ሓኪም መንሽሮ ጡብ፡ ንባዕላ ግዳይ`ቲ ሕማም ኮይና

መንሽሮ ጡብ ንደቀንስትዮ ዘጥቅዕ ሕማም ስለዝኾነ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 40 ክሳብ 44 ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዓመታዊ መርመራ መንሽሮ ጡብ ብማሞግራም (ኤክስረይ ናይ ጡብ) ከካይዳ ክጅምራ ኣለወን። እተን ኣብ ክሊ ዕድመ 45 ክሳብ 55 ዘለዋ ድማ፡ ናይ ግድን ዓመታዊ ናይ ማሞግራም መርመራ ከካይዳ ኣለወን። እተን ካብ 55 ዓመት ንላዕሊ ዘለዋ ድማ ኣብ ክልተ ዓመት ሓንሳብ ከካይዳ ይግብአን።

ዶክተር ሊዝ ግና ከም ሓኪም ናይ ጡብ መንሽሮ እቲ ሕማም ንዓኣ ዘጥቅዓ ኮይኑ ስለዝተራእያ፡ እዚ ዝተባህለ መርመራ ኣካይዳ ኣይትፈልጥን፡ ቅድመ ምክልኻል እቲ ሕማም ድማ ኣየካየደትን።

ስለዚ፡ ካብ ሓሚምካ ምፍዋስ ኣቐዲምካ ምክልኻል ከምዝብሃል፡ ናይዛ ሓኪም ኣስተምህሮ ብምኽታል ከምቲ ክኢላታት ሕክምና ዝብልዎ ሓፈሻዊ መርመራ ዓመታዊ ክንገብር ኣሎና ትብል።

``ከም መብዛሕትአን ደቀንስትዮ፡ ኣጥቧተይ ተመርሚረ ኣይፈልጥን። ከም ሓኪም መንሽሮ ኣጥባት፡ እቲ ሕማም ንዓይ ኣየጥቅዓንን ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ነይሩኒ`` ኢላ ዶክተር ሊዝ ኦርዮርዳን።

ዶክተር ሊዝ፡ ናይ ጡብ መንሽሮ ከምዘለዋ ምስፈለጠት፡ ተስፋ ብምቑራጽ ነቲ ን20 ዓመታት ተማሂራ ዘጥረየቶ ሞያ ክትገድፎ ተደናዲና።

ኣብ 2015፡ ጓል 40 ዓመት ኣብዝነበረትሉ ኢያ ብሰንኪ መንሽሮ ጡባ ተቖሪጻ፡ ብድሕሪኡ፡ ዓሚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ድማ እቲ ሕማም ዳግማይ ደጊስዋ።

ዶክተር ሊዝ፡ ብውሕዱ ንዝመጽእ 20 ዓመታት ከም ሓኪም መንሽሮ ኣጥቧት ኮይና ክትሰርሕ ትምነ ነይራ፡ እንተኾነ፡ ኣይ ከም ትምኒታን ክልተ ዓመት ስራሕ ድሕሪ ምጅማራ ኢዩ በቲ ሕማም ዝተጠቕዐት።

ድሕሪ ምድጋስ እቲ ሕማም ዘካየደቶ ጸርገ-ፍወሳ [ራድዮተራፒ] ምንቅስቓስ መንኮባ ስለዝደረቶ ድማ፡ እቲ ተካይዶ ዝነበረት ናይ መጥባሕቲ ስርሓት ደው ክተብሎ ተገዲዳ።

ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቅድሚ በቲ ሕማም ምልካፋ ኣብ ዘካየደቶ ናይ ማሞግራም መርመራ ጥዑይ፡ ካብ መንሽሮ ነጻ ዝኾነ ኣጥቧት ከምዘለዋ ኣርእዩ ነይሩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘካየድቶ መርመራ ግና ኣብ ጡባ ፈሳሲ ዝመልአ ሕበጥ [cysts] ከምዘሎ ኣርእዩ።

ጽንሕ ኢሉ ካልእ ሕበጥ ምስተቐልቀለ፡ እቲ ሕማም ይምዕብል ከምዘሎ ሪሁላ፤ ኣዲኣ ድማ ስካን [scan] ክትገብር ተማሕጺናታ፡

``መብዛሕትኦም ሕሙማት እቲ ብዛዕባ ምዕባለታት እቲ ማሞ ዝውሃቦም ሓበሬታ ምሉእ ኣይኮነን። እቲ ዝገበርኩዎ ስካን ድሕሪ ምርኣይ ጡበይ ክቑረጽ ከምዘለዎ ተረዲአ። ዋላ`ኳ ብዕድመ እንተዘይደፋኩ፡ ቀመማዊ ፍወሳ [chemotherapy] ከድልየኒ ከምዝኽእል`ውን ተረዲአ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ንዝመጽእ 10 ዓመታት ብሂወት ናይ ምንባር ተኽእሎታተይ ገሚተ`` ኢላ ዶክተር ሊዝ።

ብዙሓት ዶክተራት፡ ዋላ እቶም ኣብ ኢፕስዊች ሆስፒታል ዝሰርሑ መሳርሕታ፡ በቲ ዝነጥፍሉ ሞያ ኣይሓሙን ኢዮም፡ ኢላ እታ ጓል 43 ዓመት ዶክተር ሊዝ።

ፈለማ በቲ ክስተት ኣዝያ'ያ ሰንቢዳ፡ ዝተፈላለየ ሕቶታት`ውን ኣብ ኣእምሮኣ ክመላለስ ጀሚሩ።

``ከመይ ጌረ ኢየ ንበዓልቤተይን ወለደይን ዝሕብሮም? ከመይ ጌረ ኢየ ናይ መንሽሮ ሓኪም ካብ ምዃን ደው ዘብልን ተሓካሚት ዝኸውንን`` ብዝብሉ ሕቶታት ተዋጠረት።

ዋላ`ኳ ኣብ ኣካላታ ዝርአ ምዕባላታት ይርድኣ እንተነበረ፡ በቲ ሕማም ምልካፍ እንታይ ለውጥታት ክትርኢ ከምትኽእል ግና ዝኾነ ኣፋፍኖት ኣይነበራን።

``ንኻልኦት ሕማም መንሽሮ ጡብ ከምዘለወን ምንጋር እንታይ ከምዝመስል እፈልጥ ኢየ`` ኢላ ዶክተር ሊዝ።

ወሲኻ'ውን ``እንተኾነ ስጋብ ክንደይ ሓቦኛን ጸዋርን ክትከውን ከምዘሎካን ኣብቲ ናይ ሆስፒታላት መጸበዪ ቦታታት ተመክሮታትን እትነብዖ ንብዓትን ስጋብ ክንደይ መሪር ከምዝኾነ ኣይፈልጥን ነይረ`` ኢላ።

ምስ ብዓልቤታ ድሕሪ ምምኻር ድማ ነቶም 1,500 ዝኮኑ ናይ ትዊተር ሰዓብታ ብዛዕባ ሕማማ ክትሕብሮም ወሲና።

ብድሕሪኡ ካብቶም ሰዓብቲ ማሕበራዊ መርኸቢታት እዚ ዘይብሃል ናይ ምትብባዕ ምልእኽትታት ተቐቢላ። ብድሕሪኡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካል ናይ ሂወታ ኮይኑ።

``ገለ ሕሙማት ኢዮም ብኸመይ ነቲ ሕማም ክቕበሎ ከምዘሎኒ ዝሓበሩኒ`` ኢላ ዶክተር ሊዝ።

ኣብ እትቕንዘወሉ እዋናት፡ ዋላ ስዓት ሰለስተ ናይ ለይቲ፡ ብውሕዱ ሓደ ዘይደቀሰ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢታት የዕልለካ፡ ቃንዛኻ ድማ ትርስዖ።

ማሕበራዊ መርኸቢታት ምስ ካልኦት በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ናይ ሕክምና ሰብ ሞያ ክትራኸብ ኣኽኢልዋ። ብድሕሪኡ በቲ ሕማም ናይ ዝተጠቕዑ ሰብ ሞያ ሕክምና ናይ ዋትስኣፕ ጉጅለ ኣቚማ።

ዶክተር ሊዝ፡ ድሕሪ እቲ ዝድለ ሕክምና ምርካባ ናብ ስርሓ ትመለስ ድኣ`ምበር፡ ስጋብ ክንደይ በዳሂ ከምዝኸውን ግና ኣይተረደአትን ነይራ።

በቲ ሕማም ስለዝሓለፈት፡ ነቶም ሕሙማት ብዝተፈልየ መንገዲ ክትሕግዞም ምዃና ኢያ ትሓስብ ነይራ፡ እንተኾነ እቲ ኩነታት ከምቲ ዝሓስበቶ ኣይጸንሓን።

``ንሓንቲ ጓልንስተይቲ ናይ ጡብ መንሽሮ ኣለኪ ኢልካ ክትነግራ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ። ሕጂ ክሪኦ ከለኹ፡ ኣነን ብዓልቤተይን ብዛዕባ እቲ ሕማቅ ዜና ምስተሓበረና ከመይ ኢልና ኩርምይ ኢልና ከምዝነብርና ይዝክሮ። ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ`` ኢላ ዶክተር ሊዝ።

ሰሙናዊ ምስ ሕሙማታ ብምርኻብ ምዕባለታት ሕማመን ኣብ ትሕብረሉ እዋን ኣዝያ ትሽገር ከምዝነበርት ዶክተር ሊዝ ትገልጽ።

ኣብ ቀዳማይ ርክበይ፡ ምስ ሓንቲ ልክዕ ከም ናተይ መንሽሮ ዘለዋ ሕምምቲ ተራኺበ። ብዕድመ መሳቱ ኢና፡ እቲ ፍልልይ ናይ ኣስማት ድኣ`ምበር እቲ ታሪኽ ናይቲ ሕማም ሓደ ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ኣብ 2018፡ እታ ዝተቖርጸት ጡባ ብዙሕ ተቐንዝዋ ስለዝነበርት ክትምርመር ምስ ከደት ኣብ ቱሽቱሻ ካልእ ካንሰር ተረኺቡ። እዚ ድማ ኣብቲ እቲ ሓድሽ መንሽሮ ዝተረኽበሉ ቦታ ካልእ ጸርገ-ፍወሳ [ሬድዮቲራፒ] ክትገብር ተገዲዳ።

ድሕሪ እቲ ሬድዮ ቴራፒ ቅልጽማ ብስርዓት ከተንቀሳቕሶ ከምዘይትኽእል ተሓቢርዋ፡ መጥባሕቲ እንተዘየካዪዳ ድማ እቲ መጻኢ ሂወታ ኣዝዩ ጽልሙት ከምዝኸውን`ውን ተሓቢራ።

ውጽኢት ናይቲ ዘካየደቶ መጥባሕቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ኣካላታ ሕበጥን ምጥንናግ ናይ መትንታታን ኣስዒቡ፡ እዚ ድማ ንምንቅስቓስ ቅልጽማን መንኩባን ደሪትዎ። ናይ ቅልጽማ ድልዳለ ድማ ኣጉዲልዎ።

ምስዚ ኹሉ፡ ኣስራሕታ ንኻልእይ ግዜ ናብ ስርሓ ክትምለስ ኩሉ ዝክኣሎም ገይሮም።

እቲ 20 ዓመት ናይ ሂወተይ ዘሕለፍኩሉን ኣካል ናይ ሂወትይ ዝኾነ፡ ብዶክተሬት ድግሪ ዝተመረቕኩሉን ዝፈትዎን ሞያይ ዳግም ክሰርሓሉ ከምዘይክእል ኢዩ ተረዲኡኒ። ብዝኾነ፡ ሓኪም ናይ ኣዕጽምትን ጭዋዳታትን ብምርኣይ ፊዝዮቴራፒ ገይረ ኢላ ዶክተር ሊዝ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ምስቲ ትፈትዎ ናይ መጥባሕቲ ክትሰናበት ወሲና ፡ እቲ ህሞት ኣዝዩ ሞያኣ ከብቅዕ ከምዝኾነ ወሲና። ነቲ ትፈትዎ ሞያኣ ድሓንኩን ክትብሎ ኣዝዩ ከከቢድ ኢዩ ነይሩ።

ካብ ስርሓ ምስተሰናበተት፡ ነቶም በቲ ሕማም ዝሓለፉ ሰባት ናብ ስርሖም ክምለሱ መሰሎም ከምዝኾነ ምኽሪ ትህብ ኣላ።

ብዓልቤታ ሓኪም ስለዝኾነ፡ ``ዕደለኛ`` ኢያ ደሞዝ ዘይክፈሎ ብወለንታ ናይ ምምኻር ስራሕ ክትሰርሕ ብምኽእላ።

ብድሕር`ዚ እቲ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ናይቲ ትሰርሓሉ ዝነበረት ሆስፒታል ናብ ስርሓ ክትምለስ ሓቢርዎ።

ብድኻምን ሓንጎለይ ናብ ንቡር ናይ ስርሓ መንፈስ ንምምላስን ይጽዕት ነይረ ኢላ ዶክተር ሊዝ።

ሓደ ብሕማም መንሽሮ ስሓለፈ ሰብ፡ ብሕጊ ኣካለ ስንኩል ከምዝብሃል ኣይፈልጥን ነይረ፡ ስለዚ ናብ ስራሕ ክምለስ እንተድእ ኮይነ ኣስራሕተይ ኣብቲ ዝሰርሖ ዝነብርኩ ዓይነት ስራሕ ገለ ምትዕርራይ ክገብሩ ኣለዎም ማለት ኢዩ።

ብሰንኪ እቲ ጸርገ-ፍወሳ፡ ጸጉራ ሓጺር ኢያ ተቐምቂማቶ። ብዙሓት መሳርሕታ ድማ ከለልይዋ ኣይከኣሉን።

ብዝኾነ፡ ከም ኣማኻሪት ሓኪም ኣብ ዓመት ካብ 70-100 መንሽሮ ጡብ ዘለወን ደቀንስትዮ ይሕግዝ። በታ ዝደረስኩዋ መጽሓፍን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ከም ኣምባሳደር ናይ ሓንቲ ኣብ ጉዳይ መንሽሮ እትነጥፍ ውድብ ድማ ኣማኢት ወይ`ውን ኣሽሓት ደቀንስትዮ ክሕግዝ ኢየ ኢላ ዶክተር ሊዝ።