እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፔሎሲ ናብ ታይዋን እንተገይሻ፡ ቻይና እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ናብ ታይዋን ምብጻሕ ክትገብር’ያ ዝብል ጽንጽንታ፡ ንቻይና ኣቘጢዑዋ'ሎ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣሜሪካ ከቢድ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።
ብሰኑይ፡ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ናብ ታይዋን እንተበጺሓ፡ “ከቢድ ሳዕቤን” ክህሉ’ዩ ክትብል ቻይና ኣጠንቂቓ ነይራ።
ፔሎሲ፡ ናብታ ርእሰ ምሕደራ ዘለዋ ደሴት ክትበጽሕ እንተኽኢላ፡ ካብ 1997 ንደሓር ምብጻሕ ዝገበረት ዝለዓለት ፖለቲከኛ ኣሜሪካ ክትከውን እያ።
ይዅን’ምበር፡ ነታ ንርእሳ እተመሓድር ታይዋን ሕጂ’ውን ኣካል ግዝኣታ ገይራ ብምርኣይ ኣብ መስርሕ፡ ዳግም ኣካል ዓባይ ቻይና ክትከውን እያ ትብል። ክሳብ ሕጂ፡ ነዚ ንምዕዋት ዝወሰደቶ ናይ ሓይሊ ስጕምቲ ግን የለን።
እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ጕዕዞ፡ ንበይጂን ከቘጥዓ እንከሎ፡ ምምሕዳር ባይደን ንጕዕዞ ናይታ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት - ካሊፎርኒያ ዝዀነት ፔሎሲ ናብታ ደሴት ከም ዘደናጐዮ ይግለጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ባይደን “ሰራዊት ምክልኻል ጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰነን” ኢሉ ከም ዝሓስብ ብምግላጽ ቻይና ኣንጻር ዝዀነ መገሻ እተስምዖ ጣቋ-መደረ ግን፡ “ብግልጺ ዘይሓጋዝን ዘየድልን’ዩ” ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ፔሎሲ ብዛዕባ ዝዀነ መገሻ ወግዓዊ ዝገበረቶ ሓበሬታ ከም ዘየለን ሕጂ’ውን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዘለዋ መርገጺ ከም ዘይተቐየረን ገሊጹ።
ፔሎሲ ስለምንታይ ናብ ታይዋን ክትገይሽ ትደሊ?
ኣብ መንጐ ህዝብን ኮንግረስን ኣሜሪካ፡ ንታይዋን ዘሎ ድጋፍ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ኮንግረንስ ተመኵሮ 35 ዓመት ዘለዋ ፔሎሲ፡ ቀንዲ ነቓፊት ቻይና ኰይና እያ ጸኒሓ።
ንሳ ንኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላት ቻይና ትነቅፍ፣ ምስ ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝዀኑ ተቓወምቲ ቻይና ትራኸብ፣ ከምኡ’ውን ግዳያት ናይቲ ኣብ 1989 [ኣ.ኣ] ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ንምዝካር ኣብ ኣደባባይ ቲያናንመን በጺሓ እያ።
ፔሎሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ታይዋን ክትበጽሕ መደብ ነይርዋ። እንተዀነ፡ ብኮቪድ-19 ምስ ተለኸፈት እቲ መገሻ ተናዊሑ።
ዝርዝር እቲ ጕዕዞ ክትገልጽ ፍቓደኛ’ኳ እንተዘይኰነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ “ንታይዋን ድጋፍ ምርኣይ ንዓና ኣገዳሲ’ዩ” ኢላ ነይራ።
ቻይና ስለምንታይ እቲ መገሻ ተቓዊማቶ?
በይጂን፡ ንታይዋን ከም ግዝኣታ ስለ እትወስዳ፡ ብተደጋጋሚ ኣገዳሲ እንተዀይኑ ብሓይሊ’ውን ክትጐብጣ ከም እትኽእል ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ።
ሰብ መዚ ቻይና፡ በቲ ኣብ መንጐ ታይፔን ዋሽንግተንን እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና፡ ቍጥዐኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ሽዱሽተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ናብታ ደሴት ምብጻሕ ገይሮም ነይሮም።
ብሰኑይ፡ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ፔሎሲ እትሓስቦ ዘላ ምብጻሕ ግብራዊ እንተዀይኑ፡ ሃገሩ “ተሪርን ክምህ ዘይብልን ስጉምታት” ክትወስድ እያ ክብል ኣጠንቂቝ።
“ነዚ ስዒቦም ንዝመጽኡ ኵሎም ሳዕቤናት ድማ ኣሜሪካ ተሓታቲት ክትከውን እያ” ክብል ኣጠንቂቑ።
ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ክኣ፡ ወተሃደራዊ ምላሽ ከይሃለወ ከም ዘይተርፍ ኣመልኪቱ።
እዚ ጕዕዞ ንወጥሪ ክልቲአን ሃገራት ብኸመይ ከጋድዶ ይኽእል?
ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ ንዢ ጂንፒንግ ንሳልሳይ ግዜ ፕረዚደንት ገይሩ ክመርጾ መደብ ኣሎ።
ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስዚ ፕረዚደንት ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ባይደን፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ክልቲኦም ብተሌፎን ከም ዝዘራረቡ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ፡ ጉዳይ ታይዋንን ካልኦት “ጉዳያት ወጥርን” ዝጠቓልል ዝርርብ ከም ዝኸውን ሓቢሩ።
ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ቻይና ኣብ ዞባ ኤስያ-ፓስፊክ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምስፋራን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና፡ “ዘይሓላፍነታውን ዓማጽን ባህርያት” ተርኢ'ላ ኢሎም ድሕሪ ምንቃፎም ዝመጽአ መጠንቀቕታ እዩ።
ንምብጻሕ ፔሎሲ ስዒቡ ብወገን ቻይና ክወሃብ ዝኽእል ግብረ መልሲ ግን ሓያል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ብ2020፡ ጸሓፊ ጕዳያት ጥዕና ዝነበረ ኣሌክስ ኣዛር ናብ ታይዋን ኣብ ዝኸደሉ ግዜ፡ ሓይሊ ኣየር ቻይና ኣብ ሞንጐ እታ ደሴትን ቻይናን ኣብ ዘሎ ከባቢ ነፈርቲ የዘምቢ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤዲተር መንግስታዊ ጋዜጣ ቻይና ዝዀነ ግሎባል ታይምስ ዝነበረ፡ ፔሎሲ ናብታ ደሴት እንተመጺኣ፡ “ኣዝዩ ዘሰንብድ ወተሃደራዊ ግብረ መልሲ” ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሉ ነይሩ።
“ፔሎሲ ናብ ታይዋን እንተበጺሓ፡ ንነፋሪት ፔሎሲ ነፈርቲ ኲናት [ሰራዊት ናጽነት ህዝቢ] ከሰንያኣ እየን፤ እዚ ኸኣ፡ ካብታ ዓባይ ሃገር ዝመጽኣ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ንፈለማ እዋን ናብታ ደሴት ክኣትዋ እየን” ክብል ጽሒፉ።
ፖሊሲ "ስትራተጂ ላንጋላንጋነት" ኣሜሪካ፡ ንታይዋን ካብቲ ክወርዳ ዝኽእል መጥቃዕቲ ክትከላኸለላ ድያ ኣይፋልን? ክሳብ ሕጂ ኰነ ተባሂሉ ዘይንጹር ክኸውን ከም ዝተገብረ ይግለጽ።