ንኒያንደርታልስ ዘጽነቶም ጐንጺ ዶ ጾታዊ ርክብ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኒያንደርታልስ ምስ ሆሞ ሳፒየንስ ምድቓሎም ኣብ ምጽናት ኒያንደርታልስ ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
እዚ ንብዝሒ ንሓድሕዶም ዝዋሰቡ ኒያንደርታልስ ክውሕድን ንዕኡ ስዒቡ ድማ ናብ ምጽናት ከምርሑ ከም ዝገብረ፡ እቲ ኣብ መጽሄት ፓለኦ ኣንትሮፖሎጂ ዝተሓትመ ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር።
"እቲ ንነዊሕ እዋን ዓብላሊ ኮይኑ ዝጸንሐ ክልሰ ሓሳብ፡ ኣብ ሞንጎ ሆሞ ሳፒየንስን ኒያንደርታልን ንጸጋታት ዝግበር ንሕንሕ ነይሩ ዝብል'ዩ” ክትብል ዶክተር ሉሲል ክሬት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ ዶክተር ክሬት ምስ ፕሮፌሰር ክሪስ ስትሪንገር ዝተባህለ መሪሕ ተመራማሪ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ለንደን ብሓባር ዘካየድዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ንጂን ኒያንደርታልስ ዘዳኸመ፡ ጐንጺ ዘይኮነስ ምትሕውዋስ ህዝቢ ምዃኑ ይሕብር።
ፕሮፌሰር ስትሪንገር፡ "እዚ ባህሪ ኒያንደርታልስ ብቐጻሊ ምስ ሆሞ ሳፒየንስ ይዋሰቡ እንተኔሮም፡ ንምጽናት እቶም ዓሌም ደሪኹ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ እቲ ህዝቢ ጠቕሊሉ ክሳዕ ዝጠፍእ ብዝሒ ህዝቦም ባሕጒጕ ይኸውን እዩ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪብና ኢና" ይብል።
ዲኤንኤ ኒያንደርታልስ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብህይወት ኣብ ዘሎ ሰብ ክርከብ ይኽእል እዩ።
እዚ እንተላይ ኣብቶም ኣቦታቶም ምስዚ ጉጅለ ብቐጥታ ዘይራኸቡ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ሰባት ይርከብ።
ኒያንደርታልን ሆሞ ሳፒየንስን ቅድሚ ኣስታት 600 ሽሕ ዓመታት ካብ ንሓድሕዶም ድሕሪ ምፍልላይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝፈለቑ እዮም።
ሆሞ ሳፒየንስ ኣብ ኣፍሪቃ ክፈልቁ እንከለው፡ ኒያንደርታል ድማ ኣብ ኤውሮጳን እስያን ይነብሩ ነይሮም።
ናይ ቀረባ እዋን ርኽበታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሆሞ ሳፒየንስ ቅድሚ 50 ሽሕ ወይ 60 ሽሕ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ ነይሮም።
እዚ ማለት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሰብናዮ ኣዝዩ ዝነውሐ ግዜ ምስ ኒያንደርታል ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ’ዮም ክትብል ዶክተር ክሬት ገሊጻ።
ክልቲኦም ከም ዝተዳቐሉ ብኸመይ ንፈልጥ?
ሕነተ-ሰረት ኒያንደርታል፡ ኣብ ሕረተ-ሰረት ሆሞ ሳፒየንስ እኳ እንተተረኸቡ፡ ብኣንጻሩ ሕነተ-ሰረት ሆሞ ሳፒየንስ ኣብ ሕነተ-ሰረት ኒያንደርታል ኣይተረኸበን።
ኣብዚ "ናይ ጂን ምልውዋጥ ዘሎ ይመስል፤ ግን ብሓደ ሸነኽ ጥራይ’ዩ" ትብል ዶክተር ክሬት።
ክልቲኦም ዓሌታት ከም ዝተዳቐሉ ይፍለጥ’ዩ፤ ብፍላይ ኣስታት 2 ሚኢታዊት ሕነተ-ሰረት ካብ ኣፍሪቃ ወጻእ ዝተወለዱ ሰባት ካብ ኒያንደርታል ዝመጽአ እዩ።
ዶክተር ክሬትን ዶክተር ስትሪንገርን ግን ብዛዕባ እቶም ክሳብ ሕጂ ዝተረኽቡ 32 ሕነተ-ሰረት ኒያንደርታልስን መስርዖምን ብምምርማር፡ ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ርኢዮምዎ።
ክልቲኦም ተመራመርቲ፡ ምድቓል ዕዉት ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብቲ ዝራባሕ ዝነበረ ጽምዲ ከም ዝምርኮስ ይሕብሩ።
"ግን ነዚ ብኸመይ ከም እንገልጾ ኣይንፈልጥን ኢና። ብሰንኪ እቲ ዘለና ዳታ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ወይ ድማ ምድቓል (መስርሕ ምትሕውዋስ ክልተ ዘርኢ) ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣገባብ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል ዶክተር ክሬት።
"ንገለ ዓይነታት ኣዕዋፍን መጥበውትን፡ ምድቓል ሓሓሊፉ ብኽልቲኡ መንገዲ ኣይሰርሕን'ዩ፤ ሓደ ዓይነት ኣዕዋፍ ፍርያም ዘርኢ ንምፍራይ ከጸግሞም ይኽእል'ዩ።"
ዶክተር ክሬት፡ ኣብ መጻኢ ተወሳኺ ቅሪተ-ኣካላት ኒያንደርታል ክትረክብን ኣብኡ ዝምርኰስ ትንታነ ክትህብን ተስፋ ትገብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጾታዊ ርክባት
ካልእ ዶክተር ክሬትን ዶክተር ስትሪንገርን ኣብ መጽናዕቶም ዘቕረብዎ ክልሰ-ሓሳብ፡ ኩሉ ኣብ ሞንጐ ሆሞ ሳፒየንስን ኒያንደርታልስን ዝተፈጸመ ጾታዊ ርክባት ብስምምዕ ዝተፈጸመ ክኸውን ኣይክእልን ዝብል እዩ።
"ምናልባት ሆሞ ሳፒየንስ ደቂ ኣንስትዮ ንምርካብ ይወጽኡ ነይሮም ወይ ብኣንጻሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ናይቲ ካልእ ጉጅለ ፈረይቲ ዝዀና ንምርካብ ክኣ ሓይሊ ተጠቒሞም ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም” ትብል ዶክተር ክሬት።
ከምዚ ዓይነት ባህሪ ኣብ ገለ ቺምፓንዚታት እውን ክርአ ከም ዝኽእል ትገልጽ።
"ተባዕትዮ ኣብ ጉጅለኦም እኹል ንመፍረ ዝኾና ኣንስትዮ እንተዘይሃልየን፡ ዘርኦም ንምቕጻል ናብቲ ካልእ ጉጅለ ከይዶም ክሰርቁ ይኽእሉ እዮም” ኢላ።
ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት ግን ብሓቂ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ኒያንደርታልን ሆሞ ሳፒየንስን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ብምንባሮም ንሓድሕዶም ምርድዳእ ቀሊል ኣይነበረን ኢሎም ይኣምኑ።
"ምናልባት ሓደ ዓይነት ድምጺ ከውጽኡ ኣይክእሉን፣ ሓደ ዓይነት ርቱእ ዘረባ ኣይነበሮምን፡ ሓንጎሎም’ውን ዝተፈላለየ ኣቃውማ’ዩ ነይሩዎ” ክትብል ዶክተር ክሬት ተረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣካላዊ መልክዖም እውን ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ።
ዶክተር ክሬት ከም እትብሎ፡ "ኒያንደርታል ኣዝዮም ጽኑዓት፣ ድልዱልን ሃጺርን ቅልጽምን ኣእጋርን ኣብ ልዕሊ ኣዒንቶም ብፍሉይ ጐሊሑ ዝረአ ጤረር ዝነበሮን እዮም ነይሮም"።
ይኹን እምበር፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኒያንደርታል ክሳብ ክንደይ ዝተፈላለዩ ምንባሮም ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን።
"መብዛሕትኡ ግዜ ኣዕጽምቲ፡ ተበታቲኖምን ተሰባቢኖምን ስለ ዝርከቡ፡ ክልቲኦም ንምንጽጻርን ኣብ ሞንግኦም ዘሎ ፍልልይ ንምግማትን ዝክኣል ኣይኰነን።
ነዚ ዝምልከት፡ ብዙሕ ዘይፍለጥ ነገራት እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ መጻኢ ክህሉ ዝኽእል ርኽበታት ዝምልከት ተስፋታት ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







