እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መንሽሮ ጐረሮ ስለምንታይ ብሰፊሑ ይርአ?
መንሽሮ ጐረሮ፡ ሓደ ካብቶም ቀተልቲ ዓይነታት መንሽሮ'ዩ። ኣብ ዓለም በዚ መንሽሮ ዝጥቅዑ ሰባት ብዙሓት ኰይኖም ብፍሉይ እቲ ዝርግሐ ዝርኣየሎም ከባቢታት ከም ዘለው ግን ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
እዘን ሃገራት፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኤስያ ዝርከባ እየን።
ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ዝርግሐ መንሽሮ ካብ መንጐ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ።
ዋላ'ኳ ልክዕ መንቀሊ እቲ ሕማም ብንጹር እዚ'ዩ እንተዘይተባህለ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣልኮል ዘዘውትሩን ብወልፊ ሽጋራ ዝተጸመዱን ሰባት ብመንሽሮ ጐረሮ ከም ዝጥቅዑ መጽናዕታት የመልክቱ።
መንሽሮ እንታይ'ዩ?
መንሽሮ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዘለው ዋህዮታት ብዘይግቡእ መልክዕ ክራብሑ እንከለው ዝፍጠር ሕማም እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና፡ እናዓበየ ዝኸይድ ሕበጥ ይፈጥር።
ነቲ ሕማም ማእከል ገይሩ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ዘካየደ ዶክተር ጂልቻ ድሪባ ክኢላ መንሽሮ እዩ።
"መንሽሮ፡ ካብቲ ዝፍጠረሉ ክፍሊ ኣካልና ተበጊሱ እናሰፍሐ ዝኸይድ ኰይኑ፡ መግቢ ሰብነትና እዩ ዝቃጸጽ። በዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ሰብነትና እናሰፍሐ ከይዱ ክሳብ ሞት የብጽሕ፡" ይብል።
ብዛዕባ መንሽሮ ጐረሮ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈለየ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ኣርሲን ባሌን ብሰፊሑ ከም ዝርአ ይዛረብ።
እዚ ካብ ዓይነታት መንሽሮ ሓደ ዝዀነ ሕማም ሻምብቈ ጐረሮ ኮይኑ፡ "መንሽሮ ጐረሮ" ተባሂሉ ይፍለጥ።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ዓመታት መጽናዕቲ ክገብር ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ዶክተር ጂልቻ፡ ዞባታት ምብራቕ ሸዋ፡ ምዕራብ ኣርሲ፡ ቡታጅራን ስልጤን እዚ ሕማም ዝርኣየሎም ከባቢታት ከም ዝዀኑ የረድእ።
"ብደረጃ ሃገር ብስንኪ'ዚ፡ ሕማም ብብዝሒ ናብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ከባቢ ኣርሲን ባሌን ዝነብሩ'ዮም፡" ኢሉ።
እዚ መንሽሮ ስለ ምንታይ ኣብዞም ከባቢታት ብሰፊሑ ይርአ?
መጽናዕቲ ዶክተር ጂልቻ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ እቲ ጸገም፡ ሕብረተሰብ 'ቲ ከባቢ ዘዘውትሮ ዓይነት መግቢ ዝተሓሓዝ እዩ።
"ናይዚ ሕማም ምኽንያት'ዮም ዝበሃሉ ክልተ ነገራት ኣለው፣ ኣልኮልን ውዑይ [ዘቃጽል] መግቢ ምምጋብን'ዮም። ኣብ ኣርሲን ባሌን ኣልኮል ዘይዝውተር መስተ'ኳ እንተዀነ፡ ዝበልዑዎ መግቢ ግን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ ማለት'ዩ፡" ይብል።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝነብር ሕብረተሰብ እንጀራ ዳርጋ መዓልታዊ መግቡ ክኸውን እንከሎ፡ ሕብረተሰብ ኣርሲን ባሌን ድማ ብብዝሒ ባህላዊ መግቢ ዝዀነ ገዓት ይምገብ።
እዚ መንቀሊ እቲ ሕማም ከም ዝዀነ ዘመላኽቱ መጽናዕታት ከም ዘለው ዶክተር ጂልቻ ይዛረብ።
"ነበርቲ'ዚ ከባቢ ብብዝሒ ገዓት'ዮም ዝበልዑ፤ ገዓት ድማ ብባህሪኡ ብውዑዩ'ዩ ዝብላዕ። እዚ ድማ ግዜ እናነውሐ ነዚ ሕማም ከቃልዕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሰባት እዚ መግቢ ክበልዑ እንከለው ኣዝሒሎም ክወስድዎ ይምከር፡" ኢሉ።
ወሲኹ "ንቝርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ገዓት ምብላዕ ንመንሽሮ ሻምብቆ ጐረሮ'ዩ ዘቃልዕ። ስለዚ ብዝተኻኣለ መጠን ገዓት ምብላዕ ብምንካይ፡ ካልኦት ዓይነታት መግቢ ክልመድ ኣለዎ፡" ይብል።
መንሽሮ ጐረሮ ክሳብ ክንደይ የስግእ?
ዶክተር ጂልቻ ከም ዝብሎ፡ እዚ መንሽሮ ብመንጽር እቶም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ንምሕካም ዘጸግምን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእልን እዩ።
"ኣብዚ እዋን ብዙሓት ዓይነታት መንሽሮ ምፍዋስ ይክኣል እዩ። መንሽሮ ቱቦ ጐረሮ ግን ኣጸጋሚ እዩ፤ በዚ መንሽሮ ሓሚሙ ተሓኪሙ ዝሓወየ ሰብ ምርኣይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ይብል።
"መጥባሕቲ ንምግባር'ውን እቲ ናይ ጐረሮና ከባቢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፤ ኣብ ከባቢ እቲ ቱቦ ዘለው ካልኦት ክፍሊታት ሰብነትና ኣገደስቲ'ዮም። ልብና ኣብኡ ከባቢ'ዩ ዝርከብ፤ ሳንቡእና'ውን ከምኡ። ብተወሳኺ እቲ ዓቢይ ሻምብቈ ደም ዝዀነ ኣኦርታ ዝበሃል ኣብዚ ከባቢ'ዩ ዝርከብ። ስለዚ፡ እዚ መንሽሮ እናሰፍሐ እንተኸይዱ ናብዞም ክፍሊ ኣካላት'ዩ ዝኸይድ፡" ኢሉ።
ስለ ዝዀነ፡ መንሽሮ ጐረሮ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ክቐትል ዝኽእል ሕማም ከም ዝዀነ የረድእ።
ምልክታት መንሽሮ ጐረሮ
በዚ መንሽሮ ዝተጠቕዐ ሓደ ሰብ፡ መጀመርታ ዝርእዮ ምልክት ኣብ ኣፍልቡ ምቅጻል'ዩ።
እንተዀነ ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ምልክት ቀለልቲ ሕማማት ገይሮም ስለ ዝርእይዎ ናብ ሕክምና ከይዶም መርመራ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ መድሃኒት ጨጐራ ከም ዝወስዱ መጽናዕቲታት የመልክቱ።
"ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ መስርሕ ምውሓጥ መግቢ'ውን ከጸግም ይኽእል'ዩ። መጀመርታ ዕጽቕ ዝበሉ መግቢታት፡ ድሕሪኡ ፈሳሲ፡ ጸኒሑ ድማ ምራቑ ምውሓጥ የጸግሞ። ክብደቱ'ውን ይንኪ፡" ኢሉ ዶክተር ጂልቻ