ኣብ ብራዚል ሳኦ ፓውሎ ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኩሎም ገየሽቲ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ብራዚል ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት፡ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 61 ተጓዓዝቲ ሞይቶም።
መገዲ ኣየር ቮፓስ፡ እታ መንታ ሞተር ዘለዋ ቱርቦፕሮፕ ነፋሪት ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ናብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ጉዋሩሆልስ እናበረረት እንከላ እዚ ምሕምሻሽ ከም ዘጋጠመ ገሊፁ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝተዘርግሑ ምስልታት እታ ነፋሪት ኣንቆልቀቁላ ክትሕምሸሽ እንከላ የርእዩ።
ነፋሪት ኤቲኣር 72-500 ካብ ዝሓዘቶም ተሳፈርቲ 57 ገየሽትን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት በረራን ዝርከብዎም ነይሮም።
ፕረዝደንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ንግዳያትን ስድርኦምን ሓዘኑ ገሊፁ።
ኣማሓዳሪ ሳኦ ፓውሎ ታራሲሶ ጎሜዝ ደ ፍሬቲያስ፡ ንሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ።
ሰብመዚ ንጉዕዞ በረራ እታ ነፋሪት ዝቐድሕ መሳርሒ ከም ዝተረኸበ ገሊፆም።
ነዛ ነፋሪት ዝሰርሐ ፈረንሳውን ጣልያናውን ትካል ኤቲኣር ኣብቲ ዝካየድ ምርመራ ከም ዝሳተፍ ኣፍሊጡ።
እታ ነፋሪት ናብ መንበሪ ኣባይቲ ዝተሓምሸሸት እንትትኾን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተጎድአ ሰብ ከምዘየለ ተሓቢሩ። ኣብ ሓደ ገዛ ጥራሕ ጉድኣት ከም ዝበፅሐ ድማ ተገሊፁ።
እታ ነፋሪት ክትባራዕ እንከላ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዝተዘርግሐ እንትኾን፡ ፖሊስን ሰራሕተኛታት ሓደጋን ናብቲ ቦታ ከይዶም’ዮም።
ንበረራታት ዝከታተል ፍላይትራዳር24፡ እታ ነፋሪት ካብ ካስቫካል ምስ ተበገሰት፡ ዝተቐበሎ ናይ መወዳእታ ምልክት ድሕሪ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን እዩ ነይሩ።
በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ብራዚል፡ እታ ኣብ 2010 ዝተዘርሐት ነፋሪት “ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ዝነበረትን ግቡእ ሰርተፍኬት ዘለዋን” ከም ዝኾነት ገሊፁ።
ኣርባዕቲኦም ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ድማ ብሞይኦም ብቑዓት’ዮም ኢሉ።
ሆስፒታል መንሽሮ ዩፔካን፡ ኣብታ ነፋሪት ካብ መንጎ ዝሞቱ ሰባት እቶም ክልተ ዶካትር እቲ ሆስፒታል ምዃኖም ንቢቢሲ ገሊፁ።
እታ ነፋሪት እንትሕምሸሽ ዝረኣየ ፊሊፔ ማጋሊስ፡ “ክትሕምሸሽ እንከላ ካብ መሽኮት ገዛይ ኮይነ ርእየ’የ። ብጣዕሚ’የ ሰምቢደ” ብምባል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ናላቲ ሲያሪ ዝተብሃለት ካልእቲ ነባሪት እቲ ከባቢ ድማ ምሳሕ እናበልዐት እንከላ ከቢድ ድምፂ ከም ዝሰምዐት ንሲኤንኤን ሓቢራ።
“ናብ ኮረድዮ ምስ ወፃእኹ፡ እታ ነፋሪት ትሽክርከር ነይራ። ዘይልሙድ ምዃኑ ድማ ፈሊጠ” ኢላ።
እቲ ሓደጋ ናብ ዘጋጠመሉ ከባቢ ዝበፅሐ ፕረዝደንት ሉላ ዳ ሲሊቫ፡ “ሕማቕ ዜና ብምዝራበይ እሓዝን። ኩላህትና ንጸልየሎም” ኢሉ።
በዚ ሓደጋ “ብጣዕሚ ከም ዝሓዘነ” ድማ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ፅሒፉ።
ካብ ከተማ ካው ቫሊሆንስ 20 ሰራሕተኛታት ህፁፅ ሓደጋ ናብቲ ከባቢ ተዋፊሮም’ዮም።
ኤቲኣር ድሕሪ እዚ ምሕምሻሽ ነፋሪት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ “በዚ ሓደጋ ንዝተጐድኡ ሰባት ሓዘንና ንገልፅ። ኣብ ምርመራ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ክንሳተፍ ኢና” ኢሉ።
ኣብ ብራዚል ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት ህይወት 199 ሰባት ቀዚፉ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







