መራሕቲ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ጉዳይ ታይዋን መጠንቀቕታ ተወሃሂቦም

መራሕቲ ኣመሪካን ቻይናን ንልዕሊ ክልተ ሰዓት ኣብ ዝወሰደ ዝርርብ ተሌፎን፡ ጉዳይ ታይዋን ብዝምልከት መጠንቅቕታ ከም ዝተወሃሃቡ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ቻይና ኵነታት ምሕደራ ታይዋን ንምቕያር እትገብሮ ውልቃዊ ምንቅስቓስ፡ ኣመሪካ ከም ዘይትቕበሎ ንመራሒ ቻይና ዢ ጂንፒንግ ገሊጽሉ።

እንተዀነ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ታይዋን ከም ዘይተቐየረ እዩ ዝሕብር።

ካብ በይጂን ዝወጽአ ሓበሬታ ድማ፡ ፕረዚደንት ቻይና፡ ባይደን ንመትከል ሓንቲ ቻይና ተገዛኢ ክኸውን ከም ዝነገሮን “ብሓዊ ዝጻወት ክነድድ እዩ” ክብል ከም ዘጠንቀቘን የመልክት።

ወሃቢት ቃል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ናንሲ ፔሎሲ፡ ኣብ ታይዋን ምብጻሕ ከም እተካይድ ሓበሬታታት ምውጽኦም ስዒቡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ወጥሪ ወሲኹ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እታ ወሃቢት ቃል ከምእትገይሽ ዕላዊ ከም ዘይገበረት ዝሓበረ ኰይኑ፡ ቻይና ግና “ከቢድ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ” ኣጠንቂቓ ኣላ።

ኣመሪካ ብወገና ንመፈራርሒ ቻይና ዘይጠቅም ክትብል ኰኒናቶ።

ካብ ምኽትል ፕረዚደንት ቀጺሉ ንፕረዚደንት ዝቐረበ ስልጣን ዘለዋ ፔሎሲ፡ ናብ ታይዋን እንተተጓዒዛ ድሕሪ 1997 [ኣ.ኣ] ናብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደት ዝለዓለት በዓልቲ ስልጣን ክተከውን እያ።

ኣብቲ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብሓሙስ ብተሌፎን ዘካየድዎ ዘተ፡ ብኣካል ተራኺቦም ንምዝርራብ ከመቻችኡ ከም ዝተሰማምዑ፡ ሓደ ንክልተኣዊ ርክብ እቶም መራሕቲ “ቀጥታውን ቅኑዕን” ክብል ዝገለጾ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ሓቢሩ።

ቻይና ንታይዋን ከም ሓንቲ ተነጻሊት ግዝኣት እትቘጽራ ኰይና፡ ናብኣ ክትሕወስ ከም ዘለዋ እያ እትኣምን፤ ነዚ ንምዕዋት ሓይሊ ምጥቃም'ውን ከም ኣማራጺ ትሓስቦ እያ።

ኣመሪካ እውን እንተዀነት ንታይዋን ከም ሓንቲ ነጻ ሃገር ኣይተቐበለታን፤ ኰይኑ ግን ርእሳ ክትከላኸል ብዝብል ነታ ደሴት ኣጽዋር ኲናት ትሸጠላ እያ።

እቶም መራሕቲ ካብ ጉዳይ ታይዋን ብተወሳኺ፡ ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጥን ጥዕናን ከም ዝዘተዩ እውን ካብ ዋይት ሃውስ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።