‘ጸላም ስለዝዀንኩ መንሽሮ ቘርበት ዝሕዘኒ ኣይመስለንን ነይሩ'

ኢሰር ነኔር፡ መንሽሮ ቘርበት ከም ዘለዋ ክንገራ እንከሎ፡ ዕድመኣ ገና ኣብ መወዳእታ 20ታት ነይሩ።

"ብድሕሪት እግረይ ንእሽቶ ብሮት ወጺኣትኒ። ሽዑ ምስ መሓዛይ ኣብ ዕረፍቲ እየ ነይረ። መሓዛይ 'እዛ ብሮት ክትምርመርያ ኣለኪ' ኢላትኒ" ትብል ኢሰር።

"ስለዚ ናብ ሓኪም ከይደ፡ ብኡንብኡ ኣልጊሶምለይ። ግን ድሕሪ ሓደ ሰሙን መንሽሮ ቘርበት ከም ዝዀነ ተነጊሩኒ። ኣዝየ ሰንቢደን ሓሪቐን።"

ንሳ፡ ልዑል መጠን መላኒን (ጸሊም ሕብሪ ቈርበት) ኣብ ጸሊም ቈርበት ክኸውን እንከሎ፡ ብጸሓይ ኣይበላሾን ዝብል ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጽውጽዋይ ትኣምን ስለ ዝነበረት ተገሪማ።

"ጸሊም ቈርበት ምስ ዝህልወካ [መንሽሮ ቘርበት] ፈጺሙ ክሕዘካ ከም ዘይክእል እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝሓስብ ድማ ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት (sunscreen) ኣየድልየንን'ዩ ይብል ነይረ። ሕጂ ግና ቈርበት፡ ቈርበት ምዃኑን መንሽሮ ቈርበት ክሕዘካ ከም ዝኽእልን ተረዲአ፡" ትብል ኢሰር።

ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ መንሽሮ ደጊሱ።

"እቲ ዘሐጕስ ግን ሕጂ'ውን ኣቐዲመ ስለ ዝፈለጥኩ ኬሞ ምውሳድ ኣየድለየንን። ንሓንቲ ሱር ሕብረ-ኣልቦ ፈሳሲ (lymph) ምልጋስ ጥራይ እዩ ዘድሊ ነይሩ፡" ኢላ።

ሕጂ ግን፡ ካብ ሕማም መንሽሮ ናጻ እያ።

ኢሰር ቈልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ መከላኸሊ ጸሓይ ተጠቒማ ኣይትፈልጥን ነይራ።

ሕጂ ኸኣ ካልኦት ተመሳሳሊ ጌጋ ንኸይገብሩ ንምጥንቃቕ፡ ምስ ማሕበር ምርምር መንሽሮ 'ዩናይትድ' ትሰርሕ ኣላ።

እቲ ማሕበር ከም ዝሕብሮ፡ መንሽሮ ቈርበት ሜላኖማ ካብ ኣብ ጸዓዱ ኣብ እስያውያንን ጸለምትን ዘጋጥመሉ ግዜ ውሑድ እዩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ማሕበር ተመራመርቲ ስነ ቘርበት ብሪጣንያ ትሰርሕ ዶክተር ኦፍሊያ ዳድዚ፡ ኣብ ጸለምቲ ከጋጥም እንከሎ "ዝያዳ ቍጡዓትን ደንጕዮም ዝርከቡን" ከም ዝዀኑ ትገልጽ።

ዶ/ር ዳዚ ንኰኾብ ሬገ ቦብ ማርሊ ትጠቅስ፤ ቦብ ማርሊ ብሓደገኛ ሜላኖማ እዩ ህይወቱ ሓሊፉ።

"ንቘርበትካ ኣብ እትርእየሉ ግዜ ንብምሉኡ ቈርበትካ ክትርእዮ ኣለካ። ብፍላይ እቶም ጸሊም ቈርበት ዘለዎም ሰባት፡ ከብዲ ኣእጋር፡ ኣእዳው፡ ከብዲ ኣእዳው፡ ኣጽፋር ምርኣይ ክርስዑ የብሎምን" ትብል።

ኣብ ከብዲ ኣእጋሮም ጡብ ኣድጊ ዝወጽኦም ዝመስሎም ዝነበረ 'ሞ፡ ሕማሞም መንሽሮ ቘርበት ኰይኑ ዝተረኸብ ሰባት ከም ዘለዉ ትሕብር።

ዶ/ር ዳድዚ፡ ጸሊም ቈርበት ካብ ጩራ ጸሓይ ናጻ ከም ዝዀነ ዝገልጽ ጽውጽዋይ ክተርፍ ከም ዘለዎን'ውን ወሲኻ ትገልጽ።

ሜላኒን እቲ ንቘርበት ጸሊም ዝገብር ግን ከኣ ካልእ ባህርያት ዘለዎ ሕብሪ እዩ።

እዚ ሕብሪ እዚ፡ "ተፈጥሮኣዊ ዕቝባ ጸሓይ" ብምግላጽ "ኣብ ዋህዮታት ቈርበት ኮፍ ኢሉ ካብ ጕድኣት ልዕለ-ሊላ ጩራታት (ultraviolet) ከምኡውን ብልዕለ-ሊላ ጩራታት ዝምጽእ ለውጢ ዲኤንኤ ይከላኸል እዩ፡" ትብል።

"ሜላኒን ካብዚ ይከላኸል እምበር፡ ካብ ጸሓይ ግን 100% ዑቝባ ኣይኰነን።"

ሰባት ክሓስቡሉ ዘለዎም መንሽሮ ቘርበት ጥራይ ከም ዘይኰነ ድማ ተጠንቅቕ።

"ኣብ ጸሊም ቈርበት መብዛሕትኡ ግዜ ዘጋጥመኒ ልዑል ዘውሒ ቈርበት (hyperpigmentation) እዩ። ጠንቂ እዚ ልዑል ዘውሒ ቈርበት ናይ ጸሓይ ኣልትራ ከም ዝዀነ ሰባት ኣይግንዘብዎን እዮም።"

ልዑል ዘውሒ ቈርበት ዝፍጠር፡ ጸሊም ዝንጕርጉር ቈርበት ክዓብዩ ከለዉ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ዝያዳ መጠን ሜላኒን ዘስዕቦ እዩ።

ኣብ ጸሓይ ኣብ እንዀነሉ፡ እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ?

ማሕበር ተመራመርቲ ስነ ቘርበት ብሪጣንያ ሰለስተ ክፍሊ ዘለዎ ትልሚ ምክልኻል ከም ዘድሊ ይሕብር።

ጽላል ወይ መጋረዲ፡ ኣከዳድና ከምኡ'ውን ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት (sunscreen) ምጥቃም ይብል።

በዚ መሰረት ዶክተር ዳድዚ ዝስዕብ ምኽሪ ትልግስ።

ብኽዳን፡ እንተላይ ብቘብዕ ንቘርበትኩም ካብ ጸሓይ ክትከላኸሉ ትኽእሉ ኢኹም። ልዕለ-ሊላ ጩራታት ዝከላኸል መነጽር ጸሓይ እውን ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ልዕለ-ሊላ ጩራታት ጸሓይ ዝብርትዓሉ ግዜ ካብ ሰዓት 11፡00 ክሳዕ 3፡00 ድሕሪ ቐትሪ እዩ።

ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት ክትጥቀሙ እንተደሊኹም እንተ ወሓደ 30 ኤስ.ፒ.ኤፍ. (ረቛሒ ዑቕባ ጸሓይ) ዘለዎ ክኸውን ይምረጽ። መጠን ኤስ.ፒ.ኤፍ ካብ 30 ዝዛይድ እንተዀነ ድማ ዝበለጸ ይኸውን።

ዝርአ ብርሃን እውን ልዑል ዘውሒ ቈርበት ከስዕብ ስለዝኽእል፡ እቲ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት ካብ ዝርአ ብርሃን ዝከላኸል መጠን እንተሃልይዎ ዝበለጸ ረብሓ ኣለዎ።

እቲ ጸሓይ ዝከላኸል ቅብኣት፡ ማይ ከም ዝጻወርን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰዓት እውን ነቲ ኤስ.ፒ.ኤፍ. እንደገና ከም ዝተቐባእኩምን ኣረጋግጹ። እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ጸሓይ ኣብ እትኾንሉ እዋን፡ ድሕነትኩም ንምሕላው ዝሕግዙ ምኽሪታት

  • መሸፈኒ ተጠቐሙ
  • እንተወሓደ 30፡ ዝበለጸ ድማ ካብ 30 ዝዛይድ መጠን ኤስ.ፒ.ኤፍ ዘለዎ ቅብኣት መከላኸሊ ጸሓይ ተጠቐሙ
  • ሰፊሕ ዓውዲ ዘለዎ፡ ልዕለ-ሊላ ጩራ ኤ ወይ UVA (ነዊሕ ማዕበል ዘለዎን ምስ እርጋን ቈርበት ዝተሓሓዝ) ከምኡ'ውን ልዕለ-ሊላ ጩራ ቢ ወይ UVB (ሓጺር ማዕበል ዘለዎን ምስ ምንዳድ ቈርበት ዝተኣሳሰርን) ብተወሳኺ ማይ ዝጻወር ቅብኣት መከላኸሊ ጸሓይ ተጠቐሙ
  • በብኽልተ ሰዓት ቅብኣት መከላኸሊ ጸሓይ ተቐብኡ
  • ኣዘውቲርኩም ኣብ ጽላል ኣጽልሉ
  • ዘጨንቕ ወይ ዘስግእ ነገር እንተኣስተብሂልኩም፡ ሓኪም ተወከሱ።