እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆን ማካፊ፡ መሃዚ ጸረ-ቫይረስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ
ቤት ፍርዲ ስፔን ኣብ ኣመሪካ ብምትላል ግብሪ ክሲ ንዝቐርበሉ መሃዚ ሶፍትዌር ጸረ-ቫይረስ ጆን ማካፊ ኣሕሊፉ ንምሃብ ምስ ወሰነ ድሕሪ ሰዓታት፡ ማካፊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባርሴሎና ሞይቱ ተረኺቡ።
ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ካታሎኒያ ሓካይም ከትርፉዎ'ኳ እንተፈተኑ ከምዘይሰመረሎም ገሊጹ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መግለጺኡ ማካፊ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፈጸመ "ኩሉ ነገር የመላኽት" ኢሉ።
እዚ ኣብ ቴክኖሎጂ ዓለም ኣዘራራቢ ዝነበረ በዓል ሃብቲ ዝውንኖ ኩባኒያ፡ ፈላሚ ሶፍትዌር ጸረ-ቫይረስ [McAfee VirusScan] ከተኣታቱ እንከሎ፡ እቲ ሶፍትዌር ኢንዳስትሪ ኮምፒዩተር ብቢሊዮን ዶላር ንክዓቢ መገዲ ከፊቱ'ዩ።
ጸረ ቫይረስ ማካፊ፡ ንሓደ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ብልዕሊ 7.6 ቢሊየን ዶላር ተሸይጡ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020፡ ጆን ማካፊ፡ ኣብ ቱርኪ ንክኸይድ ናብ ነፋሪት እናተሰቐለ እንከሎ'ዩ ብፖሊስ ስፔን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ማካፊ ዝረኽቦ መኽሰብ ንመንግስቲ ግብሪ ኣይከፈለሉን ኢሉ'ዩ ክሲ መስሪትሉ።
ብተወሳኺ ጃልባን ህንጻታትን ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ንብረትን ሃብትን ብሽም ካልኦት ሰባት ሓቢኡ ተባሂሉ ይኽሰስ።
በዚ ምኽንያት ትማሊ ንጉሆ ቤት ፍርዲ ስፔን እቲ ውልቀሰብ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ወሲኑ ነይሩ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ጆን ማካፊ ንዕኡ ንምእሳር ውዲት ነይሩ'ዩ ክብል'ኳ እንተጸንሐ፡ ቤት ፍርዲ ስፔን ግን ብፖለቲካዊ ወይ ስነ ሓሳባዊ ፍልልይ ምእሳሩ "ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን" ምባሉ ጋዜጣ ስፔን ዝኾነት ኤል ፔስ ጸብጺባ።
ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝነበሮ ቖጸራ ቤት ፍርዲ እቶም ዝቐረብሉ ክስታት ፖለቲካዊ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ ናብ ኣመሪካ እንተተመሊሱ ንሕልፈት ክእሰር ከምስኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።
ጠበቕኡ ኒሻይ ሳናን ኩሎም ክስታት ከም ዝቃወሞም ብምግላጽ "መንግስቲ ኣመሪካ ንጆን ማካፊ ከጥፍእ ይጽዕር ኣሎ። እዚ ሰብ ተቓላሲ ነይሩ፤ ኣብ ልቢ ኩሎም ዝፈልጡዎ ሰባት ከኣ ተቓላሲ ኮይኑ ክቕጽል'ዩ" ክብል ትማሊ ተዛሪቡ።
እቲ በዓል ሃብቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክውለድ እንከሎ ንሱን ኩባንይኡን ብ1980ታት ብዘላለዮ ሶፍትዌር ጸረ ቫይረስ ዝኾነ ማካፊ [McAfee VirusScan] ተፈላጥነት ረኺቦም።
ሓደ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ዋላ'ውን ነዚ ሶፍትዌር እንተመሃዘ ንሱ ግን ኣብ ኮምፒዩተሩ ንማካፊ ይኹን ካልእ ሶፍትዌር ተጠቒመ ኣይፈልጥን ኢሉ ነይሩ።
ካብ 2016 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ሕጹይ ሰልፊ ናጽነት ኮይኑ ኣብ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ክወዳደር ፈቲኑ፤ ኣይሰመረሉን።
ብ2019 ኣብ ትዊተር "ግብሪ ዘይሕጋዊ" ስለ ዝኾነ ንሸሞንተ ዓመታት ግብሪ ከፊለ ኣይፈልጥን ክብል ጽሒፉ ነይሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ከኣ ናብ ዶመኒካን ሪፐብሊክ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ከእቱ ፈቲኑ ብዝብል ንሓጺር እዋን ተኣሲሩ።ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ስራሕቲ ምምኻር፣ መደረታት፣ ድጅታላዊ ባጤራ ክሪፕቶካረንስን ካልእን ዝረኸነቦ ኣታዊታት ግብሪ ኣይከፍልን'ዩ ነይሩ ተባሂሉ'ዩ ብኣመሪካ ክሲ ቐሪብሉ።