ግሪኽ፡ ሓደ ቀሺ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ኣቡናት ናይ ኣሲድ መጥቃዕቲ ፈጺምካ ተባሂሉ ተኣሲሩ

ኣብ ግሪኽ ከተማ ኣቴንስ፡ ናብ ሸውዓተ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ኣሲድ ዝደርበየ ቀሺ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ፖሊስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ካብ ፖሊስ ኣቴንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ እቶም ሸውዓተ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ወዲ 36 ዓመት ቀሺ ኣመልኪቶም እናተመያየጡ እንከለዉ እዩ ኣሲድ ደርብይሎም።

ሰለስተ ካብቶም ጳጳሳት ኣብ ገጾም ብርቱዕ መንደድቲ ስለ ዘጋጠሞም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከቡ'ውን መግለጺ ፖሊስ ከተማ ኣቴንስ ኣፍሊጡ።

ብዘይካ እቶም ሸውዓተ ጳጳሳት ንዐኦም ንምሕጋዝ ናብቲ ቦታ ዝኸደ ሓደ ፖሊስ'ውን ገለ ክፋል ኣካሉ በቲ ኣሲድ ነዲዱ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ።

እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት ቀሺ፡ ብመሰረት ካብ መደበር ዜና ኤኤንኤ ዝተረኸበ ሓበሬታ በቲ ዝሰርሓሉ ቤተክርስትያን 'ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸፋርስ' የካይድ እዩ ተባሂሉ ተተርጢሩ።

እቶም ጳጳሳት ከኣ ነቲ ዝመጽኦ ክሲ ንምስማዕ ኢሎም ናብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ቤተክርስትያን ብምኻድ'ዮም ምጽራይ ዝገብሩ ነይሮም።

እቶም ጳጳሳት እቲ ቀሺ ኣብ ሰነ 2018 ኣብ ኢዱ 1.8 ግራም ሓሺሽ ከም ዝተረኸቦ መርትዖ ድህሪ ምርካቦም ካብ ቀሽነቱ ንኽወርድ ይመያየጡ ነይሮም።

እቲ ካብቲ ቤተክርስትያን ከይስጎግ ስግኣት ዝሓደሮ ጥርጡር፡ ተኣኪቦም እንከለዉ ነቲ መጥቃዕቲ ናይ ኣሲድ ከም ዝፈጸመሎም ከኣ መግለጺ ፖሊስ እታ ከተማ ይሕብር።

እቲ ወዲ 36 ዓመት ቀሺ ኣብ ኢዱ ኣሲድ ዝመልአ ዓቢ ጥርሙስ ሒዙ ናብኦም ከም ዝኸደ መደበር ዜና ታንያ ገሊጻ።

እቲ ቀሺ ነቲ ኣሲድ ሒዙ ናብቲ ውሽጢ ቀጽሪ እቶም ጳጳሳት ንምምራሕ ኣብ ዝፈተነሉ ንዝኸልኸሎ ሓለዋ እቲ ቀጽሪ'ውን ኣሲድ ከም ዘፍሰሰሉን ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከብን'ዩ ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ።

ሚኒስትር ጥዕና ግሪኽ ቫሲሊስ ኪኪልያስ ናብቶም ግዳያት ዝርከብሉ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጻሕ፡ ሓደ ካብቶም ግዳያት ኣብ መላእ ገጹ ዓሙቕ ንዳድ ከም ዘለዎን ፕላስቲካዊ መጥባሕቲ ክግበረሉ ምዃኑን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

ፕረዚደንት ግሪኽ ካትሪና ሳከላሮፖሎ ነቲ ተግባር ብተሪር ክትኩንኖ እንከላ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ክርያኮስ ሚትሶታኪስ ብወገኑ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ምስ ላዕለዋይ ሓላፉ ቤተ ክርስትያን ክሪኽ ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዝበጽሐ ናይ ኣሲድ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ ብምግላጽ "እቶም ግዳያት ቀልጢፎም ንኽሓውዩ መንግስቲ ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ክገብር'ዩ" ኢሉ።