ዳዊት የማነ ኣምበሳ ዓቐብ ዙር ኣልጀርያ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ

ኣብ ዙር ኣልጀርያ ኣምበሳ ዓቐብ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዳዊት የማነ

ምንጪ ስእሊ, DY

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዙር ኣልጀርያ ኣምበሳ ዓቐብ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛዘመ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዳዊት የማነ

ኣብቲ ካብ 7 መጋቢት 2023 ጀሚሩ ትሽዓተ መድረኻትን ሓንቲ ፕሮሎግን ብምክያድ ሎሚ ዝተዛዘመ ዙር ኣልጀርያ 2023 ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዳዊት የማነ ኣምበሳ ዓቐበት ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ብዘይካ’ዚ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣኽሊሉ ገብረህይወት ኣብ ብጫ ማልያ ካብቲ ወናኒ ብጫ ማልያ እዚ ውድድር ኰይኑ ዝዛዘመ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኒሰ ሜትሮፖል ኮት ዲ ኣዙሪ ፖል ሀነኵን ብ4 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ መበል ሳልሳይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ቻምፕዮን ኤርትራ 2021 ከምኡ ኸኣ ቻምፕዮን ዙር ሳይበርያ 2022 ዳዊት የማነ ነታ ማልያ ኣምበሳ ዓቐበት ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሒዝዋ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ’ኳ ተመንጢሉ እንተነበረ፡ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዳግማይ ምስ ተረከባ ክብሩ ከየድፈረ’ዩ ክሳብ መወዳእታ ክዕቕባ ክኢሉ።

ዳዊት የማን ንኣንበሳ ዓቐብ 26 ነጥቢ ብምውህላል ክዕወተላ እንከሎ ተቐዳደማይ ጋንታ ትረንጋኑ ፖሊጎን መትከል እዮብ ብ23 ነጥቢ ሳልሳይ ንምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ብጫ ማልያ ናትናኤል ብርሃን ካብ ቀዳማይ ብ8 ደቒቕን 17 ካልኢትን ድሒሩ መበል 17፡ መትከል እዮብ መበል 19፡ ዳዊት የማነ መበል 20፡ ናሆም መኮነን መበል 25፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት መበል 27 ጳውሎስ ገብረሚካኤል ከኣ መበል 38 ኰይኖም ዛዚሞም።

ብነጥቢ ኣብ እትውሃብ ቀጣልያ ማልያ 10 ነጥቢ ዘዋህለለ መትከል እዮብ መበል 10፡ ናሆም መኮነን ብ9 ነጥቢ መበል 12፡ ዳዊት የማነ ብ8 ነጥቢ መበል 13፡ ናትናኤል ብርሃን ብ7 ነጥቢ መበል 16 ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ጳውሎስ ገብረሚካኤልን ከኣ ክልቲኦም ብ5 ነጥቢ መበል 21 ከምኡ ኸኣ 22 ወጺኦም።

ብነጥቢ ንእትውሃብ ቀጠልያ ማልያ ኣልጀርያዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ማዳር ያሲን ሓምዛ ብ57 ነጥቢ ተዓዊትላ።

ኣልጀርያዊት ክለብ ማጅድ ኢል ጉየረራ ንውድድራ ብ80 ሰዓት 10 ደቒቕን 50 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይቲ ክትከውን እንከላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ቀዳመይቲ ብ13 ደቒቕን 45 ካልኢት ድሒራ መበል ሓሙሸይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ዓስራይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ናሆም መኮነን ንኣልጀርያዊ ዮሱፍ ረጉጊን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትራቪስ ስተድማንን ተኸቲሉ ሳልሳይ ኮይኑ’ዩ ኣትዩ።

ካብ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ናሆም መኮነን ሓሙሻይ፡ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ኣኽሊሉ ገብረህይወት ሓሙሻይ፡ ኣብ ሻዱሻይ መድረኽ ናትናኤል ብርሃነ ሳልሳይ፡ መትከል እዮብ ሓሙሻይ፡ ኣኽሊሉ ገብረህይወት ዓስራይ፡ ኣብ ታሽዓይ መድረኽ ናሆም መኮነን ዓስራይ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ናይ 2.2 መዐቐኒ ዘለዎ ዙር ኣልጀርያ ብሓፈሻ 16 ጋንታት ክሳተፈኦ እንከለዋ፡ ብደረጃ ሃገር ኤርትራ፡ ኣልጀርያ፡ ቱኒዝያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን ኸኣ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፈን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኣሰልጣኒ ዩናስ ዘካርያስ እናተኣልየት ሽዱሽተ ተጻወተቲ ሒዛ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እንከላ፡ ምስ ክለብ ትራንጋኑ ፖሊጎን ዝወዳደር መትከል እዮብን ምስ ቱርካዊት ክለብ በይኮዝ ዝወዳደር ናትናኤል ብርሃን’ውን መምስ ክለባቶም ብምኻን ኣብዚ ውድድር ተሳቲፎም።

ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2012 ንዙር ኣልጀርያ ተዓዊትሉ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2012 ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ ብጫ ማልያ ነታ ንዝበለጸ መንእሰይ ትውሃብ ማልያ’ውን ክውንና ክኢሉ ነይሩ’ዩ።

ናትናኤል ብርሃን ኣብ 2011’ውን ኣብ ዙር ኣልጀርያ ተሳቲፉ ንሳልሰይቲ መድረኽ’ውን ተዓዊትላ ነይሩ’ዩ።

መኽሰብ ደበሳይ'ውን ንዙር ኣልጀርያ ኣብ 2014 ተዓዊትሉ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ፡ መኽሰብ ደበሳይ ኣብቲ ዓጠዕ ንብጫ ማልያን ነታ ብነጥቢ ተውሃብ ቀጠልያን ማልያን'ዩ ተዓዊትለን።

ኣብቲ ካብ 7 ክሳብ 16 መጋቢት ዝተኻየደ ዙር ኣልጀርያ ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ 1127.3 ኪሎሜተር’ዮም ሸፊኖም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ኣልጀርያ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታትን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ክለባት ብምዃን 32 ኣልጀርያውያን ክሳተፉ እንከለዉ፡ ኤርትራ 8 ተቐዳደምቲ ብምስታፍ ኣብ ካልኣይ ተሰሪዓ።