ዋንጫ ዓለም 2022፡ ነዊሕ ዛንታ ክርፍስ ፊፋ ኣብ ጉዳይ ቢራ

ደጋፊ ኢኳዶር ጆሴ፡ ድሕሪ ጸወታ ጋንትኡ ናብ ገዝኡ ክምለስ እንከሎ ብዛዕባ እገዳ ቢራ ስታድዩም ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ "ብጣዕሚ'ዩ ዘሕርቕ" ኢሉ።

ንሱ፡ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ንዘላ ሃገራዊት ጋንትኡ ንምድጋፍ፡ ናብ ስታዲየም ክመጽእ እንከሎ ቢራ ሒዙ ክኣቱ ኣይተፈቕደሉን።

“እዛ ዜሮ ኣልኮል [ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ] ሒዘ እየ ኣትየ፤ እንተውሓድ ናይ ቢራ ጣዕሚ ረኺበ” ይብል።

ኤሚልዮ ብወገኑ፡ “ቢራ ንደሊ ኢና ኢሎም ዝጭርሑ ሰባት ነይሮም” ኢሉ።

ኣብ ስታዲዩማት ቀጠር፡ ቢራ ከይሽየጥ ዝብል ውሳነ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ፊፋ ኣብ ጉዳይ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ነዊሕ ክከታተሎ ዝጸንሐ ግድላት እዩ።

ኣብ ዙርያ ምወላ ዋንጫ ዓለም ዝለዓሉ ምስሕሓባት፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ፊፋ ብባዕዳዊ መግዛእትን ኣብ ክንዲ ድሕነት ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ገንዘብ ብምቕዳምን ክኽሰስ የርእዩ።

ንእገዳ ዝድግፍ ፖሊሲ ፊፋ

ፊፋ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኣልኮላዊ መስተ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሞ ጸገማት ኵሉ፡ ኣአንገድቲ ሃገራት ኣልኮላዊ መስተ ንኸቕርባ ንምእማን ኣብ ምፍታን’ኳ እንተገበረ፡ ኣብ ስታድየማት ግና መስተ ክኣቱ የብሉን ዝብል ጠለብ ነይሩዎ።

ክሳብ 2004 ዓ.ም.ፈ ንዓበይቲ ፍጻመታት ዝምልከት ሕግታት ፊፋ፡ ኣዳለውቲ ኣብ ውሽጢ መጻወቲ ሜዳታት ኣልኮላዊ መስተ ከይሸጡ ከም ዝተኸልከሉን፡ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተየ ሰብ ካብ ስታድዩማት ከም ዝእለን ይገልጽ ነይሩ።

ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ዓለም ነዚ ፖሊሲ ንምቕያር ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ከምኡ'ውን ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሽየጥ ኣበርቲዑ ምድፍኡ ግን ምስ ገለ ኣአንገድቲ ሃገራት ከም ዝጋጮ ገይርዎ እዩ።

ምልዓል እገዳ ብራዚል

ዋንጫ ዓለም 2014 ንብራዚል ምሃብ፡ ቅኑዕ ነገር ይመስል ነይሩ።

እዛ ብኩዕሶ እግሪ እትፍለጥ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር፡ ነዚ ውድድር ሓሙሽተ ግዜ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ቢራ ኣዝዩ ፍትው እዩ።

ግን ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት፡ ሓሓሊፉ ስምዒት [ኒሕ] ደገፍቲ ብራዚል ናብ ጐንጺ ይቕየር እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንጎ ወዲኒታትን ደገፍቲ ተቐናቐንትን ዘጋጥም ባእሲ ንምምካት፡ ኣብ 2003 ኣብ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ብራዚል ኣልኮላዊ መስተ ተኣጊዱ።

ንነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ፊፋ ዝዀነ ቡድዋይዘር፡ ቁልፊ መዋሊ ናይቲ ውድድር ብምዃኑ ግን፡ ኣአንገድቲ እቲ ሕጊ ክቕይሩ ከም ዘለዎም ብግልጺ ተነጊርዎም።

"ኣልኮላዊ መስተታት ኣካል ዋንጫ ዓለም ፊፋ'ዮም፤ ስለዚ ክህልው’ዮም። ቁሩብ ትዕቢተኛ እንተድኣ መሲለ ይቕሬታ ​​ግበሩለይ ግን ዘይንደራደረሉ ነገር'ዩ" ክብል ኣብቲ እዋን ዋና ጸሓፊ ፊፋ ዝነበረ ጀሮም ቫልክ ገሊጹ።

"ቢራ ናይ ምሻጥ መሰል ከም ዘለና ኣካል ናይቲ ሕጊ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።

ሚኒስተር ጥዕና ብራዚል ነቲ ለውጢ ክቃወሞ እንከሎ፡ ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት እታ ሃገር ማርኮ ኣውሬልዮ ጋርስያ ድማ ንቫልከ "ህውታትያ"፡ "ባዕዳዊ ገዛኢ" ከምኡ'ውን "ትምክሕተኛ" ክብል ነቒፉዎ።

ዋላ’ኳ ተቓውሞታት እንተነበረ እታ ብ2014 አአንጋዲት ዝነበረት ሃገር ነቲ ኩነታት ብምልዛብ ነቲ ሕጊ ቀይሮም ኣብቲ ውድድር ኣብ ዝካየዱ ጸወታታት ኣልኮላዊ መስተ ክሽየጥ ፈቒዶም።

ኣብቲ ውድድር ኣብ ሞንጎ ተቐናቐንትን ደገፍቲን ሓያሎ ግጭታት ተራእዮም። ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ኮሎምብያ ኣንጻር ኡራጋይ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ዘጋጠመ ኩነታት ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ጀሮም ቫልከ ነዚ ኣመልኪቱ ንመርበብ ቴሌቪዥን ስፖርት ብራዚል ስፖርት ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብብዝሒ ዝሰኸሩ ሰባትን ደረጃ ኣልኮላዊ መስተታትን ተገሪመ" ኢሉ።

ፊፋ ኣብ መጻኢ ኣብ ፖሊሲታቱ ለውጢ ክገብር ክግደድ ይኽእል ድዩ ዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "[መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ] ምቁጽጻር ኣድላዪ እዩ ኢልና እንተሓሲብና ክንቆጻጸሮ ኢና" ኢሉ።

ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ሩስያ

ብ2018 ግን፡ ሩስያ ኣብ ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ፖሊሲ ፊፋ ዝተራእየ ለውጢ ፖሊሲ ኣይነበረን።

ልክዕ ከም ብራዚል፡ ሩስያ ኣብ ቀንዲ ስፖርታዊ ፍጻመታት ኣልኮል ናይ ምኽልካል ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣለዋ።

ብ2005፡ መንግስቲ ኣብ ስፖርታዊ ስታዲየማት ኣልኮል ከይሽየጥን መወዓውዒታት ከይግበሩን ከልኪሉ።

ብ2014 ድማ፡ ኣብ ሶቺ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ዊንተር፡ ዓብዪ መወዓውዒ መወልቲ ኣልኮላዊ መስተ ኣይነበሮን።

ኣብ 2012 ሩስያ ኣብ ቴሌቪዥን፣ ኦንላይንን ሕትመትን መወዓውዒ ኣልኮላዊ መስተ ምሉእ ንምሉእ እገዳ ኣተኣታትያ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣልኮላዊ መስተ ክሽየጥ ዝፈቅድን ነቶም ሓደሽቲ ገደባት ምውዕዋዕ ቢራ ንግዚኡ ዘፍኩስን ሓድሽ ሕጊ ፈሪሙ።

ሃይማኖታዊ ተቓውሞታት

ኣብ ዙርያ ኣልኮልን ኩዕሶ እግርን ዘሎ ጉዳይ ብዛዕባ ፊፋን ኣአንገድቲ ዋንጫ ዓለምን ጥራይ ኣይኰነን።

ኣብ ዩሮ 2022 ዩኤፋ፡ ገለ ተጻወትቲ ናይ ሓደ ካብ መወልቲ ናይቲ ውድድር ናይ ዝዀነ ሃይኒከን ጥርሙዝ ቢራ ኣብ ጠረጴዛ እንከሎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣይንህብን ድሕሪ ምባሎም ጐንጺ ተላዒሉ ነይሩ።

ፈረንሳዊ ኣከፋፋሊ ፖል ፖግባ ድሕሪ ሓደ ጸወታ ጋዜጣዊ መብርሂ ቅድሚ ምሃቡ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበረ ጠራሙስ ቢራ ክኣልይ ተራእዩ።

ብኣንጻሩ፡ ከም ፖግባ ኣስላማይ ዝዀነ ወዲ ሃገሩ ካሪም ቤንዘማ፡ ዝዀነ ጠርሙዝ ከይተራእየ ንፕረስ ተዛሪቡ።

ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ብኣዳለውቲ ውድድር ዝቐርብ መስተታት፡ ካብ ኣልኮል ናጻ 0.0% ዝዀነ ፍርያት ሃይኔከን እኳ እንተነበረ፡ ክልቲኦም ተጻወትቲ ግን ምስ ሓደ ኣፍራዪ ቢራ ዝህልዎም ምትእስሳር ዝቃወሙ ይመስሉ።

ድሒሩ ዩኤፋ ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺታት ንኣሰልጠንትን ተጻወትን ጠርሙዝ ሃይኔከን ኣብ ፊቶም ክቐርብ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም ክሓቶም ምዃኑ ተሰማሚዑ'ኳ እንተነበረ፡ ጋንታታት ኣብቲ ውድድር ንኻልኦት መወልቲ እንተድኣ ኣንስተናዒቐን ክቕጽዓ ከም ዝኽእላ ኣጠንቂቁ።

እገዳ ቀጠር

ሕጂ፡ ኣብታ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ጽኑዕ ገደብ ዘለዋ ኣአንጋዲት ሃገር ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሃይማኖታዊ ተቓውሞታት፡ ፊፋ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ኣብ ስታድዩማት ንደገፍቲ ቢራ ከይሽየጥ ክእግድ ክሰማማዕ ምኽንያት ኰይኖም እዮም።

ቪኣይፒ ትኬት ዘለዎም ሰባት ግን ቅድሚ ጸወታ፡ ኣብ እዋን ጸወታን ድሕሪ ጸወታን ኣልኮላዊ መስተ ክገዝኡ ይኽእሉ።

እዚ ውሳነ ፊፋ፡ ምስ ቀንዲ መዋሊኡ ትካል ቢራ ቡድዋይዘር ኤቢ ኢንቤቭ ዝህልዎ ርክብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ክርአ እዩ።

እዚ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ዓብዪ መዋሊ እቲ ውድድር ዝዀነ ትካል፡ ንሓንቲ ዋንጫ ዓለም ኣስታት 75 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፍል ይንገር።

ኣሜሪካ - እቲ ፋብሪካ ዝርከበላ ሃገር - ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ኣአንገድቲ ዋንጫ ዓለም 2026 ብምዃና ግን፡ ኤቢ ኢንቤቭ ኣብ ዝቕጽል ውድድር ዝያዳ ዕድለኛ ክኸውን ተስፋ ክገብር ይኽእል ኢዩ።