እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብርእሲ ተጣቢቐን ዝተወልዳ ማናቱ፡ መወዳእታኡ እንታይ ኰና?
ማናቱ፡ ብርእሲ ተጣቢቘም ክውለዱ ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ።
እዘን ሳፋን ማርዋን ዝበሃላ ማናቱ፡ ንምፍልላየን ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዓዲ እንግሊዝ ኣዝዩ ፍሉይ ተኸታታሊ መጥባሕቲ ክግበረለን እንከሎ፡ ነቲ ሕክምናዊ መስርሕ ክከታተል ፍሉይ ዕድል ዝረኸበ፡ ቢቢሲ ነቲ ዛንታ ብኸምዚ ዝስዕብ የቕርቦ።
እቶም ሓኻይም ሓንጎል እተን ማናቱ ከፊቶም ክፈለልይዎ ግድን ነይሩ። እዚ ግን ተራን ልሙድን መጥባሕቲ ኣይኰነን።
ነቲ መጥባሕቲ ዘካይዱ፡ 20 ዝዀኑ ፍሉያት ክኢላታት እዮም።
እቶም መደንዘዚ ዝህቡ ሓኻይም (anesthetists) ሃንደበት መጠንቀቕታ ምስሃቡ፡ ኣብቲ ክፍሊ ዓሲሉ ዝነበረ ህድኣትን ሰላምን ጠፊኡ።
እቲ ካብ ሓንጎል ሳፋ ብዘይኣግባብ ዝፈሰሰ ደም፡ ናብ ሓብታ ክሰግር ጀሚሩ።
እዚ ድማ ኣብ ልቢ ማርዋ ጸቕጢ ስለዝፈጥር ሓደገኛ እዩ፤ እሞ ኸ ደኣ?
ካብቶም ሓኻይም ሓደ፡ ኤሌክትሪክ ተጠቒሙ ነቲ ዝፈስስ ደም ደው ከብል መሳርሒኡ ምስ ኣዋደደ፡ ኵሎም ክኢላታት ሰስርሖም ደው ኣቢሎም ብተስፋ ክጽበዩ ጀመሩ።
ማርዋ እንተሞይታ ሳፋ እውን ምማታ ኣይተርፋን'ዩ።
ውልደት
ዘይነብ ቢቢ ሸውዓተ ደቃ ኣብ ገዛ እያ ሓሪሳቶም። ነተን ማናቱ እውን፡ ከምቶም ዝቐደሙ ኣብ ገዛ ክትወልደን እዩ ነይሩ ሓሳባ። ጥንስቲ 7 ወርሒ እንከላ እዩ ሰብኣያ ብሕማም ልቢ ሞይቱ።
ብ 7 ጥሪ 2017 እተን ማናቱ፡ ካብቲ ቁሸት ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሃያታባድ ብመጥባሕቲ ተወሊደን።
እተን ዝተወልዳ ዕሸላት ኣብ ርእሰን ዝተጣበቓ ‘ክራኒዮፓገስ’ ማናቱ እየን። እዚ፡ ካብ ሳሕቲ እውን፡ ሳሕቲ ዘጋጥም ኵነታት እዩ።
ዘይነብ ተዳኺማ ስለዝነበረት፡ ነተን ማናቱ ደቃ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ እያ ርእያተን። ብኡንብኡ ድማ ኣዝያ ፈትያተን።
"ኣዝየን ጽቡቓት እየን፤ ብዛዕባ ምጥባቐን እውን ኣይሓሰብኩን። ህያብ ኣምላኽ እየን" ክትብል ሓጐሳ ገሊጻ።
ኣብ መካ፡ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝርከቡ ማናቱ ጐቦታት ዝተወስደ ሳፋን ማርዋን ዝብል ስም ተዋሂቡወን።
ድሕሪ ሓደ ወርሒ እተን ማናቱ ካብቲ ሆስፒታል ወጺአን። ስድራ ዘይነብ እውን እንተተኻኢሉ ነተን ማናቱ ንኽፈላለያ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።
ሓደ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ነቲ መጥባሕቲ ክገብር ሓሳብ'ኳ እንተ ኣቕረበ ካብተን ማናቱ ሓንቲ ክትመውት ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ። ነዚ ሓሳብ'ዚ ግን ዘይነብ ክትቅበሎ ፍቓደኛ ኣይኰነትን።
ካልእ ኣማራጺታት ተናደየ። እተን ማናቱ ደቂ ሰለስተ ወርሒ ምስ ኰና ስድራቤት ዘይነብ፡ ምስ ኦዋስ ጀላኒ ዝበሃል ሓኪም መጥባሕቲ ነርቭ ህጻናት (pediatric neurosurgeon) ተራኺቦም። ጀላኒ፡ ኣብ ሆስፒታል ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት እዩ ዝሰርሕ። እዚ ኣብ ለንደን ዝርከብ ሆስፒታል ካብቶም ኣብ ዓለም ውሩያት ዝዀኑ ሆስፒታላት ህጻናት ሓደ እዩ።
እቲ ሓኪም ነቲ ስካን እተን ኣዋልድ ምስ ረኣየ፡ ዕድመአን 12 ወርሒ ከይመልአ መጥባሕቲ እንተተገይሩለን ብደሓን ክፈላለያ ከም ዝኽእላ ገሊጹ።
ግዜ ይጎዪ እዩ ነይሩ።
ኰይኑ ኸኣ፡ ወጻኢታት እቲ መጥባሕቲ ንምሽፋን ዘኽእልን ገንዘብ ከይተረኽበ ዕድመአን፡ ድሮ 19 ኣዋርሕ መልአ። እቲ መጥባሕቲ ካብዚ ንላዕሊ እንተደንጕዩ ንምፍልላይ ዝግበር ጻዕሪ ዝያዳ ሓደገኛ፣ ናይ ምሕዋይ ዕድለን ድማ ድሩት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ስለዚ ጀላኒ፡ ብኡንብኡ ናብ ሃገረ እንግሊዝ ንኽመጽኡ ኣተባብዖም።
ኣኮን ኣቦሓጐን እተን ማናቱ ዝርከብዎም ስድራ ቤት ዘይነብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ መጺኦም። ገንዘብ ግን ሕጂ እውን ኣይተረኽበን።
ጀላኒ፡ ሓደ መዓልቲ ምስ ሓንቲ ጠበቓ መሓዛኡ ምሳሕ እናበልዑ እንከለዉ ብዛዕባ እተን ማናቱ ኣዕለላ። እታ ጠበቓ ብኡንብኡ ሞባይላ ኣልዒላ፡ ናብ ሓደ ላካኒ ዝተባህለ ሃብታም ፓኪስታናዊ ደወለት።
ላካኒ፡ "ንዓይ ቀሊል ውሳነ እዩ ነይሩ፡" ይብል። "መበቈለይ ከምተን ማናቱ ፓኪስታን ይዅን እምበር፡ ክሕግዘን ዝደለኹሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን ህይወት እተን ክልተ ቘልዑ ንምድሓን እዩ፡" ይብል።
ብሓደ ዝተጣበቓ
ቈልዑ ስለምንታይ ተጣቢቘም ከምዝውለዱ ዝገልጽ ክልተ ክልሰ-ሓሳባት ኣሎ። እቲ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ፡ እቲ ናብ ክልተ ድቂ ዝፈላሊ መስርሕ፡ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ስለዝደንጕ እቶም ማናቱ ምሉእ ብምሉእ ከይተፈላለዩ ይተርፉ ዝብል እዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ፡ እቶም ማናቱ ድሕሪ ምፍልላዮም ዝተወሰነ ክፋል እቲ ድቂ ከይተመቐለ ይተርፍ'ሞ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣካል እቶም ማናቱ እናተጣበቐ ይዓቢ።
መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣፍ ልቢ፡ ከብዲ ወይ ጎሎ እዮም ተጣቢቘም ዝውለዱ። ኣፈጣጥራ ሳፋን ማርዋን ግን ፍልይ ዝበለ እዩ፤ ዝተጣበቓሉ ኣካል ርእሰን እዩ። ገጽ ንገጽ ተረኣእየን ኣይፈልጣን። ስለዝዀነ፡ ክብድ ዝበለ ናይ ገዛእ ርእሱ ብድሆታት ነይርዎ።
ከምዚ ዝበለ ኣፈጣጥራ ማናቱ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 2.5 ሚልዮን ሕጻናት ሓደ ግዜ ዘጋጥም እዩ። መብዛሕትኦም ከኣ ድሕሪ 24 ሰዓት ብህይወት ኣይጸንሑን።
ብሽክና ርእሰን ዝተጣበቓ እዘን ማናቱ፡ ክልተ ዝተፈላለየ ሓንጎል'ኳ እንተ ኣለወን፡ ቅርጹ ግን ግጉይ እዩ። የማናይ ንፍቀ-ኽቢ ናይታ ሓንቲ ሓንጎል፡ 90 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ናብቲ ናይታ ኻልአይቲ ሓንጎል ውጽእ ዝበለ እዩ።
እተን ማናቱ ዳርጋ ንቡር ቅርጺ ዘለዎ ርእሲ ክህልወን እንተ ዀይኑ እቲ ቔናን ቅርጺ ክስተኻኸል ኣለዎ።
እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣመና ኣተሓሳሳቢ ዝነበረ ነገር ግን፡ ነቲ ዝተሓላለኸ መራኸቢ ሰራውርን መትረባትን ደም ብኸመይ ከም ዝፈላለ እዩ። ካብ ሓንቲ ናብታ ሓንቲ ደም ይዘዋወር እዩ። ነዚ ርክብ እዚ ምብታኽ፡ እቲ ሓንጎል እታወታት ከይረክብ ስለዝገብሮ፡ ሞት ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ከምዚአን ዝበላ ማናቱ ምፍልላይ ዓቢይ ሓደጋ ኣለዎ። ሓዲአን ወይ ክልቲአን መጥባሕቲ ኣብ ዝግብራሉ እዋን፡ ክሞታ ወይ ጕድኣት ሓንጐል ከጋጥመን ይኽእል።
እቲ መጥባሕቲ ኣብ ሰለስተ ክፋል ዝካይድን ብኽልተ ቀንዲ ሓኻይምን ዝምራሕ እዩ። ጀላኒ ንኣእምሮን ሰራውር ደምን እተን ኣዋልድ ኣብ ምፍላይ መሪሕ ግደ ክህልዎ እዩ። ፕሮፌሰር መጥባሕቲ ፕላስቲክ ደቪድ ዱናወይ ድማ ንርእሲ እተን ኣዋልድ ዳግም ኣብ ምህናጽ ሓላፍነት ይወስድ።
ቀዳማይ መጥባሕቲ
እተን ማናቱ ናጽነተን ንኽረኽባ ዝግበር ጕዕዞ ተጀሚሩ።
እዚ ቀዳማይ መጥባሕቲ፡ ናይተን ማናቱ ናይ ሓባር መትረባት ከም ዝፈላለ ምግባር እዩ።
እተን ማናቱ ናብቲ ኽፍሊ መጥባሕቲ ክኣትዋ እንከለዋ፡ ኣደአን ዘይነብ ስዒማ ተሰናቢታተን። እተን ዝቕጽላ ኣዋርሕ ከበድቲ ከም ዝዀና ትፈልጥ እያ ።
"ኵሉ ነገር ደሓን ከምዝኸውን ተስፋ ይገብር። ኣብቶም ሓኻይም እምነት ገይረ ኣለኹ። ኵሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ እየ ዝርኢ፤ ንሱ ድማ ንዅሉ ነገራት ጽቡቕ ክገብሮ እዩ፡" ኢላ።
እቲ ቀዳማይ ዕማም ሰለስተ ዓበይቲ ክፋላት ሽክና ርእሲ ምልጋስ እዩ።
ጀላኒ ነቲ ኣብቲ ዝተላጸየ ሽክና ርእሲ እተን ዕሸላት ዘሎ ምልክት ተኸቲሉ፡ ቘርበተንን ኣዕጽምተንን ክፈላሊ ጀሚሩ።
ርእሰን ተኸፊቱ ሓንጎለን ምስ ተቐልዐ፡ ነቲ ደቂቕ ቅረጺ ዘለዎ ሰራውር ክምርምር ኣኽኢልዎ።
"ሕጂ እቲ ካብ ሳፋ ናብ ሓንጎል ማርዋ ዝኸይድ መትረብ ተዓጽዩ'ሎ፤ ሕጂ ንጽበ፡" በለ ጀላኒ።
ሓደገኛ ህሞት እዩ። እቲ ርክብ ኣብ ዝተቘርጸሉ ነፍሲ ወከፍ እዋን፡ መጕዳእቲ ሓንጐል ከስዕብ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ደቒቕ እቲ ሓኪም ሓንጎል፡ "ክሳብ ክንድቲ ዝተረበሸ ኣይመስልን እዩ" ኢሉ ስርሑ ቐጺሉ።
እቲ ካብታ ሓንቲ ማንታ ናብታ ካልእ ዝሓልፍ ኦክስጅን ዝሓዘ መትረባት ምቍራጽን ምዕጻውን፡ ጻዕሪ ዝሓትት መስርሕ ንሓያሎ ሰዓታት ቀጺሉ።
እቶም ኣባላት ጕጅለ መጥባሕቲ፡ ንሓንጎል ሳፋን ማርዋን ብትዕግስቲ ክፈላልዩ ኸለዉ፡ ብሕክምናዊ ፕላስቲክ ብምዕጋት እንደገና ርክብ ከምዘይህልዎም ገይሮም። እዚ ቀስ ብቐስ እቲ ሓንጎል ናብ ቦታኡ ንኽምለስ ዝሕግዝ እዩ።
እቲ ሓባራዊ መትረባት ሓንሳእ ምስ ተፈላለየ፡ እቲ መቓን ሽክና ርእሲ እንደገና ናብ ንቡር ክምለስ ተገይሩ።
ድሕሪ 15 ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ፡ እተን ዕሸላት ኣዋልድ ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ተወሲደን። እቲ ኵነታት ጽቡቕ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።
ብሉጽን ምዕቡልን ቴክኖሎጂ
እቶም ነቲ መጥባሕቲ ዘካይዱ ቀንዲ ሓኻይም፡ ቅድም ሕጂ ተመኵሮ ዘለዎም እዮም። እዚ ናይ ሕጂ መጥባሕቲ ግን እቲ ዝኸበደ እዩ። ብፍላይ ድማ እተን ኣዋልድ ዕድመአን ዳርጋ ክልተ ዓመት ኰይኑ እዩ።
ከምዚ ዓይነት መጥባሕቲ ንምክያድ እቲ ዝበለጸ ዕድመ ካብ 6 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ከምዝዀነ እቶም ሓኻይም ይኣምኑ።
ሳፋን ማርዋን ግን ዕድሚአን ልዕለኡ'ኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመት ዝመጸ መሳርሒታትን ሞዴላትን ቴክኖሎጂ ድማ ኣዝዩ ምዕቡል ኰይኑ እዩ። እዚ ኸኣ ብዝበለጸ ነቲ ሕክምናዊ ስራሕ ዝርዝር መደብ ንኸውጽእሉ ሓጊዝዎም እዩ።
ነቲ መጥባሕቲ ዝሕግዝ ዓቢይ ኮምፕዩተር ኣሎ። ኣብቲ ኮምፒዩተር ዝተጻዕነ ሶፍትዌር፡ ነቲ ፍልይ ዝበለ ስነ-ቕርጽታት እተን ቈልዑ ንምምርማርን መጥባሕቲ ንምግባር ዘኽእሎም መደብ ኣቐዲሞም ንምውጻእን፡ ኣብ ክውንነት ዝተመርኰሰ ሞዴል ኮምፒዩተር ክሰርሑ የኽእሎም።
እቲ ኮምፒዩተር፡ ነቲ ዘደንቕ 3D ሞዴል፡ ቈርበት እተን ዕሸላትን ንሽክና ርእሰንን ንኽርእዩ ጥራይ ዝሕግዝ ኣይኰነን። ሳላ 3D ሓታሚ እውን፡ ኣካላዊ ቕርጺ ሒዞም ክሕተሙ ዘኽእል እዩ።
መብዛሕትኡ ካብዚ 3D ሞዴላት'ዚ፡ እቶም መጥባሕቲ ዝገብሩ ሓኻይም እቲ መጥብሒ ቘርበተን ከይተንከፈ ነቲ ኣካላዊ ቕርጺ ንኽምርምሩ ዕድል ፈጢሩሎም እዩ።
እቲ መጥባሕቲ ዘካይድ ጀላኒ፡ ነቶም ማናቱ ዝተሓናፈጸ ዋህዮታት ደም ንኽምርምር ዘኽእሎ ዳርጋ ናይ ሓቂ ዓለም ረኺቡ። "እዚ ብርግጽ ናይ መጻኢ ሜላ እዩ" በለ።
"ኣብዚ ሆስፒታል'ዚ ዘለዉ መሃንድሳትን ክኢላታት ሶፍትዌርን፡ ከም ሓካይም መጠን ኣብ ናይ ሕክምና ስልጠናና ዘይረኸብናዮ ክእለት ስለዘምጽኡልና ዕድለኛታት ኢና።"
ካልኣይ መጥባሕቲ - ከቢድ ውሳነ
እቲ ኻልኣይ መጥባሕቲ፡ ካብቲ ቐዳማይ ሓደ ወርሒ ድሒሩ እዩ ዝግበር። እቲ ናይ መጀመርታ መጥባሕቲ ነቲ እተን ማናቱ ዝነበረን ናይ ደም ርክብ'ኳ እንተ ዓጸዎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ዕማም ግን ነቲ ደም ካብ ሓንጎል እተን ኣዋልድ ዘፍስስ ሓባራዊ ሰራውር ምምቃል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ርክብ፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ማናቱ ወቕዒ ከስዕብ ስለዝኽእል ልዑል ሓደጋ ኣለዎ።
እቲ ኻልኣይ መጥባሕቲ ክካየድ ከሎ ብዘይ ጸገም ኣይነበረን።
እቲ መቓን ሽክና ርእሲ ምስ ተፈለየ፡ እተን ኣዋልድ ደም ክፈሰን ጀሚሩ። ካብቲ ናይ መጀመሪያ መጥባሕቲ ኣትሒዙ ኣብ ሰራውር ክሳድ ሳፋ ዝረግአ እኩብ ደም ተፈጢሩ። እዚ ነቲ ኣብ ሓንጎላ ዘሎ ዑደት ደም ስለዝዓግቶ ናታ ደም ብቐጻሊ ናብ ማርዋ ንኽፈስስ ገይሩ። ጸቕጢ ደም እታ ሓንቲ ማንታ ኣዝዩ ክልዕል እንከሎ ድማ ናይታ ኻልአይቲ ብዘስግእ ኵነታት ኣዝዩ ትሒቱ።
እቶም ክኢላታት መደንዘዚ፡ እተን ማናቱ ዝተረጋግኣ ንክዀና ይቃለሱ ኣለዉ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ'ዩ ልቢ ማርዋ ምንፍርፋር ዝጀመረት፤ ንኸይትመውት ድማ ፈሪሆም።
ኵለን ኣዒንቲ ኣብቲ ስክሪን መሳርሒ ሕክምና ክርእያ እንከለዋ፡ ኣብቲ ኽፍሊ መጥባሕቲ ሃንደበት ጸጥታ ዓሲሉ።
እቲ ቕልውላው'ኳ እንተ ሓለፈ ብዘይ ከቢድ ሳዕቤን ግን ኣይነበረን።
ማርዋ እታ ዝደኸመት ማንታ ከምዝዀነት ንጹር ኰይኑ። ስለዚ፡ ብህይወት ናይ ምትራፍ ዝያዳ ዕድል ምእንቲ ክትረክብ ሓባራዊ ሱር ክህብዋ ወሲኖም።
እዚ ኣዝዩ ከቢድ ውሳነ እዩ። ጀላኒ ኣብታ ክሳዕ ሕጂ ብርትዕቲ ዘላ፣ ማለት ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ዘላ ሳፋ ከቢድ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይፈልጥ እዩ።
እቶም ኣባላት እታ ጕጅለ ግን እቲ ዘሎ ኣማራጺ፡ ንሱ ጥራይ ከምዝኾነ ተሰማሚዖም። እቲ መጥባሕቲ ልዕሊ 20 ሰዓት ወሲዱ።
ጀላኒ፡ "እፎይ ኢለ። ማርዋ ኣብ ሓደ እዋን ከምእትመውት ተሰሚዑና ነይሩ። ከምቲ ተስፋ ንገብሮ ክልቲአን ካብ ድቃሰን እንተ ተበራቢረን ግን ውጽኢቱ ጽቡቕ ከምዝኾነ ክንፈልጥ ኢና፡" ክብል ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።
እቶም መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓኻይም፡ ንጽብሒቱ ንግሆ 06፡30 እዮም ካብቲ ክፍሊ መጥባሕቲ ወጺኦም። ድሕሪ ቐትሪ ጀላኒ፡ እተን ማናቱ ከመይ ከምዘለዋ ክሓትት ናብቲ ሆስፒታል ተሌፎን ደዊሉ። ሳፋ ኣብ ጸገም እያ ዘላ፡ ናይ ምትንፋስ ጻዕሪ ከምዘይትገብርን ቘርበታ እውን ብዝተፈላለየ ሕብሪ ትንኵዕኳዕ ከምዝኾነን ተነጊርዎ።
"'ሳፋ ሞይታ' ኢለ ሓሲበ" ይብል፣ ብደኻምን ብስእነት ድቃስን ከመይ ኢሉ ብስምዒት ኣብ ባይታ ክሽነኡ ወዲቑ ከምዝበኸየ የዘንቱ።
እቲ ዝፈርህዎ ኵነታት ተኸሲቱ። ሳፋ፡ ኣብቲ ንማርዋ ቀንዲ ሰራውር ዝሃቡላ ከባቢ ሓንጎላ ወቕዒ ኣጋጢምዋ።
ኣብተን ዝቕጽላ ክልተ መዓልትታት ሳፋ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ነይራ።
ኣብ መወዳእታ ሳፋ ናይ ሕውየት ምልክት ኣርእያ። ክልቲአን ማናቱ ካብ ደገፍ መሳርሒ እስትንፋስ ወጺአን ባዕለን ከትንፍሳ ጀሚረን።
ይዅን እምበር ሳፋ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ ወቕዒ፡ ጸጋማይ ኢዳን እግራን ብዝተወሰነ ደኺሙ።
እዚ ንሕልና ጀላኒ ዝኸበደ እዩ ነይሩ። "ንዓይ እቲ ዓቢ ህሞት ክትከይድ ከላን ጸጋመይቲ ኢዳ ብግቡእ ክትጥቀመላን ከላን እዩ፡ ከመይሲ ጠንቂ እዚ ጥዕናዊ ኵነታታ ኣነ ከምዝኾንኩ ስለዝፈልጥ፡ ከቢዱኒ።"
ሓድሽ ቈርበት
ካብቲ ዝተጣበቓሉ ሓባራዊ ኣካል፡ ክልተ ምሉእ ከቢብ ርእሲ ምፍጣር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እተን ማናቱ ምስተፈላለየ ላዕላይ ርእሰን ንምሽፋን ዝኸውን እዅል ቈርበት የለን።
ዕቤት ቈርበት ንምትብባዕ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቘርበት ግምባረንን ኣብ ዝባን እቲ ሓባራዊ ሽክና ርእሰንን ኣርባዕተ ንኣሽቱ ከረጽታት ፕላስቲክ ኣእትዮም ነይሮም።
እቲ ከረጺታት ሰይላይን (ሕዋስ ጨውን ማይን) ክውጋእ ከሎ፡ ከም ባሉን ተነፊሑ፡ እቲ ቘርበት ንኽዝርጋሕን ንኽስፍሕን ስለዝገበሮ፡ ተወሳኺ ቘርበት ንኽፈሪ ይሕግዝ። ንሽዱሽተ ሰሙን እዚ ብምግባር ናይተን ማናቱ ርእሲ ንምሽፋን ዝኣክል ተወሳኺ ቘርበት ከም ዝረኽቡ ተስፋ ገይሮም።
እቲ ቀጻሊ ስራሕ ነተን ማናቱ ምፍላይ እዩ። በዚ ድማ፡ ኣብ ህይወተን ንመጀመርታ ግዜ ዓይኒ ንዓይኒ ክረኣኣያ እየን ማለት እዩ።
ምፍልላይ
ልቢ ማርዋ ክሳዕ ሕጂ ትጽገም ስለዘላ፡ እታ መዓልቲ ምፍልላይ ብኣርባዕተ ሰሙን ንቐድሚት ተሳሒባ። እቲ ፈላማይ መጥባሕቲ ምስተገብረ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ለካቲት 2019 ክኸውን ተገይሩ።
ክሳዕ ሕጂ ዝተሰርሐ ስራሕ፡ ብምሉኡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ዝግበር ምድላው እዩ ነይሩ።
እዚ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን መጥባሕቲ፡ ነቲ ኣብ ኣዕጽምተን፡ ሓንጎለንንን፡ ኣብ ዙርያ ሓንጎለን ዘሎ ዝተረፈ ርክብ (ምጥባቕ) ንምብታኽ እዩ ዝግበር።
ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ ድማ ተገይሩ። እተን ህይወተን ምሉእ ተጣቢቐን ዝነበራ ማናቱ ተፈላልየን።
ሕጂ እውን ማናቱ እየን፣ ብሓደ ዝተጣበቓ ግን ኣይኰናን።
ኣብ ህይወተን ንመጀመርታ ግዜ ድሕነት እታ ሓንቲ ኣብ ናይታ ሓንቲ ዝተመርኰሰ ከምዘይከውን ተገይሩ። እዚ ድማ እቶም ሓኻይም፡ ናህሪ ልቢ 'ተን ማናቱ፡ ጸቕጢ ደመንን ካልኦት ኣገደስቲ ምልክታትን ብቐሊሉ ንኽቈጻጸርዎ የኽእሎም።
ነተን ማናቱ ምፍልላይ ግን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ቀንዲ መጥባሕቲ መኽፈቲ ጥራይ እምበር መፈጸምታ ኣይነበረን። ሕጂ ኸዓ ርእሰን እንደገና ክንሃንጹን ከጣምሩን ኣለዎም።
ሕጂ እተን ማናቱ ነናይባዕለን መጥባሕቲ የድልየን።
ብድሕር'ዚ እቶም ኣባላት፡ ኣብ ክልተ ጕጅለ ተኸፊሎም፤ ንነፍሲ ወከፈን ኸቢብ ርእሲ ቐሪጾሙለን። እዚ ኸዓ በቲ ዘፍረይዎ ተወሳኺ ቘርበት፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዝሽፈን ተስፋ ይገብሩ።
መአረምታ ሓንጎል
“ጕጅለ ሳፋ”ን “ጕጅለ ማርዋ”ን ሽክና ርእሲ ዳግም ክሃንጹ ጻዕሪ ጀሚሮም።
እተን ማናቱ ንርእሰን ዝሽፍን ሽክና ምእንቲ ክረኽባ፡ ነፍሲ ወከፍ ቍርጽራጽ ሽክና ርእሲ ኣብ ክልተ ተመቓቒሉ።
"እቲ ሽክና ርእሲ ብሰለስተ ቐጸላታት እዩ ተነዲፉ፣ ውሽጣዊ ይዅን ደጋዊ ቐጸላታት ኣዝዩ ረጒድ ኣዕጽምቲ'ኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መንጎኡ ግን ከም ጐጎ መዓር ስለ ዝዀነ፡ ክምቀል ይኽእል እዩ። በዚ ኸኣ ርጕዱ ብፍርቂ ይንኪ ኣሎ፤ እንተዀነ ዳርጋ ንዅሉ ርእሰን ብኣዕጽምቲ ንሽፍኖ ኣለና ማለት እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ዱናወይ።
ዳግመ ህንጸት ሽክና ርእሲ
ኣብ መንጎ እተን ኣዋልድ ዝተመቓቐለ ቍርጽራጽ ሽክና ርእሲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ከቢብ ዝተገብረ ርእሰን ተተኺሉ። እቲ ሃጓፋት ወይ ኣብ መንጎ ኣዕጽምቲ ዝርከብ ክፍተት፡ ብዋህዮታት ኣዕጽምቲ ክምላእ ተገይሩ። ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ነቲ ሃጓፋት እናሸፈነ ክኸይድ ከሎ እተን ማናቱ ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሽክና ርእሲ ይህልወን።
እቲ ናይ መወዳእታ ዕማም፡ እዅል ቘርበት ኣብ ልዕሊ እቲ ዳግም ዝተሃንጸ ሽክና ርእሲ ክዝርጋሕ ተገይሩ።
"ኣዝዩ ዘደንቕ መዓልቲ’ዶ ኣይኰነን?" ይበል ዱናወይ።
እቲ ናይ መወዳእታ መጥባሕቲ 17 ሰዓታት ወሲዱ።
እቶም ቀንዲ ሓኻይም፡ ስድራቤት ዘይነብ ናብ ዝጽበይሉ ክፍሊ ከይዶም ክረኽብዎም ከለዉ ኵሎም ኣብ ውሽጢ ስምዒት ነይሮም።
ጀላኒ፡ ኣብ መወዳእታ ደቃ ከም ዝተፈላለያ ብቛንቛ ኡርዱ ገይሩ ንዘይነብ ነጊርዋ።
ዘይነብ ኣብ ውሽጢ ክቱር ስምዒት ኰይና ንጀላኒን ንዱናወይን ኣእዳዎም ስዒማቶም።
ሕውየት
ኣብ መወዳእታ እታ ሳፋን ማርዋን ዝወጻላ መዓልቲ ኣኺላ። ካብ ዝፈላለያ ዳርጋ ሓሙሽተ ወርሒ ገይረን። ነተን ኣዋልድ ኣገዳሲ ፊዝዮተራፒ (ንሕማም ብምድራዝ፡ ብምጽላው ወዘተ ዝፍውስ ኣካላዊ ሕክምና) እናተገብረለን፡ ኣብ ነዊሕ እዋን ቀስ እናበላ እየን ሓውየን።
ዘይነብ ንደቃ፡ ነታ መዓልቲ ንምብዓል ማራኺ ቐይሕን ወርቃውን ክዳውንቲ ከዲናተን። ንሳ ኣብ መወዳእታ ኣቝሑቶም ትጠራንፈሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ማርዋ ኣብ ዓራታ ኰይና ኣቦሓጎኣ እናጻወታ ትስሕቕ ነይራ።
ሳፋ ድማ ምስ ኣኮኣ ትጻወት ነይራ። ገና ብዙሕ ዝተርፍ'ኳ እንተ ዀነ፡ ተመሊሰን ከም ቀደመን ሰሓቕትን ሕጕሳትን ክዀና ጀሚረን።
ዝኸዱሉ ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ዘይነብ፡ እቶም ሓኻይምን ከምኡ'ውን እተን ኣለይቲ ሕሙማት ተሓቛቘፎም ነብዑ።
ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 11 ኣዋርሕ መንበሪኦም ኰይኑ ዝነበረ ሆስፒታል ክወጹ እንከለዉ፡ ዘይነብ ነተን ኣዋልድ ምፍልላይ ቅኑዕ ስጕምቲ ከምዝነበረ ኣሚና።
"ኣዝየ ሕጕስቲ እየ። ብጸጋ ኣምላኽ ነታ ሓንቲ ንሓደ ሰዓት፡ ቀጺለ ድማ ነታ ሓንቲ ክሓቝፈን እየ። ኣምላኽ ንጸሎትና ምላሽ ሂቡና እዩ" ኢላ ሓጐሳ ገሊጻ።