እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
10 ብሉጻትን ተዘከርትን ጸወታታት ዋንጫ ዓለም
እንግሊዝ ኣብ 1966 ንምዕራብ ጀርመን ብምስዓር ዋንጫ ዝዓተረትሉ፣ ብራዚል ኣብ 2014 ኣብ ሃገራ ብጀርመን ርእሳ ዘድነነትሉን ክጥቀስ ይክኣል’ዩ።
እንተዀነ እተን 10 ዝበለጻን ተዘከርትን ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣየኖት ይዀና?
ጋሪ ሊንከር፡ ኣላን ሸረርን ሚካህ ሪቻርድን ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ዘትዮም ዝሃብዎ ደረጃታት እዚ ዝስዕብ’ዩ።
[እቲ ኣብ ሓጹር ዘሎ ሪቻርስን ሸረርን ዝሃብዎ ደረጃታት’ዩ]።
10. እንግሊዝ 3- 2 ካሜሮን 1990 [ሪቻርድ 10 ሸረር 5]
ኣብ 1990 ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ጋሪ ሊንከር ሃገራዊት ጋንታኡ ኣንጻር ካሜሮን ኣብ እተካይዶ ዝነበረት ጸወታ ንስክላ’ዩ ካብ ስዕረት ኣናጊፍዋ።
ካሜሮን 2 ብ ሓደ እናመርሑ እንከለዉ ጋሪ ሊንከር ኣብ መበል 83 ደቒቕ ንዝተረኸበት ፍጹም ቅላዕ ናብ ሸቶ ስለ ዝቐየረ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሖም።
ኣብ ተወሳኺ ግዜ’ውን ደጊሙ ሸቶ ስለ ዘመዝገበ እንግሊዝ ንፈለማ እዋን ካብ ዓዳ ወጻኢ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ክኢላ።
ሊንከር፡ እቲ ጸወታ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ፤ ካሜሮን’ውን ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኣቃውማ’ዮም ነይሮም።
9. እንግሊዝ 4 – 2 ምዕራብ ጀርመን 1966 [ሪቻርድስ 9 ፡ ሽረር 1]
እታ ብሰር ኣምፍራምስይ ትስልጥን ዝነበረት ጋንታ እንግሊዝ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ንምዕራብ ጀርመን 4 ን 2 ብምስዓር ኣብ ታሪኻ ንመጀመርታ ግዜ ንዋንጫ ዓለም ክትዕወተላ ክኢላ።
ብድሕሪኡ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይተዓወተትላን።
ምዕራብ ጀርመን ሰዓት ኣብ ምዝዛሙ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ብምቍጻሮም’ዮም ጸወታ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሑ።
ሰር ጆፍ ሁርሰት ሃትሪክ [ሰለስተ ሸቶታት] ብምምዝጋቡ ግን ንእንግሊዛውያን ኣፍ ልቦም ክነፍሑ ገይርዎም።
ሰር ጆፍ ሁርሰት ክሳብ ሎሚ እቲ እንኰ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ኣብ ሓደ ጸወታ ሰለስተ ሸቶታተ ዘመዝገበ ተጻዋታይ’ዩ።
ሽረር፡ እዚ ጸወታ እዚ ንዝዀነ እንግሊዛዊ እቲ ዝበለጸ ጸወታ’ዩ።
8. እንግሊዝ 2- 2 ኣርጀንቲና 1998
ሽረር፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ጸወታ’ዩ ነይሩ፡ ኣብቲ ጸወታ ክልተ ፍጹም ቅላዓት ኣመዝጊበ፣ እታ ካልኣይቲ ዘመዝገብክዋ ጸቅጢ ዝብዝሓ’ያ ነይራ።
[ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ 4 ን 3 ስዒራ] [ሪቻርድስ 8፤ ሽረር 6]
ሊንከር፡ እዛ ጸወታ እዚኣ ተዘካሪት ካብ ዝገብራ ሓደ ሶል ካምፕበል ዘመዝገባ ሽቶ ግን ከኣ ኣይኣተወትን ዝተባህለትሉ’ዩ።
7. ፈረንሳ 4 – 3 ኣርጀንቲና 2018 [ሪቻርድስ 7 ፡ ሽረር 4]
6. ኡራጋይ 1 – 1 ጋና 2010
ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ኣብቲ ኣብ ኣህጉራ ዝካየድ ዝነበረ ጸወታ ጽቡቕ ገስጋስ’ያ ኣርእያ።
ኣብቲ ምስ ኡራጋይ ዘካየደቶ ጸወታ ልዊስ ስዋረዝ ካብ መስመር ሕንጻጽ ብኢዱ ዘውጽኣ ሽቶ ክትከውን ትኽእል ዝነበረ ኵዕሶኸ መን ይርስዓ?
ልዊስ ስዋረዝ ብቐጥታ ካብ ሜዳ ክስጎግ እንከሎ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ጋና ፍጹም ቅላዕ ተዋሂቡ።
ጸወታ ተወዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ጋና እንተ ኣእትያታ ብቐጥታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ክትሓልፍ ዘኽእል ዕድል ተፈጥረላ።
እዚ እንድሕር ኰይኑ እታ ናይ መጀመርታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን ዘኽእላ’ዩ።
ኣሶማህያ ግያን ግን ከመዝግባ ኣይክኣለን።
ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሐን ኡራጋየ ንጋና ብፍጹም ቅላዕ 4 ን 2 ብምስዓር ድሕሪ 1970 ንፈለማ እዋን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ።
[ኡራጋይ ብፍጹም ቅላዕ 4 ን 2 ተዓዊታ [ሪቻርድስ 6 ፡ ሽረር 10]
ሪቻርድስ፡ እቲ ውጽኢት ንጋናውያን ጽቡቕ ኣይነበረን፣ እንተዀነ እቲ ጸወታ ተዘካሪ ኮይኑ ክነብር እዩ።
ሽረር፡ በዛ ጸወታ እዚኣ ልዊስ ስዋረዝ ንዘልኣለም ክዝከር ክነብር’ዩ።
እታ ብኢዱ ዘውጽኣ ሸቶ፡ ቀይሕ ምስ ወጽኦ ዘርኣዩ ሕርቃንን ጊያን ፍጹም ቅላዕ ምስ ስሓተ ናብ መቐየሪ ክዳን እናኸደ ዘርኣዮ ታሓጓስን ወትሩ ክዝከር’ዩ።
5. ኢጣልያ 4 – 3 ምዕራብ ጀርመን 1970 [ሪቻርድስ 5 ፡ ሽረር 7]
ኢጣልያን ምዕራብ ጀርመንን ኣብ 1970 ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ኣብ ዘካይዳሉ ዝነበራ፡ ኢጣልያ ኣብ መበል ሻሙናይ ደቒቕ ሸቶ ብምምዝጋብ ክትመርሕ ጀሚራ።
ጀርመናዊ ተኸላኻላይ ካርል ሀይንዝ ኣብ መበል 90 ደቂቕ ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ስለ ዘመዝገበ፡ ናብ ተወሳኺ ግዜ ኣምሪሖም።
ገርድ ሙለር ኣብ ተወሳኺ ግዜ ክልተ ግዜ’ኳ ከመዝግብ እንተኸኣለ፡ ኢጣልያ ድሒራ ብዘመዝገበቶ ሰለስተ ተወሰኽቲ ሸቶታት ተሓጊዛ 4 ን 3 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ሰጊራ።
ብብራዚል ስለዝተሰዓረት ግን ዋንጫ ካብ ምውሳድ በዅራ።
ሊንከር፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ’ዩ ነይሩ። ኣጥቃዕቲ ኢጣልያ ተዀሊዖም ዝወጽእሉ ጸወታ ነይሩ፤ እንተዀነ ብቕዓቶም ነታ ኣብ ፍጻመ ዝተጋጠምዋ ብራዚል ዝብድህ ኣይነበረን።
4. ምዕራብ ጀርመን 3 – 3 ፈረንሳ 1982
[ምዕራብ ጀርመን ብፍጹም ቅላዕ 5 ን 4 ተዓዊታ] [ሪቻርድስ 4፡ ሽረር 8]
ተጻዋታይ ምዕራብ ጀርመን ፔሪ ሊት ባርሰኪ ቀዳማይቲ ሽቶ’ኳ እንተኣመዝገበ፡ ፈረንሳ ቀልጢፎም ማዕረ እትገብሮም ሸቶ ኣመዝጊቦም።
ፈረንሳውያን ንጸወታ ናብ ረብሓኦም ቀይሮም 3 ን 1 ክመርሑ ክኢሎም’ኳ እንተነበሩ፡ ጸወታ ኣብ ምውድኡ ምዕራብ ጀርመን ክልተ ሸቶታት ስለ ዝረኸቡ ጸወታ ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣምሪሑ።
ምዕራብ ጀርመን ብፍጹም ቅላዕ 5 ን4 ብምስዓር ናብ ፍጻመ ሓሊፎም፤ ኣብ ፍጻመ ብኢጣልያ ስለ ዝተሰዓሩ ግን ሓጐሶም ምሉእ ክኸውን ኣይከኣለን።
ሊንከር፡ እዚ ጸወታ’ዚ ተዘካሪ ካብ ዝገብሮ እቲ ብቝዕ ሓላዊ ልዳት ምዕራብ ጀርመን ሃራልድ ስችማቸል፡ ኣብ ልዕሊ ፈረንሳዊ ፖትሪክ ባቲስቶን ዝፈጸሞ በደል ብቐይሕ ካርድ ዘስጉግ ክንሱ ዳኛ ዕሽሽ ምባሉ’ዩ።
3. ብራዚል 4 – 1 ኢጣልያ 1970 [ሪቻርድስ 3፡ ሽረር 2 ]
ኣብ 1970 ዝተኻየደ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ዓለም፡ ብራዚል ኣብ ታሪኻ ንሳልሳይ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረትሉ እዋን’ዩ ነይሩ።
ብራዚል ኣብ ልዕሊ ኢጣልያ 4 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ብራዚላዊ ካርሎስ ኣልበርቲ ዘመዝገባ ራብዓይቲ ሸቶ እታ ዝበለጸት ሸቶ ናይ ዋንጫ ዓለም እናተባህለት’ያ ትግለጽ።
ሊንከር፡ ኣብ 1970 ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኣዘዮም ብሉጻትን ብብቕዓቶም ኣዝዮም ዘገርሙ ተጻወትቲ’ያ ሓቊፋ ነይራ።
2. ጣልያን 3 – 2 ብራዚል 1982 [ሪቻርድስ 2 ፡ ሽረር 9]
ኢጣልያን ንብራዚል 3 ብ 2 ብምስዓር ኣብ ካልኣይ ዙር ናይ ምድብ ጸወታ ንብራዚል ዝገለፈትሉ ጸወታ ኣዝዩ ሰሓቢ ጸወታ’ዩ ነይሩ።
እዚ ጥራይ ዘይኮነ ፓውሎ ሮሲ ሰለስት ሸቶታት ኣብ ልዕሊ ብራዚል ከምዝግብ ብምኽኣሉ ዝያዳ ክደምቕ ክኢሉ’ዩ።
ንብራዚል ብምስዓር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ብምሕላፍ ኣብ መወዳእታኡ’ውን ነታ ዋንጫ ክትዕወተላ ክኢላ’ያ።
ሽረር፡ ሮሲ ሰለስት ሸቶታት ኣብ ልዕሊ ብራዚል ዘመዝገበሉ ጸወታ፡ እቲ ካብ ተዘክሮይ ዘይሃስስ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም’ዩ።
1. ብራዚል 1 - 7 ጀርመን 2014 [ ሪቻርድስ1 ፡ ሽረር 3]
ብራዚል ኣብ ግዛእ ሜዳኦም ኣብ ቅድሚ ደገፍቶም ኣብ 2014 ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ብጀርመን ዘጋጠሞም ስዕረት እቲ ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝተራኣዩ ጸወታታት እቲ ኣዝዩ ተዘካሪ’ዩ።
ጀርመን ጸወታ ምስ ተጀመረ ኣብ ውሽጢ 29 ደቓይቕ ንብራዚል ሓሙሽተ ሸቶታት ከተመዝግበላ ትኽእል’ያ ኢሉ ዝሓሰበ ብፍጹም ኣይነበረን።
እቲ ጸወታ ብራዚል ኣብ ሜዳኣ ክትስዓር ድሕሪ 39 ዓመታት ናይ መጀመርታ ኰይኑ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዘጓነፎም ዝኸፍአ ስዕረት’ውን እዩ።
ሪቻርድስ፡ ብራዚል ብኽንድዚ ፍልልይ ሸቶ ኣይኰነን፡ ኣብቲ ጸወታ ብጠቕላላ ሸሞንተ ሸቶታት ክምዝገብ’ዩ ኢሉ’ውን ዝገመተ ኣይነበረን።
ሽረር፡ እቲ ጸወታ እናተዓዘብና’ውን ነቲ ውጽኢት ክንኣምኖ ኣይከኣልናን።
ሊንከር፡ ንዅሉ ዘደንዘዘ ጸወታ’ዩ ነይሩ። ጸወታ ምስ ተዛዘመ ብምልእታ ብራዚል ኣብ ሓዘን ከም ዝኣተወት ርዱእ’ዩ ነይሩ።