ደቂ ተባዕትዮ፡ ጸለምትን ደቀ-40ን ክፈልጥዎ ዝግባእ ዓይነት መንሽሮ

ብዙሓት፡ ንፕሮስተይት ኣብ ከባቢ ክልቲኡ ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይ’ውን ኣብ ውሽጢ ከረጺት ፍረ ዘርኢ ዘሎ ኣካል ከም ዝዀነ እዮም ዝርድእዎ።

ክኢላ መጥባሕቲ ኩሊትን ፕሮስተይት ከረጺትን ቱቦ ሽንቲን ዶክተር ፍጹም ሰሎሞን ግን፡ ፕሮስቴት ኣብ ትሕቲ ከረጺት ሽንቲ ዝርከብ፡ ፈሳሲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘመንጩ ኣካል ምዃኑ ይሕብር።

ኣስታት 70 ሚእታዊት እቲ ዝፈስስ ዘርኢ ከኣ ካብ ፕሮስተይት ከም ዝምንጩ እቲ ክኢላ የብርህ።

ብተወሳኺ፡ ፕሮስተይት፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ (ስፐርም) መግቢ ዝረኽበሉን ዝሕምብሰሉን ፈሳሲ’ውን እዩ።

ስለ ዝኾነ ጸገም ፕሮስተይት ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ፡ እቲ ዘርኡ ኣብ ክንዲ ንግዳም ናብቲ ከረጺት’ዩ ዝምለስ።

ስለዚ፡ እቲ ፕሮስተይት ዝበሃል ባእታ፡ እቲ ዘርኢ ናብቲ ከረጺት ንኸይምለስን ናብ ደገ ንክፈስስን ከም ዝሕግዝ ዶክተር ፍጹም የረድእ።

መንሽሮ ፕሮስተይት

መንሽሮ ማለት ገለ ካብ ዋህዮታት ሰውነት ካብ ንቡር ወጻኢ ምስ ዝዓብዩን ምስ ዝላብዑን ዝፍጠር ሕማም ምዃኑ ዶክተር ፍጹም ይገልጽ።

ሰብነትና ብትሪልዮናት ዝዀኑ ዋህዮታት ዝቘመ ስለ ዝኾነ ኣብ ኵሉ ክፋል ኣካላትና መንሽሮ ክህሉ ይኽእል እዩ።

ፕሮስቴት ድማ ካብ ክፍሊ ኣካላትና ሓደ ስለ ዝዀነ፡ ንመንሽሮ ክቃላዕ ተኽእሎ ኣሎ።

ዓለማዊ ሕክምናዊ ጸብጻባት ከም ዘረድእዎ ከኣ ካብ ሸሞንተ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ሓደ ብመንሽሮ ፕሮስተይት ይትሓዝ።

ፕሮስተይት፡ ኣብ ኵሎም መጥበውቲ እንስሳት ዝርከብ ባእታ እዩ። ይዅን እምበር ፕሮስተይት መንሽሮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰብን ኣኽላባትን ጥራይ እዩ ተራእዩ።

80 ሚእታዊት መንሽሮ ፕሮስተት፡ ቀስ እናበለ ዝዓብን ቃንዛ ከየስዓበ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእልን እዩ።

ደቂ ሰባት ብዕድመ እናደፍኡ ምስ ዝኸዱ ንሕማም መንሽሮ ይቃልዑ።

ብፍላይ ልዕሊ 50ን ጸለምትን ደቂ ተባዕትዮን ከኣ ብዝያዳ በቲ ሕማም ይጥቅዑ።

ዝኾነ ካብ ወለዶም በቲ ሕማም ዝተጠቕዐ እንተነይሩ ከአ እቲ ሕማም ከም ብዙሕ ካልእ ሕማማት ብተወርሶ እውን ክሰጋገር ይኽእል እዩ።

ኣቦኡ ወይ ሓው በዚ መንሽሮ ዝሓመምዎ ሰብ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ተኽእሎታ ምቅላዕ በዚ ሕማም ክህልዎ ከምዝኽእል ዶክተር ፍጹም ይዛረብ።

ተመራመርቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ልዕሊ 40 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ ዓመታዊ ቅድመ መርመራ ክገብሩ ይምዕዱ።

ዶክተር ፍጹም እውን ብወገኑ፡ መንሽሮ ፕሮስተይት ትሕቲ 40 ዓመት ኣብ ዝዀኑ ሰባት ናይ ምርካብ ዕድሉ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ይዛረብ።

ዕድመኦም ካብ 20 ክሳብ 30 ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ በዚ መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ሓደ ሚእታዊት ጥራይ እዩ።

ልዕሊ 90 ሚእታዊት እዚ መንሽሮ ዕድመኦም ልዕሊ 50 ኣብ ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ዘጋጥም ምዃኑ ዶክተር ፍጹም ሓቢሩ።

ምስ ጸዓዱ ብምንጽጻር ግን ኣፍሪቃውያን በዚ መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።

ኣብ ትሕቲ 65 ዓመት ዕድመኡ ፕሮስተይት መንሽሮ ዝተረኽቦ ኣቦ፡ ውላዱ በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ዕድሉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ክኸውን ከምዝኽእል ዶክተር ፍጹም የረድእ።

ናይ ጀኔቲክ ምቅይያር ጸገም እንተሃልዩ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ ብዝያዳ ይቃልዑ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ መንሽሮ ኣብቲ ዝብገሰሉ ከባቢ ዘለው ዋህዮታት ልዕሊ ዓቐን ክባዝሑን ናብ ካልእ ቦታ ክዝርግሑን እንከለው እዩ ጸገማት ዝፈጥር።

መንሽሮ ፕሮስተይት ከኣ፡ ኣብ እዋኑ ሕክምና እንተዘይረኺቡ ንከረጺት ሽንቲ ክደፍኖ ይኽእል እዩ።

ሕበጥ ፕሮስቴት ምስ ተባዝሐ፡ ኣብ ከባቢ ፕሮስተይት ናብ ዘለው ቱቦታት ሽንትን ከረጺትን ይዝርጋሕ።

ካብኡ ሓሊፉ ናብ ሰራውር ደም ክኸይድ ይኽእል።

ናብ ደም ምስ ኣተወ ከኣ ናብ ሑቘ፡ ዕትብቲ ዓንዲ ሑቘን ከብድን ናብ ዘለው ቦታታት የስፍሕ።

ብኸመይከ ንከላኸሎ?

ስርዓት ኣመጋግባኻ ምምሕያሽ ቀንዲ መፍትሒ እዩ።

ኣሕምልትን ፍረታትን ዝበዝሖ፡ ዓሳ፡ ዘይቲ ዓሳ፡ ኦሊቭ ኦይል ዘለዎም መግብታት ምምጋብ ነዚ ሕማም ክከላኸሎ ይኽአል።

ብተወሳኺ ቀጠልያ ሻሂን ቫይታሚን-ዲ ን ምጥቃም፡ ነዚ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ሓፍ ከም ዘብልዎ ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ምልክታት ፕሮስቴት መንሽሮ

  • ምሸት ቀቀልጢፍካ ምሻን
  • ደም ዝተሓወሶ ሽንቲ ምሻን
  • ክትሸይን ምጽጋም
  • ሽንቲ ክወጽእ እንከሎ ምቕጣን
  • ደቂስካ እንከለኻ ምሻን
  • ናይ ሽንቲ ምቁርራጽ ወይ ምስ ሸንካ ናይ ዘይምውዳእ ስምዒት
  • እቲ ሕማም ምስ ገደደ ቃንዛ ታሕተዋይ ሑቖን ምሕባጥ እግርን የኸትል።

ቅድመ ምክልኻል

መንሽሮ ፕሮስተይት መብዛሕትኡ ግዜ ቀስ ኢሉ ስለዝዓቢ ብፍላይ ቤተ ሰቦም ናይ ሕማም መንሽሮ ታሪኽ ዘለዎም ሰባት፡ ብውሑዱ ደቂ 40 ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን እንተወሓደ ኣብ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ኣቐዲሞም መርመራ ክገብሩ ይምከር።

በዚ መሰረት ሓደ ሰብ፡ ዕድመኡ ካብ 50 ክሳብ 55 ክበጽሕ እንከሎ መርመራ ክገብር ከም ዝግባእ ዶክተር ፍጹም ይዛረብ።

ፕሮስተይት መንሽሮ ብመጥባሕትን ብጨረርታ ሕክምና ክፍወስ ይከኣል።

ንሕማም መንሽሮ ፕሮስተይት ንምፍዋስ፡ ሓካይም መጥባሕቲ፡ ክኢላታት ሽንቲ፡ ክኢላታት ስነ-መንሽሮ፡ ነርሳት ራድዮቴራፒን ብሓባር ተኣኪቦም ነቲ ሕሙም ዝሓይሽን ዝጠቅምን ዝብልዎ ይውስኑ።