እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስተ ሰትዩ መኪና ዝዘወረ ብዓል ቤት ናንሲ ፔሎሲ ብማእሰርቲ ተቐጺዑ
በዓል ቤት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ፡ መስተ ሰትዩ መኪና ብምዝዋር ገበነኛ ስለ ዝተባህለ ንሓሙሽተ መዓልታት ተኣሲሩ።
ወዲ 82 ዓመት ፖል ፔሎሲ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2022 ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ኣልኮል ኰይኑ ኣብ ካሊፎርኒያ ፖርሼ ዝዓይነታ መኪና ከም ዝዘወረ ተኣሚኑ።
እቲ ሚሊዮነር ዝፈጸሞ ስሕተት ስለ ዝተኣመነ ድማ፡ ካልኦት ከበድቲ ክስታት ኣይቀረቡሉን። ብመሰረት እቲ ናይ ይግባይ ስምምዕ ከኣ፡ ካልእ ተወሳኺ መቕጻዕቲ ኣይክቕጻዕን'ዩ።
በዚ መሰረት፡ ብ28 ግንቦት ምስ ካልእ መኪና ምስ ተጋጨወ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ሓደ ለይቲ ከም ክልተ መዓልቲ ክሕሰበሉ’ዩ።
እተን ካልኦት ክልተ መዓልታት ንጽቡቕ ስነ ምግባር ክውሰዳ እንከለዋ፡ እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ንሸሞንተ ሰዓታት ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ብምሃብ ከሕልፋ እዩ።
መስራቲ ትካል ኢንቨስትመንት ዝዀነ ፖል ፔሎሲ፡ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ፈተነ ጊዜ ክወሃቦ እንከሎ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ድማ ስልጠና ሰቲኻ ምዝዋር ክወስድን ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ካሕሳ ክኸፍልን ተወሲንዎ።
መዘወሪ ፍቓዱ እኳ እንተዘይተመንጠለ፡ መኪና ኣብ ዝዝውረሉ እዋን ግን ሞተር መኪናኡ ቅድሚ ምልዓሉ ብትንፋስ መጠን ኣልኮል ዝምርምር መሳርሒ ክጥቀም ክግደድ እዩ።
ትማሊ፡ ቤት ፍርዲ ንጉዳዩ ርእዩ ውሳነ ኣብ ዝሃበሉ እዋን ብኣካል ኣይተረኸበን።
እቲ ሓደጋ፡ ፖል ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ካሊፎርኒያ ከተማ ኦክቪል፡ ኣብ መንበሪ ገዛ መዋሊ ዴሞክራት ዝዀነን ናይ ነዊሕ ዓመታት መሓዝኡ ዝነበረን ድግስ ኣምስዩ ናብ ገዝኡ ክምለስ ከሎ እዩ ኣጋጢሙ።
ጸብጻብ ፖሊስ ከም ዘመለክቶ፡ ፖል ዝዝውራ ዝነበረት ጸላም ፖርሼ 2021 መኪና ምስ ሓንቲ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ጠጠው ኢላ ዝነበረት ጂፕ መኪና እዩ ኣጋጪዩዋ፤ በዚ ክልቲአን መካይን ከም ዝዓነዋ ተገሊጹ።
በዓልቲ ቤቱ ናንሲ ፔሎሲ፡ ኣብቲ ዕለት ኣብ ሮድ ኣይላንድ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ኣብ ምረቓ ተመሃሮ መደረ ተስምዕ ነይራ።
ፖል፡ ምስታ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዋ በዓልቲ ቤቱ ፔሎሲ ካብ 1963 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብ ሓዳር ይርከብ።
ቤት ጽሕፈት ፔሎሲ፡ እቲ ጉዳይ “ውልቃዊ’ዩ” ብምባል ተወሳኺ ርኢይቶ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።