እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዓልቲ ቤቱ ንዝነበረት 'ብሎገር'፡ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ እንከላ ብሓዊ ዘቃጸለ ቻይናዊ፡ ብሞት ተቐጺዑ
በዓልቲ ቤቱ ንዝነበረት 'ብሎገር'፡ ኣብ ቀጥታዊ ፈነወ ቪድዮ እንከላ ብሓዊ ኣቃጺሉ ዝቐተለ ቻይናዊ፡ ብሞት ተቐጺዑ።
እታ ላሙ ብዝብል ስም ትፍለጥ ግዳይ፡ ኣብቲ 'ዲወዩን' ዝበሃለ ቻይናውያን ዝጥቐምሉ ዓይነት ቲክቶክ ኣዝያ ፍልጥቲ ዝነበረት ውልቀ ሰብ’ያ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ሰዓብቲ ከምዝነበርዋ’ውን ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ላሙ ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም መጥቃዕቲታት ኣቓልቦ ንኽረክብ ኣኽኢልዎ’ዩ።
ሓደ ኣብ ቻይና ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሓደ ርብዒ ካብ ቻይናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛአን በደላት ከምዝፍጸመን የርኢ።
ኣደ ክልተ ውሉዳት ዝነበረት ላሙ፡ ምስ ቀታሊኣ ኣብ ሓዳር ኣብ ዝነበሩሉ፡ ነቲ በዓልቤታ ዘውርደላ ዝነበረ በደላት ናብ ፖሊስ’ኳ እንተ ኣመልከተት፡ ጉዳይ ስድራ እዩ እናተባህለ ጥርዓና ብተደጋጋሚ ይንጸግ ነይሩ’ዩ።
እቲ ታንግ ሉ ዝተበሃለ በዓል ቤታ ነበርን ቀታሊኣን፡ ንሞት ኣብ ዝተፈረደሉ፡ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ዝፈጸሞ ገበን “ኣዝዩ ጭካነ ዘለዎን ኣዝዩ ኣሰቓቕን” ምዃኑ ብምግላጽ’ዩ ብሞት ክቕጻዕ ወሲኑ።
ቤት ፍርዲ፡ ክልቲኦም ኣብ ሰነ 2020 ከም ዝተፋትሑ፡ ኣብ ልዕሊኣ በደላት ይፍጽም ምንባሩን ኣመልኪቱ።
ድሕሪ ፍትሖም ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ላሙ ኣብ መንበሪ ገዛ ኣቦኣ እንከላ በንዚን ኣብ ዝባና ብምኽዓው ብሓዊ ኣቃጺልዋ። 90 ሚእታዊት ኣካላታ በቲ ሓደጋ ስለዝተሃስየ፡ ንኽልተ ሳምንታት ኣብ ሆስፒታል ክንክን ተገይሩላ ክትድሕን ግን ኣይከኣለትን።
እቲ ጉዳይ ኣብ መላእ ቻይና ቍጠዐ ከለዓዕል እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም በደላት ግቡእ ኣቓልቦ ንኽውሃቦ ድርኺት ክፈጥር ክኢሉ እዩ።
ኣሽሓት ስዓብቲ ላሙ፡ ኣብቲ ዳውዩን ዝበሃል ማሕበራዊ ሜድያ ሓዘኖም ገሊጾም።
ቻይና ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ በደላት፡ ገበን’ዩ ኢላ’ኳ እንተደንገገት፡ ኣብ ገጠራት ቻይና ግን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም በደላት ገና ብስፍሓት ይዝውተር ምህላው ይፍለጥ።