"መርዓት ትግረ ንሸውዓተ መዓልቲ ማእሲ ኣንጺፋ እያ እትድቅስ"

ጉጅለ ባህሊ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሃገራዊ ኤክስፖ ኤርትራ፡ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ንዋት ሒዛ ቀሪባ። ብፍላይ ናይ መርዓት ገዛ ዝያዳ ቀልብና ስሒብዎ ኣሎ።

ብባህሊ ትግረ፡ መርዓት ድሕሪ መርዓኣ፡ ሓደ ዓመት ናብ ስራሕ ኣይትወፍርን።