ሳይንስ፡ ሽታ ሰብነትና ምስ ጥዕናናን ባህሪናን ምትእስሳር ኣለዎ ድዩ?

ሰባት ዝፈትውዎን ዝጸልእዎን ዓይነት ሽታ ሰብነት ዝተፈላለየ ሮቋሒ'ዩ ዘለዎ

ምንጪ ስእሊ, Michal Bialozej

መግለጺ ስእሊ, ሰባት ዝፈትውዎን ዝጸልእዎን ዓይነት ሽታ ሰብነት ዝተፈላለየ ሮቋሒ'ዩ ዘለዎ

ሽታ መሮር ዕምባባ ሽላን፡ ጥዕምቲ ጨና፡ ዘልመድክኒ ጨና፡ ጥዕምቲ ጨና ኣደስ ገለ ኣብ ደረፍቲ ትግርኛ ንኣፍቀርቶም ብተምሳል ጥዑም ጨና ዝደረፍረወን ደርፍታት’የን።

ሰባት ካብ ኣካሎም ጥዑም ወይ ሕማቕ ሽታ ከመንጭዉ’ውን ተሰሚዕና ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ንጉስ ፈረንሳ ነበር ንጉስ ልዊስ መበል 14 ምስ ጨና ኣዝዩ ፍሉይ ፍቕሪ ከምዝነበሮ’ዩ ዝግለጽ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሉ ብጨና ሃገግ ዝብሉ ዕንባባታት ክግበረሉ ይእዝዝ ነይሩ። ንጉስ ዝኣዘዞ ከኣ ኣብ ሰዓታ ከተፍ’ያ።

ኣብቲ ንሱ ዝንቀሳቐሰሉ ቀጽሪ ገዝኡ ከይተረፈ ብጥዑም ጨና ከምዝድፍደፍ ይገብር ምንባሩ ይግለጽ።

ብዙሓት ምስኡ ቅርበት ዝነበሮም ናይ ኣካላቱ ሽታ ጥዑም ስለዘይነበረ’ዩ ከምኡ ዝገብር ነይሩ ኢሎም ዝገልጽዎ’ውን ነይሮም’ዮም።

ሕጂ ግን ዛንታና ብዛዕባ ንጉስ ልዊስ መበል 14 ኣይኮነን። ጽሑፍና ብዛዕባ ሽታ ኣካላትና’ዩ።

ናይ ኣካላትና ሽታ ንኹነታት ጥዕናና ከምዝሕብር ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ንኣብነት ሕማም ሸሮኽ ዘለዎም ሰባት ሽታ ኣካላቶም ሽኮራዊ ነገር ከምዝጨኑን ብርቱዕ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ከኣ ዝተበላሸወ ቱፋሕ [ሜለ] ዝመሳሰል ጨና ኣካላት ከምዘለዎም ተመራመርቲ ይሕብሩ ኣለዉ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዩኒቨርስቲ ማኳርየ ተመራማሪ ጨናን ስነኣእምሮን ዝኾነ ማህመት ማህሙት “ሽታ ኣካላትና እንታይ ዓይነት መግቢ ከምእነዘውትር’ውን ይሕብር’ዩ፡ ኣብ ጉዳይ ሽታ ኣካላት ኣዝዮም ዝገራጨዉ መጽናዕትታት’ኳ ኣንተሃለዉ ኣነን ጉጅለይን ግን ብዙሕ ስጋ ዝበልዑ ሰባት ኣዝዩ ምኡዝ ሽታ ኣካላት ከምዘለዎም ከነረጋግጽ ክኢልና ኣለና”ይብል።

ቀደም ዘበን ደቂ ኣንስትዮ ወላዳት ድየን ኣይወላዳትን ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ብዝህለወን ሽታ ይልላያ ከምዝነበራ ዝመላኽቱ ጽሑፋት’ውን ኣለዉ።

እዚ ግን ብሳይንስ ዝተረጋገጸ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያትን ኣብ ካልእ እዋንን ዝተፈላለየ ኣካላዊ ጨና ከምዘለወን ኣብዚ መጽናዕቲ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብዘይካ እዚ ዋላ’ኳ ኣካላዊ ሽታና ብእንበልዖ መግብን ብዘለና ጥዕናን ዝፈላለ እንተኾነ ብወለዶ ዝምሓላለፍ ኣካላዊ ሽታ ከምዘሎ’ውን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ መጽናዕቲ ኣዝዩ ብዙሕ ርሃጽ ዘለዎ ማልያታት ሓዋዊሶም ንብዙሓት ሰባት ካብዘን ብዙሓት ማልያታት ክልተ ሓደ ዓይነት ጨና ዘለወን ማልያታት ክፈልዩ ኣብ ዝተሓተትሉ ብምሉኦም ክልተ ማልያ ሓርዮም።

እተን ኩሎም ዝመረጽወን ክልተ ማልያታት ከኣ ናይ ክልተ ሓደ ዓይነት ዝመስሉ መናቱ ኣሕዋት’የን ነይረን።

እዚ ኸኣ ሽታ ኣካላት ምስ ጂን ወይ ጂር ደቂ ሰባት ምትእስሳር ከምዘለዎ ዘርኢ’ዩ።

ደቂ ሰባት ጨና ንምዕዳግ ዓመታዊ ቢልዮናት ዶላርት'ዮም ዘባኽኑ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ሽታ ሰብነት ንኽህልዎም ብምሕላን'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Michal Bialozej

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ሰባት ጨና ንምዕዳግ ዓመታዊ ቢልዮናት ዶላርት'ዮም ዘባኽኑ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ሽታ ሰብነት ንኽህልዎም ብምሕላን'ዩ

ኣብ ፖላንድ ዩኒቨርስቲ ወሮክሎው ተመራማሪት ስነኣእምሮን ሽታን ዝኾነት ኣግነዝካ ሶሮኮውስካ “እዚ ርኽበት ኣዝዩ ጠቃሚ’ዩ ምኽንያቱ ሰረተ ተወርሶ ምስ ሽታ ኣካላትና ዘለዎ ምትእስሳር ስለዘርእየና” ድሕሪ ምባል “ካብዚ ብምብጋስ ንሰባት ብሽታ ኣካላቶም ሰረት ወለደኦም ከነለሊ ክሕግዘና ይኽእል’ዩ” ትብል።

ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ ንጉስ ልዊስ መበል 14 ዝሓለፈሉ ጎዶና ድሕሪ ሰዓታት’ውን እንተኾነ እቲ ንጉስ ብኡኡ ከምዝሓለፈ ዝሕብር ጨና ከምዝጸንሖ’ዮም ዝገልጹ።

ኣብ ሓደ ካልእ መጽናዕቲ’ውን ንደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ደቂ ተባዕትዮ ዝተኸደንዎ ሓያለ ማልያታት ተዋሂብወን ኣብ ጨና እቲ ማልያ ተሞርኵሰን መስርዕ ክህብዎ ተሓቲተን።

እተን ደቂ ኣንስትዮ እቲ ማልያታት ናይ መን ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣይተነገረንን።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይ ኢለን ዝሃበኦ ሽታ ናይቲ ማልያ፡ ምስአን ጀነቲካዊ ምትእስሳር ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ ኮይኑ ምጽንሑ ኸኣ ነቲ ውጽኢት ዝያዳ ኣገራሚ ይገብሮ።

ኣግነዝካ ሶሮኮውስካ ነቲ ምኽንያት ክትገልጽ እንከላ “ኣብ ቆርበትና ዝርከቡ ባክተርያ ምስ ሓቀቁ’ዩ ሽታ ኣካላት ዝፍጠር፡ ተመሳሳሊ ጂን ዘለዎም ሰባት ከኣ ዝመሳሰል ወይ ዝቀራረብ ሽታ ሰብነት’ዩ ዝህልዎም” ትብል።

ሰባት ንመርዓ መጻምድቲ ኣብ ዝመርጽሉ ሽታ ኣካላት ተራ ኣለዎ ድዩ ኣብ ዝብል ግን እዞም ተመራመርቲ ከረጋግጽዎ ኣይክኣሉን።

ደቂ ተባዕትዮ ዝፈትውዎ ሽታ ሰብነት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ምትእስሳር ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Michal Bialozej

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮ ዝፈትውዎ ሽታ ሰብነት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ምትእስሳር ኣለዎ

ኣብ 3700 መጻምድቲ ኣብ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ወላ ሰባት ኣብ ዘርኦም ተሞርኵሶም ዝመርጽዎም ጨናታት ዝፈላለዩ እንተኾኑ መጻምድቲ ኣብ ዝመርጽሉ ግን እዚ ዘለዎ ጽልዋ ክረጋገጽ ኣይክኣለን።

ኣግነዝካ ሶሮኮውስካን ጉጅለኣን ግን ካልእ ሽታን መጻምድትን ዘለዎ ምትእስሳር ናብ ካልእ ዝዓሞቐ ምርምር ዝመርሖም ነገር ክረኽቡ ክኢሎም’ዮም።

‘ኮንገንሻል ኣኖሶምያ’ ዝብሃል ሕማም ዘለዎም ሰባት ዝኾነ ነገር ክሽትቶም ዘይክእል ሰባት’ዮም።

እዞም ዝኾነ ክሽትቶም ዘይክእል ሰባት መጻምድቲ ንምርካብ ኣዝዮም ከምዝሽገሩን ዋላ ፍቕሪ እንተጀመሩ’ውን ብዙሕ ከምዘይቅጽሉ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ይሕብር።

እንተኾነ እቶም ዝተፈላለየ ጨና ዝፈትዉ መጻምድቲ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ዝያዳ ጾታ ዕግበት ከምዝስምዖምን ውላድ ንኽወልዱ ዝያዳ ሃረርታ ከምዘለዎምን እዚ መጽናዕቲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ዝያዳ ዓሚቕ ምርምር ዝጠልብ ሓዲሽ ርኽበት ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ኣይሓብኡን።

እቲ ካልእ መጻምድትን ሽታ ሰብነትን ዝተሓላለኸ ዝገብሮ፡ ምርዕዋት ደቂ ኣንስትዮ ረሃጽ ብዓል ቤተን ዘለዎ ማልያ ካብ ሞንጎ ብዙሕ ማልያታት ብጨንኡ ክፈልየኦ ዘይምኽኣለን’ዩ።

መብዛሕትአን ኣብ ክንዲ ማልያ ብዓልቤተን ወይ መጻምድተን ነቲ ንሰን ዝመርጸኦ ዓይነት ሽታ’የን መሪጸን።

ምርዕዋትን ቆልዑ ዘለዉዎምን ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ዕድሚኦም 40 ዓመትን ልዕሊኡን ምስ በጽሑ ጨና ናይ ምልላይ ዓቕሞም እናጎደል ከምዝኸይድ እዚ መጽናዕቲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።

ጉዳይ ጨናን ሽታ ሰብነትን ዝውዳእ ኣይመስልን’ዩ ‘ሽታ መሮር ዕምባባ ሽላን’የ’ እናበልና ጽሑፍና ክንዛዝሞ።