ንሓደ ወለዶ ዝቐጸለ ቃልሲ መንሽሮ ጡብ፡ ብኸመይ ፍረ ተረኺብዎ?

ወይዘሮ የኣይኔኣበባ ብርሃን መንሽሮ ጡብ ሓሚማ ብሕክምና ሓውያ እያ። እንተዀነ ቅድሚ 20 ዓመት ዝጀመረቶ ቃልሲ ኣንጻር መንሽሮ ድሕሪ ሓደ ወለዶ ሕጂ’ውን ኣይተቛረጸን።

እዛ 70 ዓመት ዝመልአት ምስ ኵሉ ሕውስቲ ዝዀነት ኣደ፡ ዝዀነ ሰብ 'ኣትን' ስለዘይብላ፡ "ኣንቲ/ንሳ" እናበልና ዛንታኣ ከነካፍለኩም።

ሓደ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ቤትጽሕፈት፡ ሓደ ኣፍቃሪ

የኣይኔኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ።

ስድራቤታ 10 ኣሕዋት፡ 5 ደቂ ኣቦን ደቂ እኖን ከምኡ’ውን ንትምህርቲ ካብ ክፍለሃገር ዝመጹን ኣዝማድ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ “ጽቡቕ ርክብ ነይሩኒ። ሰላምን ፍቕርን ዝመልኦ ህይወት ነይሩ" ትብል።

ክሳብ ካልኣይ ደረጃ - ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ እተጠናቕቕ ዝተማሃረትሉ እንኮ ቤት ትምህርቲ፡ ኮኾብ ጽባሕ ቀዳማዊ ኃይለስላሴ (ቀኃስ) ጥራይ እዩ።

ክረምቲ ይዅን ሓጋይ ኮፍ ክትብል ዘይትፈቱ የኣይኔኣበባ ኣብ ክለባት ቤት ትምህርቲ፡ ከም ኣብ ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ትካላት ክትሳተፍ ወይ ሓጸርቲ ኮርሳት ክትመሃር ትመርጽ ነይራ።

ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ወዲኣ ኣብ ‘ቤት ጽሕፈት ኣትዊ ውሽጢ ሃገር' ተሓዚት ሕሳብ - ኣካውንታንት ኰይና ስራሕ ጀሚራ። ጥሮታ ክሳብ ትወጽእ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ትሰርሕ ዝነበረት የኣይኔኣበባ፡ ጐድኒ ጐድኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ምሸታዊ ኣካውንቲን ተማሂራ እያ።

ኣብ ህይወታ ልክዕ ከምቲ ሓደ ቤት ትምህርትን ሓደ ቤት ጽሕፈትን ጥራይ ትፈልጦ፡ ኣብ ፍቕራዊ ዓለም'ውን ሓደ ሰብ ጥራይ እያ ትፈልጥ፤ ተስፋይ ኣበራ ይበሃል።

ገዛውቶም ጥቓ-ጥቓ እዩ፤ ኣዕሩኽቱ መሓዙታ እዮም። ቤት ትምህርቲ ብሓደ እዮም ተመላሊሶም። ስድራኦም’ውን ይፋለጡ ስለዝነበሩ የኣይኔኣበባን ተስፋይን ተቐራሪቦም፡ ተላሚዶም፡ ኢሎም’ውን ተፋቒሮም።

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ዕርክነት ድማ ብተኽሊል መርዓ ገይሮም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ተሰጋጊሮም።

“ዘየዕብዮም እንተዀይነ ዋላ ውላድ ኣይትሃበኒ"

"ሓዳር ከምዝሓዝካዮ እዩ" ትብል የኣይኔአበባ።

ዘይምርድዳእን ዘይምስምማዕን ከጋጥም ይኽእል። ግን፡ “ኣብ መንጐና ሰብ ኣይነእቱን። ተዘራሪብና ኢና ንገድፎ። ሓደ ካባና ይሰዓር" ክትብል፡ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ተፈላልዮም ሓዲሮም ከምዘይፈልጡ ትዛረብ።

ከም ዓቢ ጸገም ተልዕሎ፡ ንውላድ ዝነበሮም ባህጊ እናፈሸለ ላዕልን ታሕትን ኢሎም እዮም።

ብተደጋጋሚ ሕክምና ከይዶም። ገለ ሓኻይም "ሕጂ ክትወልዲ ኢኺ፡ ጽቡቕ ኣለኺ" ይብሉዋ። ገሊኦም “እዚ ግበሪ፡ እዚ መድሃኒት ውሰዲ” ኢሎም ይመኽርዋ። ግን ውጽኢት ኣይተረኽበን።

ስለምንታይ ከም ዝፈሸለ ሓቲታ ቅኑዕ መልሲ ኣይረኸበትን። “ንሳቶም ባዕሎም ኣይፈልጥዎን፣ ኣመና ምስ ሰልቸወኒ ድማ ገዲፈዮ" ትብል።

የኣይኔኣበባ ግን ኣይተጨነቐትን።

“ባህርያተይ ከምኡ እዩ። ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ኣይጭነቕን። ዝዀነ ሕማም እንተጋጢሙ በቃ ክቕበሎ ኣለኒ ኢለ እየ ዝኣምን። እንተመጺኡ እንታይ ክትገብር ትኽእል?” ኢላ ምስ ጭንቀት ብዙሕ ከምዘይፋለጡ ትገልጽ።

እንተዀነ ኵልሳዕ ካብ ምጽላይ ዓዲ ኣይወዓለትን። "ዘዕብዮም ደቂ ሃበኒ፡ ዘየዕብዮም እንተዀይነ ግን ዋላ ኣይትሃበኒ" ኢላ ብድፍረት ትጽሊ ከም ዝነበረት ትዝክር። ወሊዳ እንተሓቚፋ፡ ተማሂሮም ሰብ ክዀኑ ክትርኢ እያ ትብህግ።

ሓዳሮም ንኣስታት ሸሞንተ ዓመት ብውላድ ኣይተባረኸን። ብድሕሪኡ የኣይኔኣበባ መሊሳ ጠኒሳ። ሽዑ ግን ከምቲ ዝቐደመ ኣይፈሸለን። ወዲ ሓቚፎም፡ ስዒሞም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ብጓል ረኺቦም።

የኣይኔኣበባ ግን ጸሎታ ንኽትወልድ ጥራይ ዘይኮነስ ባዕላ ንኽተዕብዮም’ውን እዩ። ስለዚ እዩ “ዘየዕብዮም እንተዀይነ ዋላ ውላድ ኣይትሃበኒ" ትብል ዝነበረት።

ሕማም መንሽሮ ጡብ

ብዛዕባ መንሽሮ ጡብ ግንዛበ ኣይነበራን። ሓሚመን ወይ “ኣጥቧተን ተቘሪጹ" ዝብል ወረ ካብ ምስማዕ ዝሓልፍ ጠንቁ እንታይ እዩ ክፍወስከ ይኽእል'ዶ ዝብል ሓበሬታ ኣይነበራን።

ሓደ መዓልቲ ነብሳ ክትሕጸብ እንከላ ጡባ ሃሰስ በለቶ።

ገለ ሕበጥ ተሰሚዕዋ። ኣብ ዓቐን ወይ ቅርጺ ጡብ ዝርአ ለውጢ፡ ዋላ ክንዲ ዓተር ትኸውን ንእሽቶ ሕብጥ፡ ምልክታት መንሽሮ ጡብ ክኸውን ከምዝኽእል ሓኻይም ይሕብሩ።

"ንሰብ ኣይርአን እዩ፡ ክትንክፎ ከለኹ ግን ይፍለጠኒ።"

ምስ በዓል ቤታ ኣቶ ተስፋይ ብሓባር ናብ ሕክምና ከይዶም፡ ሕክምናዊ መርመራ ገይራ፤ ኣብ ጡባ ዝዀነ ነገር ከም ዘየለ ተነጊርዎም።

ሽዑ ዝነበረ ቴልክኖሎጂ ሕክምና ከምዚ ሕጂ ዘመናዊ ኣይነበረን ትብል የኣይኔኣበባ፡ ምስ በዓል ቤታ ዝተፈላለየ ሕክምና እንተፈተኑ’ኳ ነቲ ጸገም ዘለሊ ሓኪም ኣይተረኽበን።

መንሽሮ ዝሓመሙ ሰባት ብዛዕባ ሕማሞም ክዛረቡ ድልየት ስለ ዘይብሎም ሓበሬታ ክትረክብ ተጸጊማ። ገለ ዝረኸበቶም ጽሑፋት ምስ ኣንበበት ግን “ነብሰይ ተጠራጢረ" ብምባል ሽዑ’ውን ብተደጋጋሚ ሕክምና ከምዝኸደት ትገልጽ።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ዶክተር፡ ካብቲ ጡብ ብመርፍእ ቅምሶ ዋህዮታት ወሲዱ ምርመራ ባዮፕሲ ምስ ገበረ፡ "ብቕልጡፍ ዝላባዕ" መንሽሮ ጡብ ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ።

ውጽኢት መርመራ ምስ ሰምዐት የኣይኔኣበባ፡ "ብዙሕ ኣይተሰምዓንን" ትብል።

እቲ ቅድሚ ሽዑ ዘጋጠማ ጸገም ውላድ ዝሓለፈቶ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ጸገም ክትጭነቕ ስለዘይትደሊ ከምዝኾነ ትዘረብ፣ “ንሱ ጠቒሙኒ እዩ” ክትብል ብዙሕ ዘይሰንበደትሉ ምኽንያት ትገልጽ።

ብኣንጻሩ፡ “በዓል ቤተይ ሰንቢዱን ተረቢጹን” ብምባል በዓል ቤታ ኣቶ ተስፋይ ሽዑ ዝተሰምዖ ትዛረብ። “ስለዚ ኣነ ባዕለይ ከጸናንዖ ጀሚረ። ‘በቃ ኣይትጨነቕ። [ኣምላኽ] ዝበሎ እዩ ዝኸውን" ኢለዮ።”

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓኻይም ብሕማም ልቢ ይሞቱ ከምዘለዉ ብሰፊሑ ይውረ ከምዝነበረ ትዝክር፣ “ንኽንደይ ሰብ ደው ዝብሉ ሓያለ ሰባት ከይተረፉ ይሞቱ ኣለዉ። ኣነ’ዶ መን እየ? ዋላ እንተሞትኩ ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን" ኢላ ከተጸናንዖ ፈቲና።

እቲ ዝመርመራ ሓኪም፡ ብቕልጡፍ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዳ ክትሕከምን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት መድሃኒት ክትጅምርን ከምዘለዋ ኣጠንቂቕዋ እዩ።

እዚ ንኽሰምር በዓል ቤታ ልዑል ግደ ኣበርኪቱ እዩ። ላዕሊን ታሕቲን ተጓይዩ ምስ እቶም ኣብ ዓዲን ኣብ ወጻእን ዘለዉ ኣዕሩኽቱ ተዘራሪቡ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዳ ንኽትሕከም ኣብ ሓጺር እዋን ኣመቻችዩላ።

የኣይኔኣበባ ሕማማ ካብ ሰብ ክትሓብእ ድሌት ኣይነበራን። ስለዝዀነ ድማ ኵሎም ኣሕዋታ፡ ስድራቤታን ፈተውታን፡ እቲ ጕዕዞ ሕክምና ዕዉት ንኽኸውን ዝከኣሎም ኣወፍዮም። ብተወሳኺ ከምተን ሕክምና መንሽሮ ክገብራ ዘለወን ንብረት ዝሸጣ ገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስድራ የኣይኔኣበባ'ውን ሓንቲ መኪናን መሬትን ሸይጦም እዮም።

ብርግጽ ባህላዊ ሕክምና ክትገብር ዝፈተኑ ነይሮም እዮም።

“ስድራቤታ ኣዝዮም ስለዝተረበሹ ኣይከይድን እየ ክብል ከቢዱኒ" ትብል የኣይኔኣበባ።

"ኣነ [ብባህላዊ ክሕከም] ኣይሐሰብኩን፡ ንሳቶም ቅር ከይብሎም፡ ክሕጐሱ ክብል እምበር..። መንሽሮ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ክሳብ ዝኸይድ ሓንቲ ሰሙን እያ ነይራትኒ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ግን ኣዝማደይ ናብ ክልተ ቦታታት ወሰዶምኒ እዮም።”

"ምስ ከድኩ ግን፡ 'ቀሊል'ዩ፡ ከምዚ ክግበር እዩ፡ ክነትዕ እዩ እዮም ዝብሉኻ። ክሳብ ዝነትዕ ኣነ እንታይ ኣጸበየኒ?" ብምባል ምድላዋ ወጊና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተጓዕዘት ትገልጽ።

በዓል ቤታ ኣቶ ተስፋይ ሓላፍነት ክልተ ደቈም ወሲዱ ኣብ ገዛ ተሪፉ።

እቶም ቈልዑ፡ ገና ዓሰርተ ዓመት’ውን ስለዘይመልኡ፡ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ ሕማም ኣደኦም ኣይተነግሮምን። እቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት በዅሪ ወዳ ግን ጥርጣረታት ነይርዎ።

ኣብ መንጐ ሕክምና፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን በዓል ቤታ ከምዝነገራ፡ እቲ ወዲ፡ ቅድሚ ምድቃሱ፡ ናብ እዝኒ ኣቦኡ ተጸጊዑ፡ "ማሚ ግን እንታይ እዩ ኣጋጢምዋ?" ኢሉ ደጋጊሙ ይሓትት ነይሩ። እዚ ጭንቀት ንትምህርቱ’ውን ስለዝጸለዎ፡ እቲ ዳይረክተር ንኣቦኡ ጸዊዑ "እዚ ቈልዓ እንታይ ኣጋጢምዎ? ተረቢሹ ኣሎ" ክሳብ ምባል በጺሑ እዩ።

ሽዑ የኣይኔኣበባ፡ ነቲ ዳይረክተር ረኺባ ንኽተረድኦን ደቃ’ውን ብዛዕባ እቲ ሕማም ንኽፈልጡን ክትገብር ዕድል ረኺባ። "ክብደት ናይቲ ሕማም" እንተዘይተረድኦም እውን፡ ደቃ ኣረጋጊኣ ክትምለስ ከምዝኸኣለት ግን ትገልጽ።

ሕክምና ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣዝማድን ኣዕሩኽ በዓል ቤታ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ክትጸንሕ ኣይፈቐዱን። “ናብ ገዛኦም ወሰዶምኒ። ከም ገዛይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ክትብል ብኸመይ ከምዘአንገድዋ ትዝክር።

ንጽባሒቱ ሰለስተ መዓልቲ ዝወድአ መርመራ ጀሚራ።

"ቀዳማይ ሓጐሶም ዝደልይዎ መድሃኒት ክህቡኒ ምኽኣሎም ነይሩ" ትብል።

ቅድሚ ሕክምና መንሽሮ፡ ኣብ ከም ሳንቡእ፡ ልቢ፡ ጸላም ከብዲ፡ ኵሊት ዝኣመሰሉ ኣካላት ዝግበር ምርመራ እቲ ሰብ ንሕክምና መንሽሮ ብቝዕ ምዃኑን እቲ ሕክምና ክሳብ ክንደይ ከምዝሰርሕን ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝ ክኢላታት ይገልጹ።

ብድሕሪኡ፡ በብ21 መዓልቲ ሽዱሽተ ግዜ ኬሞቴራፒ ንኽትወስድ ተነጊርዋ። እዚ ቅድሚ መጥባሕቲን ጨረርን ዝወሃብ ሕክምና፡ ነቶም ዋህዮታት ብምቕታል ዕብየት ዋህዮታት መንሽሮ ደው ንኽብልን እቲ ኣብ ጡብ ዘሎ ሕበጥ ንኽንክይን ክዝሕግዝ ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። እታ ቀዳመይቲ ኬሞቴራፒ ወሲዳ ድሕሪ 21 መዓልቲ ምስተመልሰት፡ እቲ ኣብ ጡባ ዘሎ ሕበጥ ከም ዝነከየን ለውጢ ከም ዘሎን ፈሊጣ።

የኣይኔኣበባ ድሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከላ እቲ ፍወሳ ኬሞቴራፒ፡ ከም ምጕዳል ጸጉሪ፡ ምቕያር ቆርበት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከስዕብ ከምዝኽእል ሰሚዓ ነይራ።

“ስለዚ [ጸጕረይ] ኣሕጺረ እየ ከይደ" ትብል። ድሕሪ እታ ፈላመይቲ ኬሞ ግን ጸጕራ ምሉእ ብምሉእ ረጊፉ ተመሊጣ፡ ጫፍ ኣጻብዕታ ድማ ጸሊሙ።

“በቃ መላጣ ኰይነ፡ ሻሽ ይኣስር፡ ድግስ ገለ ምስ ዝህሉ ድማ ዊግ እገብር ነይረ።”

ኬሞቴራፒ ምስ ወድአት ቀጻሊ ሕክምና ጡብ ንምእላይ ዝግበር መጥባሕቲን ራድዮቴራፒን እዩ።

ይዅን እምበር ውጽኢት እቲ ኬሞቴራፒ ዘተባብዕ ስለዝነበረ እቲ ሓኪም ስቕ ኢላ ሬድዮቴራፒ ክትጅምር ትደሊ እንተዀይና ሓቲትዋ።

ንሳ’ውን እቲ መንሽሮ “ሚእቲ ሚእታዊት ጠፊኡ ድዩ?” ኢላ መሊሳ ምስ ሓተተቶ ሓደ ወይ ክልተ ሚእታዊት ክህሉ ስለዝኽእል ምስ ስድራ ንኽትመክር ተላብዩዋ።

“እንታይ ምእንቲ እየ ዝመክር? ኣነ ዘለኹ ዓዲማተይ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣይወልድን፡ ጡብ’ውን ኣየጥብውን። ስለዚ ይቆረጽ ኢለዮ" ትብል።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ጡባ ብመጥባሕቲ ተኣልዩ። "ምስ ነቐጸ፡ 25 ጩራታት ራድዮቴራፒ ተገይሩለይ" ትብል።

ኣብ መስርሕ፡ የኣይኔአበባ ብዛዕባ ነብሳ ዘይኮነት ብዛዕባ ደቃ ትጭነቕ ነይራ።

"ናተይ ወለዶ ገሊኡ ብፖለቲካ፡ ገሊኡ ብመኢሶን፡ ገሊኡ ብኢህኣፓ ዝረገፈ ወለዶ እዩ። ዝባኸነ ወለዶ'ዩ" ትብል። ንዕኡ ሓሊፋ ብዙሕ ነገር ምርኣያ ንዓኣ ቀሊል ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡ'ውን ዘጨንቓ ነገር ከምዘየለ ትዛረብ።

ገለ ሰባት ወጺኦም ከምዝተርፉ፡ ካልኦት ዝኸፈትዎ ከይከደኑን ከይተናዘዙን ከምዝሞቱ ስለትፈልጥ፡ ሓሚማ እንተሞይታ “በረኸት” እዩ ኢላ እያ ትኣምን።

"ግን ክሳብ ዘለኹ ክነብር፡ ክሳብ ዘለኹ ሰናይ ክገብር፡ ክሳብ ዘለኹ ንኣምላኸይ ከምልኽ፡ ክሳብ ብህይወት ዘለኹ ድማ ክግበር ዝግባኦ ነገር ክገብር እምበር ሞት ኣየጭነቕን'ዩ። [ሞት] ኣይርብሸንን።”

"ብርግጽ ብዛዕባ ደቀይ ስክፍታ ነይሩኒ" ትብል። "ኣነ ስለዘየዕበኽዎም ይጭነቕ እምበር ኣቦኦም ኣሎ፡ ስድራቤት ኣለዉ። ስለዚ ከምዘይጽገሙ እፈልጥ እየ።"

"ገዲፈዮም ዝኸይድ እንተዀይነ፡ ዋላ ውላድ ኣይትሃበኒ” ኢላ ትጽሊ ዝነበረት’ውን ደቃ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሖም ክትርኢ ትምኒታ ስለዝዀነ እዩ።

ፈጣሪ ድማ ንደቃ ክብል ከም ዘድሕና ርግጸኛ ነይራ።

መወዳእታ ኣገባባት ሕክምና

የኣይኔኣበባ ብዝገበረቶም ኣገባባት ሕክምና ዝሓለፉ ሕሙማት ዝእዘዘሎም መድሃኒት ክህሉ ይኽእል።

ብፍላይ ታሞክሲፊን ዝበሃል መድሃኒት ን5 ዓመትን ልዕሊኡን ክውሰድ ከምዝኽእል እትዛረብ የኣይኔኣበባ፡ "ካብቲ ሕክምና ንላዕሊ ነቲ ከኒን እናወሰድኩ" ምንባር ገና ክትሓስቦ ከላ ከምዝኸበዳ ኣይትሓብእን።

ቅድሚ እቲ መድሃኒት ምእዛዙ መርመራ ሆርሞን ምስ ገበረት ግን፡ "ኣይድልየክን'ዩ" ተባሂላ ከምዝተሓጐሰት ትሕብር።

እቲ ሓኪም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዓመታዊ መርመራ ከምዘሎን ሕጂ ግን ብዛዕባኡ ክትጭነቕ ከምዘይብላ ምስ ነገራ፡ “ዓድኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ” ኢሉዋ።

"ኣነ በቃ ኣብታ መዓልቲ እየ ሓውየ" ትብል።

ድሕሪ 7 ኣዋርሕ ዝወሰደ ሕክምና የኣይኔአበባ፡ ናብ ዓዳ ተመሊሳ።

ማሕበር መንሽሮ ኢትዮጵያ

የኣይኔኣበባ ኣብ ዘድለያ እዋን ብዛዕባ መንሽሮ ሓበሬታ ክትረክብ ዘይምኽኣላን መንሽሮ ዝሓመሙ ሰባት ብዛዕባ ሕማሞም ክዛረቡ ዘይምድላዮምን የተሓስሳባ ነይሩ።

ሰባት ክተሓጋገዙ ከምዘለዎም ስለ ትኣምን ኣብ እዋን ሕክምና ምስ ዝተላለየቶም ካልኦት ኣርባዕተ ሕሙማት ብሓባር ናይ ደገፍ ጕጅለ ካንሰር ኣቚሞም። ሓኻይም፡ ስድራቤቶምን ናይ ቀረባ ፈተውቶምን እናእመኑ ቁጽሪ ኣባላቶም እናወሰኹ ማሕበር መንሽሮ ኢትዮጵያ ብዝብል ስም ሕጋዊ ማሕበረር ኣብ ምቛም በጺሖም።

ፈለማ ንቕሓት ትምህርቲ ብምሃብ ዝጀመረ እቲ ማሕበር፡ ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ብሓደ ግዜ ንመንሽሮ ሕክምና ናብ አዲስ ኣበባ ዝመጻ 16 ደቂ ኣንስትዮ ተቐቢሉ ክንክን ዝህብ ማእከል ክንክን መንሽሮ ከፊቱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ማእከል ነተን ጽጕማት፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ነርሳት፡ ሰራሕተኛታት ጽሬትን መመገቢን ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ትምህርቲ ንቕሓትን እውን ክረኽባ ይገብር።

እንተዀነ እቲ ማሕበር፡ ዘለዎ ዓቕሚን ብዝሒ ሕሙማትን ክመጣጠን ስለዘይከኣለ፡ ካብ መንግስቲ ቦታ ክረክብን ተበጻሕነት እቲ ኣገልግሎት ከስፍሕን ምድላዋት እናገበረ ይርከብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን የኣይኔኣባባ ሓንቲ ካብቶም ብዘይ ደሞዝ ይዅን ጥቕሚ ነቲ ማሕበር ዘገልግሉ ኣባላት ቦርድ እያ።

ነቲ ቅድሚ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝጀመረቶ ቃልሲ ኣንጻር መንሽሮ፡ ብህይወት ክሳብ ዘላ ከምትቅጽሎን ብዛዕባ መንሽሮ ዝንገሩ ግጉይ ጽዋታት እውን ከምትቃለስን ድማ ጽኑዕ እምነት ኣለዋ።

መንሽሮን ለበዳ ኮቪድን

ስድራቤት የኣይኔአበባ ሓደ ካብቶም ብለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሃስዩ ስድራ እዩ። የኣይኔአበባ ባዕላ፡ በዓል ቤታን ጓላን ሓሚሞም ነይሮም።

ጓሎም ኣብ ሰሙና ሓውያ ክትትስእ እንከላ፡ ኣቦን ኣደን ግን፡ እቲ ሕማም ኣዝዩ ከቢድዎም። የኣይኔአበባ፡ እቲ ብፍላይ ሕማም ሽኮርያ ዝነበሮ በዓል ቤታ፡ "ዝያዳ ከምዝተጸገመ" ትገልጽ።

ሓኻይምን ነርስታትን ንሰብኣያ ከድሕኑ ዝከኣሎም ጻዕሪ'ኳ እንተገበሩ፡ ክዕወቱ ግን ኣይከኣሉን።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ኣነ ጽቡቕ ኣይነበርኩን። ነብሰይ'ውን ኣጸቢቐ ኣይፈልጥን ነይረ" ትብል የኣይኔኣበባ፡ በዓል ቤታ ዝሞተላ መዓልቲ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣዝዩ ከምዘጕህያ ትሕብር።

“ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ክሓስብ እንከለኹ ሕጂ እውን እሓዝን እየ። ክሳብ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ምንባሩ ይስምዓኒ እዩ። ካልእ ይትረፍ ብግቡእ ክሓዝን ኣይከኣልኩን።”

ንሳ ኣብ ዝሓመመትሉ እዋን ኣብ ጐድና ዝነበረ በዓል ቤታ ክመውት እንከሎ ሓዘና ብግቡእ ክትገልጽ ብዘይምኽኣላ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሕጂ’ውን ጓሂ ይስምዓ።

ካብ ሕማም መንሽሮ ጡብ ሓውያ ደቃ ክተዕቢ ብምኽኣላ ግን ሓበን ይስምዓ።

ወዳ ብሲቪል ኢንጅነሪን፡ ጓላ ድማ ብፕሮጀክት ማነጅመንት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቘም እዮም። እታ ጓል ድማ ሓዳር ክትምስርት መገዲ ጀሚራ’ላ።

ናይ መወዳእታ ቃል

ሎሚ መንሽሮ ከምዝሓመመ ዝተነገሮ ሰብ እንተትረኽቢ እንታይ ምበልክዮ ንዝብል ሕቶ፡ ሓጺር መልሲ እያ ትህብ።

መጀመርታ ከምዝሓመምካ ተቐበል። ካልኣይ፡ እቲ ሕማም ደረጃኡ ትሑት እንተዀይኑ ምሕዋይ ከምዝከኣል፤ ልዑል እንተዀይኑ ድማ ዕድመ ከናውሕ ስለዝኽእል ነቲ ሕክምና ሕጂ ጀምር።”