ገለ ህጻናት ስለምንታይ ትኹረትን ኣቓልቦን ይሓጽሮም? ወለዲ ክፈልጥዎ ዝግባእ ጸገም

ዶክተር ናኦድ ፍርዱ፡ ገና ቈልዓ ከሎ፡ ዘይከም መዛኑኡ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕን ክተኰርን ይጽገም ነይሩ።

ኣብ ግዜ ንእስነቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ቅልጡፍ ህጻን ከምዝነበረ ዶክተር ናኦድ ይገልጽ።

“ኣብቲ ብገመዳት ኤለክትሪክ ዝተመልአ ደርቢ ገዛና ክዘዋወር ከለኹ እዝክር። ዘይድይቦ ኦም ኣይነበረን። ብሓፈሻ ኣብ ውሽጠይ ጽዑቕ ጸዓት ነይሩኒ” ይብል።

ዶክተር ናኦድ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ፡ ቤት ትምህርቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ሓላፊ ክፍሊ ኤፒዲሚዮሎጂ እዩ።

ኤዲኤችዲ እንታይ እዩ?

ህጻናት ጸወታ ይፈትዉ። ምጉያይን ምዝላልን ባህርዮም እዩ።

ይኹን እምበር፡ ህጻናት ብዝተፈልየ መገዲ ንነገራት ኣቓልቦ ክህቡ እንተዘይክኢሎም፡ ወይ ዝያዳ ዘዕገርግሩ ወይ ከኣ ወትሩ ህድእ ክብሉ ዝጽገሙ እንተኾይኖም፡ ወለዲ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ዝግባእ ጸገም ክህሉ ይኽእል።

እዚ ድማ Attention-deficit/hyperactivity disorder (ADHD) ተባሂሉ ይፍለጥ።

ቀንዲ ምልክታት ኤዲኤችዲ፡ ነገራት ቀልጢፍካ ምዝንጋዕ፡ ዝጀመርካዮ ነገር ንምውዳእ ምጽጋም፡ ብሓንሳብ ዝተፈላለዩ ነገራት ምፍጻም፡ ብሰንኪ ዕሸዕሽነት ምግጋይ፡ ብግቡእ ዘይምስማዕን ትእዛዛት ተረዲእኻ ዘይምፍጻምን እዮም።

ካልኦት ምልክታት ድማ ንነዊሕ እዋን ምዝራብ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ፍርሒ ሓደጋ ትሑት ምዃን፡ ከምኡ’ውን ሰባት ዘረብኦም ክሳብ ዝውድኡ ዘይምጽባይን ምቁራጽን ይርከብዎም።

ሓደ ሰብ ኤዲኤችዲ ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል ግን ብሓካይም ብሓያሎ መዐቀኒታት ይረጋገጽ።

ብዙሓት እዚ ጸገም ኣለዎም

ዶክተር ናኦድ ናይ ባዕሉ ታሪክ ብምክፋል ህፃናት ግዳያት ኤዲኤችዲ ምዃኖም ዘይተረድኡ ስድራቤታትን ሕብረተሰብን ከም ረበሽቲ ቆጺሩ ኣብቶም ህጻናት ዘስዕቦ መቕፃዕትን ኣድልዎን ገና ኣብ ንእስነቶም ንሕማም ጭንቀትን ዋላ እውን ንቅልውላው መንነትን ከሳጥሖም ከምዝኽእል የረድእ።

እዚ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝያዳ ከም ዝረአ ዝዛረብ ዶክተር ናኦድ፡ ኣእምሮኣዊ ኩነታቱ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ክብል ዘየኽእሎ ቆልዓ ምውላድ ኣዝዩ ከምዘጨንቕ ይገልጽ።

10 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ ብኤዲኤችዲ ከም ዝጥቅዑ ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ መጽናዕትታት የመልክቱ። እዚ ማለት ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት እዩ።

ኣብ ብሪጣንያ 3.5 ሚእታዊት ህጻናትን 2 ሚእታዊት ዓበይቲ ሰባትን በዚ ናይ ኣእምሮ ጸገም ይሳቐዩ።

ብኸመይ ይፍለጥ?

ኤዲኤችዲ፡ የማናይ ቅድሚት ክፍሊ ሓንጎል ትሑት ምዕባለ ምስ ዝህልዎ ዘጋጥም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ እዩ።

እዚ ጸገም ምዕባለ ሓንጎል ብቐንዱ ብውርሻ ዝመጽእ ኮይኑ፡ ሽጋራ ዘትክኻ ነፍሰጾር ኣዴታት ደቀን ኤዲኤችዲ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ዶክተር ናኦድ ወላዲ ኣቡኡ’ውን ጸገም ኤዲኤችዲ ከም ዝነበሮ ይዛረብ።

ይኹን እምበር፡ ንሱ ዶክተር ኮይኑ ኤዲኤችዲ ከም ዘለዎ ክሳብ ዝፈልጥ ኣቡኡ ኣይፈልጡን ነይሮም።

ሓደ ኤዲኤችዲ ዘለዎ ሕጻን ኣቐዲሞም ከለልዩ ዝኽእሉ ስድራቤታትን መምህራንን ከምዝኾኑ ዶክተር ናኦድ ይገልጽ።

ስድራቤታት ወይ መምህራን፡ ቆልዑ ኣቓልቦ ዝሓትት ንጥፈታት ክገብሩን ናይ ቤት ትምህርቲ ዕዮኦም ክሰርሑን ዘይደልዩ እንተኾይኖም እዚ ሓደ ምልክት ክኾኖም ይኽእል።

ብተወሳኺ፡ ዝኾነ ሕቶ ክሕተቱ ከለዉ እቲ ሕቶ ክሳብ ዝውድእ ከይተጸበዩ ንምምላስ እንተተሃዊኾም፡ መዓልታዊ ክስርሑ ዝግበኦም ስሩዕ ዕማማት እንተረሲዖም፡ ነቶም ምልክታት ብቐረባ ምክትታል ከምዘድሊ ዶክተር ናኦድ ይላቦ።

እዚ ኩነታት እዚ፡ ምስ ኣተዓባብያን ኣተሓሕዛን ህፃናት ዝተተኣሳሰር ናይ ባህሪ ፀገም ተገይሩ ስለዝሕሰብ፡ ብዙሓት ሰባት ብቁጥዐን መቕፃዕትን ክእረም ከምዝኽእል ይኣምኑ።

ይኹን እምበር፡ ብተፈጥሮ ዝመጽእ ድሩት ምዕባለ ኣእምሮ ስለዝኾነ፡ ምስ ክኢላታትን መምህራንን ክትትል ምግባርን ምምኽኻርን የድልዮ’ዩ።

“ዋላ እቶም ህጻናት ጥዑያት እንተሃለዉ፡ ኩሉ ሰብ ንኤዲኤችዲ፡ ልክዕ ከም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ክፈልጦ ይግባእ። ምኽንያቱ ኤዲኤችዲ ንብዙሓት ሰባት ዝጸሉ ድሩትነት ስለዝኾነ" ይብል ዶክተር ናኦድ።

ብመሰረት መዐቀኒታት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ከምዚ ዓይነት ድሩት ኣእምሮኣዊ ምዕባለ ዘለዎም ህጻናት ከለልዩ ዝኽእሉ መሕተቲታት፡ ነቲ ጸገም ንምልላይ መበገሲ ክኾኑ ይኽእሉ።

እዞም ቈልዑ ዕዉታት ንክኾኑ እንታይ ይገበር?

ኣብ መላእ ዓለም ካብ 100 ህጻናት እቶም 10 ኤዲኤችዲ ዘለዎም ክኸውን ከሎ፡ ኣድላዪ ዝኾነ ሕክምና እንተረኺቦም፡ ኣዝዩ ክመሓየሹ ከምዝኽእሉ መጽናዕትታት የመልክቱ።

እዚ ዓይነት ድሩትነት ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ብተመሳሳሊ ፍታሕ ሕክምና ዘደንቕ ውጽኢት ርእዮም እዮም።

ብፍላይ ስድራቤታት፡ ንህጻናት መዓልታዊ ዕማሞም ከይረሰዑ ክሰርሑ፡ ስሩዕ ናይ ጸወታን መጽናዕትን ግዜ ከለማመዱ፡ ከምኡ’ውን ከም ቦርሳን ናውቲ ቤት ትምህርትን ኣብ ውሱን ቦታ ምቕማጥ ክለማመዱ ክሕግዙ ኣለዎም።

መጽናዕትታት፡ ክሳብ 40 ሚእታዊት ካብቶም ኤዲኤችዲ ዘለዎም ህጻናት ሓገዝ እንተረኺቦም ክሓውዩ ከም ዝኽእሉን፡ ኣብቶም 60 ሚእታዊት ድማ ክሳብ ኣባጽሕ ከም ዝቕጽልን ይሕብሩ።

ዶክተር ናኦድ ከም ዝብሎ፡ ከም ስነ-ኣእምሮኣዊ ምኽሪ፡ ናይ ባህሪ ስልጠናን ካልእ ሕክምናታትን ዝኣመሰሉ ሕክምናዊ ደገፍ ካብ ምርካብ ብተወሳኺ፡ ንኤዲኤችዲ ዝወሃቡ መድሃኒት ከም ቀንዲ መፍትሒ ይቑጸሩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወሃብ መድሓኒት ከም ዘየለ ይዛረብ።

ህጻናት መብዛሕትኡ ግዜ "ረበሽቲ፡ መዕገርገርቲ" እዮም ኣብ ክንዲ ምባል፡ ክእረም ዝኽእል ናይ ምዕባለ ድሩትነት'ዩ ኢልካ ምሕሳብ ስለዘይተለምደ ዘተሓሳስብ'ዩ" ይብል።

ኤዲኤችዲ ዘለዎም ሰባት፡ መኪና እናዘወሩ እንተኾይኖም፡ ንመኪና ሓደጋ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ከምዝኾነ ከምኡ’ውን ኣብ ሓዳር ዝተፈለላዩ ጸገማት፡ ወልፊ፡ ገንዘብ ምጥፋእ፡ ኣብ ስራሕ ውጽኢታዊ ዘይምዃን ንነዊሕ ግዜ ምንባብ ዘይምኽኣል ዝኣመሰሉ ጸገማት ከጋጥምም ከምዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ።

ስለዚ ድማ እዩ ዶክተር ናኦድ ንኤዲኤችዲ ኣቓልቦ ምሃብን ምድጋፍን ካብ ንውልቀሰብ ንላዕሊ ንሕብረተሰብ ኣገዳሲ እዩ ዝብል።

ዶክተር ናኦድ ብዛዕባ ኤዲኤችዲ መጽናዕቲ ይገብር ከምዘሎን ናይ ገዛእ ርእሱ ምስክርነት ብምሃብ ደገፍ ስለዝረኸበ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብን ይገልጽ።

ብዙሓት ግን ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ወለድን ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባትን፡ ተመሳሳሊ ደገፍ ስለዘይረኽቡ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ድሩትነቶም ንህይወቶም ክደፍኡ ይግደዱ።

ስለዚ ለውጢ ንምምፃእ ብቐንዱ ስድራ፡ ኣብ ከባቢ እቶም ህፃናት ዝርከብ ማሕበረሰብን መምህራንን ብቐረባ ዝገብርዎ ክትትልን ደገፍን ወሳኒ እዩ።