ብምርሳዕ ተጸጊምኩም ዲኹም? ዝኽረት ዘማዕብሉ ሓሙሽተ ብልሓታት

ኣእምሮኹም ዝኾነ ነገር እናረስዐ እንተኣሸጊሩኩም፡ ተስፋ ኣይትቑረጹ። እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ቀለልቲ ብልሓታት ናይ ምዝካር ክእለትኩም ኣብ ምምሕያሽ ኣወንታዊ ውጽኢት ክህቡኹም ይኽእሉ እዮም።

መብዛሕትና ዝሓሸ ዝኽረት ክህልወና ትምኒትና እዩ። ሰለስተ ነገራት ክንገዝእ ናብ ድኳን ድሕሪ ምኻድና፡ እቶም ክልተ ጥራይ ዝዘከርናሉ ኣጋጣሚ እንተዘይህሉ ንመርጽ። ሎሚ ክንገብሮ ዝሓሰብናዮ ነገር፡ ክንድቅስ ኣብ ንዳለወሉ እዋን ከምዘይገበርናዮ ምዝካርና ዘሕርቐና ብዙሓት ኢና። ካብ ኣእምሮና ቀልጢፉ ዘይጠፍኣሉ ብልሓት እንተዝሕሉ ኩላትና ደስ ምበለና።

ዝኽረት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ከም ነሞኒክስ (mnemonics፡ መጽናዕትን ምዕባለን ዝኽረት ዘመሓይሹ ስርዓታት) ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዝተፈተኑን ዝእመኑን ሜላታት ኣለዉ።

ተመራመርቲ፡ ዝኽረት ንምምሕያሽ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ብሉጽ መገዲ ንምርግጋጽ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድልዮም እዩ። እንተኾነ ግን ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ልሙድ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሙሽተ ብልሓታት ዝብለና ኣለዎ።

1) ንድሕሪት ምኻድ

ግዜን ቦታን ኣዝዮም ከምዝፈላለዩ ንሓስብ ንኸውን። ይኹን እምበር ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ዝራኸቡሉ መገዲ ኣሎ። መብዛሕትና ‘መጻኢ ግዜ’ ኣብ ቅድሜና ከምዝተዘርገሐ፡ ‘ሕሉፍ ግዜ’ ድማ ብድሕሬና ከምዝዝርጋሕ ጌርና ኢና እንሓስብ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮሃምፕተን ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ፍጻመታት ብዝሓሸ መገዲ ንኽንዝክር ዝሕግዘና መገዲ ንምርካብ ነዚ ኣብ ኣእምሮና፡ ኣብ መንጎ ግዜን ቦታን ዘሎ ምትእስሳር ከጽንዑ ወሲኖም።

ንሰባት ዝርዝር ቃላት፡ ስእልታትን ቪድዮን ኣርኣይዎም። እቶም ሰባት ኣብ ሓደ ክፍሊ ሜቶሮኖም (ግዜ ዝሕብር መሳርሒ) ተገይሩ ንቕድሚት ወይ ንድሕሪት 10 ሜተር ክጐዓዙ መምርሒ ተዋህቦም።

ድሕሪኡ ኣብቲ ቪድዮ ብዛዕባ ዝረኣይዎ ነገር ዘለዎም ተዘክሮ ብዝምልከት ክፍተኑ ከለዉ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ፈተና እቶም ንድሕሪት ዝኸዱ ሰባት ዝያዳ ነጥብታት ክዝክሩ ክኢሎም።

ኣብ ሓደ ቦታ ንድሕሪት ክኸዱ ከለዉ፡ ኣእምሮኦም ናብ ሕሉፍ ግዜኦም ንክምለሱ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ብዛዕባ ሕሉፍ ግዜ ኣብ ኣእምሮኦም ዘሎ ተዘክሮታት ብቐሊሉ ክረኽቡ ክኢሎም ማለት እዩ።

ደቂ ሰባት ዝሓለፈ ፍጻመ ክንዝክር ከለና ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዘሎ ተመክሮ ብተገላባጢ ቅደም ተኸተል ዳግማይ ከም እንሃንጾ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ንኣብነት፡ መጀመርታ ንሓንቲ ብሽክለታ ክንርእይ ከለና ፈለማ ንቅርጻ፡ መጠና፡ ሕብራ ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ኢና ነስተብህል። ብድሕሪኡ ኣብ ኣእምሮና ብሽክለታ ምዃና ንግንዘብ። ንሓደ ኣቕሓ ክንዝክር ክንፍትን ከለና ግን ብተገላባጢ እዩ። ፈለማ ነታ ብሽክለታ ንዝክር’ሞ ድሕሪኡ፡ ዕድለኛታት እንተኾይንና፡ ንቅርጻ፡ መጠና፡ ሕብራ ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ክንዝክር ንኽእል።

2) ስእሊ ምስኣል

ሰባት ኣስቤዛ ንምግዛእ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ዘድልይዎም ነገራት ንዘይምርሳዕ ዝርዝሮም ክጽሕፉ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ግን ኣብ ክንዲ ምጽሓፍ ነቶም ኣቑሑት እንተሰኣሉዎም'ኸ?

ኣብ 2018፡ ሓደ ጉጅለ መንእሰያትን ዓበይትን ሰባት ክፈልጥዎም ዝግብኡ ዝርዝር ቃላት ተዋሂብዎም። ፍርቆም ንነፍሲ ወከፍ እቶም ቃላት ክስእሉ ተሓቲቶም። እቶም ዝተረፉ ድማ ነቶም ዝርዝር ክጽሕፉ መምርሒ ተዋሂብዎም።

ጸኒሖም እቶም ሰባት ክንደይ ቃላት ክዝክሩ ከም ዝኽእሉ ተፈቲኖም። እቲ ናይ ምስኣል ተግባር ኣዝዩ ለውጢ ኣርእዩ። እቶም ስእሊ ዝሰኣሉ ዓበይቲ ሰባት ከምቶም መንእሰያት ብዙሕ ቃላት ዘኪሮም።

ስእሊ ምስኣል፡ ኣብቶም ሕማም ምርሳዕ ዘለዎም ሰባት ከይተረፈ ለውጢ ኣምጺኡ።

ሓደ ነገር ክንስእል ከለና ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት ክንሓስብ ንግደድ ኢና። እዚ ድማ ንኽንዝክሮ ዝያዳ ተኽእሎ ይህበና።

ብርግጽ ዝርዝር ምጽሓፍ’ውን ቁሩብ ይሕግዝ’ዩ። ንኣብነት፡ ዝጸሓፍክምዎ ዝርዝር ኣብ ገዛ ረሲዕኹም ናብ ድኳን እንተኸይድኩም፡ ካብ’ቶም ፈጺሞም ዝርዝር ዘይጸሓፉ ብዝሓሸ ዝያዳ ኣቑሑት ክትዝክሩ ትኽእሉ። ስእሊ ምስኣል ድማ ሓደ ስጉምቲ ዝበለጸ ይኸውን።

ስእሊ ኣይንኽእልን ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ጽሬትን ጽባቐን ናይቲ ስእሊ ኣብ ዓቕሚ ምዝካር ዘምጽኦ ዝኾነ ፍልልይ የለን።

3) ኣብ ቅኑዕ ግዜ ዝግበር ኣካላዊ ምንቅስቓስ

ከም ጉያ ዝኣመሰለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ናይ ምዝካር ክእለት ከማሓይሽ ከም ዝኽእል ካብ ዝፍለጥ ጸኒሑ’ዩ። ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣካላት ገለ ውጽኢት ኣለዎ።

ብፍላይ ገለ ነገር ክትፈልጡ ምስ እትደልዩ ግን፡ ሽዑ ንሓደ ግዜ ጥራይ ዝግበር ምውስዋስ ኣካላት ብርግጽ ዝሕግዝ ይመስል። እንተወሓደ ንሓጺር እዋን ዝኽረት ዘመሓይሽ እዩ።

ኣብ ቅኑዕ ግዜ እንተተጌሩ ግን፡ እቲ ዝኽሪ ናይ ምምሕያሽ ጻዕሪ ዝያዳ ዝሓሸ ክኸውን ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ዝርዝር ስእልታት ምስ ገለ ቦታታት ተዛሚዶም ዝተወሃቡ ሰባት፡ ፍርቆም ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ናይ 35 ደቓይቕ ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ መምርሒ ተዋሒቦም። ፍርቆም ድማ ብኡንብኡ ምውስዋስ ኣካላት ክገብሩ ተነጊርዎም።

ክሳዕ ክንደይ ከምዝዝክሩ ምስ ተፈተኑ፡ እቶም ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ናይ 35 ደቓይቕ ምውስዋስ ኣካላት ዝገበሩ ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ኣብ መጻኢ ተመራመርቲ ብልክዕ ምውስዋስ ኣካላት መዓስ ዝያዳ ጠቓሚ ከምዝኾነ ንምርግጋጽ ክሰርሑ’ዮም። እዚ ድማ ከከም’ቲ ክትዝክርዎ ትደልይዎ ነገራት ክፈላለ ይኽእል’ዩ።

4) ዋላ ሓንቲ ዘይምግባር

ብሰንኪ ወቕዒ፡ ብምርሳዕ ዝሽገሩ ሰባት፡ ዝርዝር 15 ቃላት ክዝክሩ ምስተዋሃቦም ድሕሪኡ ካልእ ዕማም ክገብሩ ተነጊርዎም።

ድሕሪ 10 ደቓይቕ ክፍተኑ ከለዉ፡ ካብቲ ዝተውሃቦም ዝርዝር ቃላት 14 ሚእታዊ ጥራይ ዘኪሮም።

ፍጹም ዋላ ሓንቲ ከይገበሩ ኣብ ጸልማት ክፍሊ ን15 ደቓይቕ ኮፍ ምስ ዝበሉ ግን ውጽኢቶም ብዝድነቕ መልክዑ ናብ 49 ሚእታዊ ደይቡ።

ኣብ ሄሪዮት ዋት ዩኒቨርሲቲ ሚካኤላ ደዋር፡ ተመሳሳሊ ሜላ ተጠቒማ ዘካየደቶም መጽናዕትታት፡ ኣብ ጥዑያት ሰባት ገለ ነገር ምስ ተማህሩ ዝወስድዎ ሓጺር ዕረፍቲ ድሕሪ ሰሙን ከይተረፈ ዝሓሸ ክዝክሩ ከም ዝኽእሉ የመልክቱ።

እቶም መጽናዕትታት፡ ዋላ’ውን ሓጺር ዕረፍቲ ኣብ ዝኽረት ለውጢ ክህልዎ ከምዝኽእል ይሕብሩ።

5) ሓጺር ድቃስ ምድቃስ

ንድሕሪት ምኻድ፡ ስእሊ ምስኣል፡ ምውስዋስ ኣካላት ወይ’ውን ዕረፍቲ ምውሳድ እንተዘይመሪጽኩም ድማ ሓጺር ድቃስ ክትድቅሱ ትኽእሉ። ድቃስ ነቲ ዝተማሃርናዮ ሓበሬታ ዳግማይ ብምንቅስቓስ ዝኽርታትና ንምድልዳል ይሕግዝ።

እቲ ድቃስ ግድን ለይቲ ክኸውን የብሉን። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ተሳተፍቲ መጽናዕቶም፡ ክሳብ 90 ደቓይቕ ደቂሶም ድሕሪኡ ፊልም ድሕሪ ምርኣዮም ዝያዳ ክዝክሩ ከም ዝኸኣሉ ይሕብሩ።

ኣዝዩ ናይ ቀረባ እዋን መጽናዕቲ ድማ እዚ ሜላ ኣብቶም ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ብቐጻሊ ሓጺር ድቃስ ናይ ምድቃስ ልምዲ ዘለዎም ሰባት ዝበለጸ ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ይሕብር።