እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛንታ ዓሰርተ ቆልዑ ከም ዝተገላገለት ዝተነግረላ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣደ ሓሶት እዩ ተባሂሉ
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ጎስያም ሲቶል ዝተባህለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣብ ሓደ እዋን 10 ዕሸላት ከም ዝተገላገለት ዝተነግረ ዜና ሓሶት ምዃኑ ሓደ ወግዓዊ መርመራ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ዞባ ጋውተን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት 10 ቆልዑ ዝወለደት ኣደ ከም ዘየላ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ሓቢሩ።
እቲ ሓበሬታ ንሕክምናዊ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ሲቶል ኣብ ቀረባ እዋን ጥንስቲ'ውን ኣይነበረትን ኢሉ።
እታ ጓል 37 ዓመት ኣብዚ እዋን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ክትትል ይግበረላ ኣሎ።
መበገሲ ናይቲ ዝተፈብረኸ ዜና እንታይ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣይሓበረን።
እቲ ነቲ ዜና ፈለማ ዝዘርግሐ ብ 'ኢንዲፐንደንት ኦንላይን' (ኣይኦኤል) ዝውነን ማዕከን ዜና ፕሪቶርያ ኒውስ ግና እቲ ዜና ስኑዕ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ንጸብጻብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ነጺጉዎ ኣሎ።
እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ፡ ሲቶል ነቶም 10 ማንታ ብ7 ሰነ ኣብ ስቲቭ ቢኮ ኣካዳሚክ ሆስፒታል ፕሪቶርያ ከም ዝወለደቶምን እቲ ሆስፒታል ነቲ ኩነታት ድልው ከም ዘይነበረን ገሊጹ።
እቲ ሆስፒታልን ሰብ መዚ እቲ ከባብን ነቲ ዝነበረ ሕክምናዊ ሸለልትነት ክሸፋፍኑ ይፍትኑ ኣለው ክብል'ውን ከሲሱ።
"እቲ ክስታት መሰረት ዘይብሉ ሓሶት እዩ፤ ንጽቡቕ ስም ስቲቭ ቢኮ ኣካደሚክ ሆስፒታልን ዞባዊ መንግስቲ ጋውተን ንምድዋን ዝተገብረ እዩ" እዩ ዝበለ መግለጺ እቲ ዳሕረዋይ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከን ዜና ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣብሪሁ።
እቲ ዛንታ ካበይ'ዩ መጺኡ?
ብመሰረት ጸብጻብ ኣይኦኤል፡ እቶም ሲቶልን በዓልቤታን ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበርዎ ጻንሒት፡ ሸሞንተ ማንታ ክወልዱ ይጽበዩ ምህላዎም ተነጊሩ ነይሩ።
እቲ ማዕከን ዜና 8 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሲቶል ዓሰርተ ማንታ ከም ዝተገላገለት ንበዓልቤታ ሚስተር ጾቴሲ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ናብቲ ሆስፒታል ክኣቱ ከም ዘይከኣለ ዝሓበረ ጾቴሲ፡ በዓልቲቤቱ ብቴለፎን ከም ዝሓበረቶ ተዛሪቡ።
ሽዑ ካብቲ ሆስፒታል መረጋገጺ ክረክብ ዝፈተነ እቲ ማዕከን ዜና ክሰልጦ ኣይከኣለን።
ብድሕሪ'ዚ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ሓንቲ ሰበይቲ 10 ማንታ ከም ዝተገላገለት ብምርግጋጹ፡ ቢቢሲ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ነቲ ጸብጻብ ዘርጊሖምዎ።
ድሒሩ ሓደ ኣፈኛ መንግስቲ ግና፡ እቲ ከንቲባ ዛጊት ነቶም ቆልዑ ከም ዘይረኣዮምን ካብቶም ወለዲ ብዝሰምዖ ጥራሕ ከምኡ ከም ዝበለ ሓቢሩ።
እቲ ዜና ድሕሪ ምቅልሑ ነታ ስድራ ንምሕጋዝ ብዙሕ ናይ ገንዘብ ሓገዛት ክውሕዝ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ኣይኦኤል ብወገኑ 70 ሽሕ ዶላር ወፍዩሎም እዩ።
እንተኾነ እቲ ማዕከን ዜና ንምውላድ እቶም 10 ማንታ ኣብ ዝጸብጸበሉ፡ ኣበየናይ ሆስፒታል ከም ዝነበረ ብዘይምሕባሩ፡ ጥርጣረታት ክለዓል ጀሚሩ።
ኣብ ጋውተን ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ድማ ምስቲ ዜና ዘራኽብ ከም ዘይብለን ክዛረባ ጀሚረን።
እቲ ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ ድሕሪ 10 መዓልትታት፡ ኣይኦኤል እታ ሰበይቲ ኣብ ስቲቭ ቢኮ ኣካዳሚክ ሆስፒታልን ከም ዝተገላገለት ሓቢሩ።
ብድሕሪ'ዚ ሚስተር ጾቴሲ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝተሸረበት ብምግላጽ ሰባት ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ከቋርጹ ክጽውዕ እንከሎ፡ ሲቶል ግና በዓልቤታ ካብ ምውላድ እቶም ቆልዑ ክኸስብ ከም ዝፈተነ ምዝራባ ፕሪቶርያ ኒውስ ጸብጺቡ።
ኣብዚ እዋን ሲቶል፡ ሕክምናዊ መርመራ ክግበረላ ኣብ ሆስፒታል ከም እትርከብ ሰብ መዚ ጋውተን ገሊጾም።