ቐጠር፡ ብሰንኪ ደሞዝ ተቓውሞ ዘስምዑ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ተባርር ኣላ

ቐጠር ዝመጽእ ሕዳር ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ብሰንኪ ዘይተኸፍለ ደሞዝ ተቓውሞ ዘስምዑ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ካብ ሃገራ ኣባሪራቶም።

ብውሑዱ 60 ሰራሕተኛታት፡ ብ14 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ኣብያተ ጽሕፈት ኣል ባንዳሪ ኢንተርናሽናል ግሩፕ ወጺኦም - ገሊኦም ን7 ኣዋርሕ ደሞዞም ከምዘይተኸፍሉ ተቓውሞ ኣስሚዖም።

በዝሖም ክንደይ ምዃኖም'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ተኣሲሮም፡ ገሊኦም ድማ ካብታ ሃገር ተሰጒጎም ኣለዉ።

መንግስቲ ቐጠር፡ እቶም ካብታ ሃገር ዝተሰጎጉ፡ "ሕግታት ጸጥታ ጥሒሶም" ክብል ገሊጹ።

ቐጠር ኣብ 2010 ዋንጫ ዓለም ክተዳሉ ካብ እትሕረ ንደሓር - ኣብ መላእ ሃገር ማዕበል ህንጸት ስታድዩማትን ትሕተ ቕርጽን ዘበገሰት ኰይና፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ።

ኣልባንዳሪ ኢንተርናሽናል ግሩፕ፡ ብቐንዱ ኩባንያ ህንጻን ምህንድስናን እዩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ንጥፈታት ምድላው ዋንጫ ዓለም ተሳቲፎም ድዮም ኣይኮኑን ዘይተፈልጠ ኮይኑ፡ ኣዳላዊት ኮሚተ፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።

መንግስቲ ቐጠር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ ኣብቲ ኣብ ዶውሓ ዝተወለዐ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት፡ ሕግታት ህዝባዊ ድሕነት ብምጥሓሶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጹ።

ውሑዳት ካብቶም "ሰላማዊ ኰይኖም ክቕጽሉ ዘይከኣሉ" ምስጓግ ከምዘጋጥሞም ክፍለጥ እንከሎ፡ ገለ ገለ ድሮ ካብታ ሃገር ወጺኦም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ።

መንግስቲ ቐጠር፡ ነቶም ዝተበደሉ ሰራሕተኛታት፡ ዝተደናጐየ ደሞዝን ጥቕምታትን ከምዝኸፍሎም ገሊጹ ኣሎ።

ኩባንያ ኣልባንዳሪ፡ ንሰራሕተኛታቱ ደመወዝ ብዘይምኽፋሉ መርመራ ይካየደሉ ከምዘሎን፡ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝተዋህበ ገደብ ግዜ ድሕሪ ምሕላፉ ድማ፡ተወሳኺ ስጒምቲ ይውሰድ ከምዘሎን መንግስቲ ገሊጹ።

ጉዳይ እቶም ሰራሕተኛታት፡ ኢኲደም ብዝተባህለ ኣብ መሰላት ዕዮ ዝነጥፍ ትካል ሰብኣዊ መሰላት እዩ ቆላሕታ ረኺቡ።

ሓላፊ እቲ ትካል፡ ሙስጠፋ ቓድሪ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኩላት ዲና ብቐጠርን ፊፋን ተታሊልና?" ክብል ሓቲቱ።

"ኣብ ቐጠር፡ ኣብታ ሰባት ሓሳቦም ብምግላጾም ትቐጽዕ ሃገር፡ ዋንጫ ዓለም ምክያድ ሞራላዊ ጸገም ከምዘየለ ክነግሩና ጸኒሖም'ዮም"።

እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ሰራሕተኛታት ካብ ባንግላድሽ፡ ህንዲ፡ ኔፓል፡ ግብጺን ፊሊፒንስን ከምዝኾኑ ሚስተር ቓድሪ ገሊጹ።

ምስ ብዙሓት ካብቶም ሰራሕተኛታት ርክብ ዘለዎ ሚስተር ቓድሪ፡ ገለ ኣባላት ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ውዑይ ኩነታት ኣየር ከምዚ ኣድማ ክገብሩ እንተኽኢሎም፡ ንሳቶም'ውን ብዘይ መዝሐሊ ኣየር ክድቅሱ ከምዝኽእሉ ከምዝነገርዎም ገሊጹ።

ሚስተር ቓድሪ ወሲኹ፡ "እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ 42 ዲግሪ ዝውዒ ቦታ ተቓውሞ ከስምዑ ምኽኣሎም፡ ክሳብ ክንደየናይ ተስፋ ቈሪጾም ከምዘለዉ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ኣይኮኑን፡ ንጉልበቶም ጥራይ እዮም ክኽፈሉ ዝደልዩ" ኢሉ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ቢቢሲ ዓረብ፡ ቐጠር ብሰንኪ ሙቐት ዝሞቱ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት በዝሖም ነክያ ትሕብር ከምዘላ ዝገልጽ ክስታት ኣቕሪቡ ነይሩ።

ዓለምለኸ ትካል ኩዕሶ እግሪ - ፊፋ፡ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ዘጋጠሞም ስደተኛ ሰራሕተኛታት ብውሑዱ 440 ሚልዮን ዶላር (350 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ማዕከን ካሕሳ ከቕውም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ተነጊርዎ ነይሩ።

ወሃቢ ቓል ኣሰናዳኢት ኮሚተ ዋንጫ ዓለም ቐጠር፡ ብዛዕባ ኣልባንዳሪ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን። ጒጅለ ኣልባንዳሪ'ውን ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ርእይቶ ወይ መልሲ ኣይሃበን።

መንግስቲ ቐጠር፡ 96% ካብቶም ሕጋዊ ሰራሕተኛታት በቲ ዘሎ ስርዓተ ደሞዝ ዝኽፈሉ ምዃኖምን እዚ ድማ ካብቲ ደሞዝ ዝወሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ብመንገዲ ባንክታት ቐጠር ከኸፍሉ ዘገድድ ምዃኑን፡ ኣብቲ መስርሕ ዘሎ ሃጓፍ ድማ ይእለ ከምዘሎ ገሊጹ።