ሓደጋ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናይ ካፒቴይን ያሬድ ቀምቃማይ ፀጉሪ ብዛዕብኡ ይዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Hassan Katende/Facebook
ያሬድ ተኽለ ይበሃል። ኣብ ከተማ ናይሮቢ - ኬንያ ፀጉሪ ብምቕምቃም እዩ ዝናበር። ምስ ካፕቴን ያሬድ ነዊሕ ግዜ ዝፀንሐ ፍልጦ ከም ዝነበሮም ይዛረብ።
ብፍላይ ዕረፍቲ ክህልዎ ከሎን ኣብ 'ክሪስማስ' ናብ ኬንያ ክመፅእን ናብኡ እናኸደ ይቕምቀም ነይሩ።
"ካፕቴን ያሬድ ኣባይ መፂኡ ይቕምቀም ነይሩ። ነዊሕ ዝፀንሐ ምሕዝነት ኣለና" ዝብል ቀማቃማይ ፀጉሪ ያሬድ፡ ብፍላይ ንዕረፍቲ ናብ ኬንያ ክመፅእ ከሎ፡ ናብኡ እናኸደ ይቕምቀም ምንባሩ ይዛረብ።
"ሰብ ምስ ሞተ 'ከምዚ ነይሩ፤ ከምዚ እዩ' ክበሃል ከሎ ኣይፈትውን። ሓቂ ንምዝራብ ግን ያሬድ ዝተፈለየ ሰብ ነይሩ" ይብል።
ስነ-ምግባሩ ዝሓለወ፣ ሰብ ዘኽብርን ንኹሉ ብማዕረ ዝርእይን ምንባሩ ዝገልፅ ያሬድ፡ "ንዓይ'ውን 'ያሬድ' ክብል ፀዊዑኒ ኣይፈልጥን፤ 'ሞኽሺ' እዩ ዝብለኒ ነይሩ" ይብል ብኽያት እናሰዓሮ።
ናብ ናትካ እንዳቐምቃማይ ምስ መን ይመፅእ ነይሩ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ "ኩልግዜ ምስ ቤተሰቡ እዩ ዝመፅእ። ብፍላይ ምስ ኣዲኡ ዝነበሮም ፍቕሪ ፍሉይ እዩ" ክብል የረድእ።
"ኣቡኡ፡ ኣይተ ጌታቸው እውን ዓሚለይ'ዩ። ሓቢሮም ይመፅኡ ነይሮም። ዝበዝሕ ግዜ ግን ምስ ኣዲኡ'ዩ ዝመፅእ። ሒዛቶ ትመፅእ'ሞ ተቐምቂሙ ምስ ወደአ ሒዛቶ ትምለስ" ይብል።
"ንዓይ ዝኸፍለኒ ክፍሊት 'እስከ ሎሚ መዓልትስ ኣነ ክኸፍለልካ' እናበለት ንሳ እትኸፍለሉ ግዘ ይበዝሕ ነይሩ" ዝብል እቲ ቐምቃማይ፡ እቲ ስድራ መንፈሳዊ ቅንኢ ክሓድረካ ዝገብር ከም ዝኾነ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Yared Tekle
"መኪና ክዝውር'ኳ ሕጉስቲ ኣይኮነትን። 'ኣብዚ [ናይሮቢ] ዘሎ መገዲ ኣይፅቡቕን። ፀቢብ እዩ፤ ኣነ ከብፀሓካ" ትብሎ ምንባራ'ውን ይዝክር።
ንሱ ብቋንቋ ስዋሂሊ ከዘራርቦ ክፍትን ከሎ፡ ካፕተይን ያሬድ ግን ኣምሓርኛ ክለምድ ይደልይ ስለዝነበረ፡ ብኣምሓርኛ ክዛረብ ይመርፅ ነይሩ።
ኣብ ኬንያ ተወሊዱ ስለዝዓበየ፡ ኣምሓርኛ ኣፀቢቑ ኣይዛረቦን። ብጣዕሚ ህንጡይ ስለዝነበረ ግን ደሓር እናለመደ ክመፅእ ጀሚሩ እዩ።
"ናብዚ [ሓበሻ ሬስቱራንት] ይመፅእ ዝነበረ፡ ንኢትዮጵያ ብዝነበሮ ፍቕሪ'ምበር ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ'ኮ ናይ ህንዳውያንን ኬንያውያንን እንዳቐምቃማይ ኣሎ" ይብል ያሬድ።
ብኢትዮጵያውነቱን ናብ መገዲ ኣየር ብምእታዉን ሕጉስ ነይሩ። ኣብቲ መገዲ ኣየር ሰፊሕ ዕድል ከም ዘሎ ንያሬድ (ቀምቃማይ ፀጉሪ) ይገልፀሉ ነይሩ።
ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝሰምዓሉ ኣጋጣሚ
ክሳብ ደሓር፡ ነፋሪት ከም ዝተሓምሸሸትን ሰባት ከም ዝሞቱን ደኣ'ምበር 'ያሬድ ካብኣቶም ሓደ እዩ' ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮን።
"ኣብ ስራሕ እናሃለኹ 'እቲ ኣብራሪ ፍርቂ ጎኑ ኬንያዊ እዩ ይበሃል ኣሎ' ክብሉ ምስ ሰማዕኩ ብጣዕሚ ሰንቢደ። ንዕኡ ጥራሕ ሰለዝፈልጥ 'በቃ ያሬድ'ዩ' ክብል ሰንቢደ"
ነቲ ሓቂ ኣብ ዝፈልጠሉ ግዜ ክቐስን ኣይከኣለን። ቁሩብ ምስ ተረጋግአ ናብ ስድራ ካፕተይን ያሬድ ስልኪ ደዊሉ። ሰኑይ ንጉሆ ድማ ዌስትላንድስ [ምዕራባዊ ክፋል ከተማ ናይሮቢ] ናብ እትነብር ኣዲኡ በፂሑ።
ንዕኡ ዝረኣየት ኣዶ ኣብራሪ ያሬድ፡ ልክዕ ወዳ ከም ዝረኣየት በኽያ። ሓቚፋቶ ነቢዓ።
ሽዑ እናነበዐት "ወደይ ያሬድ'ኮ ኣይሞተን፤ ክመፅእ እዩ" ከም ዝበለቶ ይዛረብ። ሞት ወዳ ኣሚና ክትቅበል ከም ዝተፀገመት'ውን እናነብዐ ገሊፁ።
"ፈጣሪ ዝፈቐዶ እዩ ዝኸውን፤ ንስድርኡ ፅንዓት ይሃቦም ካብ ምባል ወጻኢ እንታይ ክግበር ይከኣል ኮይኑ?" ይብል ያሬድ ኣብ ስምዒት ሓዘን ኮይኑ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







