እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ሰርሰርቲ ሩስያን ሰሜን ኮርያን ኣብ ልዕሊ ‘ምርምር ክታበት’ መጥቃዕቲ ፈጺሞም
ብመንግስታት ሩስያን ሰሜን ኮርያን ዝሕገዙ ሰርሰርቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምምዕባል ዝሰርሓ ንዘለዋ ትካላት ዓሊሞም የጥቅዑ ከምዘለዉ ማይክሮሶፍት ገሊጹ፡፡
ትካል ማይክሮሶፍት ከምዝገለጾ፡ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ኣብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ሳይበር ‘‘ፋንሲ ቢር’’ ብዝል ሳጓ ዝፍለጥ ሩስያዊ ጉጅለን ‘‘ዚንክ’’ን ‘‘ሲርየም’’ን ዝበሃሉ ጉጅታት ሰሜን ኮርያን ተሳቲፎም፡፡
ሃገራዊ ማእከል መርበባዊ ጸጥታ ብሪጣንያ'ውን፡ ሩስያውያን ሰርሰርቲ መርምር ክታበት ኮሮናቫይረስ ዕላማ ገይሮም የጥቅዑ ከምዝነበሩ ቅድም ክብል ገሊጹ ነይሩ፡፡
ሩስያ ግን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ እያ፡፡
ናይ ሳይበር ድሕነት ሶፍትዌር ዝሰርሕ ትካል ማይክሮሶፍት፡ ናይ ሸውዓተ ትካላት መድሓኒት ስርዓተ ኮምፒተር ንምስርሳር ፈተነ ከምዝተገበረ ኣረጋጊጸ እየ ኢሉ፡፡
ኣብ ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ህንዲ፣ ደቡብ ኮርያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝርከቡ ተመራመርቲ ክታበት እውን ዒላማ ተገይሮም፡፡
ሩስያውያን ሰርሰርቲ፡ ብሚልዮን ዝቑጸር ዝተፈላለየ ቃል-ይሕለፍ (ፓስወርድ) ብምጥቃም ነተን ኮምፒተራት ንምኽፋት ከምዝፈተኑ ማይክሮሶፍት ሓቢሩ፡፡
እቲ ሓደ ሰሜን ኮርያዊ ጉጅለ ሰርሰርቲ ድማ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተልኣኸ ኢሜይል ኣምሲሉ ብምልኣኽ፡ ኣታሊሉ ምስጢራዊ ቁልፎም ክወስድ ፈቲኑ እዩ፡፡
ገሊኦም ፈተነታት ዘይሰመሩ እንተኾን፡ ገሊኦም ግና ተሳኺዑሎም ክኸውን ከምዝኽእል ማይክሮሶፍት ኣጠንቂቑ፡፡
ሩስያ ነቶም ኣብ ምርምራት ክታበት መጥቃዕቲ ሳይበር ፈጺማ ዝብሉ ክሲታት ሓቂ ከምዘይኮኑ ዝገለጸት ኮይና፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝርከብ ኤምባሲኣ ድማ ዝውስኾ ከምዘይበሉ ተዛሪቡ እዩ፡፡
መራሕቲ ሃገራት ማእከላት አገልግሎት ጥዕና ውሕስና ሕጊ ምርካበን ከረጋግጹን ሕጊ ንምኽባር ስጉምቲ ክወስዱን ማይክሮሶፍት ጸዊዑ ኣሎ፡፡
ሃገራት ኣብ ምርምር ክታበት ብዝፍጸም መጥቃዕቲ ክካሰሳ ሓድሽ ኣይኮነን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ኦክስፎርድ ዘማዕብሎ ኣብ ዘሎ ክታበት ሓዊሱ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ሳይበር፡ ማእከል ድሕነት ሩስያ ከምዘሎ ዓባይ ብሪጣንያ ከሲሳ ነይራ፡፡
ኣመሪካ እውን ቻይና ኣብ ልዕሊኣ ተመሳሳሊ ተግባር ከምዝፈጸመት ከሲሳ ነይራ፡፡
እንተኾነ ክልቲአን ሃገራት ነቶም ክሲታት ነጺገነኦ እየን፡፡