ቦይንግ በቲ ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዘጋጠመ ሓደጋታት ብገበን ክኽሰስ ኣኽበርቲ ሕጊ ሓቲቶም

ቦይንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ገበናዊ ክሲ ከቕርብ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

እቲ ኣፍራይ ነፈርቲ፡ ምስ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኢንዶነዥያን ብርክት ዝበለ ሞት ዘስዓቡ ክልተ ሓደጋታት 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ብዝተኣሳሰር ስምምዕ ካሕሳ ከምዝጠሓሰ ሚኒስትሪ ፍትሒ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ እዚ ሓሳብ ቀሪቡ ዘሎ።

ቦይንግ ርእይቶ ክህብ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮን፤ ቅድሚ ሕጂ ግን ነቲ ዝተናወሐ ስምምዕ ክሲ ጥሒሱ ዝብል ክሲ ነጺጉ ምንባሩ ይዝከር።

ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ነቲ ኩባንያ ክኸስስ ድዩ ኣይክኸስስን ንምውሳን ክሳዕ 7 ሓምለ ግዜ ኣለዎ።

እቲ ሕዚ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከምዘይኰነን ዝርዝር ናይ ዝዀነ ይኹን ክፍጸም ዝኽእል ገበናዊ ስጉምቲ ከምዘይፍለጥን ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሓቢሩ ኣሎ።

ፈጻሚ ዳይረክተር ፋውንዴሽን ድሕነት ኣቬሽንን ላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ነበርን ኤድ ፒርሰን፡ እቲ ኣብ ቀጻሊ ዝውሰድ ውሳነ "ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ውሳነ'ዩ" ኢሉ።

ንሱ ንሬድዮ 4 ቱደይ ዝተበሃለ መደብ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እተን ነፈርቲ ጸገማት ኣለወን። ጸገም ከምዘለወን ንርኢ ኣለና፤ ብዛዕባ 737 ማክስ፡ 787 እየ ዝዛረብ ዘለኹ፡ እዚ ድማ ነቲ መሪሕነት [እቲ ኩባንያ] ዘንጸባርቕ’ዩ" ኢሉ።

ኣብቶም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኢንዶነዥያን ዘጋጠሙ ሓደጋታት ዝነበራ ክልቲአን ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኰይነን ክልቲኡ ሓደጋ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብቶም ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ኣብ ነፋሪት ላየን ኤየር ኢንዶነዥያ ከምኡ’ውን ኣብ መጋቢት 2019 ድማ ኣብ በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ሓደጋታት ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣዝማድ እቶም ግዳያት፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ቦይንግ 25 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክሓትቱን ገበናዊ ክሲ ክቐርቡን ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም ነይሮም።

ብመሰረት ኣብ 2021 ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ቦይንግ 2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ከምዝኸፍል ክገልጽ እንከሎ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ እቲ ኩባንያ ኣብቲ ዝተናወሐ ስምምዕ ክሲ ዝተቐመጡ ዝተወሰኑ ቅድመ ኵነታት እንተኣማሊኡ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ገበናዊ ክሲ ከቋርጽ ንቤት ፍርዲ ክሓቱ ተሰማሚዖም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ቦይንግ "ኣብ ምሉእ ንጥፈታቱ ምጥሓስ ሕግታት ምትላል ንምክልኻልን ንምፍላጥን ዝሕግዝ ናይ ምኽባርን ስነ-ምግባርን መደብ ክነድፍ፡ ከተግብርን ከረጋግጽን" ከምዘይካኣለ ብምጥቃስ ነቲ ነቲ ስምምዕ ከምዝጠሓሰ ኣመልኪቱ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ካብ ስልጣኑ ዝወረደ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ዴቭ ካልሃውን፡ ካብ ሰነተራት ኣመሪካ መርመራ ኣጋጢምዎ ነይሩ።

ካልሃውን፡ እቲ ኩባንያ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታት "ትምህርቲ" ወሲዱ ከምዝነበረን እቲ ሰራሕተኛታት ‘ዊስብሎወርስ’ ብምስጢር ጥርዓኖም ዘቕርብሉ ኣገባብ "ዝሰርሕ" ምዃኑን መስኪሩ፤ እንተዀነ ግን ኣባላት ባይቶ ሽዑ’ውን ነቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ባህሊ ንምእራም እኹል ስራሕ ከምዘይሰርሐ እዮም ዝኸስዎ።

ከም ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ መርመራ፡ ቦይንግ ‘ዊስልብሎወርስ’ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንሰኔት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ 737 ማክስ፡ 787 ድሪምላይነርን 777ን ሞዴላት ከቢድ ጸገማት ከምዘለወን ገሊጾም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ በረራ መንገዲ ኣየር ኣላስካ ማዕጾ ሓዳስ 737 ማክስ ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቑ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ እቲ ኩባንያ ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም።

ካልሃውን 33 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ፓኬጅ ደሞዝ እናተኸፈሎ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቦይንግ ኰይኑ ንኣስታት ሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ምግልጋል ኣብ መወዳእታ 2024 ካብ ስልጣኑ ክወርድ እዩ። ግን ኣባል ቦርድ ቦይንግ ኰይኑ ክቕጽል’ዩ።