እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እቲ ዝኸፍአ መንሽሮ ጡብ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ የጥቅዕ
ኣብ ኣሜሪካ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ እቲ ዝበርትዐ መንሽሮ ጡብ ንኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ከምዘጥቅዕ የመልክት።
ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ሕክምናዊ ምርምራት ክሳተፋ፡ ተኽእሎታት ምድሓን ንምምሕያሽ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ኣንፈት ዝህብ ምዃኑ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ገሊጾም።
ኣብ ኒውዮርክ ትነብር ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓል 53 ዓመት ላቨርነ ፋውንትሮይ፡ “ቅድሚ ሕጂ ምስ መንሽሮ ጡብ ዝተሓሓዝ ዝዀነ ፍርሒ ኣይነበረንን” ትብል።
ላቨርነ ኣዝዩ ምቹእ ዝዀነ ናብራ እያ ተሕልፍ፡ ብጥዕናኣ ስለትግደስ’ውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ተዘውትር’ያ፡ ኣመጋግባኣ’ውን ኣዝዩ ጥንቁቕ’ዩ።
እንተዀነ ኣብ ጥሪ፡ ገለ ምልክታት መንሽሮ ክርኣያ ጀሚሩ።
“ሕክምና ምስ ከድኩ መንሽሮ ጡብ ከምዘለኒ ተነጊርኒ”
ላቨርነ፡ “ኣነ ካብ ዝፈልጦም መንሽሮ ኣለኩም ዝተበሃሉ ሰባት መብዛሕትኦም ሞይቶም’ዮም፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣዝየ ሰጊአን ፈሪሐን” ኢላ።
ላቨርነ እቲ ብዙሕ ዘይርኣይን ቀልጢፉ ዘስፋሕፍሕን፡ ‘ትሪፕል ነጋቲቭ ብረስት ካንሰር [TNBC]’ ዝተበሃለ ዓይነት መንሽሮ ከምዘለዋ’ዩ ተነጊርዋ።
በዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ዝተታሕዛ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዋላ ሕክምና ምስ ገበራ፡ እቲ ሕማም ተመሊሱ ስለዝመጽአን ናይ ምንባር ዕድለን ዝተሓተ’ዩ።
እዚ ሕማም እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ትሕቲ 40 ዝዕድመአን ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ኰይኑ፡ እተን ዝበዝሓ በዚ ዓይነት መንሽሮ ዝጥቀዓ ኸኣ ጸለምቲ ከምዝዀና እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ።
ብዘይካ'ዚ ካብተን በዚ ከምዚ ዓይነት መንሽሮ ዝተጠቕዓ ጸለምቲ ደቂኣንስትዮ ምስ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ብምውድዳር ናይ ምማት ዕድለን ብ28 ሚእታዊት ከምዝዛይድ እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይገልጽ።
ካብዚ ብምብጋስ እዚ TNBC ዝተበሃለ ዓይነት መንሽሮ ጡብ ዝያዳ ነተን ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘጥቅዕን ከምዝቐትልን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።
ኵነታት ጡብክን ብኸመይ ክትፈልጣ ትኽእላ?
- ብውሕዱ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ጡብክን ብደቂቕ ፈትሻኦ
- እቲ ዝበለጸ ግዜ እናተሓጸብክን እንከለኽን ኢድክን ብሳምና ኣዕፊርክን ንጡብክን ዳህስሳኦ
- ንጡብክን ኣብ መስትያት ዝዀነ ሕበጥ፡ ሕብሩ ዝቐየረ ቆርበት ወይ ዘይንቡር ሕብሪ ዝሓዘ ጫፍ ጡብ ከይህልዎ ኣስተብሂልክን ርኣያኦ
- ከባቢ ቱሽቱሽክን ዘይንቡር ሕበጥን ቃናዛ ዝገብር ጽክታታን ገይሩ ከይህሉ ፈትሻኦ
- ጎራዙ ንመጀመርታ ጡብ ኣብ ዘውጽኣሉ፡ ዝያዳ ምክትታል ከምዘድልየን ዘይምርሳዕ፤ እቲ ሕበጥ ናይ ብሓቒ ጡብ ድዩ ምርግጋጽ የድሊ
- ምትራር ጡብ ምስ ወርሓዊ ጽግያት ስለዝፈላለ፡ እቲ ትሪ ድሕሪ ወርሓዊ ጽግያት ንወርሒ ከይነከየ እንተቐጺሉ፡ ናብ ሓኪም ምኻድ የድሊ
- ኣብ ዓሌትኪ ብመንሽሮ ጡብ ሓሚመን ዝፈልጣ እንተሃልየን ሕተቲ፣ ካብ ናይ ኣቦኽን ኣደኽን ዓሌት ቅድሚ ሕጂ ብመንሽሮ ጡብ ዝሓመማ እንተሃልየን ዝያዳ ምስትብሃል ከምዘድሊ ዘይምርሳዕ
ዶክተር ሊዛ ኒውማን ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ በዓልቲ ሞያ ኰይና፡ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ንሕማም መንሽሮ ኣመልኪታ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ኣፍሪቃ መጽናዕትታት ከተካይድ ጸኒሓ።
እቲ TNBC ዝተበሃለ ዓይነት መንሽሮ ጡን ኣብ ከም ጋና ዝኣመሰላ ሃገራት ምዕራብ ትሕተ ሳህራ ኣዝዩ ግኑን ምዃኑ ዶክተር ሊዛ ትገልጽ።
እታ ዶክተር፡ እቲ ምኽንያት ምስ ግዜ ኣብ ወለዶታት ናይቲ ከባቢ ንኸም ዓሶ ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብቐሊሉ ከይጥቀዓ ዝኽእላሉ ነገር ኣማዕቢለን ክዀና ከምዝኽላ ግምታ ተቐምጥ።
ዶክተር ሊዛ ኒውማን እዚ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ብዛዕባ TNBC ዝያዳ ንኽፍለጥ ሓጋዚ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።
“እዚ መጽናዕቲ እዚ TNBC ዝተበሃለ መንሽሮ ጡብ ምስ ዓሌትን ወለዶታትን ዘለዎ ምትእስሳር ክንርዳእ ኣኽኢሉና’ዩ”
ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘካየድዎ እትሕብር ዶክተር ሊዛ ኒውማን፡ “እተን ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለወን ኣሜሪካውያን ዝያዳ በዚ ሕማም ከምዝጥቅዓ ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና።”
ዶክተር ሊዛ ኣስዒባ፡ “ካብ ኵሉ ዓሌታት መጽናዕቲ ከይገበርካ ናብ ከምዚ መደምደምታ ምብጻሕ ከምዘይክኣል ስለዝተረዳእና ኢና እቲ መጽናዕቲ ንዅለን ዓሌታት ከምዝሓቍፍ ክንገብሮ ክኢልና፡ ኣብዚ ዋላ ኣብ ገለ ሃገራት ዘሎ ትሑት ሕክምናዊ ኣገልግሎታት’ውን ኣብ ግምት ኣእቲናዮ ኢና”
ዶክተር ሊዛ ትዕዝብታ ከተካፍል እንከላ፡ “ገለ ማእከላት ሕክምና ኣብ ቅድመ መርመራ ይዅን ኣብ እዋን ሕክምና ኣድልዎ ከምዘካይዳን፡ ንጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነታት ከምዝህባ ክንስንድ ክኢልና ኣለና” ትብል።
ነገራት ንምምሕያሽ
ላቨርነ ፋውንትሮይ፡ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕክምናዊ መጽናዕትታት ክሳተፋ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምእማን ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ክትሳተፍ ከምዝወሰነት እያ ትገልጽ።
ላቨርነ፡ “ኣነ ከምዝመስለኒ ኣብዛ ሃገር [ኣሜሪካ] ዘለና ታሪኽ፡ ኣብ ሕክምና ዝግበር ኣድልዎ ኣብ ከምዚ ዓይነት መጽናዕትታት ተጊህና ከይንሳተፍ እቲ ቀንዲ ዝዕንቅጸና ረቛሒ ኰይኑ ይስምዓኒ” ትብል።
“መጻኢ ወለዶታተይ ዝሓሸ ንኽኸውን ብምሕላን’የ ኣብዚ መጽናዕቲ ክሳተፍ ወሲነ”
ላቨርነ ተመኵሮኣ ከተካፍል እንከላ፡ “መርመራ ደም ተኻይዱለይ፡ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ካብ ኣካላትካ ካብ ዝወጽእ ዘይጥቀመሉ ነገራትን ካብ ወሃዮታታን ቅምሶ ብምውሳድ’ዮም ነቲ መጽናዕቲ ዘካይድዎ” ትብል።
ላቨርነ ኣብ ሓምለ ድሕሪ ዝተገበረላ መጥባሕቲ ካብ መንሽሮ ነጻ ኰይና’ያ።
“ሕጂ ኵሉ ነገረይ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ፡ መጽናዕቲ ክካየደለይ ፍቓደኛ ምንባረይ ኣዝየ ሕብንቲ’የ፣ ንዶክተር ሊዛ ኒውማን ንመጽናዕታ ስለዝሓገዝክዋ’ውን ሓበን ይስማዓኒ” ኸኣ ትብል።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ’ውን እተን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ብምውድዳር ብመንሽሮ ጡብ ናይ ምጥቃዕ ዕድለን ዳርጋ ብዕጽፊ ከምዝዓቢ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ።
ወሃቢ ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ዓዲ እንግሊዝ [ኤንኤችኤስ] ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝዀነ ዝካየድ መጽናዕትታት ክሳተፋ ከምዘለወን ዝሕብር መጸዋዕታ ብተደጋጋሚ የቕርብ’ዩ።
ዶክተር ዶርጌተ ኦኒ፡ ከኢላ መጥባሕቲ መንሽሮ ጡብ እያ፤ ንሳ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝካየድ መጽናዕትታት ዋሕዲ ወከልቲ ኵሉ ዓሌታት ከምዘጋጥሞም’ያ ትገልጽ።
“ሓደ ካብቲ ኣብ መጽናዕቲ ዘጋጥመኒ ጸገማት፡ ዋሕዲ ኣብ ፈተነ ዝሳተፉ ጸለምቲ’ዩ፡” ትብል።
ዶክተር ዶርጌተ ኦኒ “ንዅሉ ዘርብሕ ውጽኢት ክርከብ እንተዀይኑ ብዙሕን ካብ ኵሉ ዓሌታትን ክሳተፋ ኣለዎ” ብምባል ኸኣ ምኽራ ትልግስ።