ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሃገራዊ መዝሙሮም ካብ ምዝማር ዝሓንገዱ ተጻወትቲ ኢራን

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣንጻር እንግሊዝ ኣብ ዝነበሮም ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ኣንጻር መንግስቲ ዘለዎም ደገፍ ንምርኣይ፡ ቅድሚ ጸወታ ሃገራዊ መዝሙር ሃገሮም ካብ ምዝማር ሓንጊዶም።

ሃገራዊ መዝሙር ኢራን ምስ ተወለዐ፡ ገለ ኢራናውያን ተዓዘብቲ፡ “ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወት፡ ናጽነት” ብምባል ብዓውታ ኣድሚጾም።

ነቲ ውድድር ብቐጥታ ከተመሓላልፈ ዝጀመረት መንግስታዊት ተለቪዥን ኢራን፡ ኢራናውያን ተጻወትቲ ሃገራዊ መዝሙር ኢራን ምዝማር ምስ ኣበዩ፡ ነቲ ካብ ስታድዮም ዝመሓላለፍ ዝነበረ ቀጥታዊ ፈነወ ደው ብምባል፡ ነቲ ስታድዮም ካብ ላዕሊ ዘርኢ ኣቐዲሙ ዝተሳእለ ስእሊ ከተርኢ ጀሚራ።

ኣብ ኢራን ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣንጻር መንግስቲ ዘቕንዐ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ማህሳ ኣማኒ ዝተበሃለት ጓል 22 ዓመት ኢራናዊት፡ ጸጕርኺ ዘይሸፈንኪ ተባሂላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከላ ድሕሪ ምማታ’ዩ ተላዒሉ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ድሕሪ ሞት ማህሳ ኣማኒ ብዝሰዓበ ተቓውሞታት፡ ብትካላት ጸጥታ ኢራን ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣስታት 16,800 ሰባት ከምዝተኣሰሩን ይሕብሩ።

ሰብ መዚ ኢራን ብወገኖም፡ እቲ ተቓውሞታት ጸላእቲ ኢራን ብዝዀና ሃገራት ይሳወር ምህላዉ’ዮም ዝገልጹ።

እቶም ኣብ ውሽጢ ስታድዮም ዝነበሩ ኢራናውያን፡ ስም ናይቲ ንመንግስቲ ኢራን ብምቕዋም ዝፍለጥ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ዝነበረ ዓሊ ከሪሚ ብዓውታ ብምጽዋዕ ሕጂ’ውን ከምዝዝክርዎ ይገልጹ ነይሮም።

ሓያለ ንእስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን ዝቃወሙ ሰባት፡ እቶም ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ ምርኻቦምን ኣቐዲሞም ንምንታይ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዘለዎም ደገፍ ብግሉጽ ዘየርኣዩን ብምባል ክነቕፍዎም ተሰሚዖም።

ቅድሚ ምጅማር እቲ ጸወታ፡ ሓለቓ ጋንታ ኢራን ኢህሳም ሓጅሳፊ ኵሎም ተጻወትቲ ነቶም ዝሞቱ “ደገፍ” ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ካርሎስ ቔሮዝ ብወገኑ፡ ተጻወትቲ “ንድላዮም ክድግፉ ነጻ እዮም” ብምባል፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ምቅዋሞም ንሕጋጋት ዋንጫ ዓለም ዝጻረር ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን ኣብ መስከረም ንዋንጫ ዓለም ንምድላው ኣብ ዘካይድዎ ዝነበሩ ምሕዝነታዊ ጸወታታት፡ ነታ ኣብ ማልያኦም ትግበር ምልክት ኢራን ሸፊኖማ ከምዝነበሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ምድብ ክልተ ምስ እንግሊዝ፡ ዌልስ፡ ኣሜሪካን ተመዲባ ዘላ ኢራን፡ ትማሊ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታ ብዓዲ እንግሊዝ 6 ን 2 ተሳዒራ’ያ።

በዚ መሰረት እንግሊዝ ነቲ ምድብ ብሰለስት ነጥቢ ሽዱሽተ ጸብለልታ ሽቶ ክትመርሖ እንከላ፡ ኢራን ብዘይ ነጥቢ ብኣርባዕተ ሸቶ ዕዳ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ፡ እተን 1ብ 1 ማዕረ ዝተፈላለያ ኣሜሪካን ዌልስን ከኣ፡ ነፍሲ ወከፈን ሓሓደ ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ፖርቱጋላዊ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ካርሎስ፡ ጠንቂ ስዕረት እታ ሃገራዊት ጋንታ፡ እቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ምዃኑ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኣሰልጣኒ፡ እቶም ተጻወትቲ ብደገፍቶም ክቱር ጸቅጢ ይግበረሎም ከምዝነበረ ብምሕባር “ናብ ዋንጫ ዓለም መጺእካ ብቐጥታ ንዕኦም ዘይምልከቶም ነገራት ክገብሩ ጸቕጢ ምግባር ቅኑዕ ኣይኰነን። ንሶም [እቶም ተጻወትቲ] ንህዝቦም ሓበንን ሓጐስን ከምጽኡ’ዮም ናብዚ መጺኦም” ኢሉ።

ነቲ መደብ ብቐጥታ ዘመሓላልፍ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጋሪ ሊንከር፡ 45 ደቓይቕ ተወዲኡ ተጻወትቲ ናብ ዕረፍቲ ምስ ኣምርሑ፡ ነቲ ኢራናውያን ሃገራዊ መዝሙሮም ዘይምዝማሮም ኣመልኪቱ ርእይቶ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን፡ “ኣዝዩ ሓያልን ወሳንን ምልክት’ዩ፡ ሓይሊ ኵዕሶ እግሪ ንሰናይ ዝዀነ ነገር ክውዕል ይፍተን ኣሎ፡” ኢሉ።