ዩጋንዳ ባህላዊ ሓካይም ኢቦላ ከይሕክሙ ኣጊዳ

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ኣብቲ ብቴሌቪዥን ዘስምዖ መደረ፡ ባህላዊ ሓካይም ብኢቦላ ንዝተለኸፉ ሰባት ምሕካም ደው ከብሉ መምርሒ ሂቡ።

ሙሰቨኒ፡ ሰበስልጣን ጸጥታ ብቫይረስ ኢቦላ ከምዝተለኸፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ናብ ውሸባ ምኻድ እንተኣቢዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉ'ውን ተወሳኺ መምርሒ ኣውጺኡ’ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዘጋጠመ ሞት ሓደ ወዲ 45 ዓመት ሰብኣይ ስዒቡ እዩ።

እቲ ውልቀሰብ ብጉጅለታት ጥዕና ንቫይረስ ኢቦላ ዝተቓልዐ እዩ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክከውን ከሎ፡ ካብታ ማእከል እቲ ለበዳ ዝኾነት ኣውራጃ ሙበንደ እትርከብ ቁሸት ሃዲሙ ዝመጽአ ነይሩ።

ናብ ሆስፒታል ካምፓላ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብ ካልእ ቦታ ብባህላዊ ሓኪም ሕክምና ክረክብ ከምዝፈተነ ሰብመዚ ይገልጹ።

ገለ ካብ ኣባላት ስድራቤት’ቲ ሰብኣይ ኣብ ውሸባ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ሃዲሞም ተሓቢኦም ይርከቡ።

ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ፡ እቶም ሰባት ናብ ትካላት ጥዕና ሪፖርት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ሙሰቨኒ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ካምፓላ ብኢቦላ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዘየለዉ እኳ እንተገለጸ፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ነቲ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘእትውዎ ኣረጋጊፆም ህዝቢ ንቕሓት ክቕፅል ኣጠንቂቑ።

ኡጋንዳ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ሱዳን ካብ እትረጋገጽ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ኣቑጺሩ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ናብ ሓሙሽተ ወረዳታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኣብ ዩጋንዳ ብሰንኪ ለበዳ ኢቦላ ክሳብ ሕጂ 19 ሰባት ክሞቱ ከለዉ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 54 ሰባት ተረኺቦም እዮም። ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ሕክምና ዝርከብዎም ኣስታት 20 ድማ ከምዝሓውዩ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ቫይረስ ናብ ሓሙሽተ ወረዳታት እታ ሃገር ተላቢዑ ይርከብ።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣፍሪቃ፡ ብስድራቤታዊ መስመር ወለዶ ወይ ብልምምድ ንወለዶታት ዝመሓላለፍ ባህላዊ ሕክምና፡ ብሰፊሑ ልሙድ እዩ።

ኣብ እዋን ለበዳ ቀተልቲ ተላባዕቲ ሕማማት ግን፡ ጠንቂ ተቓላዕነት ምዃኖም ተረጋጊጹ’ዩ።

ኣብ ግንቦት 2014፡ ኣብ ሴራሊዮን ናይ መጀመርታ ብኢቦላ ዝተለኽፈ ሰብ ተመዝጊቡ።

ነዚ ስዒቡ ዝተኻየዱ መርመራታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃ ከነማ፡ "ፍልጥቲን ብብዙሓት ትኽበርን" ተባሂላ ናብ ትፍለጥ ባህላዊ ሓኪም ኣምሪሑ።

እታ ባህላዊ ሓኪም፡ ካብ ስግር ዶብ ጊኒ ዝመጹ ሕሙማት ሓኪማ ነይራ። ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ንሳ ብዕላ ሓሚማ ሞይታ። ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብራ ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተረኺቦም ነይሮም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝጸብጸቦ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብሰንኪ ኢቦላ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 365 ሰባት ምስቲ ቀብሪ ዝተኣሳሰር ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ድሒሩ ኣብ 2018፡ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ለበዳ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ‘ትራዲ-ሞደርን’ ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ዝተሓዋወሱ ሳይንሳዊን ተኽላውን መድሓኒታት ዝህቡ ክሊኒካት፡ ቀንዲ ቦታታት ረኽሲ ምዃኖም ብቕልጡፍ ተለልዮም።

ኣብቶም ክሊኒካት ዝሰርሑ ሰባት፡ ወግዓዊ ትምህርቲ ዘይረኸቡ፡ ከምኡ’ውን መከላኸሊ መሳርሒ ዘይብሎም ነይሮም።

ስርዓተ ጥዕና ኡጋንዳ ኣዝዩ ዝማዕበለ’ዩ። እዚ ሕጂ ዘጋጠመ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣቱ ከም ዝኽእል ድማ ሰበስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ምትእምማን ኣለዎም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ዋዕላ ሚኒስተራት ዝተኣከቡ ክኢላታት ግን ኩሉ ለበዳ ዝተፈላለየ ብድሆታት ስለዘጋጥሞ ተወሳኺ ንቕሓት ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሚኒስተራት ጥዕና ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ከምኡ እውን ካልኦት ኣብታ ኣህጉር ዘጋጥሙ ለበዳታት ምድላውን ምላሽን ዝከታተል ናይ ኣፍሪቃ ናይ ኢቦላ መተሓባበሪ ሓይሊ ዕማም ከጣየሽ ተላብዮም ኣለዉ።

ግዝያዊ ዳይረክተር ማእከላት ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣሕመድ ኦግዌል፡ “እዚ ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ኡጋንዳ ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ለበዳ ኣይኮነን” ይብል።

ኣፍሪቃ፡ ኣህጉራዊ ሓገዝ ምሕታት ደው ከተብል ከምዘለዋ ይገልጽ። ኣፍሪቃ፡ ብገዛእ ርእሳ ክትሰርሕ እምበር ንበይና ክትሰርሕ ኣለዋ ማለት ከምዘይኮነ ይሕብር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክልተ ዓይነት ክታበታት ኣብ ምስ ሕሙማት ኢቦላ ርክብ ዝነበሮም ንእሽተይ ጉጅለ ሰባት ፈተነ ክግበር መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ሲዲሲ ኣፍሪቃ፡ እታ ኣህጉር ምስ 11 ዝተፈላለዩ ለበዳታት ትቃለስ ከምዘላ ይገልጽ። ንሳቶም ድማ በዲዶ ህበይ፣ ኮሌራ፣ ውሕጅ፣ ኢንፍሉዌንዛ፣ ላሳ ፊቨር፣ ዕንፍሩር፣ ሄፓታይተስ ኢ ከምኡ’ውን ክሪሚያ - ኮንጎ ሄሞራጂክ ፊቨር እዮም።