እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩጋንዳ ዕድመ መስተይ ኣልኮሆል ናብ 21 ዓመት ክብ ክተብሎ’ያ
መንግስቲ ዩጋንዳ ዜጋታቱ ኣልኮሆል ምስታይ ዝጅምርሉ ዕድመ: ብሕጊ ካብ 18 ናብ 21 ዓመት ከጽድቕ ከምዝኾነ ብዕሊ ኣፍሊጡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ 2023 ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መረዳእታ: ዩጋንዳ ካብተን ቀዳሞት ልዑል መጠን ኣልኮሆል ዝጥቀሙ ዜጋታት ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ።
ኣብ ዩጋንዳ ሓደ ሰብ ዓመታዊ ብማእኸላይ 12.2 ሊትሮ ኣልኮሆል ከምዝወስድ: ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም የረድእ። እዚ ድማ ካብቲ ዓለም ለኻዊ መጠን ኣልኮሆል ዝዛየደ’ዩ ተባሂሉ።
“ሓደ ሰብ ኣብ 21 ዓመቱ መወለፊ ባእታ እንተዘይተጠቒሙ ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ዓመታት መዐወኒ ንጥረ ነገራት ናይ መውሳድ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ዝነኣሰ ከምዝኾነ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ እዩ” ክትብል ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዩጋንዳ ኮሚሽነር ኣእምሮኣዊ ጥዕና ዶ/ር ሃፍሳ ሉክዋታ ገሊጻ።
እታ ኮሚሽነር ኣስዒባ ሕብረተሰብ ዩጋንዳ፡ መናእሰይ ልዑል መጠን ኣልኮሆል ይጥቀሙ ከምዘለዉ ኣውያት ከሰምዕ ከምዝጸንሐ ኣፍሊጣ።
ባይቶ ዩጋንዳ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ናይ ኣልኮሆል ገደብ ዕድመ ዘትዩ ከጽድቖ ትጽቢት ከምዘሎ ዶ/ር ሃፍሳ ሉኩዋታ ተዛሪባ።