ሊብያ፡ ሰልፈኛታት ንመንበሪ ከንቲባ ኣቃጺሎም

ዝቃጸል መንበሪ ገዛ
መግለጺ ስእሊ, መንበሪ ከንቲባ ከተማ ደርና ብሓዊ እንትነድድ

ኣብታ ብሓደጋ ውሕጅ ኣሻሓት ዝሞቱላን ሃለዋቶም ዝጠፍኡላን ሊብያዊት ከተማ ደርና፡ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ መብርሂ ንምሕታት ዝወጹ ሰልፈኛታት ንመንበሪ ገዛ ከንቲባ እታ ከተማ ኣቃጺሎም።

ሰኑይ ምሸት ኣብ ፍሉጥ መስጊድ እታ ከተማ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ምብራቓዊ ሊብያ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ክሓቱ ተሰሚዖም።

ቤት ምኽሪ ከተማ ደርና ኣብዚ እዋን ፈሪሱ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ዝተቛረጸ ኮይኑ፡ ጋዜጠኛታት ካብታ ከተማ ክወጹ ተኣዚዞም።

ክልተ ዝኣረጉ ግድባት ምፍራሶም ስዒቡ ነታ ከተማ ዘዕለቕለቐ ውሕጅ ደሃይ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣጥፊኡ።

በዝሒ በቲ ሓደጋ ምሟቶም ዝተረጋገጸ ሰባት ዝምልከት ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት ዝወጹ ዘለዉ ኮይኖም ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 4 ሽሕ ከምዝኾኑ ይገልጽ።

ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኾ ሓደ ጉጅለ ኣብዚ እዋን ናብ ከተማ ደርና ከይኣቲ ተኸልኪሉ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ደርና ዝሰርሑ ዘለዉ ጉጅለታት ህይወት ምድሓን፣ ሕክምናን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ንጥፈታቶም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ዝገለጸት ሓላፊት ምውህሃድ ሰብኣዊ ሓገዝ ኦቻ፡ ናጅዋ ማኪ፡ “ካብ ቤንጋዚ ናብ ደርና ንምጋሽ ተዳልዩ ዝነበረ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ግን ክሓልፍ ፍቓድ ኣይተውሃቦን” ክትብል ንሮይተርስ ተዛሪባ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በቲ ሓደጋ ዝተቖጥዑ ነበርቲ ንመንበሪ ገዛ ከንቲባ ደርና ዓብዱልመናም ኣል-ግሃይቲ፡ መውጽኢ ሕርቃኖም ገይሮምዎ።

ሰብመዚ እኹል መጠንቀቕታ ከምዘይሃብዎም ዝዛረቡ እቶም ነበርቲ፡ ከቢድ ዝናብ ይመጽእ ምህላዉ ክፈልጡ ነይርዎም ይብሉ።

ኣብ ክንዲ ካብቲ ከባቢ ዝርሕቑ ኣብ ገዛኹም ኩኑ ከምዝተብሃሉ እዮም ዝዛረቡ፤ ሰብ መዚ ግን ነዚ ክሲ ይነጽጉ።

ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሐ ሙዓመር ጋዳፊ ካብ ዝውገድ ንደሓር እታ ሃገር ስልጣን ንምሓዝ ብዝግበሩ ጎንጺታት እትሕመስ ዘላ ኮይና ኣብዚ እዋን ሓደ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ማእከሉ ትሪፖሊ ዝገበረን ካልእ ብሓይልታት ጀነራል ከሊፋ ሃፍጣር ዝድገፍ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝቖመን መንግስታት ኣለዉዋ።

ጀነራል ሃፍጣር እቲ ሓደጋ ተፈጥሮኣዊ ከምዝኾነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሊብያውያን ግና እቲ ሓደጋ ብድኽመት ናይቲ ምብራቓዊ መንግስቲ ከምዘጋጠመ እዮም ዝኣምኑ።

ኣብ ሆስፒታል በንጋዚ ዝደቀሰ ወዲ 48 ዓመት ዓብዱልቃድር ኣል-አምራኒ፡ ንሱን ኣብ ጥቓ እቶም ግድባት ዝነበሩ ካልኦት ሰባትን ቅድሚ ክልተ ዓመት ማይ ካብቶም ግድባት ክልሑኽ ብምርኣዮም “ንምምሕዳር ኣጠንቂቕናን ክጽገን ሓቲትናን ኔርና” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

“ሐዚ ብፍቓዶም ናትና ሞት ርእዮም ኣለዉ።”

ጎንጽን ድኹም ጽገና ግድብን፡ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ናብ ሰብኣዊ ሓደጋ ከምዝቐየርዎ ዝገልጹ ተመራመርቲ ብወገኖም፡ ምኽንያት ናይቲ ልዕሊ ፍርቂ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዝወረደ ዝናብ፡ ንጥፈታት ደቂ ሰብ ዘስዓቦ ክሊማዊ ዋዒ እዩ ኢሎም።

እቲ ሰልፊ ምስተኻየደ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ሚኒስተር ምብራቓዊ ሊብያ፡ ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ኣተዓናቒፎም ብምባል ኩሎም ጋዜጠኛታት ካብ ከተማ ደርና ክወጽኡ ከምዝተነገሮም ኣፍሊጡ።

ገለ ጋዜጠኛታት ግና ኮነ ተባሂሉ ድምጺ ነበርቲ ንምዕፋን ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ንሓድሕዶም ክዋግኡ ዝጸንሑ ሚልሻታት ሊብያን ወለንተኛታትን ምግቢ፣ ማይ መድሓኒትን ዝሓዛ ናይ ውልቀኦም መኪና እንተይተረፋ ይልእኹ ኣለዉ።

ኮይኑ ግና ኣብታ ሃገር ቅልውላው ጥዕና ከጋጥም ከምዝኽእል ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ስግኣቶም ይገልጹ።