዶለቲ ወኪል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢጣልያ’ያ፣ “ሃንደበታዊ ቅልጡፍ ወሰኽ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘሻቕል’ዩ። ኣብዚ እዋን ኣሰናዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ብብዝሒ ይመጽኡ ስለዘለዉ፡ እዚ ዘሎ ዘይእኹል ጸጋታታት ንዅሎም ነኸነአንግድ የጸግመና ኣሎ” ኢላትኒ።

ኣነ ኣብታ መርከብ’የ ነይረ። እቲ ንመጀመርታ ግዜ መሬት ኣውሮጳ ንምርጋጽ ካብታ መርከብ ዝወርድ ዝነበረ ሱማ ብኢዱ ናይ ድሓን ኩኒ ምልክት ኣርእዩኒ ኣነ ከኣ ዓጸፋ መሊሰሉ።