እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘይተወልዱ ዕሸላት፡ ንካሮት ‘ብፍሽኽታ’፡ ንሓምሊ ‘ብጽዋገ’ ከም ዝቕበሉ ተመራመርቲ ሓቢሮም
ኣብ ማህጸን ዝርከቡ ዕሸላት፡ ኣደታቶም ካሮት ክበልዓ ከለዋ ‘ፍሽኽ ከምዝብሉ’፡ ሓምሊ ክምገባ ከለዋ ድማ ‘ጽውግ ከምዝብሉ' ኣብ ብሪጣንያ ኣብ 100 ነፍሰጾራትን ዕሸላትን ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ቤተ-ፈተነ ናይቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም፡ እዚ፡ ዕሸላት ንዝተፈላለየ መኣዛታት መግቢ ምላሽ ከም ዝህቡ ዘርኢ ፈላማይ ዝተመዝገበ ቀጥታዊ መረዳእታ ምዃኑ ገሊጹ።
ተመራመርቲ፡ ኣብ ልዕሊ 100 ነፍሰጾራትን ገና ዘይተወለዱ ዕሸላተንን መጽናዕቲ ብምክያድ’ዮም ነዚ ውፅኢት ወግዓዊ ዝገበሩ።
ን35 ደቂ ኣንስትዮ ሓርጭ ካሮት ዝሓዘ ለቘታ መድሃኒት [ካፕሱል] ንኻልኦት 34 ደቂ ኣንስትዮ ድማ ሓርጭ ሓምሊ ዝሓዘ ካፕሱል ሂቦምወን። እተን ዝተረፋ 30 ደቂ ኣንስትዮ ግን ካብ ክልቲኡ ኣይተወሃበንን።
ብመንገዲ 4D ዝነበረ ግብረ መልሲ
እቲ ጕጅለ ኣብ መጽሄት ሳይኮሎጂካል ሳይንስ ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እተን ኣደታት ነቶም ‘ካፕሱላት’ ካብ ዝውሕጣ ድሕሪ 20 ደቓይቕ፡ ብ4D ኣልትራሳውንድ ክረኣያ እንከለዋ መብዛሕትኦም እቶም ንሓምሊ ዝተቓልዑ ዕሸላት ተጸዊጐም ክብሉ እንከለዉ፣ እቶም ንካሮት ዝተቓልዑ ከኣ ፍሽኽታ ዝመልኦም ነይሮም።
ኣብ ዕሸላት እተን ካብ ክልቲኡ ዘይተወሃበን 30 ነፍሰጾራት ግን ዝዀነ ምላሽ ኣይተራእየን።
ኣመጋግባ ነፍሰጾራት ዝተፈላለየ መኣዛ ክህልዎ ስለ ዝኽእል፡ ምርጫታት መግቢ ሰባት ገና ከይተወለዱ ክጅምር ከም ዝኽእል ቅድሚ ሎሚ ዝተገበሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
እዚ ብዩኒቨርሲቲ ዱርሃም ዝተዳለወ ሓድሽ መጽናዕቲ ግን፡ ገና ዘይተወለዱ ህጻናት ንዝተፈላለየ መኣዛታት ዝህብዎ ምላሽ ብቐጥታ ክረጋገፅ ከሎ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ይግለጽ።
ዕሸል መዓስ እዩ ሓድሽ መግቢ ክጥዕም ዝጅምር?
"ዕሸላት፡ ኣደ ብእትምገቦ ኣቢሎም ዝረኽብዎ መኣዛ ንጥዕናኦም ዘለዎ ኣገዳስነት ኣቐዲሙ ካብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ዘይንፈልጦ ግን ብጭቡጥ መዓስ ከም ዝጅምር'ዩ" ትብል ተሳታፊት ናይቲ መጽናዕቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም ሓላፊት ቤተ-ፈተነ ምርምር ጽግያትን ህጻናትን ናጃ ራይስላንድ።
ንሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ዘይተወልዱ ህጻናት ካብ መበል 14 ሰሙን ጥንሲ ኣትሒዞም ሽኮር ከምዝመርጹ የርእዩ" ኢላ።
"ንፈተነና፡ ኣብቲ ኣገላልጻኦም ዝተሓላለኸ ዝዀነሉ፡ መበል 32ን 36ን ሰሙን ጥንሲ ንዝርከቡ ዘይተወለዱ ህጻናት፡ ሓርጭ ዝሓዙ ካፕሱላት ሂብናዮም ኣለና። መጽናዕትና ብምቕጻል ድሕሪ ምውላዶም ከ ከምቲ ኣብ ማህጸን ኰይኖም ንካሮትን ሓምልን ዝሃብዎ ምላሽ ይህቡ ድዮም ኣይህቡን? ዝብል ክንዕዘብን ክንምዝግብን ንደሊ ኢና" ክትብል ወሲኻ ሓቢራ።
እዚ ፈተነ ብዛዕባ ምምዕባል ጣዕሚ ኣብ ዕሸላት እንታይ የርእየና?
ራይስላንድ፡ ጣዕሚ ኣዝዩ ብኣጋኡ ከም ዝምዕብልን ኣብ ስርዓተ-ኣመጋግባ ዝምርኮስ ምዃኑ ከም ዘመልክትን ትዛረብ።
"እቲ ዕሸል ካብታ ኣደ ዝረኽቦ መግቢ፡ ድሕሪ ምውላዱ ነቲ ኣመጋግባ ይለምዶን ምብላዕ ይቕጽለሉን እዩ" ክትብል ተረድእ።
ምስ መርዚ ዝተኣሳሰሩ መረርቲ ጣዕምታት
ዕሸላት ንመሪር ጣዕሚ ክነጽጉ ዝግደዱሉ ካልእ ምኽንያት እውን እታ በዓልቲ ሞያ ትሕብር።
"ንመሪር ጣዕሚ ምስ ሓደጋ እውን ነተሓሕዞ ኢና፤ ብኡ መሰረት ድማ ግብረ መልሲ ንህብ። ኵሎም መሪር ጣዕሚ ንመርዚ ስለዘየመልክቱ ግን፡ ነዚ ግብረ መልሲ ንምስጋር ንነብስናን ደቅናን ከነስተምህር ኣለና። ገለ መሪር ጣዕሚ ዘለዎም መግብታት ጥዕና ዘለዎምን ነቶም ዕሸላት ዝረብሕዎምን እዮም" ትብል።
ኣብቲ ብኣልትራሳውንድ ዝረአ ጽዋገን ፍሽኽታን "እቲ ንመሪር መኣዛ ምላሽ ዝህብ ዘሎ ምንቅስቓስ ጭዋዳታት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክትብል ተረድእ - ራይስላንድ።
ንሳ ወሲኻ፡ ዕሸላት ገጻዊ ምልክታት ወይ ገለጻታት ከምዝረኣዮም እውን ወሲኻ ትሕብር።
ካልኦት ተመራመርቲ እንታይ ይሓስቡ?
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ኖርዝዌስተርን ፋይንበርግ፡ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኒዮናቶሎጂ ዝዀነ ዶክተር ዳንኤል ሮቢንሰን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣይተሳተፈን።
ንሱ ንኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰባት ንምስልታት ኣልትራሳውንድ፡ እቶም ዕሸላት ሓጐስ ወይ ዘይምፍታው ይገልፁ ከምዘለዉ ዘርእዩ እዮም ኢሎም ክትርጉምዎ ከምዘይብሎም ይሕብር።
ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝርከብ ማእከል ኬሚካላዊ ህዋሳት ሞነል ተመራማሪት ዝዀነት ዶክተር ጁሊ ማኔላ እውን ኣብቲ መጽናዕቲ ኣይተሳተፈትን፡ እንተዀነ ኣብቲ ዓውዲ ክኢላ እያ።
እቲ ስራሕ ቅድሚ ሕጂ ንዝተረኽበ ርኽበታት ዝድግፍ ምዃኑን፡ ዕሸላት ኣብ ፈሳሲ ማህጸን ብዘሎ መኣዛ መግቢ ኣቢሎም ብዛዕባ ኣመጋግባ ኣደኦም ከም ዝፈልጡ ምዝራባ ዘ ጋርዲያን የመልክት።
ብተወሳኺ፡ ፕሮፌሰር ካትሪን ፎረስተል ካብ ኮሌጅ ዊልያም ኤንድ ሜሪ ቨርጂንያ፡ ሓደ ዕሸል ኣደኡ ንእትምገቦ መግቢ ብኸመይ ምላሽ ከም ዝህብ ኣብ መጻኢ ንዝግበር መጽናዕቲ ብሓጐስ ከም እትቕበሎ ተዛሪባ።
ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት በይዛ ኡስቱን፡ "ህጻናት ገና ኣብ ማህጸን ከለዉ ጣዕሚ ከለልዩን ከሽትቱን ከምዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት ይሕብሩ። መጽናዕትና ድማ ቅድሚ ምውላዶም ነቲ ዝህብዎ ግብረ መልሲ ዝረኣየሉ እዩ" ክትብል ትገልጽ።
ወሲኻ፡ "ዕሸላት ገና ከይተወለዱ ከለዉ ንመኣዛታት ብተደጋጋሚ ምቅልዖም፡ ድሕሪ ሕርሲ ንዝመፅእ ምርጫታት መግቢ ከም መሰረት ክሕግዝ ይኽእል እዩ ኢልና ንሓስብ። እዚ ድማ ኣብ ዙርያ ጥዕናዊ ኣመጋግባን ብዛዕባ 'ዝተሓዋወሰ መግቢ' ምውጋድን ብቝዕ መልእኽቲ ንምሕላፍ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።