ጥዕና ደቂ ኣንስትዮ፡ መንሽሮ ኦቫሪያን እንታይ'ዩ?

ሓደ ካብቶም ንትዕግስቲ መጥባሕቲ ዘካይዱላ ዝነበሩ፡ አእዳው ብደም ዝተዓለሰ ጓንቲ ዝወደየ ሓኪም፡ "ትዕግስቲ ብዙሕ ደም ስለ ዝፈሰሳ፡ ሽዱሽተ ደም ዝህቡ ሰባት ኣምጽእ" ክብል ነቲ ኣብ መጸበይ ሕሙማት ኰይኑ ከብዱ ሓቑፉ ብተስፋ ዝጽበ ዝነበረ በዓል ቤታ ድቦላ ትእዛዝ ኣውደቐሉ።

በዚ ዝሰምበደ ሙሉጌታ፡ ኣብታ ንበዓልቲ ቤቱ ከሐክም ዝገሻ ሃገረ ሱዳን ብዘይካ ሓደ ሰብ ካልእ ስለ ዘይፈልጥ ዓቕሉ ጸበቦ።

እታ ብሕማም መንሽሮ ዝተሃስየት ዘፍቅራ በዓልቲ ቤቱ ርእዩ ከይስእና ብምስጋእ ናብቲ ጸግዐይ ዝብሎ ሰብ እናጎየየ ከይዱ እቲ ዝተባህሎ ነገሮ።

"ኣጆኻ ጸገም የለን ገበርቲ ሰናይ ኣይክንስእንን ኢና" ኢሉ ኣረጋጊኡዎ።

ሰባት ሓታቲቶም ከኣ ካብቲ ዝተባህሉዎ ንላዕሊ ወለንተኛታት ለገስቲ ደም ሱዳናውያን ሒዞም ናብቲ ሕክምና ከዱ።

እቲ ሓኪም ነቶም ወሃብቲ ደም ሱዳናውያን ምስ ረአየ፡ "እዚ ኩሉ ናይ ሱዳናውያን ደም እንተወሲዳ ድሕሪ ሕጂ፡ ሱዳናዊት እምበር ኤርትራዊት ኣይኰነትን" ክብል ብምጭራቕ ነቶም ለገስቲ ደም ኣመስጊኑዎም።

ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት እታ ሞተት ሰረረት እትበሃል ዝነበረት ትዕግስቲ ኣብ መጥባሕቲ ንዝተገብረላ መደቀስን መደንዘዝን መድሃኒት ምስ ተበራበረት፡ ነቲ ምስ ንብዓቱ እናተቓለሰ ንድሕነታ ጸሎቱ ዘዕርግ ዝነበረ በዓል ቤታ " እንደገና ርእየካ!" ክትብል ብድኹም ፍሽኽትኣ ፍቕራ ገሊጻትሉ።

ንሱ ከኣ ብክቱር ሓጎስ 'ኩል ግዜ ክትርእይኒ ኢኺ' ኢሉዋ" ክብል መለሰላ።

ንምዃኑ እዞም ክልተ ፍቑራት መዓስ እዮም ተራኺቦም?

ሙሉጌታ በርሀ ከም ማንም ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሳዋ ተዓሊሙ ፈለማ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ካብኡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክፍሊ ፋይናንስ ተመዲቡ ሰሪሑ።

ጐድኒ ጐድኑ ከኣ ኣብ ኣስመራ ሞዴርና ኣብ ዝተባህለ ካፌ ከም ኣካያዲ ስራሕ ይዓዪ ነይሩ።

ትዕግስቲ ዮውሃንስ'ውን፡ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ትሰርሕ ነይራ።

ግን ሙሉጌታ ግን ብፍቕሪ ስለ ዘይጠመታ ብዙሕ ኣቕሊቡላ ኣይፈልጥን ነይሩ።

ንሳ ግን ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እናሰርሐ ኣብታ ብሓባር ዝግልገሉላ ዝነበሩ መመላለሲት መኪና (ሰርቪስ) ትርእዮ ስለ ዝነበረት ክትፈትዎ ጀሚራ።

ዳሕራይ ትዕግስቲ ኣብ ትርፊ ግዜኣ ኣብቲ ናይ ቤተሰቡ ካፌ ተቐባሊት ሕሳብ [ካሼር] ኮይና ምስ ተቐጽረት "ሻሂ . . . ምሳሕ . . . ድራር" እናተበሃሃሉ ንሓድሕዶም ክፋለጡ ጀሚሮም።

ፍቕሮም እናዓሞቐን እናሞቐን ምስ ከደ ብ2014 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝተዓደመ መቕርብን ፈታውን ኣብ ዝተኣከበሉ ውራይ "ፈረይትን ጸገይትን ይግበርኩም" ተባሂሎም ተመሪቖም ተመርዕዮም።

ሕጽኖቶም ግን ብሰንኪ ዘይገመቱዎ ሕማም ትዕግስቲ ከም ዝተጸበዩዎ ኣይኮነን።

ትዕግስቲ ከብዳ ክሓብጥ ጀሚሩ።

ኣብ እዋን መርዓ እውን እንተኾነ ብዙሓት ካብ ቤተሰብ ነቲ ግዝፊ ከብዳ ምስ ጥንሲ እዮም ኣተኣሳሲሮሞ ነይሮም። ግን ከምቲ ብዙሓት ዝተመነዩሎም ኣይኮነን።

እቲ ናይ ጥዕና ጸገም ርኡይ ምስ ኮነ ናብ ሕክምና ተጓይዮም።

ኣብ ኣስመራ ኩሉ ናይ ማህጸን ሕክምና እኳ እንተበጽሑዎ እዚ እዩ ሕማማ ስለ ዘይተባህሉ ተተሓሒዞም ንሱዳን ወጺኦም።

ሓካይም ካርቱም ከኣ ሕማም ትዕግስቲ መንሽሮ ማህደር እንቋቑሖ [Ovarian cancer] ምዃኑ ነጊሮምዎም።

ሽዑ ኣዝዮም ሰንቢዶም። ግን ብዘይካ ነቲ ሕማም ተቐቢልካ ሕክምናዊ ረድኤትን ክንክንን ምግባር ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮም ተቐቢሎምዎ።

ሙሉጌታ ከኣ ብኹሉ ዓቕሙ ይከናኸናን የተባብዓን ነይሩ።

ማህጸን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ከም ዘለውዎ ዝገልጽ ክኢላ ማህጸንን ጥንስን ዶክተር ዳዊት መስፍን፡ ማህጸን፣ ሻምብቈታት፣ እንቋቑሖ ዝጻግየሉ ቦታ ወይ'ውን ኦቫሪ ከም ዝኾኑ የረድእ።

መንሽሮ ኦቫሪ ዝብሃል ድማ፡ ኣብቲ እንቋቑሖ ዝጻግየሉ ክፍሊ ዘለው ዋህሳት ትኽክለኛ ናይ ምርባሕ ዘዴ ወጻኢ ኮይኖም ክዓብዩ እንከለውን እዞም ዘይስሩዕ ብዝኾነ መገዲ ዝዓበዩ ዋህዮታት ድማ ክባዝሑ እንከለው ዝፍጠር ዓይነት መንሽሮ እዩ።

እዚ መንሽሮ፡ ኣብ ዓለም ብምቕታል ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ዝተሰርዐ ምዃኑ እቲ በዓል ሞያ የረድእ።

ንመንሽሮ ኦቫሪ ዘቃልዑ ነገራት እንታይ'ዮም?

ዶክተር ዳዊት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንመንሽሮ ኦቫሪ ዝቃልዓሉ ምኽንያት እቲ ሓደ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ሰብነት ከም ዝኾነ ይጠቅስ።

ካልእ ዕድመ እዩ፤ ዚ መንሽሮ ዕድሚአን ልዕሊ 50ን 60ን ኣብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመሉ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ ይብል።

ብተወሳኺ ዘይተመርዓዋ፣ ጠኒሰን ዘይፈልጣ ወይ ድማ ቈልዑ እንከለዋ ወርሓዊ ጽግያት ክርእያ ዝጀመራ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ መንሽሮ ኣዝየን ተቓላዕቲ ከም ዝኾና ዶክተር ዳዊት ይዛረብ።

'ህይወት ጥዑም ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሕማቕ'

ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ዝበዝሕ ሕብረተሰብ ሳልሳይ ዓለም ሓሚሙ ማእሲ ከይሓዘ ኩነታት ጥዕንኡ ክፈልጥ ናብ ሕክምና ናይ ምኻድ ልምዲ የብሉን።

ብፍላይ ከም መንሽሮ ዝኣመሰሉ ሕማማት ከኣ ደንጕዮም እዮም ዝፍለጡ። ገሊኦም ሕማማት እውን ብሽሞም ኣይጽውዑን እዮም።

ንኣብነት ሕብረተሰብና ንመንሽሮ፡ 'እታ ግናይ' እናበለ'ዩ ዝጽውዖ።

ካብዚ ብዝብገስ መብዛሕትኡ ብዛዕባ ከምዚኦም ዝበሉ ሕማማት ዘለዎ ግንዛበ ውሑድ እዩ።

ሙሉጌታ'ውን፡ "መጀመርታ ክብደት ናይቲ ሕማም ዝምልከት እኹል ኣፍለጦ ስለ ዘይነበረና፡ ማዕረ ክንድ'ዚ ገፊሕን ኣሸጋርን ምንባሩ ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ኣብቲ ሕማም ምስ ኣተናዮ እየ ተሞኩሮ ረኺበሉ። ክሕዘካን ክቐትለካን ሓደ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ" ይብል።

ትዕግስቲ፡ ዘለዋ ጸገም ክንገራ እንከሎ ግን ከየማትአት፣ ተስፋ ከይቖረጸት ተቐቢላቶ።

ሙሉጌታ ግን፡ እቲ ብምውቕ ፍቕሪ ዝመስረቶ ህይወትን ሓዳርን ገና ኣብ ምጅማሩ ብፈተና ምጅማሩ ኣሰንቢዱዎ።

በዓልቲ ቤቱ፡ ሕማም መንሽሮ ከምዘለዋ ክትንገር እንከላ ጓል 25 ዓመት እያ ነይራ። ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ከኣ ምስ መንሽሮ ማህደር እንቋቑሖ [Ovarian cancer] ከቢድ ቃልሲ ከተሕልፍ ጸኒሓ።

ንሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ሱዳን ሕክምናዊ ክትትል ዝገብሩላ ዝነበሩ ሓካይምን ብዙሓት ዝፈልጡዋ ሰባትን 'ሓቦኛ ተቓላሲት' እናበሉ ይንእዱዋ ነይሮም።

"ህይወት ጥዑም ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሕማቕ'ውን ክተስተማቕሮ ከም ዘለኻ ሽዑ እየ ፈሊጠ። ጸጽብቑ እናሓሰብና ንነብር ስለ ዝነበርና እቲ ዘጋጠመና ኩነታት ዝምከት ኮይኑ ኣይስምዓንን ነይሩ፤ ሳላ ናታ ሞራል ግን ክሳብ መወዳእታ ኢድና ከይሃብናን ተቓሊስና" ይብል ሙሉጌታ።

ቀለበት ብዙሓት፡ ሰብ ሓዳር፡ 'ኣብ ክፉእካን ጸጋኻን፣ ኣብ ሕማምክን ጥዕናኽን ክሳብ ብህይወት ዘለና ካብ ጎንኻ/ኺ ኣይፍለን' ብዝብል ማሕላ ቃል ኪዳን ዝተኣስረ'ዩ።

እዚ፡ ዝበዝሕ ክፋል ህዝቢ ዓለም እቲ ኣብ ሓዳር ነቕ ዘይብል፣ ከም ብዋዛ ዘይፈርስ ቃል ምድርን ሰማይን ገይሩ ዝተቐበሎ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ስርዓት እዩ።

ከይሓመመ ክነብር፣ ወሊዱን ዘሚዱን እናተሓጎሰ ጥራይ ክነብር ዘይደሊ እሞ መን ኣሎ?

ትዕግስቲ፡ እቲ ውላድ ከፍሪ ዝኽሊ ክፍሊ ኣካላ'ዩ ብከቢድ ሕማም መንሽሮ ተጠቒዑ።

ብክልተ ጥቅምቲ 2014 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ፈላማይ መጥባሕቲ ክትገብር እንከላ ካብቲ ማህደር እንቋቑሖ ሽዱሽተ ኪሎ ግራም ዝምዘን ሕበጥ'ዩ ተኣልዩ።

ማህደር እንቋቑሖ ደቂ ኣንስትዮ የማንን ጸጋምን ክፍሊ ዘለዎ ኮይኑ፡ ጸጋማይ ኦቫሪ ትዕግስቲ ኣዐርዩ ተጎዲኡ ስለ ዝነበረ፡ ብመጥባሕቲ ክእለ ግድን ኮይኑ።

ሓካይም ሱዳን ናይ ምውላድ ተኽእሎ ክህሉ ስለ ዝኽእል እታ ካልአይቲ ኦቫሪ ኣብ ቦትኣ ክትጸንሕ እኳ እንተፍቀዱ፡ ምስ ግዜ እታ ካልኣይቲ'ውን እቲ ሕማም ስለ ዘጥተቅዓ ምፍራይ ኣቋሪጻ።

ብኡ ምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት'ውን ኣቋሪጹ።

እቲ፡ መንሽሮ ንምሕካም ዝውሰድ ሕክምና ኬሞቴራፒ'ውን ናይ ባዕሉ ጽልዋ ስለ ዘሕድር፡ እቶም ለውጢታት ቀለልቲ ከም ዘይነበሩ ሙሉጌታ ይገልጽ።

"ኩሉ ተደማሚሩ፡ ነቲ ዝነበረና ናይ ውላድ ሃረርታ ከቢድ ገይሩዎ። ኣነ ግን ይፈትዋን የፍቅራን ስለ ዝነበርኩ ብዛዕባ ውላድ ምሕሳብ ረሲዐዮ እየ። ኣዝያ ስለእተሓልየለይ ኣነ ከኣ ዝደለየቶ ክኾነና እፍትን ነይረ" ይብል።

ሓካይም ንትዕግስቲ ሰለስተ ግዜ ብመጥባሕቲ ዓበይቲ ሕበጥ ኣልዮም ኬሞቴራፒ ይህቡዋ ነይሮም።

"ንሳ፡ ዋላ እቲ ሕማም ምስ ኣጋጠመ'ውን ሞራላ ልዑል'ዩ ነይሩ፤ ብናታ ሞራል እየ ንዓኣ ክኣሊ ተገዲደ እምበር መጀመርያ እቲ ሕማም ምስ ፈለጥኩዎ ተሰሚዑኒ ብጣዕሚ'የ ኣምሪረ። ንሳ ግን እዚ ሰብ ይሓምም ይሓዊ፤ ናይ ኣምላኽ ነገር እዩ ኢላ ሞራል ኣስኒቓትኒ። ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ምስኣ ገጥ ክብል ከም ዘለኒ ንኣእምሮይ ኣእሚነዮ፤ እቲ ፍቕርን ክብርን ናታ ንዓይ ሓቦ ሂቡኒ" ይብል ሙሉጌታ።

ምልክታት መንሽሮ ኦቫሪያን

መንሽቶ ኦቫሪያን ወይ እንቋቑሖ ኣብ ዝፈርየሉ ክፍሊ ዘጋጥም ዓይነት መንሽሮ ዝተፈላለየ እዩ።

ዶክተር ዳዊት ከም ዝብሎ፡ እቲ እንቋቑሖ ኣብ ዝፈርየሉ ክፍሊ ዘጋጥም ሕበጥ ጉድኣት ዘስዕብን ዘየስዕብን ብዝብል ክርኣ ይኽእል።

እቲ ጉድኣት ዘየስዕብ ሕበጥ፡ ኣብቲ እንቋቑሖ ዝጻፍየሉ ክፍሊ ማይ ብምዕቛር ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ይጠፍእ።

እዚ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ንክትትል ጥንሲ ወይ ካልእ ሕክምና ኣልትራሳውንድ ኣብ እትልዓለሉ ጊዜ ዝፍለጥ ከም ዝኾነን ምልክት ከም ዘየርእን ሓቢሩ።

እቶም ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝቕየሩ ዓይነታት መንሽሮ ኦቫሪያን ድሕሪ ብዙሕ ግዜ'ዮም ዝፍለጡ።

ስለዚ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ሕክምና ኣብ እትኸደሉ እዋን ከብዳ ሓቢጡ፣ ማይ ዓቚሩን ዓብዪ ሕበጥ ኮይኑ ክኸውን ይኽእል።

ብኻልእ ወገን፡ ሕበጥ ከየርኣየ ናይ ሑቘ ሕመም፣ ኣብ ከባቢ ማህጸን ወይ ምሕኵልቲ ቃንዛ ተሰሚዑዋ ናብ ሕክምና ክትኸይድ ትኽእል እያ።

እዚ መንሽሮ፡ ወርሓዊ ጽግያት ምርኣይ ኣብ ዘይጀመራ ኣዋልድ ከጋጥም ከም ዝኽእል እቲ በዓል ሞያ ይጠቅስ።

ዕድሚአን፡ ኣብ 30ታት፣ 50ታትን 60ታትን ኣብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ከጋጥም ይኽአል።

እተን ኣብ 50ታትን ልዕሊኡን ዘለዋ፡ ከብደን ሓቢጡ ናብ ሕክምና ከም ዝኸዳ ዝገልጽ ዶክተር ዳዊት፡ እተን ኣብ 30ታት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ደም ፈሲሱወን ወይ'ውን ኣብ ከብደን ሕበጥ ሓቢጡ ከም ዝኾነ የረድእ።

ተስፋ ዝቖረጽኩ . . .

ትዕግስቲ፡ ኣብቶም ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሱዳን ሕክምና እናገበረት እንከላ ጥዕንኣ ምምሕያሽ ከርኢ እንከሎ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ቤተ ሰብ ትሓትት፣ ከም እምነታ ማይ ጸሎት ትሕጸብ፣ ትገይሽ ዕድላት ትረክብ ነይራ።

ብ2019 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ካናዳ ግዒዞም።

እንተኾነ፡ እቲ ክውንነትን ትጽቢትን በበይኑ ኮይኑ ስለ ዝጸንሖም ከቢድ እዋን ከም ዘሕለፉ በዓል ቤታ ሙሉጌታ ይዛረብ።

"ንካናዳ ክንመጽእ ንከለና ጥዕይቲ ሰብ ኮይና እያ ኣትያ፤ ካልጋሪ መጽእና ክትሓዊ'ያ ዝብል ተስፋ ነይሩኒ፤ ኣብ ሱዳን ኮይነ ኣብ ቱርኪ፣ ሜክሲኮ ምስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ይራኸብ ነይረ። ተዳኺማ እናርኣኹዋ ክትሓዊ'ያ እየ ዝብል እምነት ነይሩኒ" ይብል ሙሉጌታ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ካናዳ ምስ ከዱ፡ ሓካይም "ንክልተ ወርሒ ጥራሕ ኢኺ ብህይወት ክትነብሩ ዕድል'ዩ ዘለኪ" ኢሎማ።

እንተኾነ ሕክምናዊ ክትትል እናገበረት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጸኒሓ።

ንሙሉጌታ፡ ንሕሙም መንሽሮ እቲ ዝዓበየ ግድል፡ መነባብሮ ወይ ገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ሞራል እዩ።

ብፍላይ እቲ ንሕሙም መንሽሮ ዘድልዮ ኣብ ጎኑ ኮይንካ ሞራል ምሃብ'ዩ፤ ከምኡ እንተኾይኑ ናይ ምሕዋይ ተኽእልኡ ዓብዪ እዩ ዝብል።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ክብደት እቲ ሕማም ብዘየገድስ ስነ ልቦናዊ ኩነታት በዓልቲ ቤቱ ንምሕላው ኣብ ዝሕግዙዎ ነገራት ትኹረት ከም ዝገብር ይዛረብ።

"እንትርፎ ብስራሕ ወይ ብኻልእ ጉዳይ እንተዘይተኣልየ ንሓሙሽተ ደቒቕ ካብኣ እንተተኣልየ ብጣዕሚ'የ ዝስንብድ፤ ብፍላይ ናታ ቴሌፎን እንተተደዊሉ ገለ ኮይና ኣላ ማለት እዩ ኢለ ሃለዋተይ የጥፍእ፤ ምኽንያቱ እቲ ሕማም የዘንግዐካ እዩ፤ ሓውዮም ጥዕዮም እናበልካዮም ዝቐትል ስለ ዝኾነ ከምኡ ዓይነት ሻቕሎት እንተዘይኮይኑ ተስፋ ቖሪጸ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ንዓ'ውን ተስፋ ምቑራጽ ኣርእየያ ኣይፈልጥን እየ፤ ናይ ህይወት መምህረይ እያ ነይራ፤ ኩሉ ካብኣ እየ ተማሂረዮ። ንሳ ንዓይ 'ኣጆኻ ፍቅር ክሓዊ እኮ'የ' እያ ትብለኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ስለ ዝዓበየት ፍቅር ጥራይ እንተዘይኮይኑ ብሽመይ ጸዊዓትኒ ኣይትፈልጥን . . . [ነዊሕ ስቕታን ብኽያትን] . . ."።

ብደረጃ ዓለም፡ ሕማም መንሽሮ እቲ ዝዓበየ ምኽንያት ሞት ሚሊዮናት ኮይኑ፡ ኣብ 2020 ጥራሕ ኣስታት 10 ሚሊዮን ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝሞቱ መረዳእታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮ ከም ዝጥቅዓ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ሙሉጌታን በዓልቲ ቤቱን፡ ንሸውዓተ ዓመታት ምስዚ ሕማም ክቃለሱ እንከለው ካብ ዝሓገዞም ነገራት እቲ ሓደ ክቕበሉዎ ምኽኣሎምን ግቡእ ሕክምናዊ ክትትል ምግባሮምን ከም ዝኾነ ይዛረብ።

"ቀሊል ኣይኮነነን። ብዙሕ ነገር ርኢና ብዙሕ ተማሂርናን ፈሊጥናዮን ኢና፤ ምሟትን ምጽናሕን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ኮይኑ እንተተቐቢልካዮ ግን እቲ ዝዓበየ ፍወሳ እዩ። ምስቲ እትወስዶ መድሃኒታት ተሓዋዊሱ ናይ ምጽናሕ ተክእሎኻ ይውስኸልካ" ይብል።

ስለዚ ክሳብ መወዳእታ ተስፋ ኣይቆረጸን።

ክልቲኦም፡ ጌና ኣብ ሕጽኖት እንከለው ዝፈለጡዎ ሕማም ስለ ዝኾነ፡ እቲ ንዓመታት ዝብድሆም ዝነበረ ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ግድላት'ውን ንማሙቕ ፍቕሮም ኣየዝሓሎን።

"ናይ ምውላድ ተኽእሎ ኣየጋጠመናን [ነዊሕ ስቕታ] . . . ንዓይ ብኣካል እምበር ብመንፈስ ጥዕይቲ እያ ነይራ። ስለዚ ብዛዕባ ውላድ ይኹን ምስ ውላድ እዩ ሙቁር ዝብል ኣብ ሓንጎልና ኣይነበረን፤ ጥዕና እንከሎ እዩ ኩሉ ነገር ክትገብሮ እትኽእል፤ ሽማ ክንዲ ኩሉ ነገራ . . . ዘይሃስስ እዩ" ይብል።

ሙሉጌታ፡ ኣብዚ ህሞት ስምዒታቱ ክትንከፉ ስለ ዝጀመሩ፡ ብሙሉእ ልቡ ከውግዕ ኣይክኣለን።

ትዕግስቲ፡ ብ25 ግንቦት 2021 ብሰንኪ እቲ ዝነበራ መንሽሮ ማህደር እንቋቑሖ ህይወታ ሓሊፉ።

"ኣብ ቅድሚ ንዝኽራ ዝወላዕኹዎ ሽምዓ ኮይነ'የ ዘዕልለኪ ዘለኹ . . . [እህታን ብኽያትን] . . . እዚ ኩሉ ዓመታት ተስፋ ዘይቆረጽኩ ኣብ ኢደይ ክትመውት እንከላ እየ ተስፋ ቖሪጸ። ምስ ሞትኩ ካብ ጥቓካ ከይተርሕቀኒ ስለ ዝበለትኒ ኣብዚ እያ ተቐቢራ፤ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት እናኸድኩ ኩል ግዜ ይበጽሓ" ክብል ሓዘን ብዝሰበሮ ስምዒት ይዛረብ።

ኣብዚ ዓለም፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓልፍኦ ከቢድ ህይወት ኣብ በዓልቲ ቤተይ ርእየዮ እየ ዝብል ሙሉጌታ፡ ብፍላይ ምስ ሕማም መንሽሮ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፍላ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘጋጠምኦ ይጠቅስ።

"እዚ ሕማም ዝሓዞ ኩሉ ይመውት ማለት ኣይኮነን፤ ኣብ ሱዳን ሕክምና ገይረን ሓውየን ክሳብ ውላድ ዝበጽሓ ዝፈልጠን ኣለዋ" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ብዙሓት ግዳያት እዚ ሕማም ንሕክምናን ካልእን ብዙሕ ወጻኢታት ከም ዝቃልዑ ይፍለጥ።

ብፍላይ መጥባሕቲ ንምግባርን ካልኦት ሕክምናታት ንምርካብን ናብ ሃገራት ወጻኢ ተላኢኾም ብዙሕ ገንዘብ ክሕተቱ ይስማዕ።

ኤርትራውያን ድማ፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ትሕተ ቕርጺ ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ቱርኪ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ወጻእን ብምኻድ እዮም ዝሕከሙ።

ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዲያስፖራ ድማ፡ ብገንዘብን ካልእ መገዲታትን ክሕግዙ ይርኣዩ።

ሙሉጌታ'ውን፡ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ጎኑ ኮይኖም ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዝ ንዝገበርሉ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ሱዳናውያን፣ ኢትዮጵያውያንን ካልኦትን ዘለዎ ምስጋና ልዑል እዩ።

እቲ ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ክቕጽል ኣለዎ ዝብል ሙሉጌታ፡ ዘላቒ ፍታሕ ንምምጻእ ብፍላይ ድማ ሕሙማት ካብ ተወሳኺ ወጻኢታት ንምድሓን ግን ኣብ ኤርትራ ሕሙማት መንሽሮ ዝእለይሉ ማእከል ሕክምና ክህሉ ኣለዎ ይብል።

"ብሓገዝ ህዝብን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ማእከል ሕክምና መንሽሮ ተሰሪሑ ህዝቢ እቲ ካብ ዓዱ ወጺኡ ዘውጽኦ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ዓዱ ኮይኑ እንተዝሕከሞ ደስ ምበለኒ፤ እዚ ሕማም ፖለቲካውን ኣረኣእያኻን ሃይማኖታዊ እምነትካን ዝሓትት ስለ ዘይኮነ ክልቲኡ ንጎኒ ገዲፍና ኩሉ ብሓደ ኮይኑ ምስ መንግስቲ ድዩ ካልኦት ወከልቲ ተዘራሪቡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ማእከል ሕክምና ምተኸፈተ'የ ዝብል። ኣነ ን6 ዓመት ኣብ ካልእ ሃገራት ወጺአ ዘጥፋእኩዎ ግዜን ገንዘብን ኣብ ጎኒ ስድራቤተይ እንተዝኸውን ነይረ ብዙሕ ረብሓ ምሃለዎ" ኢሉ።

ከመይ ምክልኻል ይክኣል?

መንሽሮ ኦቫሪያን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ብቐሊሉ ዝፍለጠሉ ዕድል ኣዝዩ ትሑት እዩ።

ንፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበላ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት፡ ሰባት በብግዝኡ ሕክምናዊ ክትትል ስለ ዘይገብሩ ምስ ዘንግዐ እዩ ዝፍለጥ።

ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለወንን ዘይወለዳን ደቂ ኣንስትዮ ግን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው መርመራ ክገብራ ይምዓድ።

ብፍላይ፡ ንመንሽሮ ጡብን መዓንጣን ዝተቓልዐ ኣባል ስድራቤት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንመንሽሮ ኦቫርያን ናይ ምቅላዕ ተኽእሎ ስለ ዘለወን ቅድመ ክትትል ክገብራ ኣለወን።

ሕጂ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

ሙሉጌታ፡ ሕጂ ኣብ ካናዳ ዞባ ኣልቤርታ ከተማ ካልጋሪ እዩ ዝነብር።

በዓልቲ ቤቱ ብሞት ካብ እትፍለዮ 11 ኣዋርሕ እኳ እንተሓለፉ፡ ፍርቂ ህይወተይ ንሳ እያ ነይራ ክብል ይዝክራ።

"ሕጂ ግን እቲ ንሳ እትሽፍኖ ባዶ ኮይኑ . . . [ዳግም ነዊሕ ስቕታን ብኽያትን] . . . ሕጂ'ዩ ከቢድ እምበር ኣብ ግዜ ሕማማ ንዓይ ከቢድ ኣይነበረን" እዩ ዝብል።

ከምኡ እናበለ ግን ሕጂ ናብ ስርሑ ተመሊሱ እዩ፤ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ 'ሆም ዲፖ' ዝተባህለ ዓብዪ ናይ መኽዝን ትካል ይሰርሕ ኣሎ። ጎድኒ ጎኑ ከኣ ኣብ ምምሕዳር መኽዝንን ሎጀስቲክስን ናይ ኦንላይን ትምህርቲ ይወስድ ኣሎ።

ብዓብይኡ ግን፡ ሕሙማት ካንሰር ኣብ ምትሕግጋዝን ኣብ ዙርያ እቲ ሕማም ኣብ ዝስርሑ ናይ ግንዛበ ምዕባይ ስራሕትን ብምንጣፍ ወንለታዊ ሓገዛት ይገብር።

"ኣብ ገለ ናይ ወለንታዊ ተበግሶታት ማሕበረኮም ኤርትራውያን፣ ቤተክርስቲያን ተሳትፎ ይገብር እየ፤ ገለ ኮምፒዩተር ክመሃሩ ንዝደልዩ ኣባላት እቲ ቤተክርስቲያን ክኣ መሰረታዊ ስልጠናታት ኮምፒዩተር ይህብ።

"ዝተረፈ ክኣ ቁሩብ ምስ ኣዕርክተይ የሕልፎ። ከምኡ እናበልኩ እቲ ዝኽሪ [በዓልቲ ቤቱ] ኣብ ቦትኡ እንከሎ ህይወት ንምስትኽካል ይጽዕር ኣለኹ" ይብል።