እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ገንዘብ ንምርካብ ካንሰር ኣሎኒ ኢላ ዘታለለት ኣውስትራልያዊት ተኸሲሳ
ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ጓልንስተይቲ ብሕማም መንሽሮ [ካንሰር] ትሳቐ ከምዘላ ብምምሳል ካብ ገበርቲ ሰናይ ውልቀሰባት ብዝትገብረላ ወፈያ ኣስታት 39,000 ዶላር ኣሜሪካ ብምርካባ ተኸሲሳ።
ጓል 27 ዓመት ሉሲ ወይላንድ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብሕማም መንሽሮ ትሳቐ ከምዘላ ብምምሳል ከምዘደናገርት ቤት ፍርዲ ታውንስቨይል ተሓቢሩ።
ፖሊስ ከምዝበልዎ፡ ሉሲ ወይላንድ ካብ ገበርቲ ሰናይ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንምርካብ 'ጎፈንድሚ' [ሓግዙኒ] ዝብል ኣብ መርበብ ሓብሬታ ኣካውንት ብምኽፋት ሓገዝ ሓቲታ።
እንተኾነ፡ ሉሲ ውየላንድ ተደናግር ከምዘላ ብህዝቢ ብዝተዋህበ ሓብሬታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝእተወት ፖሊስ ሓቢሮም።
ኣብ መርበብ ኢንስታግራም ዝዘርጋሓቶ ስእልታት፡ ሉሲ ዝተፈላለየ ሕክምናዊ መሳርሒታት እንተላይ ናይ ኦክሲጅን መተንፈሲ ማስኬራን ብእግራ ክትንቀሳቐስ ዝሕግዛ መሳርሕን ክትጥቀም የርኢ።
ካልእ ኣብ ኢንስታግራም ዝጠቃዓቶ ስእልታት ድማ ብሰንኪ`ቲ መንሽሮ ጸጉራ ረጊፉ ዘርእን ፈውሲ ብመትና ክትወስድ ዘርእይን ኢዩ።
ሉሲ ምስቲ ዝዘርግሓቶ ስእልታት ድማ ፡ ጽቡቕ ከምዘይደቀሰትን፡ ናይ ምትንፋስ ጸገማት ከምዝነበራን፡ ንመጀመርያ ግዜ ድማ በተዛማዲ ቃንዛ ከምዘይነበራን ድሕሪ ምግላጽ ዓርካ ኣብ ጥቓኣ ብምህላው ኣብቲ ኢንስታግራም ኣመስጊና።
ሓደ ካብቲ ዝጠቀዓቶ ድማ ትደክም ከምዘላን ንኹሎም እቶም ዝሓገዝዋ ድማ ኣመስጊና።
እቲ ኣብ ኩሉ ዝጠቃዓቶ ስእልታት ኣብ ጎና ዝርአ ዓርካ ሉሲ ተደናግር ከምዘላ ከምዝፈልጥን ዘይፈልጥን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
ሓላፊ ፖሊስ ኲንስላንድ ክሪስ ላውሶንብሓሙስ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ ኢሉ።
``ዝበዝሑ ግዳያት ናይቲ ምድንጋር፡ ማለት እቶም ክሕግዝዋ ዝፈተኑ፡ እቶም ኣብቲ ሉሲ ትነብረሉ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ኢዮም`` ኢሉ ክሪስ ላውሶን።
እንተኾነ ኣባላት እቲ ሕብረተሰብ ኣብቲ ሉሲ ዝዝርገሐቶ ጉዳይ ``ገለ ጸገማት ከምዘለዎ ድሕሪ ምልላዮም`` ምጥርጣራት ኣልዒሉ፡ እዚ ድማ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ክምርምር ገይርዎ ኢሉ ኤቢሲ ናይ ዜና ማዕከን።
ሉሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራባ ጉዳያ ኣብ ታሕሳስ ስጋብ ዝርአ ብዋሕስ ተፋንያ። ፓስፖርታ ከተረክብ ከምዝተእዘዘት ኤቤሲ ሓቢሩ።
እቲ 'ጎፈንድሚ' ዝብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝርከብ ትካል፡ ፖሊስ ኣብ ዝገብርዎ መርመራ ይተሓጋገዝ ከምዘሎ ኣብዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
'ጎፈንድሚ' ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሉሲ ካብ ተጠቃምነት እቲ መርበብ ሓበሬታ ``ከምዝተኣገደትን ኩሎም እቶም ዝወፈዩ ገበርቲ ሰናይ ሰባት ድማ ገንዘቦም ከምዝምልሰሎም`` ገሊጹ።