ናንሲ ፔሎሲ፡ ንመጠንቀቕታ ቻይና ብምንዓቕ ታይዋን በጺሓ

ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲ፡ ንመጠንቀቕታ ቻይና ብምንዓቕ ኣብ ታይዋን ምብፃሕ ተካይድ ኣላ።

ፔሎሲ ናብ ታይዋን ከተማ ታይፔ ምስ ኣተወት፡ ቻይና ምስ ታይዋን ናብ ዝኸፍላ ወሽመጥ ባሕሪ ተዋጋእቲ ጀታት ልኢኻ ኣላ።

ንምብፃሕ ፔሎሲ ድማ “ከቢድ ጥሕሰት መትከል 'ሓንቲ ቻይና' እዩ” ብምባል ኮኒናቶ።

ቅድም ክብል ሰብመዚ ቻይና ፡ ፔሎሲ ኣብ ታይዋን ምብፃሕ እንተካይዳ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም።

ታይዋን ርእሰ ምምሕዳራዊ ዘለዋ ደሴት ኰይና፡ ቻይና ግን ከምዝተነፀለት ግዝኣታ'ያ ትቘፅራ። ቻይና ኣድላይ እንተኾይኑ ንታይዋን ብሓይሊ መሊሳ ኣካል ግዝኣታ ንምግባር ከምዘይተምንትእ እያ ክትገልፅ ፀኒሓ።

ስለዝኾነ ድማ ኣመሪካ ምስ ታይዋን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምጥንኻራ ንቻይና ኣየቕሰናን።

ብመሰረት ናብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ባይደን ዝቐረበ ሓበሬታ፡ ቻይና፡ ኣብ ጥቓ ታይዋን ሚሳይል ምትኳስ ሓዊሱ፡ ምንቅስቓስ ሓይሊ ኣየር ወይ ባሕሪ ክትገብር ከምትኽእል ተገሊፁ።

ፔሎሲ፡ ካብ 1997 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ ንፈለማ እዋን ናብታ ርእሰ ምምሕዳራዊት ደሴት ታይዋን ካብ ሞንጎ ዝበፅሑ ሰብመዚ ኣመሪካ እያ።

ፕረዚደንት ታይዋን ሱ ሴንግ፡ ነቲ ምብፃሕ ኣመልኪታ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ “እታ ደሴት ንዝኾነ ናይ ወፃኢ ጋሻ ብኽብሪ ክትቕበል’ያ” ኢሉ።

ንዝኾነ ይኹን ጋሻ ንምቕባል “ግቡእ ምድላው ከምትገብር” ድማ ሓቢራ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሚኒስትር ምክልኻል ታይዋን፡ ኣብ ጥቓ እታ ደሴት ንዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ይከታተል ከምዘሎን፡ ካብ ቻይና ንዝመፅእ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ንምምካት ድሉው ከምዝኾነ ገሊፁ። 

ቻይና ስለምንታይ እቲ መገሻ ተቓዊማቶ?

በይጂን፡ ንታይዋን ከም ግዝኣታ ስለ እትወስዳ፡ ብተደጋጋሚ ኣገዳሲ እንተዀይኑ ብሓይሊ’ውን ክትጐብጣ ከም እትኽእል ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።

ሰብ መዚ ቻይና፡ በቲ ኣብ መንጐ ታይፔን ዋሽንግተንን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና፡ ቍጥዐኦም ክገልፁ ፀኒሖም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ናብታ ደሴት ምብጻሕ ገይሮም ነይሮም።

ብሰኑይ፡ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ፔሎሲ እትሓስቦ ዘላ ምብጻሕ ግብራዊ እንተዀይኑ፡ ሃገሩ “ተሪርን ክምህ ዘይብልን ስጉምታት” ክትወስድ እያ ክብል ኣጠንቂቝ።

“ነዚ ስዒቦም ንዝመፅኡ ኵሎም ሳዕቤናት ድማ ኣሜሪካ ተሓታቲት ክትከውን እያ” ክብል ኣጠንቂቑ።

ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ክኣ፡ ወተሃደራዊ ምላሽ ከይሃለወ ከም ዘይተርፍ ኣመልኪቱ።

እዚ ጕዕዞ ንወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ብኸመይ ከጋድዶ ይኽእል?

ዴሳዊ ውድብ ቻይና፡ ንዢ ጂንፒንግ ንሳልሳይ ግዜ ፕረዚደንት ገይሩ ክመርጾ መደብ ኣሎ።

ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስዚ ፕረዚደንት ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ክልቲኦም ብተሌፎን ከም ዝዘራረቡ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ፡ ጉዳይ ታይዋንን ካልኦት “ጉዳያት ወጥርን” ዝጠቓልል ዝርርብ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።

ሰብ መዚ ኣመሪካ፡ ቻይና ኣብ ዞባ ኤስያ-ፓስፊክ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስፋራን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና፡ “ዘይሓላፍነታውን ዓማጽን ባህርያት” ተርኢ'ላ ኢሎም ድሕሪ ምንቃፎም ዝመጽአ መጠንቀቕታ እዩ።

 ንምብጻሕ ፔሎሲ ስዒቡ ብወገን ቻይና ክወሃብ ዝኽእል ግብረ መልሲ ግን ሓያል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ብ2020፡ ጸሓፊ ጕዳያት ጥዕና ዝነበረ ኣሌክስ ኣዛር ናብ ታይዋን ኣብ ዝኸደሉ ግዜ፡ ሓይሊ ኣየር ቻይና ኣብ ሞንጐ እታ ደሴትን ቻይናን ኣብ ዘሎ ከባቢ ነፈርቲ የዘምቢ ነይሩ።

 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤዲተር መንግስታዊ ጋዜጣ ቻይና ዝዀነ ግሎባል ታይምስ ዝነበረ፡ ፔሎሲ ናብታ ደሴት እንተመጺኣ፡ “ኣዝዩ ዘሰንብድ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ” ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሉ ነይሩ።

ፖሊሲ "ስትራተጂ ላንጋላንጋነት" ኣመሪካ፡ ንታይዋን ካብቲ ክወርዳ ዝኽእል መጥቃዕቲ ክትከላኸለላ ድያ ኣይፋልን? ክሳብ ሕጂ ኰነ ተባሂሉ ዘይንጹር ክኸውን ከም ዝተገብረ ይግለጽ።