ቦይንግ፡ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣብ ወጥሪ ዘሎ?

ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩናይትድ

ምንጪ ስእሊ, CBS

ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩናይትድ ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣካል ጐዲልዋ እንከሎ ብዓርቢ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኦሪገን ዓሊባ።

ሓደ ኣፈኛ ከምዝሓበሮ፡ እታ ካብ ሳንፍራንሲስኮ ዝተበገሰት ነፋሪት ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሮግ ቫሊ ከባቢ ሰዓት 11፡30 እያ በጺሓ።

እታ 25 ዓመታት ዕድመ ዘለዋ ቦይንግ 737-800 ዝዓይነታ ነፋሪት 139 ገያሾን ሽዱሽተ ሰራሕተኛታትን ጽዒና ኔራ።

ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየለን እቲ ኣገዳሲ ክፋላ ጐዲሉ ምንባሩ’ውን ኣብቲ በረራ ዘስተውዓለሉ ኣይነበረን።

እቲ ውጽእ እትው ዝብል ኽፋል ጐዲሉ ምህላው ዝተፈለጠ ድሕሪ በረራ ኣብ ዝግበር ፈተሻ ከምዘነበረ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሮግ ቫሊ፡ ኣምበር ጁድ ኣፍሊጣ።

“እታ ነፋሪት ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምምላሳ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ነፋሪት ደቂቕ መርመራን ኣድላዪ ምትዕርራያት ክንገብር ኢና፡” ኢላ።

እቲ ጕድኣት ብኸመይ ከምዝሰዓበ ንምንጻር’ውን መርመራ ክኻየድ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ዝጐደለ ኣካል እታ ነፈሪት፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋላ፡ ኣብ ጥቓ መዕለቢ መንኰርኰር ዝርከብ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ስእሊ የርኢ።

ነቲ ዝወደቐ ኣካል ንምድላይ፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኵሉ በረራታት ንዝተወሰነ ግዜ ደው እኳ እንተበለ ክርከብ ኣይከኣለን።

ፌደራል በዓልስልጣን በረራ ኣሜሪካ፡ እቲ ኽፋል ብኸመይ ከምዝተነጸለ ንምፍላጥ መርመራ ይገብር ምህላው ኣፍሊጡ።

ቦይንግ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣብ ጸበባ ዘሎ?

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኣላስካ

ምንጪ ስእሊ, Alaska Airlines

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንቦይንግ 737 ማክስ ምብራር “ንሓደ ኣብ ጸገም ዝወደቐ ህጻን ከም ምርኣይ እዩ” ይብል ሓላፊ ማሕበራት ኣብረርቲ ኣሜሪካ፡ ካፒቴን ዴኒስ ታጀር።

ንሱ ወሲኹ፡ ሓንቲ ነፋሪት ውሕስነታ እንተዘይተረጋጊጹ ከምዘይድይባ ይገልጽ።

ድሕሪ ደጊም ብቕዓት ናይ ዘብርራ ነፋሪት ከም ውሁብ ዝውሰድ ነገር ከምዘይኮነ’ውን ይዛረብ።

“ኣብ ነፋሪት ቦይንግ ክስምዓኒ ዘይነበሮ ኵነታት እየ ዝርከብ፡” ይብል።

“እቲ ቅድሚ ሕጂ ንልዕሊ 30 ዓመታት ውሕስነት ዝፈጥረለይ ዝነበረ መስርሕ ይኽተልዎ ኣለው ዝብል እምነት የብለይን።”

ወላ’ኳ ኣብ ሰብ ዝበጽሐ ከቢድ ጕድኣት እንተዘየለ፡ ሳዕቤኑ ሰፊሕ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ገዚፍ ኩባንያ በረራ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ምስሊ ኣሎ።

ቦይንግ፡ ቅድሚ ሓሙሸተ ዓመት፡ ክልተ ሓደስቲ 737 ማክስ ነፈርቲ ዳርጋ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ብምሕምሻሸንን 346 ሰባት ምጥፍኦምን፡ ኣብ ታሪኹ እቲ ዝዓበየ ዜሕንኽ ተግባር እዩ ገጢምዎ።

ጠንቂ እቲ ሓደጋታት ኣብ 'ሶፍትዌር' መቈጻጸሪ እተን ነፈርቲ ብዝተፈጥረ ጸገም ምዃኑን እዚ ከኣ ተቖጻጸርቲ ኰነ ኢሎም ዝሸፋፈንዎ ምንባሩን እዩ ዝግለጽ።

እቲ ኩባንያ ነቲ ክሲ ንምድቅቓስ 2.5 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ክሰማማዕ እንከሎ፡ ወላ’ኳ ድሒሩ ኣብ ቤትፍርዲ ነቲ ገበን ከምዘይወዓሎ እንተገለጸ፡ ምትላል ምንባሩ ተኣሚኑ ኔሩ።

ነዚ ስዒቡ ከኣ መኽሰብ ልዕሊ ድሕነት ገያሾ ኣቐዲሙ ብዝብል ሰፊሕ ክሲ ቀሪቡሉ እዩ።

ኣብ 2020 ዝተመዘዘ ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ ዴቭ ካልሁን “ዝሓሸ ስራሕ” ክግበር ምዃኑ ብምግላጽ ንድሕነት ቀዳምነት ከምዝህብ ቃል ኣትዩ ኔሩ።

ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ድሕሪ ዘጋጠመ ክስተት ዝተገብረ መርመራ ግና ነቲ መብጽዓ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ ኣሎ።

ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ፡ በዓልስልጣን በረራ ኣሜሪካ (ኤፍኤኤ)፡ ኣብ ልዕሊ መስርሕ ምፍራይ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስን ንዋት ዘቕርበሉ ትካል ‘ሰፒሪት ኤሮሲስተርምስን’ ዝተካየደ ናይ ሽዱሽተ ሰሙን መርመራ፡ እቶም ኩባንያታት ንመምርሒታት መረጋገጺ ብቕዓት ዘየኽብሩሉ ብርክት ዝበለ ኣጋጣሚታት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ማሕበራት ኣብረርቲ ኣሜሪካ፡ ካፒቴን ዴኒስ ታጀር

ምንጪ ስእሊ, Dennis Tajer

መግለጺ ስእሊ, ካፒቴን ዴኒስ ታጀር፡ ንቦይንግ 737 ማክስ ምብራር “ንሓደ ኣብ ጸገም ዝወደቐ ህጻን ከም ምርኣይ እዩ” ይብል

ካልእ ኣቐዲሙ ዝወጸ ጸብጻብ’ውን ኣብ መንጐ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቦይንግን ታሕተዎት ሰራሕተኛታትን “ዝተበትከ” ርክብ ምህላውን ሰራሕተኛታት ክመጾም ዝኽእል ምፍዳይ ሕነ ብምስጋእ፡ ጸገማት ምስ ዝረኽቡ ክሕብሩ ሰጋእ-መጋእ ከምዝብሉ ገሊጹ።

ኣብ ነፈርቲ 737 ማክስ ብዘይግቡእ ዝተተኽለ ገመዳት ኤለክትሪክ ክጭፍለቕ ከምዝኽእልን ነቲ ኣክናፍ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምግባር ነታ ነፋሪት ከውድቓ ከምዝኽእል ኤፍኤኤ የጠንቅቕ።

ኣብ ኣገልግሎት ዝርከባ ብኣማኢት ዝቝጸራ ነፈርቲ፡ እዚ ክፍተሻ ምዃነን’ውን ተፈሊጡ።

ቦይንግ ብመሰረት መርመራ ኤፍኤኤ “ብቕልጡፍ ለውጢ ንምግባርን ዓማዊልናን ገያሾኦምን እምነቶም ንምሕያል፡” ምስራሕ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ ብቕዓታት መስርሕ ምፍራይ ቦይንግ ዝለዓሉ ሻቕሎት ግና ነዊሕ ዝጸንሑ እዮም።

ኣብ ቦይንግ ንዘሎ ጸገም ፈለማ ዘቃልዐ፡ ኣብቲ ትካል ካብ 2010 ክሳዕ እቲ ጡረታ ዝወጸሉ 2017 ዝሰርሐ ጆን ባርነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሞይቱ ከምዝተረኽበ ይዝከር።

ኣብ ፕሮግራም ድሪምላይነር 787 ሓላፊ ብቕዓት ኮይኑ ዝሰርሐ ጆን ባርነር፡ መኽሰብ ንምዕባይ፡ ነፈርቲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምፍራይ ዝተገብረ ተብተብ ዘይውሑስ ልምምዳት ከምዘስዓበ እዩ ገሊጹ።

ጸቕጢ ዝበርትኦም ሰራሕተኛታት ብቕዓቱ ዘይተሓለወ ንብረት እናፈለጡ ዝገጠሙሉ ኵነታት ከምዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ኔሩ።

ቦይንግ ግና ነቲ ክስታት ነጺግዎ። እቲ ኣንጻር ቦይንግ ዝተበገሰ መስርሕ ፍርዲ እናቐጸለ እንከሎ፡ ባርነር ሃንደበት ምማቱ ግና፡ እቲ ኩባንያ ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ገዚፍ ኩባንያ ነፈርቲ ቦይንግ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ መገዲ ኣየራት ጸገማት ይፈጥር ኣሎ።

መገዲ ኣየር ራያን፡ ዝተኣዘዛ ሓደስቲ ነፈርቲ ኣብ እዋኑ እንተዘይቀሪበን ኣብዚ ክረምቲ ትኬታት ጉዕዞ ነፈርቲ ኣብ ኣውሮጳ ክውስኽ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ኣሜሪካዊ መገዲ ኣየር ሳውዝዌስት እውን እኹል ነፈርቲ ብዘይምርካቡ፡ ሎምዘበን ብንኡስ ዓቕሚ ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ገለ መገዲ ኣየራት ነተን ዝጐደላ ነፈርቲ ቦይንግ ንምትካእ ናብ ኤየርባስ ከብሉ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ እቲ ናብ ኣሜሪካዊ ትካል ብናይ ጃምላ ዋጋ ዝቐረበ ትእዛዛት ናብ ኣውሮጳ ምዝውዋሩ ዝከኣል ኣይመስልን።

ክልቲኦም ትካላት እኹል ጠለብ እዩ ዘለዎም። ኣውሮጳዊ ትካል መፍረ ነፈርቲ ኤየርባስ፡ ጌና ዘየረከበን 8,000፡ ቦይንግ ከኣ 6,000 ነፈርቲ ኣለዋኦም።

መገዲ ኣየራት ድሮ ካብቲ ክጽበይኦ ዝደልያ ግዜ ንላዕሊ ተጸብየን ኣለዋ።

ምናልባት ሳልሳይ ኣማራጺ ክኸውን ዝኽአል፡ ቻይናዊ ኣፍራዪ ኮማክ እዩ።

ኮማክ ሲ919 ዝተባሃለት ምስ ቦይንግ 737 ማክስን ኤየርባስ ኤ320 ኒኦን ክትዳረግ ዝተነድፈት ነፋሪት ኣማዕቢሉ ኣሎ።

እንተኾነ እዚ ፕሮግራም ጌና ኣብ ጅማረ እዩ ዘሎ። ኣብ 2028 ኣብ ዓመት 150 ነፈርቲ ጥራይ እዩ ከፍርይ።

ስለዚ እቲ ዕዳጋ፡ ቦይንግ ጥዕናኡ ኣረጋጊጹ ክቕጽልን፡ ነቲ ህልው ጸገማት ክስዕርን እዩ ዝደሊ። እሞ እዚ ክኸውን ይኽእል ድዩ?

ብመሰረት ግምት ዋና ዳይሬክተር ትካል ንድሕነት በረራ፡ ኤድ ፒርሰን፡ እቲ ጉዳያት ዝተሓላለኸ ግና ክዕረይ ዝኽእልን እዩ።

ተቖጻጸርቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባንያ ጽኑዕ ኣተሓሕዛ ክህልዎም ክጽውዕን ጸኒሑ እዩ።

“ቦይንግ፡ ኣቕረብቲ ትካላት፡ መገዲ ኣየራትን ትካላት መንግስትን ነዚ ጸገም ክሰግርዎ ይኽእሉ እዮም፤ ግና ነዞም ጸገማት ንምዕራይ፡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ፡ ቅንዕና እዩ፡” ይብል ኤድ።

“እዞም ጸገማት ምህላዎም ክኣምኑን ነቲ ሓቂ ምጥውዋይ ደው ከብሉን የድሊ። ብዝጠዋወይዎ መጠን፡ እቲ ንምፍትሑ ዘድሊ ግዜ እናወሰኸን እቲ ስግኣት እናዓበየን እዩ ዝኸይድ።”

ቦይንግ ኣብ ዝሓለፈ ብርክት ዝበለ ዓመታት “ነቲ ክዕረይ ዘለዎ ነገራት ንምትዕርራይ፡ መፍረ ንምጉዳል ኮነ ደው ንምባል” ድልው ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ብዘይካ’ዚ ሰራሕተኛታት ንዝረኣይዎ ክዕረይ ዘለዎ ጸገማት ክዛረቡ ንምትብባዕ “ስፒክ ኣፕ” ዝተባሃለ ፕሮግራም ኣበጊሱ ምህላው ኣፍሊጡ።