ተመሳሳሊ ዛንታ ሓዘን ዘራኸበን ክልተ ስድራ ዳግማይ ደቀን ይርእያ ዶ ይዀና?

ዓብዱል ጀባር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ሸቃላይ ኰይኑ፡ ኣብ ወርሒ ኣስታት 120 ዶላር ይረክብ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, RAJA ANWAR

መግለጺ ስእሊ, ዓብዱልጀባር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናሸቀለ፡ ኣብ ወርሒ ኣስታት 120 ዶላር ይረክብ ነይሩ

"ወደይ ዕድመኡ 16 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ" ይብል ብጓሂ ዝተደፍአ ረዳ ኣ'ሰይድ፡ ኣብ ተሌፎኑ ፍሽኽታ ዝመልኦ ስእሊ ወዱ እናጠመተ።

"መሓመድ፡ ካልኦት ናብ ኢጣልያ ክገሹ ዝኸኣሉ መንእሰያት ስእሊ ርእዩ፡ ኣነ'ውን ክጓዓዝ’የ ክብል ጀሚሩ። ኣብዚ ዋጋ መነባብሮ ኣዝዩ ልዑል ስለዝዀነ ዝሓሸ መጻኢ ይደሊ ነይሩ።"

ኣብዛ ካብ ርእሰ ከተማ ግብጺ ብሰሜን እትርከብ ቍሸት ሓረስቶት፡ ኵሉ ስድራቤት ተመሳሳሊ ዛንታ ኣለዎ። ሕጂ ደቆም ሞይቶም ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ባሕሪ ከይህልዉ ይሰግኡ።

ረዳ ኣ'ሰይድ፡ ወዱ ዝርከብዎም 7 ኣባላት ስድራኡ ከም ዝጠፍኡ ይገልጽ።

ኵሎም ናብ ሊብያ ተጓዒዞም ኣብታ ብ14 ሰነ ካብ ገማግም ባሕሪ ግሪኽ 80 ኪ.ሜ ርሒቓ ዝጠሓለት ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ከም ዝተሰቕሉ ይእመን።

ሕቡራት ሃገራት ካብ 400 ክሳብ 750 ሰባት ኣብታ ጃልባ ተጸቒጦም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።

"ከይነገረኒ ተበጊሱ፡ ቅድሚ ናብታ ጃልባ ምድያቡ ደዊሉለይ" ይብል ኣ'ሰይድ።

"ናብ ግብጺ ክምለስ ተማሕጺነዮ፡ ግን ኣይተመልሰን። ሕጂ ኣብ ዝርዝር ናይቶም ዝደሓኑ ስሙ ይደሊ ኣለኹ።"

መሓመድ ኣልሰይድ ወዲ 16 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ፡ ኣቡኡ ግን ሕጂ ኣብ ሻቕሎት ይርከብ
መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ኣ'ሰይድ ወዲ 16 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ፤ ኣቦኡ ግን ሕጂ ኣብ ሻቕሎት ይርከብ

ኣብታ ኣብ ጐረቤት እትርከብ ቍሸት ማሽቱል ኣ'ሱቕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ጸቢብ ጐደናታት እናተጨናነቓ፡ እናበኸያ ይርከባ።

ሓንቲ ሰበይቲ፡ "ደቅና ሞይቶም ድዮም ብህይወት ኣለዉ ክንፈልጥ ኣለና” ትብል።

መንግስቲ ኣስማት ናይቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ 43 ግብጻውያን ኣውጺኡ’ኳ እንተዀነ፡ ብኻልእ መዳይ ግን ብዙሕ ኣይተዛረበን።

ኣብቲ ጕዕዞ ካብ 300-350 ዝግመቱ ግብጻውያን ከም ዝነበሩ ይንገር፤ ወግዓዊ ኣሃዝ ግን ኣይተዋህበን።

መንግስቲ ኣብታ መርከብ ክንደይ ከምዝነበሩ ንምፍላጥን መንነቶም ንምርግጋጽን ጕጅለ ኣቝሙ ኣሎ።

እዚ ግን ግዜ ክወስድ እዩ። ስብርባር እታ መርከብ ኣብ ሓደ ካብቲ ዝዓሞቐ ክፋላት ማእከላይ ባሕሪ’ዩ ዝርከብ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብዙሓት ካብቶም ስድራቤታት ነቲ ጕዕዞ ዝኸውን ብዙሕ ገንዘብ ስለዝተለቅሑ ዓቢ ዕዳ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

"ወደይ ኣብ ጥቓ ዶብ ሊብያ ብሓደ ካብቶም ኣሰጋገርቲ ተታሒዙ፤ ድሕሪኡ ኣስታት 4300 ዶላር እንተዘይከፊለዮ ንወደይ ከም ዝቐትሎ ነጊሩኒ" ይብል ረዳ ኣ'ሰይድ።

ብመሰረት ኣሃዛት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 2023 ክሳብ ሕጂ 6,232 ግብጻውያን ብባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኢጣልያ ኣትዮም እዮም፤ እዚ ድማ እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ቍጽሪ’ዩ።

ወግዓዊ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ግብጺ ልዕሊ 7 ሚእታዊት ኰይኑ ኣሎ፤ ዝቐባበ ባጤራን ዋጋ መግብን ንመነባብሮ ኣካቢዱ ኣሎ።

ኣደታት ደቀን እንታይ ከም ዘጋጠሞም ክፈልጣ ቆሪጸን ኣለዋ
መግለጺ ስእሊ, ኣደታት ደቀን እንታይ ከም ዘጋጠሞም ክፈልጣ ወሲነን ኣለዋ

ሕልሚ ዝሓሸ ህይወት

ራጃ ኣንዋር፡ ንወዱ ናብ ኢጣልያ ንምልኣኽ ካብ ኣዝማዱ ልዕሊ 8 ሽሕ ዶላር ተለቂሑ'ዩ
መግለጺ ስእሊ, ራጃ ኣንዋር፡ ንወዱ ናብ ኢጣልያ ንምልኣኽ ካብ ኣዝማዱ ልዕሊ 8 ሽሕ ዶላር ተለቂሑ'ዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ብፓኪስታን እትመሓደር ካሽሚር፡ ካልእ ስድራቤት ብሓዘን ተጸልያ ትርከብ።

ራጃ ኣንዋር ኣብ ሊብያ ናብታ ጃልባ ከም ዝደየበ ዝነግር መልእኽቲ ዝሰደደሉ ወዲ 38 ዓመት ወዱ ዓብዱልጀባር ክርኢ ሃረር ይብል።

ንጕዕዞኡ 8 ሽሕ ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከም ዝተለቅሐ ይዛረብ።

ንሱ መንእሰይ ወለዶኡ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝሰኣነ’ዩ ዝገልጽ፤ ወዱን ኣርባዕተ ደቂ ሓዉን ሃለዋቶም ኣይተረኸበን።

እቲ ንእሽቶ ወዲ ሓዉ ኦዋይስ ወዲ 19 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ። ብዘይካ ሓደ ኵሎም ተመርዕዮም ቈልዑ ኣፍርዮም እዮም።

እቲ ኵነታት ከቢድ ምዃኑ ብምግላጽ ናብ ገዛኡ ተመሊሱ፡ ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሆቴል ከም ሰንካቲ ባኒ ክሰርሕ ጀሚሩ።

እንተዀነ ንበዓልቲ ቤቱን ክልተ ኣዋልዱን ዝዀን ገዛን መኪናን ክገዝኣሉ ዝኽእል ገንዘብ ክረክብ ደልዩ። እዚ ንምግባር ድማ ናብ ኣውሮጳ ምብጻሕ እንኮ መገዲ መሲሉ ተራእይዎ።

ኣብተን ቀዳሞት ሒደት መዓልታት፡ ዓብዱልጀባርን ኣርባዕተ ደቂ ሓወቦኡን ምስታ ስድራቤት ቀጻሊ ርክብ ከም ዝነበሮም ራጃ ኣንዋር ይዛረብ።

ኣብ ሊብያ ምስ በጽሑ፡ ምስ ካልኦት ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ክፍሊ ተወሲዶም፡ ክሳብ እታ ጃልባ እትመጽእ ኣብኡ ተቐሚጦም።

ራጃ ኣንዋር፡ ወዱ ካብታ ክፍሊ ቪድዮ ከም ዝሰደደሉ ይዛረብ።

"ኣብታ ንእሽቶ ክፍሊ ከም ኣባጊዕ ነንሕድሕዶም ተደፊኦም ንመዓልታት ዝኸውን ዝብላዕ ነገር ኣይተዋህቦምን” ብምባል እዚ ምስ ረኣየ ልቡ ከም ዝተሰብረ ይገልጽ።

ልክዕ ከም ግብጻውያን፡ ኣማኢት ፓኪስታናውያን ኣብታ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ ዝነበረት መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ከም ዝነበሩ ይንገር።

ካብ ቁሸት ቡንድሊ ጥራይ 28 ሰባት ከም ዝነበሩን ክሳብ ሕጂ ብህይወት ዝተረፉ ክልተ ጥራይ ከም ዝተረጋገጹን ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሸህባዝ ሸሪፍ፡ ኣብቲ ስርዓት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት መርመራ ከም ዝካየድ ኣፍሊጡ’ዩ።

ሰበስልጣን ግሪኽ ካብቶም ዝደሓኑ 104 ሰባት፡ 12 ፓኪስታናውያን ከም ዝዀኑ ኣረጋጊጾም

ምንጪ ስእሊ, HELLENIC COAST GUARD

መግለጺ ስእሊ, ሰበስልጣን ግሪኽ ካብቶም ዝደሓኑ 104 ሰባት፡ 12 ፓኪስታናውያን ከም ዝዀኑ ኣረጋጊጾም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራኸቢ ብዙሃን ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ኣብታ ሃገር ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ከም ዘስዓበ ይወቕሳ ኣለዋ።

ኣብዚ ዓመት ዝቕባበ ዋጋታት ናብ ክብረወሰን ዝበጠሰ 40 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸን እዚ ድማ ኣብ ደቡብ ኤስያ ዝለዓለ መጠን ከም ዝዀነን ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ፓኪስታን ይሕብር።

ሰበስልጣን ግሪኽ ካብቶም ዝደሓኑ 104 ሰባት፡ 12 ፓኪስታናውያን ከም ዝዀኑ ኣረጋጊጾም’ዮም።

ራጃ ኣንዋር ንወዱ ዳግማይ ዝርእየሉ "ተኣምር" ክህሉ ተስፋ ይገብር።

ሓደ ኣብ ግብጺ ካብ ዝርከቡ ስድራቤታት ድማ "ደቅናን ኣዝማድናን ከም ዝሞቱ እንተተረጋጊጹ፡ ሬሳታቶም ተቐቢልና ክንቀብሮም የድልየና" ይብል።